ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን’ውን ከም ዝጥቀምሉ ዝንገር ቪዛ ፖላንድ ከቢድ ሕቶ ኣለዓዒሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣፈ ጉባኤ ላዕለዋይ ባይቶ ፖላንድ፡ መንግስቲ ብዛዕባ እቲ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ምስ መእተዊ ቪዛ ናብታ ሃገር ዝተኣሳሰር ብልሽውና ዝፈልጦ ሓቅታት ክገልጽ ጸዊዑ።
ኣፈ ጉባኤ ቶማስ ግሮድዝኪ፡ እዚ ጉዳይ፡ ንፖላንድ ከም ሓንቲ ሓላፍነታዊት ዲሞክራሲያዊት ሃገር ዝናኣ ዝድውን እዩ ክብል እዩ፡ ብዓርቢ ኣብ ተለቪዥን እታ ሃገር ቀሪቡ ተዛሪቡ።
መንግስቲ፡ ዛጊት ውሑድ ዝርዝር ሓበሬታ እኳ እንተገለጸ፡ ማዕከናት ዜና ግን ስደተኛታት ንሕቶታት ናይ ስራሕ ቪዛ ንምስላጥ ክሳብ 5 ሽሕ ዶላር ከምዝኸፍሉ የመልክታ።
በዚ ጉዳይ 7 ሰባት ተኸሲሶም’ኳ እንተሃለዉ፡ ካብ ሰበስልጣን መንግስቲ ግን ዛጊት ዝተኸሰሰ የለን።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ብቤት ጽሕፈት ጸረ-ብልሽውና ፖላንድ ኦዲት ኣብ ዝተኻየደሉ መዓልቲ፡ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ፒዮትር ዋውርዚክ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።
ብዘይካኡ፡ ዳይሬክተር ሕጋዊ ኣገልግሎታ እቲ ሚኒስትሪ እውን ተባሪሩ’ሎ።
ምስቲ ብልሽውና ብዝተኣሳሰር ኦዲት ዝግበረሉ ዘሎ እቲ ሚኒስትሪ፡ ነቲ ካብ 2011 ጀሚሩ ሰራሕተኛታት ከእትዋ ዝጸንሓ ኩባንያታት ንዝገብራኦ ውዕላት ከምዘቋርጽ ኣፍሊጡ’ሎ።
ኣባላት ባይቶ ተቓወምቲ ውድባት፡ ካብ ኤስያን ኣፍሪቃን ንሰራሕ ብዝብል ክሳብ 250 ሽሕ ቪዛ ብዘይስሩዕ መንገዲ ንኩባንያታት ከምዝተዋህበ ገሊጾም።
መንግስቲ ግን፡ ንኣማ’ኢት ዝኣኽሉ ሰባት ጥራይ ቪዛ ከም ዝተዋህበ ብምግላጽ ምስዚ ኣሃዝ ኣይሰማማዕን።
ኣብዚ ጉዳይ፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ኣብ ፖላንድ ዝመሃር ዝነበረ ኤርትራዊ ከምዝገልጾ፡ ሓያለ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን እውን፡ ብመገዲ ዝተፈላለዩ ‘ኣሳለጥቲ’ መብዛሕትኡ ንናይ ሕርሻ ስራሕ ተባሂሉ ብቪዛ ንፖላንድ ይኣትዉ ነይሮም ይብል።
ዝርዝራት ኣተኣትዋኦም ናብታ ሃገር ብዙሕ ብንጹር ዘይግለጽኳ እንተዀነ፡ ፖላንድ ምስ ኣተዉ ግን ብኡ ንብኡ ናብተን ዝበልጸጋ ሃገራት ምዕራብ ኣውሮጳ ብምኻድ ሕቶ ዑቕባ ከምዘቕርቡ ይሕብር።
መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ሲቪክ - ዶላንድ ቱስክ "ካብ ኣፍሪቃ ናብ ፖላንድ ክበጽሕ ዝደሊ ሰብ ናብ ኤምባሲና ይኸይድ፤ ገለ ዝርዝራት መሊኡ ቪዛ ዓዲጉ፡ ብቐሊሉ ፖላንድ ይኣቱ…" ክብል ኣብ ኤክስ [ትዊተር] ጽሒፉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ማቴውስ ሞራዊኪ ሰፊሕ ጉዳይ ከምዘሎ ኣምሲልካ ዝግበር ምትዕብባይ ብምንጻግ፡ ሚስተር ቱስክ ነቲ ገዛኢ ሰልፊ ጸገም ክፈጥረሉ ይፍትን ኣሎ ክብል ከሲሱ።
ኣፈ ጉባኤ ላዕለዋይ ባይቶ ፖላንድ ሚስተር ግሮድዝኪ ብዓርቢ ብተለቪዥን ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ “እዚ ጉዳይ’ዚ ሃገርና ከም ሓንቲ ሓላፍነታዊት ኣባል ደሞክራስያዊ ማሕበረሰብ ሓራ ዓለም ዘለዋ ዝና ዘበላሹን፡ ድሕነትና’ውን ኣብ ሓደጋ ዘእቱን’ዩ፡ ስለዚ ብዝርዝር ክግለጽ ኣለዎ” ክብል ተዛሪቡ።
"እዚ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ዘጋጠመና ዝዓበየ ብልሽውና እዩ። ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ መንግስቲ ዝረአ ዘሎ ዕንደራ፡ ብምዃኑ ድማ ንዅላትና ቀጥታዊ ሓደጋ እዩ፡" ኢሉ።
ሚኒስተር ፍትሒ ዝቢኚ ዚዮብሮ ድሒሩ ምስ መንግስታዊ መደበር ተለቪዥን ቲቪፒ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ነቲ ኣፈጉባኤ ንመጠን ናይቲ ጸገም ብምግናን ወቒስዎ።
ቤት ጽሕፈት ጸረ-ብልሽውና እታ ሃገር፡ ነቲ ጉዳይ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ሓምለ 2022 ከም ዝበጽሖን፡ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ድማ ንምርግጋጽ ክሰርሕ ከምዝጸንሐን ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







