'ሞት ዝተመነኹሉ ህሞት . . .'፡ ካብ ኢድ ሸፋቱ ጅቡቲ ንስክላ ዝተረፈ ትግራዋይ ስደተኛ

ማቱሳላ በረኸት

ዛንታ መንእሰይ ማቱሳላ ናይ ካልኦት ኣሽሓት ስደተኛታት ዝምልከት ዛንታ እውን እዩ። ንህይወቱ ካብቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ከትርፍ ብምሕሳብ ዝመረጾ ስደት ኣብ ኣፍ ሞት ኣብጺሑ መሊስዎ’ሎ። እቲ ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ሆልሆል -ጅቡቲ ዝርከብ ማቱሳላ ምሉእ ዛንትኡ ናብቲ ከባቢ ንዝተንቀሳቐሰ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዝነገሮ - እነሆ ብልሳኑ።

ማቱሳላ በረከት እበሃል። ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ዓይደር ቀበሌ 03 ተወሊደ ዓብየ። ወለደይ ሰራሕተኛታት መንግስቲ እዮም። ኲናት ትግራይ ክጅምር እንከሎ ተምሃራይ 11 ክፍሊ ነይረ።

ብርግፅ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ ትምህርተይ ኣቋሪጸ’ኳ እንተጸናሕኹ ምስ መኣዲ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ዝተፈላለኹሉ እዋን ግን ኲናት ትግራይ ምስ ተጀመረ’ዩ።

ካብ ኲናት . . . ናብ ስደት

ኲናት ክጅምር እንከሎ ኣብ ከተማ መቐለ እየ ነይረ። ሽዑ ኣዝዩ ዘፍርሕ ከቢድ ኩነታት ነይሩ። ቅድሚ ኲናት ኣብ ዝነበረ እዋን ካብታ ተወሊደ ዝዓበኹላ መቐለ ወፂኤ ኣይፈልጥን። ይትረፍ’ዶ ካብ ሃገር ክወፅእ ናብ ካልእ ከባቢታት ትግራይ እውን ዝኸድኩሉ እዋን ፈጺሙ ኣይነበረን።

ንመጀመርታ እዋን እግረይ ንስደት ዘልዓልኩሉ ግዜ ድሕሪ ምጅማር እቲ ኲናት እዩ። ብ24 ጥቅምቲ 2013 ኲናት ምስ ተወለዐ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ብ12 ሕዳር ካብ ትግራይ ናብ ስደት ነቒለ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ንፈለማ እዋን ምስ ኣደይ ተፈላልየ፤ ፈጺመ ዘይርስዓ መዓልቲ እያ።

ቅድሚኡ ስደት ዝበሃል ሓሲበዮ ኣይፈልጥን። ካብ መቐለ’ውን ዝውጻእ ኣይመስለንን። ኩሉ ኣድህቦይ ኣብ ትምህርቲ እዩ ነይሩ። ምናልባት ኣብዚ እዋን ትምህርተይ ወዲኣ ኣብ ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ ምኾንኩ ወይ ተመሪቐ ምሃለኹ። ወለደይ ሰራሕተኛታት መንግስቲ እዮም፤ ስለዚ ስራሕ ሒዘ ንዓኣቶም’ውን ዝሕግዘሉ እዋን ምኾነ ነይሩ ኢለ እሓስብ።

ኲናት ድሕሪ ምውልዑ ኩነታት እናተጋደደ ምስ ከደን ብቐረባ ዝፈልጦም ሰባትን መሓዙተይን ምስ ተጎድኡን ንቤተሰበይ ከየማኸርኩ’የ ናብ ስደት ተበጊሰ። ካብ መቐለ ነቒለ ከባቢ 45 ኪሎ ሜትር ብእገረይ ተጓዒዘ ኣብዓላ [ኣብ ወሰን ትግራይን ዓፋርን እትርከብ ንእሽተይ ከተማ] በፂሐ። ካብኡ ድማ መኪና ረኺበ ጉዕዞይ ቀጺለ። መዕረፊየይ ኣበይ ከምዝኸውን ግን ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረንን።

ጉዕዞይ ከቢድ እዩ ነይሩ። ኣብ ጎነይ ዝፈልጦ ሰብ ኣይነበረንን። ንሓደ ፈጣሪ ኣሚነ እየ ወጺኤ። ካብ ኣብዓላ ተበጊሰ ናብታ ቅድሚኡ ብስም እምበር ረጊጸያ ዘይፈልጥ ከተማ ኣዲስ ኣትየ። ኣብኡ’ውን ፅቡቕ ነገር ኣይጸንሐንን፤ ከቢድ ግዜ ኣሕሊፈ። ዝፈልጦ ሰብ ዘይብለይ በይነይ ምውፀአይ ንኩነታተይ ኣኽቢድዎ። ኣዲስ ኣበባ ምስኣተኹ ብዙሕ ከይፀናሕኹ ተታሒዘ ንሽዱሽተ ወርሒ ተኣሲረ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣሲረ ንዘሕለፍክዎ እዋን ፈፂመ ኣይርስዖን። ደርሁ ንምርባሕ ኣብ ዘገልግል ቦታ እየ ተኣሲረ። ሽዑ ኣብ ልዕሊ እሱራት ዝበፅሕ ዝነበረ ግፍዒ ኣብ ህይወተይ ፈጺመ ዘይርስዖ እዩ። ካብ ማእሰርቲ ምስ ወፃእኹ ኣብታ ከተማ ኣይፀናሕኹን። ናይ ስደት ጉዕዞይ ብምቕጻል ናብ ጂግጂጋ ኣትየ። ኣብኡ’ውን ተታሒዘ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ተኣሲረ።

ብየመን ዝሓልፉ ስደተኛታት ዝጥቀሙሉ መስመር ዘርኢ ስእላዊ መግለጺ

“ካብ ዶብ ኢትዮጵያ ክወጽእ ጥራሕ’ዩ ነይሩ ድልየተይ”

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮነ ጂግጂጋ ብመንነተይ እየ ተኣሲረ። ኣብ ክልቲኡ ማእሰርተይ ድማ ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረብኩ ንኣዋርሕ ጸኒሐ። ኣብ ዘይፍለጡ ኣብያተ ማእሰርቲ ንኣስታት 10 ኣዋርሕ ኣብ ማእሰርቲ ኣሕሊፈ።

ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊረ ክወፅእ ጉዕዞ ኣብ ዝጀመርኩሉ እዋን ካልኦት ዘይፈልጦም ሰባት እውን ብርሕቐት ይርኢ ነይረ። ይኹን እምበር ንበይነይ እየ ጉዕዞይ ቀጺለ። ናበይ ይኸይድ ከምዘለኹ ኣይፈልጦን።

ሽዑ ኣብ ውሽጠይ ዝነበረ ባህጊ ካብታ ኢትዮጵያ እትበሃል ሃገር ዶብ ሰጊረ ምውፃእ ጥራሕ’ዩ። ነቲ ዶብ ሰጊረ ካብ ካርታ ኢትዮጵያ ክወጽእን ናብ ዝኾነት ትኹን ሃገር ምእታውን’ዩ ነይሩ ድልየተይ።

ነቲ ኩሉ መገዲ ሰጊረ ናብ ጂቡቲ’ኳ እንተኣተኹ ኣበይ ከምዘለኹ ግን ኣይፈልጥን ነይረ። መዕቖቢ ስደተኛታት ከምዘሎ ይኹን ኣበይ ከይደ ከዕርፍ ከምዘለኒ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረንን። በረኻታት እናጠሓስኩ ንበይነይ ክጓዓዝ እንከለኹ ፍርሕን ስግኣትን ኣይተሰምዓንን። ምኽንያቱ ካብ ኢትዮጵያ እናረሓቕኩ ብምኻደይ ጥራይ ነፃነት ይስምዓኒ ነይሩ።

ከም ኣጋጣሚ ናብዚ ከባቢ [ጂቡቲ-መዓስከር ስደተኛታት ሆል ሆል] ምስበፃሕኹ ኣብ ሩባ ትግርኛ ዝዛረቡ ሰባት ሰብነቶም ክሕጸቡ ረኺበ። ካብ ኢትዮጵያ ምምጸአይ ስለዝፈለጡ ብኣምሓርኛ ኣዘራሪቦምኒ፤ ኣነ ግን ካብ ትግራይ ከምዝመጻእኹ ነጊረዮም።

እቶም ዝረኸቡኒ ተጋሩ ተሓባቢሮሙኒ፤ ከም ስደተኛ ኮይነ ተመዝጊበ። ናብዚ መዓስከር ብ11 ነሓሰ 2013 ኣቆፃፅራ ግእዝ [17 ነሓሰ 2020] እየ ኣትየ። እንተረኺበ እናበላዕኹ፤ እንተስኢነ እናጠመኹ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ኣብዚ ፀኒሐ።

ማቱሳላ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሆልሆል

ንተስፋይ ዘጸልመተ ውሳነ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቅድመይ ናብዛ ሃገር ዝመጽኡ ሰባት ብቐጥታ ናይ ስደተኛ ወረቐት ይወሃቦም ከምዝነበረ እዮም ነጊሮምኒ። ኣነ ድሕሪ ምምፀአይ ግን ፈለማ ናይ ሓታቲ ዕቑባ ወረቐት’ዩ ዝወሃበካ።

ብድሕሪኡ ምጽራይ ይግበር’ሞ ሕቶኻ ተቐባልነት ይረክብ ወይ ውዱቕ ይኸውን። ካብ ዝመፅእ ድሕሪ ወርሒ ይኸውን ንሓተትቲ ዕቑባ ዝወሃብ ግዚያዊ ወረቐት ረኺበ።

ነቲ ግዚያዊ ወረቐት ካብ ዝረክብ ድሕሪ ኣዋርሕ ናብ ቅድሚ ኣጻረይቲ ኮሚሽን ስደተኛታት ቀረብኩ። ምስ ኣዘራረቡንን ንዝሓተቱኒ ሕቶታት መልሲ ምስሃብክዎምን ሕቶይ ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ነጊሮምኒ። እቲ ውሳነ ንዓይ ተስፋይ ዘጸልመተ ነይሩ። ሽዑ ናተይ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ብዙሓት ሰባት ሕቶ ዕቑባ’ዩ ተቐባልነት ዘይረኸበ። ኣብ ኣካላቶም ጠያይቲ ዝኣተዎም ሰባት ከይተረፉ ሕቶኦም ተነጺጉ። “ጉዳይኩም ተቐባልነት የብሉን” ኢሎምና።

እቲ ዝኸፍአ ጉዕዞ ስደተይ ካብኡ ንደሓር’ዩ ዝጅምር። ሕቶይ ምስተነጽገ ተስፋ ስለዝቐበጽኩ ባሕሪ ሰጊረ ክስደድ ወሲነ። ካብኡ’ውን ንበይነይ እየ ተበጊሰ። የመን ዝሓሸ ነገር ክህሉ ከምዝኽእል ተስፋ ብምግባር እየ ነቒለ። ኣብ ጉዕዞይ ግን ዘይሓሰብኩዎ ዘስካሕክሕ ነገራት ኣጋጢሙኒ።

ካብ ጂቡቲ ባሕሪ ሰጊርካ ኢኻ ናብ የመን እትኣቱ። ናብ የመን ክበጽሕ ብምሕሳብ ድማ ካብቲ መዓስከር ተበጊሰ ጉዕዞይ ናብ ቅድሚት ቀጸልኩ። ነዊሕ ከይከድኩን ገና ናብቲ ናብ የመን ዘስግረኒ ባሕሪ ከይኣተኹን ኣብ ወሰን ባሕሪ ብሸፋቱ ተታሒዘ። ኣብ መገዲ ጸኒሖም ደው ኣቢሎምኒ፤ ብኦሮምኛ እዮም ከዘራርቡኒ ጀሚሮም። ደቂ ዓዲ [ዜጋታት ጂቡቲ] ተዛረብቲ ዓፋር እውን ምስኦም ነይሮም።

ኦሮምኛ ከምዘይክእል ምስተረድኡ ብኣምሓርኛ ኣዛሪቦምኒ። ሽዑ ብኣምሓርኛ መልሲ ምስሃብክዎም “3000 ብር ክፈል ክንሰደካ” ኢሎምኒ። ገንዘብ ከምዘይብለይን ተጸጊመ ይኸይድ ከምዘለኹን ነጊረዮም። ዋላ ሓደ ነገር ኣብ ኢደይ ከምዘይሓዝኩ ከረድኦምን ከርእዮምን ፈቲነ። ግን ክርድኡኒ ኣይከኣሉን፤ ሒዞምኒ።

ኣብ ኢዶም ምስኣተኹ ቀጻሊ እንታይ ክገብር ከምዘለኒ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረንን። ማይ ኮነ መግቢ ዝበሃል ከይጠዓምኩ እናገረፉን እናፈራርሑን ገንዘብ ክህቦም ይሓቱኒ ነይሮም። ህይወተይ ንከድሕን ዘቕረቡለይ እንኮ ኣማራጺ ናብ ቤተሰብ ስልኪ ምድዋል እዩ ነይሩ።

ዕዳ ወለዲ!

እቶም ሸፋቱ ገንዘብ ተላኢኹ ምስ በጽሖም እውን ህይወተይ ክትተርፍ ከምዘይትኽእል እየ ዝሓስብ ነይረ። ንቤተሰበይ መመሊሶም ገንዘብ እናሓተቱ ኣብ መወዳእታ ግን ኣነ ኣብ ሓደጋ ከምዝኣቱ ኣሚነ። ቀቲሎም ናብ በረኻ ወይ ናብ ባሕሪ ከምዝድርብዩኒ ኣይተጠራጠርኩን። ጨካናት እዮም።

እቶም ነዚ ተግባር ዝፍጽሙ ሰባት ሸፋቱ ጥራሕ ዘይኮኑስ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ስደተኛታት እውን እዮም። ብዘይካይ ንኻልኦት ብዙሓት ስደተኛታት እውን ሒዞም ገንዘብ ይሓቱ ነይሮም። ንኻልኦት ባዕላቶም ከሰጋግርዎም ዘምፅእዎም ሰባት ግን ብዝሓሸ ኩነታት እዮም ዝሕዝዎም። ማይን መግብን የቕርቡሎም። ክንቀሳቐሱ እውን ይፈቕዱሎም። ኣነ ግን ፀልማት ኩነታት ኣሕሊፈ።

ኣብ ርእሲ ማይን እኽልን ምኽልካሎም ብጥቓይ እናኽሓልፉ ይወቕዑንን የሳቕዩኒን። ኣብ ልዕለይ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ይፍፅሙን ብመንነተይ የላግጹን ነይሮም። ብኸቢድ እዮም ጎዲኦምኒ። ጫማ ስለዘይገበርኩ እግረይ ቖሲሉ፤ ዓሶ’ውን ሓሚመ . . . ዳርጋ ምዉት ኮይነ።

ማቱሳላ በረኸት

ምንጪ ስእሊ, BBC/MATUSALA

ሽዑ ኣብ ርእሲ ጻምእን ጥምየትን መግረፍቲ ተወሲኽዎ ሞት ዝተመነኹሉ ህሞት’ዩ ነይሩ። እቶም ዝሓዙኒ ሸፋቱ ባዕሎም ስልኪ ደዊሎም ምስ ቤተሰበይ ምስ ኣራኺቦሙኒ። ንወለደይ ብትግርኛ እየ ኣዘራሪበዮም። እዚ ድማ ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ አእትዩኒ። ብትግርኛ ክዛረብ ምስ ሰምዑ እቲ ኣቐዲሞም ክኸፍሎም ዝሓተቱኒ 3000 ብር ናብ 25 ሽሕ ብር ኣደይቦምዎ። ኣብ ኲናት ዝተቐርቀሩ ወለደይ ንርእሶም ኣብ ከቢድ ሽግር እናሃለዉ እዮም ክንድኡ ዝኣክል ገንዘብ ክልእኹ ተሓቲቶም።

ወለደይ ሰራሕተኛታት መንግስቲ እዮም ነይሮም፤ ኣብ ርእሲኡ ድማ ብሰንኪ ኲናት፡ ስራሕን ደሞዝን ካብ ዘቋርጹ ነዊሕ እዮም ገይሮም። ብ3 ሽሕ ብር ዝጀመረ ሕቶ ናብ 25 ሽሕ ካብኡ ድማ ናብ 30 ሽሕ ኣብጺሖምዎ። ወለደይ ግን ንዓይ ከድሕኑ ካብ ዝምፃእ ኣምፂኦም ነቲ ዝተሓተትዎ ገንዘብ ከፊሎምለይ። በዚ ግን ኣየብቀዐን። ንዓይ ከይሰደዱ መመሊሶም ተወሳኺ ገንዘብ ምሕታት ቀጺሎም።

ገንዘብ ክኽፈሎም ክሓቱ ከለዉ ናብ ወለደይ ቪድዮ ይልእኹሎም ነይሮም። እቲ ቪድዮ እናገረፉንን ኣብ ክሳደይ ካራ ገይሮም “ክንቐትሎ ኢና” እናበሉ ንወለደይ ከፈራርሕዎምን ዘርእይ እዩ ነይሩ። ንሳልስቲ ኣብ ኢድ እቶም ዝዓገቱኒ ሸፋቱ ከቢድ ስቓይ ኣሕሊፈ። መግረፍቲ፣ ጽምኢ ማይን ጥምየትን ክሳብ ሞት ዝምነ ገይሩኒ።

“ሞት ንሞቱ . . .”

እቶም ጨውዮም ዝሓዙኒ ሰባት ገንዘብ ተኸፊልዎም እውን ክሰዱኒ ከምዘይክእሉ ተገንዚበለኹ። ንዓይ ብምሓዝ ንወለደይ ገንዘብ ለኣኹ እናበሉ ከም ምንጪ ገንዘብ ይጥቀሙለይ ከምዘለዉ ምስ ፈለጥኩ፡ ብህይወት ክተርፍ እየ ዝብል ተስፋይ እናደብዘዘ መጸአ። ኣብቲ ቦታ ስቓይ ኮይነ ብቤተሰበይ ይሓዝን ነይረ’ምበር ብዛዕባ ነብሰይ ተስፋ ቀቢፀ እየ። ንነብሰይ ከምዝሞተት እየ ዝሓስባ ነይረ።

ኣብ መወዳእታ “ዋላ ይሙት ክሃድም ኣለኒ” ክብል ወሲነ። ዋላ ብተደጋጋሚ ሓቲቶም ዝተኸፈሎም ገንዘብ ክኣኽሎም ስለዘይከኣለ ከም መጥቀሚ ካብ ዝሕዙኒ ብደመ-ነብስ ክሃድም ወሲነ። ከም መአከቢ ገንዘብ ተጠቒሞም ኣብ መወዳእታ ቀቲሎም ከም ዝድብርዩኒ ኣይተጠራጠርኩን።

“ሞት ንሞቱ ዋላ እናጎየኹ ክመውት ክፍትን” ብዝብል ብዓይኒ ዕሙተይ ሃዲመ። ጥራሕ እግረይ እየ ጎዬ። እግረይ ደም ተሓፂቡ ህድማይ ቀጸልኩ። ካብኦም ምስ ሃደምኩ ድሕሪ ዝተወሰነ ጉዕዞ ብድኻምን ሕማምን ሃለዋተይ ኣጥፊኤ ኣብ መገዲ ወዲቐ። ብዙሕ ዝፍለጠኒ ነገር’ኳ እንተዘይነበረ ሓደ ዓፈረታይ ተወላዲ እታ ሃገር ረኺቡ ኣልዒሉኒ። ኣብ መወዳእታ ድማ ናብዚ ዘለኹሉ መዕቖቢ ስደተኛታት ተመሊሰ መጺአ።

ማቱሳላ ምስ ካልኦት ስደተኛታት - ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሆልሆል

ኣብዚ መዓስከር ክበፅሕ ከለኹ ኣእጋረይ፣ ኣካላተይን ዓይነይን ቆሲለን ብሕማም ተዳኺመን ስለዝነበርኩ ኩሎም ስደተኛታት ተረባሪቦም ክንድዝኸኣልዎ ሓጊዞምኒ። ብሳላ’ቲ ዝገበርዎ ፃዕሪ ድማ ካብ ዝበፅሓኒ ኣካላዊ ማህሰይትን ሕማም ዓሶን ሓውየ ነዛ መዓልቲ በቒዐ ኣለኹ። ካብ ጨወይተይ ሃዲመ ናብዚ ካብ ዝምለስ ሒደት ኣዋርሕ ገይረለኹ። ኣብዚ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሆልሆል ከኣ ከቢድ ኩነታት የሕልፍ ኣለኹ።

[ኣብዚ እዋን ናብ ዓዲ ናይ ምምላስ ድልየት ከምዘይብሉ እዩ ዝዛረብ። መንእሰይ ማቱሳላ፡ ሎሚ’ውን ተስፍኡ ናብ ሳልሰይቲ ውሑስቲ ሃገር ብሕጋዊ መገዲ ዝሰጋገረሉ ዕድል ረኺቡ ነቶም ብሰንኪ ኲናት ኣብ ከቢድ ጸገም ዘለዉ ወለዱ ክጥውር ተስፋ ብምግባር ኣብ ትጽቢት ኣሎ።]