ኢትዮጵያውያን ኣብ ዶብ የመንን ስዑድያን ዘጋጥሞም ዘሎ 'ኰነ ኢልካ' ቅትለት

ደቂ ኣንስትዮ

ምንጪ ስእሊ, IOM

ኣብቲ ስራሕ ንምድላይ ዝስደዱ ኢትዮጵያውያን ዝጥቀሙሉ ቀንዲ መተሓላለፊ መስመር የመን - ስዑድ ዓረብ፡ ብዙሓት ስደተኛታት ብሰበስልጣን ጸጥታ ስዑድ-ዓረብ፡ ብተመልከተለይ ኮነ ኢልካ ይቕተሉ ከም ዘለዉ፡ መርበብ ሓበሬታ ሚድል ኢስት ኣይ፡ ‘Middle East Eye’ ኣቃሊዓ።

እዛ መርበብ ሓበሬታ፡ ነቲ ኣብ ስደት መጽናዕትን ትንተናን ዘካይድ ዓለምለኸ መርበብ ማእከል ምውህሃድ ስደት -ኤምኤምሲ - ብ 5 ሓምለ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ምርኩስ ብምግባር ከም ዝሓበረቶ፡ “እቶም ደለይቲ ስራሕ ዝዀኑ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ ብስናይፐራትን ሞርታራትን ዒላማ ኰይኖም፡” ክትብል ኣስፊራ።

እዞም ግዳያት ዝዀኑ ዘለዉ ስደተኛታት፡ ብሰንኪ ኲናት ዘስዓቦ ቍጠባዊ ጸገማትን ምፍንቓልን፡ ስራሕ ንምንዳይ ኢሎም ካብ ኢትዮጵያ ነቒሎም፡ ናብ ጅቡቲ ካብኡ ብባሕሪ ናብ የመን፣ ካብ የመን ድማ ብምድሪ ንስዑድ-ዓረብ ክሰግሩ ኣብ ዝፍትኑሉ እዋን፡ ብሓለዋ ዶብ ስዑድያ ይቕተሉ ከም ዘለዉ ይንገር።

ዶብ ስዑዲ ዓረብን የመንን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብፍላይ ሓደገኛ ኰይኑ፡ ካብ 1 ጥሪ ክሳብ 30 ሚያዝያ 2022፡ ኣስታት 430 ሞትን፡ 650 መጉዳእትን ከም ዝተመዝገበ እቲ መርበብ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ዝተፈጸመ ቅትለትን መጥቃዕትን፡ እቶም ብሑቲ ዝፍለጡ ዕጡቓት ኣብ ዝቈጻጸርዎ መስመር ኣልጀውፍን ሳዳን ዞባ የመን ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ግዝኣት ጂዛን እውን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ክካየድ ከም ዝጸንሐ’ውን እቲ ሓበሬታ የመልክት።

ሓደ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓነ ሰብ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነቲ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ከቢድ ጨና" ሬሳታት ነቲ ከባቢ ከም ዝዓብሎኾ ገሊጹ።

ካልእ እውን፡ ኣብ “ዓይኒ ካሜራ ጸጥታ እንተኣቲኻ፡ ሓለውቲ ዶብ ከበድቲ ነታጒ ይትኩሱ" ክብል ነቲ ኵነታት ገሊጹ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ሕጂ እዚ ጉዳይ ከም ዘተሓሳሰቦ ብምግላጽ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2022፡ ብርክት ዝበሉ "ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጸሙ ከቢድቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት" ዝገልጹ ፍሉያት ጸብጻባት ኣውጺኡ እዩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ 30 ሚእታዊት ካብቶም ግዳያት ደቂ ኣንስትዮ፡ 7 ሚእታዊት ድማ ህጻናት እዮም።

ብተወሳኺ እቲ ጸብጻባት ገለ ካብቲ ግህሰት፡ ስቅያት፡ ኢደዋኒናዊ ማእሰርቲ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ጾታዊ ዓመጽን ዘጠቓልል ምዃኑ ኣስፊሩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

“ኣብ ሰሜናዊ ዶብ የመንን ስዑድያን፡ ቀጻሊ ሰብ ይመውት ኣሎ። ብፍላይ ደቂ-ኣንስትዮ ኣደዳ ዓመጽን ኣካላዊ መጥቃዕትን፡ ስቅያትን ኢደ-ወነናዊ ማእሰርትን ይዀና” ከም ዘለዋ፡ ካብቲ ሓደጋታት ካብ ዝደሓኑ ዝተኣከበ ሓበሬታታት ምርኩስ ብምግባር እዘን ትካላት ኣቃሊሐን።

ሚድል ኢስት ኣይ፡ ዶብ ስዑድ-ዓረብን የመንን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣዝዩ ሓደገኛ ቦታ ኰይኑ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዘይኣክል ድማ፡ ኣስታት 430 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ልዕሊ 650 ድማ ንስንክልና ተቓሊዖም ከም ዘለዉ ተመዝጊቡ ኣሎ ትብል።

እቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ዝተፈጸመ ቅትለትን መጥቃዕትን፡ ኣብ መስመር ኣልጀውፍን ሳዳን ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ ኣብቲ ሑቲ ዝቆጻጸርዎ ዞባ-የመን እዩ። ከምኡ’ውን፡ ኣብ ስዑድ-ዓረብ፡ ዞባ ጀዛን፡ ብተመሳሳሊ ነቶም ዶብ ዝሰግሩ ስደተኛታት ከጥቅዕዎም ጸኒሖም እዮም።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ጥቅምቲ 2022 ኣብ ጸውጽኦ ጸብጻብ፡ ዘሕዝን ምግሃስ ጸብኣዊ መሰላት ይፍጸም ከም ዘሎ ጸብጺቡ ነይሩ። ኣብቲ ዘስፈሮ ጸብጻብ ድማ፡ 30 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮን - 7 ሚእታዊት ድማ ህጻናት ምዃኑም ሓቢሩ ነይሩ።

እዞም ብቀይሕ-ባሕርን የመንን ኣቢሎም ናብ ስዑድ-ዓረብ ክሰልኩ ዝፍትኑ ሰባት፡ ዝበዝሑ ተወለድቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኰይኖም፡ ገለ ውሑዳት’ውን የመናውያን ከም ዝርከብዎም ይንገር። ይዅን’ምበር፡ እቶም 99 ሚእታዊት ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ይንገር።

ኣብቲ ከባቢ ዝግበር ሰብኣዊ ሓገዝ ድሩት ኰይኑ፡ ኣባላት ሕክምና ነቶም ዝተጐድኡ ክረድኡ ከምዘይከኣሉ ተጠቒሱ’ሎ።

እቶም ግዳያት’ውን ሕክምና ንምርካብ ይቃለሱ እዮም፤ ኣብ ርሑቕ ከባቢ እትርከብ ሓንቲ ሆስፒታል ጥራይ ድማ ዓቕማ ድሩት ምዃኑ እቲ ሓበሬታ የመልክት።

ብመሰረት ጸብጻብ ኤምኤምሲ፡ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እዚ ቅትለትን ግህሰትን ኣድማዒ መርመራ ኣይተኻየደን።

“ዕላዊን ናጻን መርመራ የድሊ" ብምባል ከኣ፡ ብራም ፍሮውስ፡ ዳይረክተር ማእከል ኤምኤምሲ ኣተሓሳሲቡ።

ንሱ ወሲኹ፡ "እዚኦም ኣመና ዘተሓሳስቡን ከበድትን ጸብጻባት እዮም፣ ገበነኛታት ተሓተትቲ ንምግባር መርመራ የድሊ፤ ነቶም ግዳያት ዕዳ ኣለና፡" ኢሉ።

ስዑዲ ዓረብ ብቐዋሚ ወኪላ ኣብ ጀነቫ ኣቢላ ነዚ ክሲ ብምንጻግ፡ ቅሉዕ ምግሃስ መሰል ሰባት ምፍጻሙ ዘርኢ መርትዖ ከምዘይረኸበትን ገሊጻ።

ኤምኤምሲ፡ ንኢትዮጵያውያን ሰራሕተኛታት ጉዳይ ሰደተኛታትን ንዝተኣከቡ ምስክርነታትን ነጻ መጽናዕትን ምርኩስ ገይሩ፡ ልክዕ ቁጽሪ ግዳያት - ዝሞቱን ዝቘሰሉን - ካብቲ ዝተገልጸ ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽእል ይኣምን።

ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣቐዲሙ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ከባቢ ከጋጥም ዝጸንሐ ቅትለትን ግህሰትን ዝያዳ መርመራታት ክካየድ ጸዊዑ ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሐ፡ ስእልን ምስልን ኣስከሬን፡ ኣብ ሽንጥሮን በረኻን የመን ህወይተን ዝሰኣና ደቂ ኣንስትዮ ስደተኛታት ዝተባህለ ምርኩስ ብምግባር፡ ቢቢሲ ንሓደ ምስክር ዓይኒ ኣዛሪቡ ከምዝነበረ ኣይርሳዕን።

እቲ ሓደጋ መፋርቕ ግንቦት ኣብ ዶብ የመንን ስዑዲ ዓረብን ራጐ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ዘጋጠመ ከምዝዀነ ካብቲ ከባቢ ዘዘራረብናዮን ስደተኛ ገሊጹ ነይሩ።

ንሱ፡ ናብቲ ኣስክሬን ዝተረኽበሉ ቦታ ብምኻድ ነቲ ኵነታት ከም ዝተዓዘቦ ብምግላጽ፡ ብሰንኪ ኣጸጋሚ ጕዕዞ እግርን ድኻምን ንሓደጋ ዝቃልዑ ስደተኛታት ብዙሓት ምዃኖም ሓቢሩ ነይሩ።

“ርኢናየን፤ ንቐብረን ክኣ ኣለና - እንታይ ደኣ ክንገብር። መቕበሪ ቦታ’ውን የለን፤ ይጨኑ ኣሎ። ዘይተቐበረ እዩ ዝበዝሕ” ክብል ነቲ ዘሕዝን ኵነታት ገሊጽዎ።

እተን ግዳያት ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናብ የመን ዝኣተዋ ምዃነን፡ መብዛሕትአን ካብ ትግራይ ዝተበገሳ፡ ገለ ውሑዳት ድማ ካብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ምዃነን ብምግላጽ፡ ብቐረባ ዝፈልጡወን ከም ዝነበረአንን፡ "መርድእ ንዓዲ ልኢኽና'ውን ኣለና፡" ኢሉ።