ሓተትቲ ዕቑባ ናብ ሩዋንዳ ምውሳድ ዘይሕጋዊ'ዩ ክብል ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ ወሲኑ

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ ሓተትቲ ናብ ሩዋንዳ ንምስግጋር ዝወጽአ ውጥን ዘይሕጋዊ’ዩ ክብል ድሕሪ ምውሳኑ መንግስቲ ይግባይ ክብል ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ሪሺ ሱናክ ተዛሪቡ።
ዳያኑ እቲ ቤት ፍርዲ ሩዋንዳ “ውሕስቲ ሳልሰይቲ ሃገር” ምዃና ንምርግጋጽ እኹል መከላኸሊ ከም ዘይሃበት ገሊጾም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ሱናክ ምስቲ ብይን “ብመሰረቱ ኣይሰማማዕን” ብምባል መንግስቲ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብምኻድ ክምጕት ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ። ተሓለቕቲ መሰል ስደተኛታት ግን ውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ብሓጎስ ተቐቢልምዎ ኣለው።
ወሃቢ ቃል ገባሪ ሰናይ ትካል ‘ኣይሳይለም ኤይድ’ እቲ ውሳነ “ኣገዳስነት ልዕልና ሕግን መሰረታዊ ፍትሓውነትን ዘረጋግጽ'ዩ” ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ሱናክ ግን ንውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ብምኽባር፡ ነቶም ብንኣሽቱ ጀላቡ ስደተኛታት ዘሰጋግሩ ገበነኛ ጕጅለታት ንምቁጽጻር ግን “ኣድላዪ ዘበለ ኵሉ” ክገብር ምዃኑ ገሊጹ።
“መንግስቲ ሩዋንዳ ብመሰረት ፖሊሲ ሩዋንዳ ናብታ ሃገር ንዝሰጋገሩ ሓተትቲ ዑቕባ ዝዀነ ዓይነት ሓደጋ ከም ዘየጋጥሞም ንምርግጋጽ ዘድሊ መረጋገጺታት ከም ዝሃበ ብትሪ እኣምን - እዚ ድማ ሎርድ ላዕለዋይ ዳኛ ዝሰማማዓሉ'ዩ”።
“ሩዋንዳ ውሕስቲ ሃገር እያ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ በዚ ተሰማሚዑ’ዩ። ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ኣብ ሩዋንዳ ንዝርከቡ ሊብያውያን ስደተኛታት ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ስደተኛታት መደብ ኣለዎ። ሕጂ ነዚ ውሳነ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ይግባይ ክንብል ፍቓድ ክንሓትት ኢና”።
መንግስቲ ሩዋንዳ ሃገሩ "ሓንቲ ካብተን ውሑሳት ሃገራት ዓለም" ምዃና “ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ኣብነታዊ ኣተሓሕዛ” ብምርኣይ ድማ ኣፍልጦ ከም ዝረኸበት ክገልጽ ጸኒሑ ኣሎ።
እቲ ጉዳይ ብንኣሽቱ ጀላቡ ናብ ብሪጣኒያ ዝኣተው ካብ ሶርያ፡ ዒራቕን ኣልባንያን ሓዊሱ ካብ ብዙሓት ሃገራት ዝመጽኡ 10 ሰባት ምስ ኣሳይለም ኤይድ ኰይኖም ናብ ቤት ፍርዲ ብምውሳድ እቲ ፖሊሲ ዘይሕጋዊ እዩ ኢሎም ክምጕቱ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ሩዋንዳ ንሓተትቲ ዑቕባ ከም ውሕስቲ ሳልሰይቲ ሃገር ክትቁጸር ትኽእል ድያ ዝብል ውሳነ፡ ብኸፊል ሰባት ናብታ ፈለማ ዝሃደሙላ ሃገር ብኣስገዳድ ክትመልሶም እትኽእለሉ ሓደጋ ኣሎ ድዩ ካብ ዝብል ዝነቅል እዩ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ ኣቐዲሙ ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ፍርዲ ንፖሊሲ መንግስቲ ደጊፉዎ እኳ እንተነበረ፡ እቲ ውሳነ ግን ኣብዚ ዳሕረዋይ ደረጃ ናይቲ መስርሕ ብዳያኑ ቤት ፍርዲ ይግባይ ላዕለዋይ ዳኛ ሎርድ በርነት፡ ሰር ጆፍሪ ቮስን ሎርድ ዳኛ ኡንደርሂልን ብዕቱብ ተፈቲሹ።
ሎርድ በርነት ምስ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ክውግን እንከሎ፡ እቶም ካልኦት ግን "ብመሰረት ፖሊሲ ሩዋንዳ ናብታ ሃገር ዝውሰዱ ሓተትቲ ዑቕባ ብጌጋ ናብተን ማእሰርቲ ወይ ካልእ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ክበጽሖም ዝገብራ ሃገራት ዘይምለስሉ ሓደጋ ከም ዘየለ ካብ መንግስቲ ሩዋንዳ ዝተዋህበ መረጋገጺ እኹል ከም ዘይኮነ" ደምዲሞም።
እቶም ዳያኑ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ምልኣኽ "ኣብ መስርሕ ዑቕባ [እቲ መንግስቲ] ዘሎ ጉድለታት ክሳብ ዘይተኣረመን ዘይሕጋዊ ክኸውን'ዩ” ኢሎም።
ኣብቲ ጉዳይ ንኣሳይለም ኤይድ ዝውክል ትካል ሕጊ ሊ ዳይ ሰራሕተኛ ዝዀነት ቴሳ ግሪጎሪ፡ "ቤት ፍርዲ ብምኽንያት ጉዳይ ድሕነት ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ምልኣኽ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ብምውሳኑ ኣዝዩ የሐጉሰና" ኢላ።
ካልኦት ጉጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት’ውን ነቲ ውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ብሓጎስ ተቐቢሎምዎ፤ ‘ፍሪደም ፍሮም ቶርቸር’ ድማ እቲ ውሳነ "ዓወት ምኽንያትነትን ርህራሄን" ክብል ገሊጽዎ።
ላዕለወይቲ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ሱኤላ ብራቨርማን እቲ ውሳነ ኣመልኪታ ኣብ ባይቶ ምላሽ ክትህብ ትጽቢት ይግበር።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ሰባት ናብ ሩዋንዳ ንምልኣኽ ዝወጽአ ውጥን፡ መንግስቲ ብሪጣኒያ ብንኣሽቱ ጀላቡ ቻነል ኢንግሊዝ ዝኣትው ስደተኛታት ንምግታእ ብዝብል ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ወርሒ ሚያዚያ 2022 ወግዓዊ ዝገበሮ’ዩ።
ድሕሪ ክልተ ወርሒ እታ ቀዳመይቲ ናይ ምስጓግ ነፋሪት ክትብገስ ሒደት ደቓይቕ ምስ ተረፋ ግን፡ ሕጋዊ ብድሆ ስለ ዘጋጠመ ስደተኛታት ሒዛ ናብ ሩዋንዳ ክትበርር ኣይክኣለትን።
ኣብ ወርሒ ታሕሳስ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ እቲ ውጥን ውዕል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከም ዘይጥሕስ ብምግላጽ ሕጋዊ እዩ ክብል ወሲኑ።
ይኹን’ምበር እቲ ጉዳይ ናብ ይግባይ ኣምሪሑ ብቤት ፍርዲ ክርአ ኣብ ወርሒ ጥሪ ተወሲኑ።
ዝኾነ ስደተኛ ናብ ከም በዓል ሩዋንዳ ዝበላ "ውሑስቲ ሃገር" ንምልኣኽ ዝግብር ወጻኢታት ካብቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ምጽናሕ ብገምጋም 63 ሽሕ ፓውንድ ዝያዳ ገንዘብ ክሓትት ከምዝኽእል መንግስቲ ገሊጹ ነይሩ።
ብባይቶ ዝሓለፈ እማመ ‘ገምጋም ቁጠባዊ ጽልዋ’ ዘይሕጋዊ ስደት [Illegal Migration Bill] ንሓደ ውልቀሰብ ንምግዓዝ 169 ሽሕ ፓውንድ ሓፈሻዊ ወጻኢታት ከምዘድሊ የመልክት።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እንተዝጸንሑ ግን እቲ ንደገፍ ኣባይቲ ዝውዕል 106 ሽሕ ፓውንድ ዝግመት ገንዘብ ካብ ወጻኢ ምደሓነ።
መንግስቲ ከምዝብሎ እቲ ፖሊሲ ነቲ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝግበር ጉዕዞ ስደተኛታት ኣብ ምግታእ እወንታዊ ጽልዋ ምሃለዎ ነይሩ።
ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ንሓተትቲ ዑቕባ ንምዕቃብ ኣብ መዓልቲ ዳርጋ 7 ሚልዮን ፓውንድ ኣብ መንበሪ ሆቴላት ከም ዘውጽእ ይገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







