ተገፊፎም ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ዝኣተው ኤርትራውያን ኣብ ከመይ ኵነታት ኣለው?

ምንጪ ስእሊ, Act of Samaritan
ቀዳም 9 ሓምለ 2022፡ ኣብ ኢትዮጲያ፡ ከባቢ '160' ኤርትራውያን ካብ ገዳም ሰንዳፋ፡ ማይ ጸሎት ተሓጺቦም እናተመልሱ እንከለው ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጲያ ተታሒዞም፡ ኣብ ዳባት ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ ከምዝተወስዱ ክንገር ጸኒሑ።
ካብቶም ተታሒዞም ዝጸንሑ ነጋድያን፡ ዝተወሰኑ ትማሊ ተለቒቘም ተባሂሉ። እቶም ተፈቲሖም ዝተባህሉ ብዝሖም 22 ኰይኑ፡ እቶም 17 ኤርትራውያን ዝተረፉ ሓሙሽተ ድማ ኢትዮጲያውያን ምዃኖም ምንጭታት ንቢበሲ ሓቢሮም።
እዞም ሰባት፡ ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ካብቲ መዓስከር ወጺኦም፡ ‘ኣምባ ጊዮርጊስ’ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ከም ዝሓደሩን፡ ካብኡ ብዕጡቓት ፖሊስን ሓለፍቲ ትካል ስደተኛታት ኢትዮጲያ ‘ኣራ’ን ተዓጂቦም ናብ ባህርዳር ከም ዘቕንዑ ተረጋጊጹ’ሎ። ክሳብ ሕጂ ናጻ ተባሂሎም ነናብ ስድራቤቶም ዘይከዱሉ ምኽንያት ግን ዛጊት ኣይተፈልጠን ዘሎ።
እቶም ዝተረፉ ኸኣ ኣብ ኣሻቓሊ ኵነታት ከም ዘለው ተረጋጊጹ።
ዝተወስደ ስጕምቲ እንታይ ኣሎ?
ቢቢሲ ካብቲ መዓስከር ኣለምዋጭ ዘዘራረቦም ናይ ሕጂ ግዳያትን ነባራትን ‘ቲ መዓስከር ከም ዝገለጽዎ፡ ድሕሪ ብዙሕ ጭንቅን ስምዕታን፡ ዝተወሰኑ ፓስፖርትን ዜግነት ወጻእን ዘለዎምን ሰባት ወጺኦም ይበሃል እምበር፡ እቶም ዝበዝሑ፡ ቈልዑን ሽማግለታትን፡ ኣብ ርእሲኡ’ውን ስነኣእምሮኣዊ ሕማም ዘለዎምን ገና ተታሒዞም ከም ዘለውን፡ ኣብ ዝኸፍአ ኵነታት ጥዕናን ኣተሕዛን ከም ዘለው ገሊጾም።
ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ቢቢሲ ዝተወከሶም ሓለፍቲ ኣራ ግን፡ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ “ኣብዚ እዋን” ክዛረቡ ፍቓደኛታት ከም ዘይኰኑ ገሊጾም።
እዞም ቈልዓ ሰበይቲ ዝርከብዎም፡ ካብ ወጻኢ ሃገር ንስድራቤቶም ክበጽሑ ዝመጽኡን፡ ኣብ ኢትዮጲያ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎምን ኤርትራውያን፡ ካብ ጸበል ኣብ ዝምለሱሉ ዝነበሩ እዋን፡ ሃንደበት ተታሒዞም እዮም ብግዲ ናብቲ መዓስከር ዝተወስዱ። ኣብኡ ምስ ኣተው፡ ከም እሱራት ተታሒዞም ከም ዝጸንሑ፡ እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ግዳያት ይገልጹ።

ምንጪ ስእሊ, Act of Samaritan
ኣብቲ መዓስከ ከም ዝመስከሮ፡ እቶም ስደተኛታት መብዛሕትኦም ኣብ ኢትዮጲያ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም፡ ንጸበል ማይጨሎት ኢሎም ካብ ወጻኢ ሃገር ዝመጽኡን ገለ ሒደት ድማ ካብ መዓስከር ዝወጽኡ፡ ወረቐት ዘይጸንሖምን እዮም።
ንሱ ከም ዝብሎ፡ እቲ መዓስከር ኣብ ኣዝዩ ሕማቕን ዘይምቹእን ቦታ ስለዝተደኮነ፡ ብማይ ክረምቲ፡ ብጭቃ ዝተዋሕጠ፡ ንኽትንቀሳቐሰሉ ዘየኽእልን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ‘ሞጀሌ’ ዝበሃሉ ሓሳኹ’ውን ከም ዘለውዎ ብምግላጽ፡ “ናብ ከምዚ ዝበለ፡ ነቲ ስደተኛ ብቐንዱ’ውን ዘይምቹእ ዝጸንሐ ቦታ እዮም ኣምጺኦምዎም” ክብል ይገልጽ።
ካብቶም ተታሒዞም ናብቲ ቦታ ዝኣተው፡ ኣደ ሰለስተ ቘልዑን ነፍሰጾርን ምዃና ዝገለጸት ሓንቲ ኤርትራዊት፡ ብጠቕላላ ብዝሖም ልዕሊ 160 ከም ዝዀኑ ብምግላጽ፡ ኣብ ለገጣፎ ዝበሃል ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ሒዞም ከም ዘምጽእዎም ትገልጽ።
“ኣቐዲሞም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጣፎ ንሰለስተ መዓልቲ ኣሲሮምና ነይሮም፣ ብድሕሪኡ እዮም ናብዚ ኣምጺኦምና፡” ኢላ ብምግላጽ፡ ምስ በዓል ቤታ ናብቲ ሃይማኖታዊ ጽንብል ከም ዝኸደትን በቶም ትሕቲ ሽዱሽተ ዓመት ዝዕድመኦም ምስ ጐርቤት ዝሓደገቶም ሰለስተ ቈልዑታ ዝስምዓ ሻቕሎት ትዛረብ።
ንሳ ወሲኻ፡ ኣብ ኤትዮጲያ ሕጋዊት ነባሪት ምዃናን ፓስፖርት ኤርትራ ከም ዘለዋን ብምግላጽ፡ ምኽንያት መእሰሪኦም ከምዘይትፈልጥ ትሕብር።

ምንጪ ስእሊ, Act of Samaritans
ካብ ኣንጐላ ከም ዝመጽአ ዝገልጽ ዮናታን ዝተባህለ ኤርትራዊ’ውን፡ ስለምንታይ ከም ዝሓዝዎም ምንም ከም ዘይልጥ ይገልጽ።
ንሱ ብተወሳኺ፡ “ክንምለስ እንከለና ናብ ኣዲስ ኣበባ መሲልዎ ኵሉ ሰብ ተሓጒሱ ዕልል እናበለ ኣዲስ ኣበባ ኣቲና። ኣብ ስሉልታ ዝበሃል ቦታ ምስ በጻሕና ግን ኵሉ ሰብ ወሪዱ ናብዚ [መዓስከር] ምዃኑ ምስፈለጠ ‘ኡይ’ ኢሉ ‘ኣይንስቀልን’ ኢሉ። ተወሳኺ ሓይሊ ክመጽእ እዩ ኢሎም’ውን ኣፈራሪሖምና፡” ኢሉ ብምግላጽ፣
“ፋሕ ፋሕ ኢልና ኢና ዘለና፤ ገፊሕ እዩ እቲ መዓስከር። 81 ዓመት ዝዕድመአን ሰበይቲ ኣለዋ፣ ልዕሊ ስሳ ዝዕድመአን - ገዳም ክሳለማ ኢለን ዝወጽኣ ዓበይቲ ኣንስቲ ኣለዋ፡ ብዙሓት ቈልዑ ኣለው፡” ብምባል እቲ ኣጋጣሚ ንናይ ሓንቲ መዓልቲ ሃይማኖታዊ ጽንብል ንምስታፍ ኢሉ እቲ ሰብ ከም ዝኸደ የረድእ።
ካብኣቶም፡ ሰሎሞን ዝተባህለ’ውን ብወገኑ፡ 'ኣባይ ባስ' ብዝተባህላ ሰለስተ ኣውቶቡሳት፡ ብዕጡቓት ፖሊስ ኣሰንዮም ናብቲ መዓስከር ከም ዘእተውዎም ብምግላጽ፡ እቶም ብግዲ ዝተታሕዙ ሰባት ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት፡ ካብ ካናዳ፡ ኣሜሪካ፡ ሆላንድ፡ ጀርመን፡ ሱዳን፡ ዩጋንዳን፡ ኣንጐላን ካልእን፣ ከምኡ'ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ነባርነት ዝለዎምን ምዃኖም፤ ገሊኡ ድማ መዓስከር ኣትዩ ዘይፈልጥ ወረቐት ስደተኛ ዘይብሉን ምዃኑ የረድእ።
ካብ ሱዳን ከም ዝመጽአ ዝገለጽ ኣርዓዶ ዝተባህለ ብወገኑ፡ ዝምለሰሉ መዓልቲ ድሮ ከም ዝሓለፎ ብምግላጽ፡ “ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ እየ ክምለስ ዝግባኣኒ፡” ኢሉ። እቲ ዝኸውን ዘሎ “ሕንፍሽፍሽ ዝበለን ተሓታቲኡ ዘይፍለጥን ጉዳይ” ምስጢሩ እንታይ ምዃኑ ክርድኦ ከም ዘይከኣለ ይዛረብ።
ነቲ ኣብኡ ዝጸንሖም ኵነታት ብምግላጽ ድማ፡ “ኣብዚ መጺእና’ውን ቅድመና ካብ መዓስከራት ትግራይ ዝመጽኡ ሓንቲ ዘይረኸቡ ስደተኛታት ኣለው፤ ኣብ መሬት ዝድቅሱ ብቝርን ሰዓልን ዝሳቐዩ ህጻውንቲ፣ ሕማቕ ንርኢ ኣለና፡” ብምባል ንናይቲ መዓስከር ሕማቕ ኵነታት እናስካሕክሐ ይገልጽ።
ኣርዓዶም፡ “ዑደት ናይቲ ገዳም ናይ ሓደ መዓልቲ ስለዝነበረ፡ ደቀን ዓጽየን ዝመጽኣ ብዙሓት ኣደ ቘልዑ ኣለዋና፡” ይብል’ሞ እቲ ቐንዲ ኣሻቒሉ ዘሎ ኸኣ ተኣለይቲ ሕሙማት ኣለዋ፤ ትሽዓተ ስነኣእምሮኣዊ ሕማማት ዘለዎም’ውን ኣሎው፡” ይብል።
እዚ ዅሉ እናተራእየ ግን ግቡእን ቅልጡፍን ፍታሕ ከም ዘይተገብረ ብምግላጽ፡ “ዕላማኡን ምኽንያቱን እዚ እዩ ክበሃል ከም ዘይከኣል፡” ብኣርምሞ ይዛረብ።
ብዘይካ'ዚ
ኣብቲ ቦታ በጺሑ፡ ንግዳያት ዘዘራረበ፡ ኣቦ መንበር ማሕበር ግብሪ ሕያዋይ ሳምራዊ ኣቶ ሃብታኣብ እዮብ ብወገኑ፡ እቲ ኵነታት ናይቲ መዓስከር፡ ብኣቀማምጣኡ፡ ትሕዝቶኡን ኣሰካፊ ኵነታት ጸጥታኡን ካልእን ዝጸንሖ ጸገማት ኣብ ቦታኡ ኰይኑ፡ እዚ ኵነታት ተወሲኽዎ ጉዳይ ኤርትራውያን ብሓፈሻ ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ንሱ ነቶም ግዳያት ተወኪሱ ከም ዘረጋገጾ፡ ኣብቲ መዓስከር ዝስተ ማይ’ውን ከም ዘይርከብ፡ ማይ ካብ ዘዕቈረ ቴንዳ ክጥቀሙ ዘገድድ ሕማቕ ኵነታት ከም ዘሎ የረድእ።
ኣብ ርእሲኡ፡ ኵነታት ናይዞም ሕጂ ተታሒዞም ዘለው በጻሕቲ ገዳም ኤርትራውያን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ፡ ካብ ዝምልከቶም ዝበሃሉ ኣካላት ዛጊት ንጹር ምላሽ ከም ዘየለን ፍታሕ’ውን ከም ዘይተረኽቦን ይዛረብ። እቲ ዘሻቕል ድማ፡ ህጻናትን፡ ሽማግለታት፡ ነፍሰጾራት፡ ብዓቢኡ ሕሙማት ስነኣእምሮ ከም ዘለውን ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Act of Samaritans
ኣቶ ሃብተኣብ ወሲኹ፡ እቶም ሰባት ናብቲ ቦታ ዝኸዱ ንንግደትን ጸበልን ስለዝዀነ፡ ጸበል ደልዮም ንኽፍወሱ ዝኸዱ ብዙሓት ሕሙማት ከም ዝነበሩን ይጠቅስ። “ካብቶም ዝተታሕዙ፡ ሓደ ክብሮም ዝተባህለ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎ ሰብ፡ ካብቲ መዓስከር ሞሊቝ ጠፊኡ” ከም ዝቐነየን ይሕብር። ንዅሉ ኵነታት ኣብ ግምት ኣትዩ ድማ ኵነታት ክብሮም ንብዙሓት ኣሻቓሊ ኰይኑ’ኳ እንተቐነየ፡ ደሓር ግን ብፖሊስ እቲ ከባቢ ተረኺቡ ናብቲ መዓስከር ክምለስ ከም ዝተገብረ ተፈሊጡ’ሎ።
'ረፉጂ ኢንተርናሽናል' ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኢትዪጵያ ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ገፊፉ ከምዝወሰዶም ኣመልኪቱ። እቲ ትካልን ከምዝሓበሮ፡ ካልኦት ዝተፈላለያ ትካላት ግብረ ሰናይን ናብቲ ቦታ ንምብጻሕ ዘቕረብዎ ተደጋጋሚ ሕቶ ብሰበስልጣን ኢትዮጲያ ተቐባልነት ኣይረኸበን።
ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ታሕሳስ 2020 ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ንስደተኛታት ኤርትራውያን ካብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታትን ብሓይሊ ገፊፍካ ናብ ትግራይ ናይ ምምላስ ስጕምቲ ብምዝካር፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባር፡ ስደተኛታት ዑቕባ ንኽረኽቡ መሰል ዝህብ ንናይታ ሃገር ሕጊታትን ኣህጉራዊ ውዕላትን ዝጸረር ምዃኑ የመልክት።
ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ቢቢሲ ንሓለፍቲ ኣራ ንምዝርራብ ድሕሪ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ጻዕሪ፡ ኣቶ ስለሺ፡ “ምስ መሳርሕተይ ተዘራሪብና፡ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ምናልባት ድሕሪ ሰሙን እንተዘይኰይኑ ኣብዚ እዋን ምዝራብ ኣይከኣልን፡” ክብል ምላሽ ሂቡ'ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







