ኣብ ጀርመን ዝቕመጡ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ዝጽበይዎ ፍታሕ እንታይ እዩ?

ኤርትራውያን ኣብ ስደት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ገለ ሃገራት ኣውሮጳ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ምስቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ደቆምን መጻምድቶምን ንምጥርናፍ ዓቢ ብድሆ ኣጋጢምዎም ከምዘሎ ገሊጾም።

እቲ ዘጋጥሞም ዘሎ ምድንጓያት ብሰንኪ ዘይብሩህ ፖሊሲ ዝምልከቶም ሰብመዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዃኑ’ውን እቶም ስደተኛታት የማርሩ።

ብፍላይ ነቶም ኣብ ጀርመን ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሰንኪ መንግስቲ እታ ሃገር ዝኽተሎ ተሪር ቅጥዕታት ጥርናፈ ስድራቤት ዓቢ ብድሆ’ዩ ኰይንዎም ጸኒሑ።

ኵነታቶም ሰማዒ ክረክብን ፍታሕ ንምርካብን ድማ፡ ሕጋዊ ጥርዓናት ብምቕራብን ናብ ጐደናታት ብምውጻእ ተቓውሞታት ብምውዳብን ክቃለሱ ጸኒሖም።

ዋላ’ኳ ድሕሪ ነዊሕ መስርሕ ገለ ካብኦም ቪዛ ክረኽቡ እንተኸኣሉ፡ ምስቶም ኣብ መስርሕ ዝወለድዎም ቈልዑ ብዝተሓሓዝ ግን ጕዕዞኦም ዝተዓናቐፈ ብዙሓት’ዮም።

ጥርናፈ ስድራቤትን ኣጋጢምዎም ዘሎ ዕንቅፋትን

ምስ ወላዲቶም ክራኸቡ ሃንቀው ዝብሉ ዘለዉ ቈልዑን ኣቦን

ምንጪ ስእሊ, Supplied

መግለጺ ስእሊ, ምስ ወላዲቶም ክራኸቡ ሃንቀው ዝብሉ ዘለዉ ቈልዑን ኣቦን

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣጋጢምዎም ዘሎ ጸገም፡ ምስ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ‘ኣራ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ ትካል ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ ዝተሓሓዝ’ዩ።

እቲ ጉዳዮም ዝምልከቶ ትካል "ናይ ክብሪ መዝገብ” (ሰነድ ልደት ቈልዓ) ክህቦም ኣይክኣለን።

ሓያለ ካብቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ስደተኛታት፡ ምስቶም ናብ ኢትዮጵያ ዝተሰደዱ መጻምድቶምን ደቆምን ንኽጥርነፉ ነዊሕ መስርሕ ሓሊፎም’ኳ እንተሰለጦም፡ ብሰንኪ እቲ ሰነድ ጉዳዮም ከምዝተዓናቐፈ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ቢቢሲ ነቲ ጉዳይ ብዝምልከት ካብቲ ትካልን ሓላፊኡ ኣቶ ተስፋሁን ጎበዛይን ሓበሬታ ንምርካብ ኢሜል ብምጽሓፍን ቴለፎን ብምድዋልን ተደጋጋሚ ጻዕሪታት'ኳ እንተገበረ፡ መልሲ ኣይረኸበን።

እቶም ምስ ስድራቤቶም ክጥርነፉ ዝብህጉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሰማዒ ስኢኖም “እንታይ ከምእንገብር ሓርቢቱና’ዩ ዘሎ” ብምባል የማርሩ ኣለዉ።

ሓላፊ ትካል ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ ኣቶ ተስፋሁን ጎበዛይ

ምንጪ ስእሊ, @Tesfahun_GK

መግለጺ ስእሊ, ሓላፊ ትካል ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ ኣቶ ተስፋሁን ጎበዛይ

‘ደቀይ ንዓመታት ካብ ኣቦኦም ተፈልዮም ሕጂ ድማ ካብ ኣደኦም’

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ንድሕነቱ ክንብል ‘ዮናስ’ ክንብል ጸዊዕናዮ ዘለና ኣብ ሃገረ ጀርመን ዝርከብ ስደተኛ፡ በዓልቲቤቱን ህጻን ውላዱን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሰንፈላል ይርከቡ።

ድሕሪ ነዊሕን ዝተሓለለኸን መስርሕ፡ በዓልቲቤቱን ደቁን ቪዛ ምርካቦም እቲ ዘሕለፎ ነዊሕ ትጽቢት ምጥርናፍ ስድራቤቱ ዘኽተመ’ዩ መሲልዎ ነይሩ።

ዮናስ፡ ብሰንኪ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ስደትን፡ ምስታ ቅድሚ 20 ዓመት ዝተመርዓዋ በዓልቲቤቱ ዘሕለፈን እዋናት ውሱናት’የን። ምስ በዅሪ ውላዱ’ውን ድሕሪ ድሕሪ 10 ዓመታት’ዮም ተራኺቦም።

ኣብ ጕዕዞ ስደቱ ንዅለን ጐረባብቲ ኤርትራ ዝዀና ሃገራት ረጊጽወን’ዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ከምቶም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ደቂ-ሃገሩ፡ ምድረበዳ ሳሃራ ሰንጢቝ ናብ ሊብያ ብምእታው ንማእከላይ ባሕሪ ብድሓን ሰጊሩ ናብ ኣውሮጳ ኣትዩ።

ነቲ ሓደገኛ ጕዕዞ ሰጊሩ ናብ ውሑስ ሃገር’ኳ እንተኣተወ፡ ኵነታት ስድራቤቱ ዕረፍቲ ዝኸልእ ሻቕሎት ኮኖ- ገጽ ንገጽ ዝራኸበላ ዕለት ድማ ክናፍቕ ጀሚሩ። ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዘቕረቦ ሕቶ ዕቚባ ተቐባልነት ምርካቡ ግን ተስፋ ሃቦ።

“ኣብ 2018 ኣብ መንጉ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰላም ኮይኑ ዶብ ምስተኸፍተ፡ በዓልቲቤተይ ንደቅና ሒዛቶም ናብ ኢትዮጵያ ወጺኣ” ይብል ዮናስ።

እዚ ድማ ምስ በዓልቲቤቱን ደቁን ኣብ ኢትዮጵያ ክራኸብ ዕድል ፈጠሩሉ። ብኡንብኡ ድማ ኣብቲ ዝነብረሉ ሃገረ ጀርመን ሕቶ ጥርናፈ ስድራቤት ኣቕረበ።

ድሕሪ’ቲ ኣርባዕተ ዓመት ዝወሰደ ዝተሓላለኸ መስርሕን ትጽቢትን ከኣ፡ በዓልቲቤቱን ደቁን ቪዛ ተዋህቦም።

እንተኾነ፡ ኣብ መስርሕ ዝተጠንሰ ህጻን፡ ኣብ መንጐ ስለዝተወልደ እቲ ዝበሃጐ ተስፋ ጥርናፈ መኻልፍ ኣጋጢምዎ።

እቲ ዕሸል ምስ ካልኦት ኣሕዋቱ ካብ ኢትዮጵያ ክወጽእ እንተዀይኑ፡ ቪዛ ክረክብ ኣለዎ። ቪዛ ቅድሚ ምሕታቱ ግን ‘ናይ ክብሪ መዝገብ’ (ምስክር ሰነድ ልደት) ክህልዎ ኣለዎ።

ኣብዚ ኸኣ’ዩ እቲ ቀንዲ ጸገም ዝፍጠር።

ኤምባሲ ጀርመን ካብ ትካል ስደተኛታት እንተዘይኰይኑ፡ ካብቲ ኢትዮጵያውያን ነቲ ሰነድ ዘውጽእሉ ቤት ጽሕፈት ዝመጽእ ምስክር ወረቐት ልደት ኣይቅበልን’ዩ።

ኣብ 2021 ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ኣገልግሎት ካብ ምሃብ ኣቋሪጹ ዝነበረ ትካል ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ፡ ጸኒሑ ምስተኸፍተ’ውን ሃንደበት ምስክር ልደት ምሃብ ኣቋሪጹ። ስለምንታይ ንዝብል ግን ክሳብ ሕጂ ክፍለጥ ኣይክኣለን። “ብላዕለዋይ ኣካል ነቲ ሰነድ ከይንህብ ተኣዚዝና” ዝብል መልሲ ከምዝተዋህቦ’ዮም እቶም ስደተኛታት ዝገልጹ።

ብሰንኪ’ዚ፡ እቶም ቪዛ ዝረኸቡ ደቁ ናብ ጀርመን ክመጹ እንከለዉ፡ በዓልቲ ቤቱን እቲ ሓድሽ ህጻንን ግን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዲግ ተሪፎም ኣለዉ።

“ደቀይ ንዓመታት ካብ ኣቦኦም ተፈልዮም ሕጂ ድማ ካብ ኣደኦም ተፈልዮም” ዝበለ ዮናስ፡ ደቁ ናፍቖት ኣደኦም ከፊእዎም ከምዘሎ ይዛረብ።

ተመሳሳሊ ብድሆ ኣጋጢምዎ ዘሎ ‘ኤርሚያስ’ ብወገኑ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ነቲ ኤምባሲ ጀርመን ዝጠልቦ ሰነድ ክህቦ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ከምዝተጸበየ ይዛረብ።

“ኣነ ብውልቀይ ከም ስድራ ንኣስታት 14 ኣዋርሕ ኣብ ዘይጭበጥ ተስፋን ሃፋን ንነብር ኣለና ። ሰራሕተኛታት እንዳ-ኣራ እውን ክኸፈት እዩ ቈጸራ ሕዛ ተባሂለን ቈጸራ ካብ ዝሕዛ፡ ስድራቤተይ ድሮ ልዕሊ ዓመት ጌራ” ይብል።

መንግስቲ ጀርመን ኣብ ጥርናፈ ስድራቤታት ኤርትራውያን ካብ ዝሓለፈ ብዝሓሸ ቪዛታት ይህብ’ኳ እንተሎ ፡ “ኣብ ኢትዮጲያ ዘሎ እንዳ-ኣራ [RRS] ነዚ ዝጻረር ዓቢ ጸገም ፈጢሩልና ኣሎ።”

“ዝወለድናዮም ህጻናት ካብ እንድ-ኣራ (AAR) ምስክር ወረቐት ትውልዲ ኣገልግሎት ምሃብ ካብ ዘቋርጽ ድሮ ዓመታት የሕሊፉ ኣሎ። በዚ ምኽንያት ከኣ ስድራ-ቤትና ንጀርመን መእተዊ ፍቓድ ተዋሂብዎም ከብቅዕ፡ ዝተዋሃቦም ቪዛ ግን ብሰንኪ ናይ ህጻን ትውልዲ ምስክርነት ወረቐት ዘይምርካብ ዝተመደበሉ ዕለት ሓሪሩ (መዓልቱ ወዲቝ) ኣብ ከቢድ ሽግር ንርከብ።

ዓቕለን ዝጸበበን ኣደታት እቶም ህጻውንቲ፡ ፍታሕ ንምርካብ ናብቲ ትካል፡ ኤምባሲን ከምኡ’ውን ዓለምለኻዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይንከራተታ ምህላወን ይዛረቡ።

“ብሰንኪ ኣብ ዓድና ዘሎ ዘይቅርዑይ ፖለቲካን ብሰንኪ ዘይምኽንያታዊ መንግስቲ ጀርመን ዝሓትዎ ሰነዳትን፡ ከምኡ’ውን ምድንጓይ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ ንነዊሕ ግዜ ካብ ስድራ-ቤታትና ተፋላሊና ንነብር ኣሎና ።

‘ህጻውንቲ ደቅኽን ገዲፍክን ክትከዳ ትኽእላ ኢኽን’

ብሓደገኛ ጕዕዞ ስደት ሓሊፉ ናብ ኣውሮጳ ዝኣተወ ‘ሄኖክ’ ብወገኑ፡ ብተመሳሳሊ ምኽንያት ምስ በዓልቲ ቤቱ ተፈላልዩ ከምዘሎ ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቲ ኣብ ሊብያ ብዝተፈላለዩ ኣሰጋገርቲ ተጨውዩ ኣሽሓት ዶላራት ከፊሉ ህይወቱ ዘድሓነ ሄኖክ፡ ሓደ ውላዱ ምስኡ ክህሉ እንከሎ፡ በዓልቲቤቱን ውላዳን ግን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይጽበዩ ኣለዉ።

በዓልቲቤቱ ነፍሰጾር እንከላ’ያ ቪዛ ረኺባ፡ መዓልቲ ኣርኪቡዋ ድማ ከይተበገሰት ሓሪሳ። እቲ ህጻን ቪዛ ክረክብን ምስኣ ክጕዓዝ እንተዀይኑ ድማ ካብ ቤትጽሕፈት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ምስክር ወረቐት ልደት (መዝገብ ክብሪ) ክረክብ ኣለዎ። እቲ ብኤምባሲ ጀርመን ዝሕተትዎ ሰነድ ካብቲ ትካል ንምርካብ ነዊሕ ስለዝወሰደ ግን፡ ናይታ ኣደ “ቪዛ’ውን ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ሓሪሩ።”

ኤርሚያስ ከምዝብሎ “ዓለምለኻዊ” ሰነድ ልደት (Birth Certificate) ካብቲ ነቲ ኣገልግሎት ንዜጋታት ዝህብ ትካል’ኳ እንተኣውጽኦ ብፍላይ ብኤምባሲ ጀርመን ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ይገልጽ።

“ዓለምለኻዊ ምስክር ወረቐት ትውልዲ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣስሪሕና፡ እንተዀነ ኤምባሲ ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ኣይንህቦን ኢና ዝብል መልሲ ሂቡና።”

“ካብ እንዳ-ኣራ ግድን ከነምጽእ ከምዘለና ወይ’ውን መጻምድትና ንዝወለድናዮም ህጻናት [ኣብ ኣዲስ ኣበባ] ሓዲገናኦም ንጀርመን ክኸዳ ከም ዝኽእላ ብሰራሕተኛታት ኤምባሲ ጀርመን ተሓቢረን።”

ሄኖክ’ውን በዓልቲቤቱ ዕሸል ውላዳ ገዲፋ ምስ ብዓልቤታ ክጥርነፍ ከምእትኽእል ብኤምባሲ ጀርመን ተነጊሩዋ ምንባሩ ገሊጹ።

እተን ከቢድ ምርጫ ክውስና ዝተገደዳ ኣደታት ግን ምስ ህጻናት ደቀን ክጸንሓ’የን መሪጸን፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ስድራቤታቶም ከም ብሓድሽ ኣደዳ ምፍልላይ ኰይነን ይርከባ።

እዚ ድማ ኣብ ወለዲን እቶም ካብ ኣደታቶምን ኣቦታቶምን ዝተፈለዩ ህጻናትን ከቢድ ስነኣእምሮኣዊ ጸቕጢን ሻቕሎትን ኰይኖም፡ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ፍታሕ ክረኽብሎም ይምሕጸኑ ኣለዉ።

ኵነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ፡ ሓምለ 2022

ምንጪ ስእሊ, Act of Good Semaritan

መግለጺ ስእሊ, ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ፡ ሓምለ 2022

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ገለ ኤርትራውያን ስደተኛታት’ውን ኣደዳ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ግፋን ክዀኑ ምጽንሖም ጸብጻባት ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ብሓይሊ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሃገሮም ከምዝኸዱ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ይሕብሩ ኣለዉ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ “ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም ኣስታት 200 ዝግመቱ ኤርትራውያን ብግዴታ ናብ ኤርትራ ምምላስ” ከምዘሻቐሎ ብምግላጽ፡ ነቲ ሓበሬታ ንምርግጋጽ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ምዝርራብን ምክትታልን ክቕጽል ምዃኑን ኣብ መግለጺኡ ኣፍሊጡ።

ትካል ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ድሕነትን ውሕስነትን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ምርግጋጽ ብዕቱብ ከም ዝሰርሕ ብምግላጽ፡ እቶም ንሃገሮም ዝተመልሱ ኤርትራውያን፡ ዋላ ሓደ’ኳ ካብኣቶም ስደተኛ ወይ ሓታቲ ዕቝባ ከምዘይብሎም ኣብ መግለጺኡ ኣፍሊጡ።

ኣብ ፈለማ’ዚ ወርሒ፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣዲስኣበባ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዕቝባን ክግበር ዝጸንሐ ማእሰርቲ ደው ክብል ጸዊዑ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ መወዳእታ 2020 ኣስታት 200 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ምንባሮም መንግስቲ እታ ሃገር ሓቢሩ ነይሩ’ዩ።

ዳርጋ ፍርቂ ካብኦም ኣብ ኣብተን ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበራ መዓስከራት ዝነበሩ ኰይኖም፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ መወዳእታ 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ ግዳያት ቅትለት፡ ጭውያን ዳግማይ ምፍንቓልን ኰይኖም’ዮም።

ብሰንኩ ድማ፡ ኣብቲ ክልል ዝነበራ መዓስከራት ስደተኛታት ገሊአን ምሉእ ብምሉእ ክዓንዋ እንከለዋ፡ ገሊአን ድማ ናብ ክልል ኣምሓራ ከምዝግዕዛ ኮይነን።

ጐረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ቀንዲ ዕቝባን መሰጋገሪን ኤርትራውያን ስደተኛታት ምዃነን ይፍለጥ። እንተኾነ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ኲናት ዝጸለዎም፡ እዚ ሕጂ ኣብ ሱዳን ዝቕጽል ዘሎ ወግእ-ሓድሕድ’ውን ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎም'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ብሰንኪ ግዱድን ገደብ-ኣልቦን ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ምግሃስ መሰረታዊ ሰባዊን ሲቪላዊን መሰላት፡ ከምኡ’ውን ምድራት ናጽነት እምነት ናብ ስደት ከምርሑ ተገዲዶም’ዮም።

ብመሰረት ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣስታት ፍርቂ-ሚልዮን ካብኦም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ፋሕ ኢሎም ኣለዉ።

ዝበዝሑ ካብዚኣቶም መንእሰያት ወይ ድማ መንእሰያት እንከለዉ ዝወጹ’ዮም።