ዘይተቐብረ ብዝሒ ሬሳ ስደተኛታት ኣብ ዶብ የመን-ስዑዲ ሻቕሎት ይፈጥር

ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ የመን

ምንጪ ስእሊ, IOM

መግለጺ ስእሊ, ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ የመን

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ ዝርአ ዘሎ ስእልን ምስልን ኣስከሬን፡ ኣብ ሽንጥሮን በረኻን ህወይተን ዝሰኣና ደቂ ኣንስትዮ ስደተኛታት ልቢ ብዙሓት ዝተንከፈን ዘሕዘነን ኰይኑ ኣሎ።

እቲ ምስሊ፡ እተን ስደተኛታት ህይወተን ዝስኣናሉ ኵነታት ዘርኢ ኰይኑ፡ እተን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እግሪ ገረብ፡ ሰጣሕ መሬት፡ መንጐ ወዲቐንን ተቐራቒረንን ይርኣያ።

ቢቢሲ ክሳብ ሕጂ እዚ ቪድዮ ዝተቐረጸሉ ዕለትን ቦታን ብግልጺ ከረጋግጽ ኣይክኣለን።

እተን ኣብቲ ምስሊ ዝርኣያ ደቂ ኣንስትዮ ስደተኛታት ግን ካብ የመን ናብ ስዑዲ ዓረብ ንምስጋር ኣብ ዝግበር ጕዕዞ እግሪ ዝተወጽዓን ንሞት ዝተቓልዓን ከም ዝዀና ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

እዚ መስመር'ዚ፡ ነነዊሕ ግዜ ብዙሓት ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጽያ ዝመጽኡ ስደተኛታት ክጥቀሙሉ ዝጸንሑ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ግን ብፍላይ፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ዘስዓቦ ብዙሕ ዝቐጸላታቱ ቅልውላዋት፡ ብዙሓት ተጋሩ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፡ ካብታ ክልል ወጺኦም፡ ብመስመር ጅቡቲ ኣቢሎም ብባሕሪ ናብ የመን ብምስጋር፡ ኣብኡ ብኣሰጋገርትን ደለልትን ተሓጊዞም ኣጽምእ ምድረበዳታት ሰጊሮም ስዑዲ ዓረብ ክኣትዉ ከም ዝጸንሑ ይፍለጥ።

እቲ ሓደጋ ብ9 ግንቦት 2015 (ኣቆጻጽራ ግእዝ) ኣብ ዶብ የመንን ስዑዲ ዓረብን ራጐ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ዘጋጠመ ከምዝኾነ ካብቲ ከባቢ ዘዘራረብናዮን ሽሙ ክግለጽ ዘይደለየን ስደተኛ ይዛረብ።

ንሱ፡ ናብቲ እቲ ኣስክሬን ዝተረኽበሉ ቦታ ብምኻድ ነቲ ኵነታት ከም ዝተዓዘቦ ብምግላጽ፡ ብሰንኪ ኣጸጋሚ ጕዕዞ እግርን ድኻምን ንሓደጋ ዝቃልዑ ስደተኛታት ብዙሓት ምዃኖም ሓቢሩ።

“ርኢናየን፤ ንቐብረን ክኣ ኣለና - እንታይ ደኣ ክንገብር። መቕበሪ ቦታ’ውን የለን፤ ይጨኑ ኣሎ። ዘይተቐበረ እዩ ዝበዝሕ” ክብል ነቲ ዘሕዝን ኵነታት ይገልጾ።

እተን ግዳያት ኰይነን ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናብ የመን ዝኣተዋ ምዃነን፡ መብዛሕትአን ካብ ትግራይ ዝተበገሳ፡ ገለ ውሑዳት ድማ ካብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ምዃነን ብምግላጽ፡ ብቐረባ ዝፈልጡወን ከም ዝነበረአንን፡ "መርድእ ንዓዲ ልኢኽና'ውን ኣለና፡" ይብል።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብቲ ጕዕዞ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ስደተኛታት ንሞት ይቃልዑ ከም ዘለው ዝገልጽ እዚ ምስክር ዓይኒ፡ እቲ ጕዕዞ ስደት ዓቐብ ምውጻእን ቁልቁል ምውራድን ዝበዝሖ ስለ ዝዀነ ድማ፡ ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ድኻም ከም ዘጋጥሞም ይሕብር።

“እቲ መገዲ ብእግሪ’ዩ ዝኽየድ። እታ ዝደኸመት ይወቕዑዋ፣ ይጸፍዑዋ። ማይ ይጸምአን፣ ይጠምየን። እተን ዘይከኣላ ድማ ዝድግፍ ዘይብለን ንክሞታ ኣብኡ ገዲፎምወን ይኸዱ” ኢሉ።

ንሱ ከም ዝብሎ እንተዀይኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ግዳያት ሞት ዝዀና ኣስታት 20 ስደተኛታት ኣለዋ።

ካልእ ወዲ ራያ ብዝብል ክጽዋዕ ዝመረጸን ቅድሚ ክልተ ዓመት ብስደት ወጺኡ ኣብቲ ከባቢ እናሰርሐ ዝናበር ዘሎን ስደተኛ ድማ፡ ነቲ ዘሕዝን ተግባር ዝፍጽሙ ዘለው ውልቀሰባት፡ 'መራሕቲ መገዲ' ተባሂሎም ዝጽውዑ ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ሰባት ምዃኖም ይገልጽ።

“ካብ ሕዱድ የመን ናብ ስዑዲ ክኣትዋ ዝኸዳ ዝነበራ እየን እዚ ሓደጋ ኣጋጢሙወን ዘሎ። እዚ መገዲ ብጣዕሚ ነዊሕ’ዩ፤ ብቐረባ መግብን ማይን ኣይርከቦን። ብጥምየት፡ ብጸሓይ፡ ብድኻም ተጐዲአን። እቶም መራሕቲ መገዲ ድማ እናጋፍዑ፡ ኣብ ልዕሊ ዝደኸማ ናይ ሓይሊ ስጕምቲ እናወሰዱ ኣብ መወዳእታ ተስፋ ክቘርጻ እንከለዋ’ዮም ደርብዮምወን ዝኸዱ፤ ካብ 100 ሰብ 80 ሒዞም እንተኣትዮም ምንም ኣይመስሎምን” ይብል።

በብዓመቱ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ናብ ስዑዲ ዓረብ ንምእታው ኣዝዮም ሓደገኛታት ዝዀኑ መገዲታት ስደት ክጥቀሙ ጸኒሖም እዮም፤ መብዛሕትኦም ብየመን ኣቢሎም ክሓልፉ ዝፍትኑ ከም ዝዀኑ ኸኣ ይፍለጥ።

ቢቢሲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብተደጋጋሚ ኣብ ዝሰርሖም ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ድማ፡ እቶም ስደተኛታት ኣጸጋሚ ተፈጥሮኣዊ ኣቀማምጣ እቲ ከባቢ ካብ ዘስዕቦ ድኻምን ጽምእን ብዝሰገረ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳጐኒ ማእከላት ተዓጽዮም ከም ዝሳቐዩ፡ ንሕማማት ቈርበትን ካልእን ከም ዝቃልዑ ምርዳእ ይከኣል።

ከም ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ዝበሉ ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት’ውን፡ ብፍላይ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ሰባት ብመቝሕ ከም ዝእሰሩ፣ ኣብቲ ዝተኣሰርሉ ክፍሊ ክሸኑ ከም ዝግበርን ኣብኡ ከም ዝሞቱን ዝገልጹ ዘስካሕክሑ ጸብጻባት ከውጽኡ ምጽንሖም ይፍለጥ።

እቶም ቢቢሲ ዘዘራቦም ስደተኛታት ድማ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ትግራይ መቕርባቶም እንከይተረፈ ብርክት ዝበሉ ሰባት በቲ ዘይሕጋዊ መገዲ ስደት ክወጽኡ ከም ዝወጠኑ ብምግላጽ ሓደጋኡ ዝኸፍአ ምዃኑ ኣጠንቂቘም።

“ስደት፡ ብፍላይ ናብ ስዑዲ ምምጻእ ማለት ገመድ ኣብ ክሳድካ ምእታው ማለት’ዩ” ዝበለ እቲ ሽሙ ክግለጽ ዘይደለየ ካብቲ ቦታ ዘዘራረብናዮ ስደተኛ፡ ሰባት ጥንቃቐ ክገብሩ ኣዘኻኺሩ።

'ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ የመን ኲናት ከምዘሎ ኣይፈልጡን'

ብሰንኪ ኲናትን ጐንጽን ኣብ የመን ቐጻሊ ሰብኣዊ ቅልውላዋት እኳ እንተሃለወ፡ ምብራቓዊ ሸነኽ እታ ሃገር ብዙሓት ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ዝሰጋገርሉ ምዃኑ ዓለምለኻዊ ትካል ስደት (IOM) ይገልጽ።

እቶም ስደተኛታት መብዛሕትኦም ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝብገሱ ኰይኖም፡ ናብ ስዑዲ ዓረብ ንምእታው ዝወጠኑ እዮም።

ዓለምለኻዊ ትካል ስደት ኣብ ወርሒ መጋቢት እዚ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ 2022 ጥራይ ልዕሊ 73 ሽሕ ስደተኛታት ናብ የመን ከም ዝኣተው ጠቒሱ።

እዚኦም ብቐንዱ ካብ ኢትዮጵያ ዝመጽኡ ኰይኖም፡ ናብ የመን ብጀላቡ ከምዝሰግሩን ከበድቲ ሓደጋታት ከም ዘጋጥሞምን ሓቢሩ።

ኣብቲ ናብ ስዑዲ ዓረብ ንምብጻሕ ዝገብርዎ ጉዕዞ፡ ኣብ የመን ካብ ኣዋኣርሕ ክሳዕ ዓመታት ክጸንሑ ከምዝኽእሉ እቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት የረድእ።

እቶም ካብ ድኽነትን መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ዓመጽን ምዝመዛን ሃዲሞም የመን ዝኣትው ስደተኛታት ንዝገደደ መጥቃዕቲ፣ ግህሰትን ምዝመዛን እዮም ዝቃልዑ።

ብዙሓት ካብቶም ስደተኛታት’ውን ኣብ የመን ኲናት ይካየድ ብዛዕባ ምህላው ዝፈልጥዎ ነገር ከምዘይነበረ'ውን ኣይኦኤም ይገልጽ።

መብዛሕትኦም ኣብ ኣዝዩ ድሩት-ክሳብ ከም መጽለሊ፡ መግቢ፡ ማይን ክንክን ጥዕናን ዝበሉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ዘይረኽብሉ ኣሰካፊ ኩነታት ከም ዝነብሩ ከኣ ይሕብር።

እቲ ስደተኛታት ናብ የመንን ካልኦት ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ንምእታው ዝመርጹዎ ዘይሕጋዊ መገዲ ስደት፡ ‘ምብራቓዊ መንዲ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኰይኑ፡ ኣብ ኣፍሪቃን ዓለምን ካብ ዘለዉ ሓደገኛታትን ዝተሓላለኹን መስመራት ስደት ደቂ ሰባት ሓደ እዩ።

ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት፡ ብቐንዱ ካብ ኢትዮጵያን ሶማልያን- በብዓመቱ ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ በጺሖም ስራሕ ክረኽቡ ተስፋ ብምግባር በቲ መስመር ይጓዓዙ።

ጥሜት፡ ዋሕዲ ማይን ካልኦት ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ዝተፈላለዩ ሓደጋታት ከም ዘጋጥሞም ድማ ዓለምለኻዊ ትካል ስደት ይገልጽ።

እቶም ስደተኛታት መብዛሕትኡ ግዜ ብዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ዒላማ ከም ዝዀኑ ዝገልጽ እቲ ትካል፡ ጭውያ፡ ብዘይ ፍቓድ ማእሰርቲ፡ ብኣስገዳድ ናብ ተዋጋእቲ ሓይልታት ብፍላይ ኣብ የመን ምምልማልን ከጋጥሞም ከም ዝኽእል የመልክት።