'ኣረሜናት ሲናን ሕያዎት ግብጺን ዝረኣየት ግዳይ ስደት'፡ ካብ ዝኽርታት ሜሮን እስቲፋኖስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዛዕባ ጭውያ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሲናይን ኵሉ መሰክሕ ዝዀነ ግፍዕታቱን ካብ ስድራቤታት ሓሊፉ ንመላእ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣጨናቒ ኣብ ዝነበረሉ እዋናት፡ ሞባይል ስልኪ ሜሮን ለይትን ቀትርን ካብ ደወል ኣይተዕርፍን ነይራ። እቶም ዝድውሉላ ከኣ ኣብ ጸገምን ስቓይን ዝርከቡ ብዝረሰነ ሓጺን እናተተኮሱ፡ ብዝመክኽ ፕላስቲክ እናተለብለቡ፡ ብበትርን ኩርማጅን እናተገርፉ ዘእውዩ ሰባት እዮም ነይሮም፤ ሰምሃር ከኣ ሓንቲ ካብኣቶም እያ።
ኵሉ እቲ ሕቶ ኸኣ፡ “ዕስራ ሰላሳ ሽሕ ዶላር ተሓቲትና፡ በጃኻትኩም ከም ገለ ጌርኩም ኣድሕኑና፡ እዚኦም ምሕረት የብሎምን ክቐትሉና እዮም!” ዝብል ነበረ።
እቲ ቃንዛን ስቓይን ዘይጽወር’ኳ እንተዀነ፡ ምስ ምብዛሕን ምድግጋምን ግን ሜሮን ምስ ሕልናኣ እናተባእሰት ክትለማመዶ ጀሚራ። እቲ ናይ ደቀንስትዮን ሕጻናትን ስቓይን ቃንዛን ግን ክትጻወሮ ስለዘይከኣል ኣይለመደቶን።
ሰምሃር፡ እታ ምስ 28 ደቂ ተባዕትዮ ተጨውያ፡ መዓልታዊ ግዳይ ጾታዊ ዓመጽን ግህሰትን ዝዀነት እንኮ ጓለንስተይቲ እያ።
ዘመድ መቕርብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዛንታኣ ዝሰምዐን ብስቓያ ዝሓዘነን ኤርትራዊ ካብ ኵሉ ኩርናዓት ዓለም ነቶም ጨወይታ ዝኽፈል ኣሽሓት ዶላራት ገንዘብ ኣዋጺኡ፡ ሎሚ ጽባሕ ክትፍታሕ ትጽቢት እናተገብረ ግን ናብ ካልኦት ነጋዶ ሰባት ስለዝተሸጠት ደሃያ ጠፊኡ።
እቶም ምስኣ ዝተጨውዩ ኣወዳት ተሓቲቶም ደሃያ ከምዘይብሎም ስለዝሓበሩ፡ ዓጽመ ስጋ ኣብ ክልተ መጻብብ ተቐርቀረ። ገሊኦም ሰዲዶማ’ዶ ይዀኑ ክብሉ እንከለው፡ ገሊኦም እውን ብዘጋጠማ ማህረምትን ጾታዊ ግፍዕን ምናልባት እውን ሞይታ ክትከውን ትኽእል እያ ዝብል ስግኣት ሰፈነ።
እቲ ንዓኣ ተባሂሉ ካብ ገበርቲ ሰናይ ኤርትራውያን ዝተዋጽአ ገንዘብ ከኣ፡ ኣብ ትሕቲ መዳጐኒ ስቓይ ካልኦት ነጋዶ ሰባት ብተመሳሳሊ መገዲ ተጨውየን ንዝሳቐያ ዝነበራ ክልተ ትሕቲ ዕድመ ኤርትራውያን ንምድሓን ተኸፊሉ።
ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ግን ሰምሃር ካብ መዳጐኒ፡ ስቓይ ካልኦት ነጋዶ ሰባት “ሓውሊ” ተባሂላ እናተገርፈት ናብ ሜሮን ደዊላ።
ሜሮን ድምጻ ምስ ሰምዐት በቲ ሓደ ታሕጓስ በቲ ሓደ ከኣ ሓዘን ተፈራሪቝዋ። ብህይወት ብምህላዋ ተሓጒሳ፡ ኣብ ገሃነም ነጋዶ ሰባት ብምህላዋ ከኣ ሓዚና።
ሽዑ ርዳእ ርዳእ ኰይኑ ወላዲታ ካብ ኣስመራን ኣብ ፈቐዶ ኵርናዕ ዓለም ካብ ዝርከቡ ኤርትራውያንን ገንዘብ ተኣኪቡ ልዕሊ 20 ሽሕ ዶላር ተኸፊሉላ፡ ካብ መዳጐኒ ስቓይ ነጻ ወጺኣ።
እንተዀነ ካብቲ በብዝኸድካዮ እትጭወየሉን ዝዀነ ማንም በዓል ጠበንጃ ካብ መገዲ ገፊፉ ከም ኣቕሓን እንስሳን ዝዳጕነካ ምድረ ሲናይ ኣይወጽአትን።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቶም ምሰኣ ተታሒዞም ዝነበሩ 28 መንእሰያት፡ ሽዱሽተ ካብኣቶም ብዘጋጠሞ ማህረምቲ ክሞቱ እንከለው፡ እቶም ዝተረፉ ግን ገሊኦም ብሓገዝ ስድራ ቤቶምን ፈተውትን፡ ገሊኦም ከኣ ብኣበርክቶ ኤርትራውያን ኣሕዋት በብቝሩብ ወጺኦም።
ብዙሓት ካብኦም ናብ እስራኤል ገሊኦም ከኣ ነናብ ዝጥዕሞም ፋሕ ከምዝበሉ እታ ብቐረባ ትከታተሎም ዝነበረት ሜሮን ትዝክር።
ሰምሃር ኣብ ሲናይ ክሳብ ዘላ እዋን ምንም ቅሳነት ኣይስመዓን እዩ። ኣብ ኢድ እቶም “ኣራዊት!” ዝብል ቅጽል ዘይበቕዖም ነጋዶ ሰባት ከቢድ ኣካላውን ስነ አእምሮኣውን ሃስያ ስለዝወረዳ፡ ካብቲ ንሳቶም ግዝኣትና ዝብሉዎ ምድረ ስቓይ ወጺኣ ንእስራኤል ምስ ዝሰግሩ ሰባት ነቐለት።
እንተዀነ ኣብቲ ጕዕዞ እቲ እውን ዕድል ኣይገበረትን። ኣብቲ ን206 ኪሎ ሜተር ዝዝርጋሕ ዶባት ግብጽን እስራኤልን ብዘሎ ትሪኮላታ ክተሰግር ምስ ቀረበት፡ ብጠይይት ሓለዋ ዶባት ተሃርመት።
ኣብቲ ዘይሕጋዊ ጕዕዞ ንሓለዋ ዶባት ብዝተዋፈሩ ወተሃደራት ብጥይት ዝህረሙ ስደተኛታት ውሑዳት ኣይነበሩን።
ሰምሃር ከኣ ሓንቲ ካብቶም ብዙሓት ግዳያት ኰይና ኣብቲ ኣጻምእ ወደቐት። ማህረምታ ኣብ እግራ ስለዝነበረ ክትንቀሳቐስ ኣይከኣለትን።
ፈጣሪ ጸድፊ ይፈጥር እሞ መደያይቦ ይገብረሉ ከምዝበሃል ግን፡ እታ ኣብ ሲናይ ዝተሳቐየት ሰምሃር፡ ሕልና ብዘለዎም ገለ ኣባላት ፖሊስ ግብጺ ተላዒላ ናብ ወተሃደራዊ ሕክምና ኣተወት።
ዕድል ክትገብር ከአ ኣብቲ ሆስፒታል እተስርሕ ሓንቲ ነርስ ምስረአየታ ብኵነታት ሰምሃር ደንጊጻ፡ ካብቲ ሕክምና ኣህዲማ ኣብ ገዛኣ ሓቢኣ ሓከመታ።
ብድሕሪኡ ስድራ እቶም ነርስ እንታይ ክንገብረልኪ ትደልዩ ኢሎም ምስ ሓተቱዋ፡ “ዝገበርኩም ጌርኩም ናብ እስራኤል ኣስግሩኒ እምበር ኣብ ግብጺ ክነብር ኣይደልን እየ፤ እንተተታሒዘ ኣሲሮም ናብ ኤርትራ ክጥርዙኒ እዮም” ስለዝበለቶም፡ ሓቢኦም ናብቲ ዶብ ኣብጺሖምዋ፤ ብሰላም ከኣ ናብ እስራኤል ሰገረት።
ሓደ መዓልቲ እታ ኣብ ዶባት እስራኤል ብጥይት ምስተሃርመት እንደገና ደሃይ ዘቋረጸት ሰምሃር፡ ናብ ሜሮን ስልኪ ደወለት።
ሽዑ ግን ካብ ምድረ ግብጺ ሲናይ ዘይኮነስ ካብ ተልኣቪቭ እስራኤል እዩ ነይሩ። ሜሮን እንደገና ደሃይ ሰምሃር ብምስምዓ እሞ ኸኣ ካብ ዝሓሸ ቦታ ካብ እስራኤል ብምንባሩ ኣዝያ ተሓጐሰት። ግዜ ከይወሰደት ከኣ ትኬት ቈሪጻ ንእስራኤል በረረት።
ኣብ ጕዕዞኣ ካብታ ምስ ሰምሃር ዝተፋለጥትላ ደቒቕ ኣትሒዛ ክሳብ እቲ ካብ እስራኤል ዝደወለትላ ግዜ ዝነበረ ህይወትን ሃለዋትን እታ ግዳይ እናሰላሰለት ኣብ እስራኤል ዓለበት።
ተሌፎን ሰምሃር ስለዝነበራ ኸኣ ሜሮን ኣብ ጥቓ እቲ ሰምሃር ተዓቚባትሉ ዝነበረት ቦታ ኣብ ዝርከብ ፓርክ መናፈሻ መጺኣ ክትረኽባ ተሰማምዓ።
እተን ኣብ እዋን ጸገም ብድምጺ ዝፋለጣ፡ እታ ግዳይ ነጋዶ ሰባት ሰምሃርን እታ ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ጋዜጠኛን ሜሮን እስቲፋኖስን ኣብቲ ዝተቛረጻሉ ፓርክ ኣብ እስራኤል ተራኸባ።
ሰምሃር፡ ንሜሮን ምስ ረኸበታ ኣብ መንኩባ ተጠምጢማ ተነኽነኸት፡ ድሕሪ ቑሩብ ደቓይቕ ከኣ ውኖኣ ስሒታ ካብ መንኩባ ዘልሓጥ ኢላ ወደቐት። ሽዑ ሜሮንን ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባትን ሰንበዱ። ካብኡ ንሰምሃር ሒዞም ናብ ሕክምና ጐየዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰምሃር ንሜሮን ምስ ረኣየት፡ እቲ በቶም ነጋዶ ሰባት እናተገርፈት ትድውለላ ዝነበረት እዋንን እቲ ዘጋጥማ ዝነበረ ዘስካሕክሕ ግፍዕን ተራእዩዋ እያ ወዲቓ።
ቅሩብ ምስተረጋግአት ከኣ ሓካይም ኵሉ ምልክታታ ድሕሪ ኣካላዊ ጉድኣትን ከቢድ ኣእምሮኣዊ ጭንቀት ዝስዕብ ብPTSD ዝፍለጥ ሕማም ምዃኑን ግቡእ ሕክምናዊ ሓገዝ ክትረክብ ከምዝግባእ ሓበሩ።
ሰምሃር ቅሩብ ምስተረጋግአት፡ ኣብቲ ሜሮን ኣብ እስራኤል ዝጸንሓትሉ ዕለታት ድሕረ ባይታኣን ኵሉ ጕዕዞ ስደታን ክሳብ እታ ሰዓት እቲኣ ዘጋጠማ ጭንቅን መከራን ኣዘንተወትላ።
ሜሮን ከኣ ብዝከኣላ እናጸናንዐት ብውሽጥን ግዳምን እናነብዐት ብጽሞና ሰምዓታ።
ሜሮን ንዅሎም እቶም ካብ ሽወደን ብስልኪ እትረኽቦም ዝነበረት ሓጹር እስራኤል ሰጊሮም ዝኣተው ግዳያት ስደት እውን ረኺባ ብሞራል ኣተባብዓቶም።
ድሕሪ ገለ ዓመታት፡ ሃገረ ሽወደን ንገለ ስደተኛታት ክትወስድ ምስ ወሰነት፡ ሰምሃር ምስቶም ተመሳሳሊ ዕድል ዝረኸቡ ስደተኛታት ንሽወደን ኣተወት’ሞ፡ ምስ ሜሮን ርክበን ቀጸላ።
ቅድሚ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ዓመት ኣቢሉ ሰምሃር ኣብ ሽወደን ክትምርዖ እንከላ ሜሮን እውን ኣብ ዳሳ ውዒላ ሓጐሳ ገሊጻ ሰናይ ተመነየትላ።
ኣብዚ እዋን ሰምሃር፡ ሓዳር መስሪታ ኣብ ሽወደን ህይወታ ትመርሕ ከምዘላ ሜሮን ትሕብር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







