ኢትዮጵያዊ ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ ን31 ዓመታት ክእሰር ተፈሪዱ

እሱር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኬንያ ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ ደቂ ሰባት ከም ዝዀነ ዝተጠርጠረ ኢትዮጵያዊ ን31 ዓመት ማእሰርቲ ከም ዝተፈርደ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን።

ይበቃል ጌታቸው ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ ኣብ ገዝኡ ብሰንሰለት ዝተኣሰሩ 12 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ተረኺቦም።

እቶም ስደተኛታት ኣብ መንበሪ እቲ ኣዲናን መሓመድ ጋላኖ ብዝብል ተወሳኺ ስም ዝጽዋዕ ይበቃል ጌታቸው ተኣሲሮም ናብ ሳልሳይ ሃገር ክሰጋገሩ ይጽበዩ ከም ዝነበሩ ፖሊስ ገሊጹ።

ብመሰረት ጸብጻብ ዘ ስታር ጋዜጣ፡ ይበቃል ጌታቸው 24 ጥቅምቲ 2014 ኣብ ናይሮቢ ንጎማ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ እዩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።

እቲ ውልቀሰብ፡ ካብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ብተወሳኺ ብምድንጋር ሰነድ’ውን ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክእሰር ከም ዝተፈርዶ እታ ጋዜጣ ሓቢራ።

ብዘይካ'ዚ ይበቃል ጌታቸው መንግስቲ ኬንያ ንወጻእተኛታት ዝህቦ ዓይነት ናይ ሓሶት መለለዪ መንነት ሒዙ'ዩ ክንቀሳቐስ ጸኒሑ።

እቶም ኣብ መንበሪ ገዝኡ ዝተረኸቡ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ከም ዝተመልሱ እውን ተገሊጹ ኣሎ።

ዳይረክተር መርመራ ገበን ኬንያ መሓመድ ኣሚን፡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃን ማእኸላይ ምብራቕን ክበጽሑ ዝደልዩ ኢትዮጵያውያን ንኬንያ ከም መሰጋገሪ ክጥቀሙላ ጸኒሖም እዮም ከም ዝበለ ድማ ናይሮቢ ኒውስ ኣቃሊሓ'ላ።

እቲ ሓላፊ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ውልቀሰብ ዝተዋህበ ፍርዲ ንኻልኦት ኣሰጋገርቲ ካብ ተመሳሳሊ ንጥፈታት ንክቑጠቡ ዝሕብር መጠንቀቕታ'ዩ ምባሉ'ውን ጠቒሳ።

ብተወሳኺ እቲ ሓላፊ፡ እቲ ሕብረተሰብ ዘጠራጥር ኵነታት ምስ ዝርእይ ንፖሊስ ክሕብር ሓቲቱ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፖሊስ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ኢስሊ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ 30 ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተወ ተገሊጹ።

ጋዜጣ ስታንዳርድ ንፖሊስ ኬንያ ብምጥቃስ 20 ደቂ ተባዕትዮን 10 ደቂ ኣንስትዮን ናብ ዘይተገልጸ ቦታ ክግዕዙ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝወዓሉ ሓቢራ።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ኬንያ ዝኣተዉ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣውራጃ ማቻኮስ ኣቲ ሪቨር ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ከም ዝተተሓዙ ይዝከር።

ኣድማ ምሕሳም መግቢ ዘካየዱ ኢትዮጵያውያን

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ኬንያ ኣብ ሓደ መደበር ፖሊስ መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ክገብሩ ዝጸንሑ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ምድላው ከምዝተገብረ፡ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ጋዜጣ ዘስታር ኬንያ ሎሚ ንጉሆ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ኣብ ከባቢ ናይሮቢ ኣብ እትርከብ ሪቨር ኣብ ዝተባሃለት ከተማ ኣብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ዝተኣሰሩ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገርና ክንምለስ ኢና ንደሊ ብምባል መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ምጅማሮም ጸብጺቡ ኔሩ።

ነዚ ኣመልኪቱ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ኣባል ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ግና እቶም ኢትዮጵያውያን 79 ከምዝኾኑን ዝተረፉ ኤርትራውያን ምዃኖምን ተዛሪቡ።

ብመሰረት ጸብጻብ ጋዜጣ ዘስታር፡ እቶም ኢትዮጵያውያን ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣትው ክልተ ሰሙን ሓሊፉ ኣሎ።

እቶም ስደተኛታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ ሓደ ገዛ ተታሒዞም ዝነበሩ ኮይኖም ንማዕጾን መሳኩትን እቲ ገዛ ሰቢሮም ድሕሪ ምምላጦም እዮም ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ኣትዮም።

ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ጀሚሮም ኣብ ኣድማ ዝጸንሑ እቶም ኢትዮጵያውያን ብጥምየት ተዳኺሞም ምንባሮም እታ ጋዜጣ ንፖሊስ ብምጥቃስ ጸብጺባ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት’ውን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝጠለቡ ኢትዮጵያውያን ብተመሳሳሊ መገዲ ኣድማ ድሕሪ ምግባሮም ከም ዝተመለሱ ይዝከር።