ኣብ 2024 ንመጀመርታ ግዜ ስደተኛታት ንመትረብ እንግሊዝ ሰጊሮም

ብመርከብ ሓይሊ ዶብ ናብ ገማግም ባሕሪ ኬንት በጺሖም

ምንጪ ስእሊ, PRESS ASSOCIATION

መግለጺ ስእሊ, ብመርከብ ሓይለዋ ዶብ ናብ ገማግም ባሕሪ ኬንት በጺሖም

ኣብ 2024፡ ንመጀመርታ እዋን ስደተኛታት ብንኣሽቱ ጀላቡ ንመትረብ እንግሊዝ ሰጊሮም ኣብ ገማግም ባሕሪ ኬንት ክበጽሑ ተራእዮም።

ብመሰረት ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር፡ ካብ 16 ታሕሳስ 2023 ጀሚሩ ዳርጋ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ነቲ መትረብ ከምዝሰገሩ ዝተመዝገቡ ስደተኛታት የለዉን።

እዚ ድማ ብሰንኪ ሕማቕ ኵነታት ኣየር እዩ ነይሩ።

ትማሊ ቀዳም ግን ስደተኛታት ከምዝዀኑ ዝእመነሎም ሰባት ብመርከብ ሓለዋ ዶብ ናብ ዶቨር ክኣትዉ ተራእዮም።

ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት "ቀዳምነትና ነተን ጀላቡ ደው ምባል'ዩ" ኢሉ።

ክሳብ 11 ጥሪ ን26 መዓልታት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተገብረ ምስጋር ኣይነበረን።

እዚ ድማ ብንኣሽቱ ጀላቡ ኣብ ዝግበር ምስጋር ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ዝተረኣየ ዝነውሐ ክፍተት እዩ ነይሩ።

ኣብ 2023 ግዝያዊ ዓመታዊ ዝሰገሩ ስደተኛታት ብድምር 29,437 ኰይኑ ካብቲ ኣብ ምሉእ 2022 ዝነበረ ክብረወሰን 45,774 ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ።

እቲ ናይ 2023 ኣሃዝ ግን ክሳብ ሕጂ እቲ ካልኣይ ዝለዓለ ዓመታዊ ቍጽሪ እዩ፤ ኣብ 2021 ቍጽሪ ዝሰገሩ 28,526 እዩ ነይሩ።

ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት "ኣብ ልዕሊ ጉጅለታት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዝተገብረ ወፍሪ፡ ስደተኛታት ብሓደገኛ መስገሪታት ከይሰግሩ ንምግዳብን ምስ ፈረንሳ ብምትሕብባር መራኽብ ንምዕጋት ስጕምቲ ወሲዱ" ይብል።

"እዚ ዘይሕለል ስጕምቲ፡ (ኣብ 2023) ነቲ ቍጽሪ ብ36 ሚእታዊት ዝነከየ’ዩ፤ ምስቲ ኣብ 2022 ዝነበረ ተመሳሳሊ ኵነታት ኣየር ዝተረኣየሉ ዝሓለፈ ዓመት፡ ልዕሊ 26 ሽሕ ፈተነታት ተዓጊቶም" ይብል ወሃቢ ቃል እቲ ቤት ጽሕፈት።

መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ኣብታ ሃገር እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቍጽሪ ስደተኛታትን ወጻእተኛታትን ንምንካይ'ውን ዝተፈላለዩ ጻዕሪታት ክገብር ጸኒሑ’ዩ።

ክሳዕ ሰነ 2023 ኣብ ዝነበረ ሓደ ዓመት፡ ብውሕዱ ሓደ ዓመት ክጸንሑ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተው 1,180,000 ከምዝነበሩ ጸብጻብ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ይሕብር።

ካብዚኦም እቶም 508,000 ክወጹ እንከለዉ እቶም ዝተረፉ 672,000 ሰባት ኣብታ ሃገር ክጸንሑ ዝወሰኑ እዮም። እንተዀነ፡ እቲ ቁጽሪ ኣስታት 745,000 ከምዝበጽሕ ይግለጽ።

ጸብጻብ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ከምዝሕብሮ፡ 968,000 ካብቶም ኣብቲ እዋን ናብታ ሃገር ዝኣተዉ፡ ካብ ኣባላት ሕብረት ኣውሮጳ ዘይኰና ሃገራት ዝመጹ'ዮም።

ካብዚኦም እቶም 39 ሚእታዊት ንትምህርቲ፡ 33 ሚእታዊት ድማ ንስራሕ ከምዝኣተዉ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

ስደተኛታትን ዝርከብዎም ንሰብኣዊ ምኽንያታት ናብ ብሪጣንያ ዝኣተዉ ግን 9 ሚእታዊት ጥራይ እዮም።