ብሪጣንያ፡ ድሕሪ ናይ ዓመታት ትጽቢት ምስ ወላዲታ ዝተሓቛቘፈት ህጻን

ዮርዳኖስ ምስ ጓላ ሉልያና

ሰብመዚ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ብሰንኪዝፈጠርዎ ምድንጓያት፡ ሓንቲ ኤርትራዊት ስድራቤት ከይተጠርነፈት ነዊሕ ምጽንሓ ርትዓዊ ኣይኮነን ክብል ሓደ ተሓላቒ ማሕበር ነቒፉ።

ጓል 8 ዓመት ሉልያና፡ ምስታ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝነበረት ወላዲታ ንኽትራኸብ ዝተሓተተ ቪዛ ኣብ 2021 ተነጺጉ።

ነቲ ውሳነ ዘይተቐበለ እቲ ስድራቤት ዘቕረቦ ጥርዓን ይግባይ ኣብ መዋዳእታ'ኳ እንተ ተዓወተ እቲ ምድንጓያት ግን ንኵነታታ ኣዝዩ ሓላሊኽዎ'ዩ።

እታ ብሰላም ናብ ስድራኣ ክትኣቱ ዝነበራ ቈልዓ፡ ሓደጋ ኲናት ኣርኪቡላ፡ መሊሳ ተፈናቒላ ብሰለስተ ሃገራት ክትሓልፍ ነይርዋ።

ሰብመዚ ኢሚግሬሽን ብሪጣንያ፡ ምጥርናፍ ስድራቤት ኣገዳሲ ምዃኑ ከምዝርድኦም'ዮም ዝምጕቱ።

'ረፊጁ ኤንድ ማይግራንት ሰንተር' ዝተባህለ ንመሰላት ስደተኛታት ዝጣበቕ ማሕበር ከምዝበሎ ግን፡ እታ ስድራቤት ኣቐዲማ ክትጠራነፍ ዝነበራ'ያ። ዋላ'ኳ እታ ቈልዓ ቪዛ ረኺባ እንተነበረት ክህሉ ዘይነበሮ ዕንቅፋታት'ዩ ገጢሙዋ።

እታ ኣብ 2020 ናብታ ሃገር ዝኣተወት ወላዲታ፡ ዮርዳኖስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "መዓልታዊ ብዛዕባኣ ጥራይ'የ ዝሓስብ ነይረ፡ ብህይወት ኣላ ድያ የላን ኢለ እጭነቕ ነይረ" ትብል።

"ሉልያና ምሳይ ዘይነበረት እንተ ትኸውን፡ ስድራቤተይ ፋሕፋሕ ኢሉ ምሃለወ። ኣብዚ ምሳይ ምህላዋ ጸጋ'ዩ"።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ዛንታ ኣብ 2020 እዩ ዝጅምር። ዮርዳኖስ ምስቲ ኣብ ከተማ በርሚንግሃም ዝነብር መጻምድታ ዮናስ ክትጠራነፍ ቪዛ ተዋሂቡዋ።

ዮናስ፡ ኣብ 2012 ስደተኛ ኰይኑ'ዩ ናብ ብሪጣንያ ኣትዩ። ንመጻምድቱን ውላዱን ንኸምጽእ ግን፡ ነቲ እንተወሓደ 22,400 ፓውንድ ዝሓትት ቅጥዒ ከማልእ ነይርዎ። ስለዚ ድማ ተወሳኺ እብረ ብምስራሕ ነቲ ዝድለ ቅጥዒ ከማልእ ክኢሉ።

ኣብ ኤርትራ ብዘለዉ መራሕቲ ማሕበረኮም ብዝሃብዎም ምኽሪ ድማ ናይ ኣደን ውላድን መስርሕ ክፈላልይዎ ወሲኖም።

እንተዀነ ግን ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ናይ ሉልያና ሕቶ ስለዝነጸጐ፡ ኣብ ሱዳን ምስ ሓትነኣ ተሪፋ፤ እታ ቪዛ ዝረኸበት ኣደኣ ግን ናብ በርሚንግሃም ከይዳ።

ኣብ ሕዳር 2021 ግን ብመሰረት ምዕራባዊ ማእከል ተሓላቒ መሰላት ስደተኛታት፡ ኣብ ክንድኦም ነቲ ውሳነ ናብ ቤትፍርዲ ይግባይ ኢሉ። ኣብ ነሓሰ 2022 ድማ እቲ ቤትፍርዲ ንውሳነ መንግስቲ ብምንጻግ ሕቶኣ ቅቡል ክኸውን ፈሪዱ።

እንተዀነ፡ ኣብ ሚያዝያ 2023 ኣብ ሱዳን ሓደገኛ ኲናት-ሓድሕድ ተወሊዑ።

በቲ ኵነታት ዝሰግኣ ሉልያናን ሓትነኣን ድማ ካብ ሱዳን ሃዲመን ናብ ደቡብ ሱዳን ኣትየን። ድሕሪ ሓያለ ሰሙናት መሊሰን ናብ ዩጋንዳ ቀጺለን።

"ደብዳብ ነፈርቲ ነይሩ፡ ሉልያና ክሳብ ዩጋንዳ ትበጽሕ ጽቡቕ ኣይነበረትን። ኵሉ ሳዕ ትውጭጭ ነይራ፡ ኣዝያ ሰንቢዳ'ያ" ትብል ኣደኣ ዮርዳኖስ።

ኣብ መወዳእታ፡ ድሕሪ 15 ኣዋርሕ ግን ኣደን ጓልን ኣብ ምዕራብ ለንደን ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ሂትሮው ገጽ ንገጽ ተረኣእየን ተሓቛቚፈን።

ነታ ስድራ ናብ ከልበትበትን ኮለልን ንዘእተዋ መስርሕ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት እትነቅፍ ኣካያዲ ኢሚግረሽን ናይቲ ተሓላቒ ማእከል ዳናይ ፓፓክሪስቶፖውሎ፡ "ነታ ቈልዓ ብሕጋውን ውሑስን ኣገባብ ናብ ብሪጣንያ ንምምጻእ እታ ስደራ ነቲ ዝድለ መስርሕ ተኸቲላ ኵሉ ቅጥዕታት ዘማልአት ስድራ'ያ። ሰባት ዘጋጥሞም ዘሎ ዕንቅፋታት ድማ እዚ'ዩ" ኢላ።

" ኣብ ማእከልና 34 [ሕጋዊ] ኣማኸርቲ ኣለዉና፤ ኵላትና ድማ እንተወሓደ ሓደ ምስ ክቱር ምድንጓይን ከተመኽንየሉ ዘይትኽእል ነዊሕ ግዜ ምውሳድን ዝተሓሓዝ ኣለና።"

ብመሰረት ጸብጻብ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ኣብ 2021፡ 626 ኣብ ሱዳንን ኤርትራን ዝነበሩ ቈልዑ ናብ ብሪጣንያ ክኣትዉ ቪዛ ምጥርናፍ ስድራቤት ተዋሂብዎም። ኣብ 2022 ድማ 365 ቪዛ ረኺቦም።

"ኣጋስነት ምጥርናፍ ስድራቤታት ይርድኣና'ዩ። ቪዛ ግን ብውልቂ ዝርአ ኰይኑ፡ ብመሰረት ዝተዋህበ ሓበሬታ'ዩ ዝውሰን" ክብል ኣፈኛ እቲ ክፍሊ ገሊጹ።

ሎሚ፡ ሉልያና ድሮ ትምህርቲ ጀሚራ፡ ኣብ ዕረፍቲ ቐንያ፡ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ናብ ምህሮ ክትምለስ ትሸባሸብ ኣላ።

ምስታ ከይመጸት ዝተወልደት፡ ብቪድዮ ጥራይ ካብ ማዕዶ ዝረኣየታ ህጻን ሓፍታ'ውን ክትፋለጥ ዕድል ረኺባ ኣላ።