ንኢጣልያ ክሰግራ ዝፈተና ክልተ ጀላቡ ጥሒለን ሓያለ ስደተኛታት ሞይቶም

ስደተኛታት ዝሓዘት ጃልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክልተ ጀላቡ፡ ካብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ነቒለን ንኢጣልያ ክሰግራ ኣብ ዝጓዓዛሉ ዝነበራ እዋን፡ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ሓንቲ ድሕሪ ሓንቲ ብምጥሓለን ብውሕዱ 29 ስደተኛታት ከምዝሞቱ ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።

እቶም ካብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝነቐሉ ምዃኖም ዝተነግረ ስደተኛታት፡ ናብ ኢጣልያ ንምብጻሕ ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ዝፍትኑ ዝነበሩ እዮም።

እዘን ክልተ ጀላቡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ ካብ ዝጠሓላ ጀላቡ ናይ መወዳእታ ኰይነን፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ መዓልታት ካልኦት ሓሙሽተ ጀላቡ ከም ዝጠሓላ ይግለጽ።

ቀንዲ ጠንቂ እዚ ኵነታት፡ ቱኒዝያ ኣንጻር’ቶም ሰነዳት ዘይብሎም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዘመተ ድሕሪ ምጅማራ እዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሰበስልጣን ኢጣልያ ከም ዝገለጽዎ፡ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ኣብ ደሴት ላምፐዱሳ፡ ክብረወሰን ብዝሓዘ መጠን 2,500 ስደተኛታት ድሕሪ ምእታዎም፡ ልዕሊ ዓቐን ተጸጊሞም ኣለዉ።

ሕልፍቲ የማናዊት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኢጣልያ ጆርጅያ ሜሎኒ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣውሮጳ ዝርአ ዘሎ ሰፊሕ ማዕበል ስደተኛታት፡ ነታ ኣህጉር ሓደጋ ምዃኑ ኣጠንቂቓ።

ቱኒዝያ፡ ኣብዚ እዋን ናብ ኣውሮጳ ክሰግሩ ናይ ዝደልዩ ስደተኛታት ማእከል ኰይና ከምዘላ እዩ ዝፍለጥ።

ኣሃዛት ሕቡራት ሃገራት ከም ዘመልክትዎ ኣብዚ ዓመት ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ዝበጽሑ ብውሑዱ 12 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ቱኒዝያ ዝነቐሉ እዮም። እቲ ኣሃዝ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ናይ ዝሓለፈ ዓመት 1,300 ጥራይ ምንባሩ የመልክት።

እዚ ይዅን እምበር ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ቱኒዝያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ መዓልታት ናብ ኣውሮጳ ክሰግራ ዝፈተና ኣስታት 80 መራኽብ ከም ዝዓገቱን፡ ምስጋር ስደተኛታት ደው ንምባል ኣድላዪ ስጕምትታት ይወስዱ ከምዘለዉን ይገልጹ ምህላዎም ሮይተርስ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ፡ እቶም ሰበስልጣን ልዕሊ 3,000 ስደተኛታት ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተዉ እቲ ማዕከን ዜና ይገልጽ።

ፕረዚደንት ቱኒዝያ ካይስ ስዒድ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘስምዖ ንብዙሓት ዘሰንበደ ኣካታዒ መደረኡ፡ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ስደተኛታት ትሕተ-ሰሃራ ኣፍሪቃ ጠንቂ ገበናትን ዲሞግራፊያዊ ስግኣትን ክብል እዩ ገሊጹዎም።

እቲ ፕረዚደንት ዝሃቦ ርእይቶ ብሕብረት ኣፍሪቃ ብትሪ ክውቀስ እንከሎ፡ ብጕጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ድማ "ዓሌታዊ ናይ ጽልኢ ዘረባ" ተባሂሉ ተኾኒኑ እዩ።

እዚ ዘረባ’ዚ ንገለ ኣብ ቱኒዝያ ዝጸንሑ ስደተኛታት ትሕተ-ሰሃራ ኣፍሪቃ ስግኣት ዝፈጠረሎም ኰይኑ፡ ኣብ ንገሊኦም ድማ ዓሌታዊ ወጥሪ እናወሰኸ ክኸይድ ከም ዝተዓዘቡ ይዛረቡ።

ብሰንኪ’ዚ፡ ኣይቮሪኮስትን ጊኒን ዝኣመሰላ ገለ ሃገራት ካብቲ ኣብ ቱኒዝያ እናዓረገ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ዘይምጽውዋር ሃዋሁ ብምስጋእ ዜጋታተን ናብ ሃገረን ክመልሳ ተገዲደን እየን።

ቍጠባ ቱኒዝያ ተዳኺሙ ከምዘሎን፡ እቲ ምስ ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ (IMF) ዝካየድ ዝነበረ ዝርርብ ደው ምባሉ ድማ ዝያዳ ቅልውላው ፈጢሩ ከምዘሎን እዩ ዝግለጽ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን’ውን ቱኒዝያ ምስቲ ትካል ገንዘብ ስምምዕ ህጹጽ ዳግመ ሕውየት ክትበጽሕ ከምዘድልያ ኣገንዚቡ'ሎ።