ኒጀር፡ መራሒ ቫግነር ንወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ

የቭገኒ ፕሪጎዢን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መራሒ ዕሱብ ጉጅለ ቫግነር የቭገኒ ፕሪጎዢን ንወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ኒጀር ከምዝድግፍ ገሊጹ።

ኒጀር ሓንቲ ካብ ቀንዲ መሓዛ ምዕራባውያን ሃገራት ምዃና'ያ ትፍለጥ።

ኣብቲ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቴለግራም ዝተዘርግሐ ዘይተረጋገጸ ድምጺ ፕሪጎዢን፡ እቲ ዕልዋ ኣቐዲሙ ክግበር ዝነበሮ ምዃኑ'ዩ ዝዛረብ።

"ኣብ ኒጀር ዘጋጠመ፡ ህዝቢ ኒጀር ኣንጻር ናይቶም ኣብ ልዕሊኡ ሕግታት ህይወቶም ከገድዱ ዝደልዩ ገዛእቱ ዝተላዕለሉ እዩ" ከምዝበለ ኤ-ኤፍ-ፒ ሓቢሩ።

"ኣብ መሬት እዘን ሃገራት እዚኣተን ነቲ ናይ ብሓቂ ስርዓተ ጊልያነት ንምቕጻል፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ዘሰለፉ ናይ ወጻኢ ተልእኾታት የዋፍሩ"።

ፈረንሳን ኣመሪካን ኣብታ ብማዕድን 'ዩራንዮም' (ኣብ ምምዕባል ኑክሌራዊ ኣጽዋርን ጸዓትን ዝውዕል) ሃብታም ዝኾነት ሃገር ወተሃደራዊ መዓስከራት ከምዘለወን ይፍለጥ።

እቲ መሓዛ ምዕራባውያን ሃገራት ዝኾነ ፕረዚደንት መሓመድ ባዙም ካብ ትማሊ ረቡዕ ኣጋ ምሸት ኣትሒዙ ብወተሃደራት ሓለዋ ቤተ-መንግስቲ ተታሒዙ ከምዘሎ ይግለጽ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ኣብተን ዕሱባት ተዋጋእቱ ክነጥፉለን ዝጸንሑ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ወግእ ክቕጽል ምዃኑ ፕሪጎዢን ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።

ወተሃደራት ቫግነር ኣብ ማሊን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ጸጥታ እተን ሃገራት ተለጢፎም ኣንጻር ዕጡቓት ተቓወምቲ ክዋግኡ ምጽንሖም ይፍለጥ።

"ኣንጻር ጭፍራታት ገበናትን ኣሸበርትን ኣብ ዝግበር ዝኾነ ውግእን፡ ንረብሓታት ህዝቢ እተን ሃገራት ንምክልኻልን ሓገዝ ጉጅለ ቫግነር እንተ ተደልዩ፡ ስምምዕ ምስተበጽሐ ነቲ ዕማም ብቕልጡፍ ንምፍጻም ድልዋት ኢና" ክብል ተሰሚዑ ነይሩ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ክልተ ጐረባብቲ ሃገራት ማሊን ቡርኪናፋሶን ጂሃዳዊ ምንቅስቓሳት ዝፈጠሮ ቅልውላው ዝመበገሲኡ ዕልዋ መንግስቲ ኣጋጢምወን እዩ።

እዚ ኣብ ኒጀር ተፈጢሩ ዘሎ ናዕቢ፡ ብሰንኪ’ቲ ህላወን ወተሃደራዊ ስርሒታት ቫግነር ኣብቲ ከባቢን፣ ኣብ ምዕራባውያን ተፈጢሩ ዘሎ ጭንቀት ኣብ ዝዓርገሉ ዘሎ እዋን ዝመጽአ እዩ።

ጽልዋ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ንምስፋሕ ድሌት ዘለዎም ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ካብ ሓሙስ 27 ሓምለ ጀሚሩ ንመራሕቲ ኣፍሪቃ የአንግድ ኣሎ።

ፕሪጎዢን ኣንጻር መንግስቲ ሩስያ ዕጥቃዊ ናዕቢ ድሕሪ ምክያዱ ንፈለማ እዋን ኣብታ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃን-ሩስያን ዝካየደላ ዘሎ ከተማ ፒተርስበር ተራእዩ ኣሎ።

ንሱ፡ ምስ ላዕለዋይ ብዓልስልጣን ሪፓብሊክን ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ፍረዲ ማፖካ ሰላምታ ክለዋወጥ'ዩ ተራእዩ ዘሎ።

ድሕሪ'ቲ ናዕቢ፡ ምስ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ከምዝተራኸበ ይንገረሉ።

ወተሃደራት ቫግነር ኣብ ማሊን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ጸጥታ እተን ሃገራት ተለጢፎም ኣንጻር ዕጡቓት ተቓወምቲ ክዋግኡ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ኣብቲ ዝተሳተፍሉ ውግኣት ገበናት ኲናት ከምዝፈጸሙ ሕቡራት ሃገራት ይኸስስ።

ምስ ላዕለዋይ ብዓልስልጣን ሪፓብሊክን ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝተራእየ ፕሪጎዢን

ምንጪ ስእሊ, IMAGE POSTED BY DMITRY SYTYY

መግለጺ ስእሊ, ምስ ላዕለዋይ ብዓልስልጣን ሪፓብሊክን ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝተራእየ ፕሪጎዢን

ብሪጣንያ ብሰንኪ እቲ ጉጅለ ኣብ ኣፍሪቃ ዘካይዶ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ኣብ ልዕሊ መራሕቱ ዝርከብዎም 13 ውልቀሰባትን ትካላትን ንግዲን እገዳ ኣንቢራ’ላ።

ካብቶም ማዕቀብ ተገይሩሎም ዘሎ ውልቀሰባት፡ ሓላፊ ስሪሒታት እቲ ጉጅለ ኣብ ማሊ ኢቫን ኣለክሳንድሮቪች ማስሎቭን፡ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝርከብ መዘናኡ ኮንስታንቲን ኣለክሳንሮቪች ፒካሎቭን ይርከብዎም።

ኣመሪካ ብወገና፡ ኣባላት ቫግነር ብወርቂ እታ ኣህጉር ጅብኦም የኻዕብቱ ከምዘለዉ ትኸስስ።

ፕሪጎዢን ግን፡ ኣብታ ኣህጉር ዘሎ ንጥፈታቶም ካብኡ ፍልይ ዝብል ምዃኑ'ዩ ዝምጉት።

"ኣብ ኩለን እተን ክንሰርሓለን ዝጸናሕና ሃገራት ንሰርሕ ኣለና ወይ እዚ ሕጂ ንሰርሖ ዘለና ናይ ምትሕብባርን ልምዓትን እዩ" ክብል ተሰሚዑ።