ኣባላት ጉጅለ ቫግነር ስደተኛ መሲሎም ናብ ኤውሮጳ ከይኣትዉ ፖላንድ ኣጠንቂቓ

ፖላንድ ምስ ቤላሩስ ኣብ እትዳበወሉ ከባቢ ሓጹር ተኺላ’ያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፖላንድ ምስ ቤላሩስ ኣብ እትዳበወሉ ከባቢ ሓጹር ተኺላ’ያ

ኣብ ቤላሩስ ዝርከቡ ዕጡቓት ቫግነር ስደተኛታት መሲሎም ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ክኣትዉ ከም ዝኽእሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ፖላንድ ማቴውስ ሞራዊኪ ኣጠንቂቑ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ወሲኹ ከም ዝበሎ፡ ቫግነር ካብ ቤላሩስ ዘይሕጋዊ ስደት'ውን ከመቻችእ ይኽእል’ዩ፡ እዚ ድማ ፖላንድ "ሓወሲ ኲናት" ኢላ’ያ እትገልጾ።

ኣስታት 100 ወተሃደራት ቫግነር ናብ ጥቓ ዶባት ፖላንድን ሊትዋንያን ከም ዝተንቀሳቐሱ’ውን ሓቢሩ ኣሎ።

ገለ ወተሃደራት ቫግነር ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ሩስያ ንዝነበረ ሓጺር ናዕቢ ንምቁራጽ ብዝገበርዎ ስምምዕ ናብ ቤላሩስ ከም ዝተሰጋገሩ ይፍለጥ።

ፖላንድ፡ ህላወ ቫግነር ኣብ ቤላሩስ ከም ሓደጋ ከም እትርእዮ ትገልጽ።

መራሒ ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ፡ ቅድሚ ሕጂ ክስደዱ ዝኽእሉ ሰባት ናብ ዶባት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ብምስሓብ ኣብ ኤውሮጳ ቅልውላው ስደተኛታት ኣልዒሉ ዝብል ክሲ ነጺጉ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሞራዊኪ ግን ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ልዕሊ 100 ኣባላት ጉጅለ ቫግነር ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ ቤላሩስ ከም ዝሰጋገሩ ገሊጹ።

እቶም ዕሱባት ስደተኛታት ምእንቲ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ክሰግሩ ሓለውቲ ዶብ ቤላሩስ መሲሎም ክቐርቡ ይኽእሉ እዮም፡ ወይ ድማ ባዕሎም ስደተኛታት መሲሎም ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ክኣትዉ ከም ዝኽእሉ ሓቢሩ።

"ሕጂ እቲ ኩነታት ዝያዳ ሓደገኛ ይኸውን ኣሎ" ኢሉ።

"እዚ ብርግጽ ኣብ ልዕሊ መሬት ፖላንድ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዝወስድ ስጉምቲ'ዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ወርሒ ሰነ ዘልዓሎ ንሓጺር እዋን ዝጸንሐ ናዕቢ ስዒቡ፡ ሓያሎ ኣሽሓት ኣባላት ቫግነር ናብ ቤላሩስ ሰጊሮም እዮም። ናብ ስሩዕ ሰራዊት ሩስያ ክጽንበሩ ወይ ድማ ናብ ቤላሩስ ክኸዱ’ዩ ኣማራጺ ተዋሂብዎም።

ፖላንድ፡ ሊትዋንያን ላቲቭያን ኣብ ዶባተን ንጉጅለ ቫግነር ዘሳትፍ ፍጻመታት እንተጋጢሙ፡ ምስ ቤላሩስ ዘለዋ ዶባት ክዓጽዋ ብሓባር ክውስና ከም ዝኽእላ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፖላንድ ብሓሙስ ምግላጹ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መራሒ ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ፡ ኣባላት ቫግነር ክራይ ኣብ ማእከላይ ቤላሩስ ከም ዝጸንሑ ኣጽኒዑ ነይሩ።

ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝተዘራረበሉ እዋን፡ ብዋዛ "ንምዕራብ ክኸዱ ይሓቱ ኣለዉ... ናብ ዋርሶ ገጽ... " ምባሉ ይዝከር።

"ብርግጽ ግን ከምቲ ዝተሰማማዕናሉ ኣብ ማእከላይ ቤላሩስ የጽንሖም ኣለኹ።"

ቀዳማይ ሚኒስተር ፖላንድ፡ ኣብዚ ዓመት ጥራይ ዶብ ቤላሩስን ፖላንድን ንምስጋር 16 ሽሕ ፈ ከም እፈተኑ ይገልጽ።

ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ዶባት ሕብረት ኤውሮጳ ፍሮንቴክስ፡ ኣብ መንጎ ወርሒ ጥሪን ሰነን ካብ ቤላሩስ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ 2,312 ዘይሕጋዊ ምስግጋር ከም ዝነበሩ የመልክት።

ፖላንድን ሊትዋንያን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝሰግሩ ሰባት ንምንካይ ኣብ ዶባት ቤላሩስ ሓጹር ተኺለን ኣለዋ።