ኣብ ናዕቢ ዝተሳተፈ ሓደ ኣዛዚ ጉጅለ ቫግነር እንታይ ይብል?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣንጻር ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝተኻየደ ናዕቢ ዝተሳተፈ ዕሱብ ኣዛዚ፡ ንሱን ብጾቱን እንታይ ይካየድ ከምዝነበረ "ኣፋፍኖት ኣይነበረናን" ኢሉ።
ቅድሚ ሒደት ሰሙን መራሒ ጉጅለ ቫግነር የቭገኒ ፕሪጎዚን፡ ን24 ሰዓታት ዝጸንሐ ናዕቢ ብምክያድ ሰራዊት ናብ ደቡባዊት ከተማ ሮስቶቭ፡ ድሕሪኡ ድማ ናብ ሞስኮ ገጹ ኣዋፊሩ ከም ዝነበረ ይዝከር።
ዕጡቓት ቫግነር፡ ንማዕከናት ዜና ዳርጋ ዛይዛረቡ እኳ እንተዀኑ፡ ቢቢሲ ሩስያ ግን ኣብቲ ስጉምቲ ክሳተፍ ንዝረኸቦ ሓደ ታሕተዋይ ኣዛዚ ኣዘራሪቡ።
እዚ ንድሕነቱ ክብል ስሙ ግሌብ ኢልና እንጽውዖ ታሕተዋይ ኣዛዚ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ምብራቓዊ ዩክሬን ኣብ እትርከብ ከተማ ባክሙት ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ተሳቲፉ ነይሩ።
ንሱ ምስ ኣሃዱኡ ኣብቲ ብሩስያ ዝተጎበጠ ዞባ ሉሃንስክ ኣብ ዝርከቡ ድፋዓት እናዕረፉ እንከለዉ እዩ እቲ ናዕቢ ጀሚሩ።
ንግሆ ዕለት 23 ሰነ ምስቶም ካብ ዩክረይን ዝወጹ ዕጡቓት ቫግነር ክጽንበሩ ጻውዒት በጺሕዎም።
ግሌብ፡ እቲ ትእዛዝ ካብ ሓደ ኣዛዚ ቫግነር ከም ዝመጸ ይዛረብ፤ እንተዀነ ግን ንድሕነቱ ክብል ስም እቲ ኣዛዚ ክጠቅስ ፍቓደኛ ኣይኰነን።
ግን ከዓኣ ብትእዛዝ ፕሪጎዚንን ዝሰርሕ ዝነበረን ኣባል እቲ ዕሱብ ቫግነርን ምዃኑ ይገልጽ።
"ምሉእ ወፍሪ- እዩ ተባሂሉ። ሓደ ሰንሰለት ንፈጥር ነይርና" ይብል።
ግሌብ ከም ዝብሎ፡ እቲ ሰራዊት ናበይ ገጹ ከም ዝኸይድ ዝተነግሮ ሰብ ኣይነበረን።
ካብ ቅድመ ግንባር ከም ዝረሓቑ ምስ ተረድአ ግን ከም ዝገረሞ ይገልጽ።
ዕጡቓት ቫግነር ዶብ ሩስያ ሰጊሮም ናብ ዞባ ሮስቶቭ ክኣትዉ ከለዉ ፍጹም ዝዀነ ተቓውሞ ከም ዘየጋጠሞም'ውን ይሕብር።
"ዝዀነ ሓለዋ ዶብ ኣይረኣኹን" ክብል ይዝክር።
"ፖሊስ ትራፊክ ግን ኣብ መንገዲ ሰላምታ ሂቦምና።"
ምስ ቫግነር ብቐረባ ዝተኣሳሰራ ቻነላት ቴሌግራም ድሒረን ከም ዝበለኦ፡ ኣብ መፈተሺ ነቑጣ ቡጋየቭካ ዝርከቡ ሓለውቲ ዶባት ተዋጋእቲ ቫግነር ኣብ ዝመጹሉ እዋን ኣጽዋሮም ፈቲሖም ነይሮም።
እዘን ቻነላት ዝዘርግሕኦ ካብቲ ቦታ ዝተባህለ ስእሊ፡ ክልተ ደርዘን ዘይተዓጥቁ ውልቀሰባት ተበኸቢቦም የርኢ።

ምንጪ ስእሊ, WAGNER HANDOUT
ናብ ሮስቶቭ-ኦን-ዶን ምስ ቀረቡ፡ እቶም ዕጡቓት ኣብታ ከተማ ንዝነበሩ ኩሎም ህንጻታት ኣኽበርቲ ሕጊ ክኸብቡን ነቲ ወተሃደራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ክሕዙን ትእዛዝ ተዋሂቡዎም።
ኣሃዱ ግሌብ ዞባዊ ኣብያተ ጽሕፈት ኣገልግሎት ጸጥታ ፌደራል (FSB) ክትቆጻጸር ተነጊርዋ።
ናብቲ ህንጻ እናቐረቡ ከለዉ ምሉእ ብምሉእ ተዓጽዩን ባዶ ኰይኑን ይረአ ነይሩ።
ዝዀነ ምልክት ህይወት ንምርግጋጽ ኣብ ልዕሊኡ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣንቀሳቒሶም።
ኣብ መወዳእታ ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ሓደ ማዕጾ ተኸፊቱ ክልተ ሰባት ናብ ጽርግያ ወጺኦም።
"'ኣቱም ሰባት፡ ንዘራረብ' ኢሎም" ይብል ግሌብ። "ኣነ ድማ 'እንታይ ኣሎ ንዘራረበሉ?’ እዚኣ ከተማና እያ' ኢለዮም።”
"ስለዚ በቃ ንሓድሕድና ክንገድፎ ተሰማሚዕና። በብእዋኑ ሽጋራ ከትክኹ ይወጹ ነይሮም" ክብል ተዘኪሩ።
ጋዜጠኛታት ሮስቶቭ ኣብታ ከተማን ከባቢኣን ኣብ ዝርከቡ ብዙሓት ህንጻታት መንግስቲ ተመሳሳሊ ኵነታት ከም ዘሎ ጸብጺቦም። ዕጡቓት ቫግነር መጀመርታ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ኣብ ልዕሊኦም የብርሩ፤ ድሕሪኡ ድማ ይኸብዎም ነይሮም።
ዝዀነ ሰብ ክወጽእ ኣይፍቀደሉን፤ ገለ ግን መግቢ ሒዞም ክኣትዉ ተፈቒዱሎም።
ዝተውሃበ መብርሂ ኣይነበረን
እዚ ኩሉ እናተኻየደ እንከሎ መራሒ ቫግነር ፕሪጎዚን፡ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ደቡባዊ ወተሃደራዊ ዞባ ሰራዊት ሩስያ ምስ ምክትል ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ ሌተናል ጀነራል ዩኑስ-ቤክ የቭኩሮቭን ምክትል ሓላፊ ሓፈሻዊ ስታፍ ሌተናል ጀነራል ቭላድሚር ኣሌክሰየቭን ይራኸብ ነይሩ።
ፕሪጎዚን፡ ንሓላፊ ሓፈሻዊ ስታፍ ቫለሪ ጀራሲሞቭን ሚኒስተር ምክልኻል ሰርጌይን ኣሕሊፎም ከረክቡዎ እዩ ጠሊቡ።
ፕሪጎዚን ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ካልእ ሰንሰለት ዕጡቓት ቫግነር ድማ ኣብ ምንቅስቓስ ነይሮም።
ግሌብ፡ እዚ ሰንሰለት ብመስራቲ ቫግነር ዲሚትሪ ኡትኪን ዝተመርሐ ምዃኑ ዝገልጽ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና የረጋግጽ።
እቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ሳሕቲ ዝረአ መኮነን ፍሉይ ሓይሊ ነበር ዝመርሖ እዚ ሰራዊት፡ ኣብቲ ናብ ቮሮነዝ ገጹ ዝወስድ ቀንዲ ጽርግያ ነይሩ፤ ናብ ሞስኮ ገጹ ዝኸይድ ይመስል ከም ዝነበረ እውን ግሌብ ይሕብር።
ግሌብ ብዛዕባ እቲ ውጥን ይፈልጦ'ዶ ነይሩ - ፕሪጎዚን እንታይ ክገብር ከም ዝሓሰበ ወይ እንታይ መደብ ከም ዝነበሮ?
"ብሓቂ ኣፋፍኖት ኣይነበረንን" ክብል ይምሕል። "እቲ ዝኸውን ዘሎ ልክዕ ከምቲ ንስኹ ዝሰማዕኽምዎ፡ ብቴሌግራም ኢና ፈሊጥናዮ።"
እናመሸየ ምስ ከደ፡ ኣብ ሮስቶቭ ዝፍጸም ዝነበረ ስእልታት ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑ።
ሰባት፡ ነበርቲ እቲ ከባቢን ጋዜጠኛታት እቲ ከባቢን ከይተረፉ ምስ ገለ ካብቶም ከተማኦም ዝሓዙ ኣባላት ቫግነር ፍሽኽ እናበሉ ዘዕልሉ ዘለዉ መሲሎም ርእዮም ተገሪሞም።
ግሌብ፡ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ቫግነር ዝተጸንበሩ ብዙሓት ኣብ ኣገልግሎት ዘለዉ እሱራት ወይ ገበነኛታት ብምጥቃስ "ናይ ቀደም እሱራት እዮም ነይሮም" ይብል። "ከምኡ ኣይትግበሩ ዝበሎም ሰብ የለን፡ ዝተገደሰሎም ሰብ ኣይነበረን።"
እቶም ቅድሚ ኲናት ዩክረይን ነዊሕ እዋን ኣቐዲሞም ዝተቖጽሩ ከም በዓል ግሌብ ዝኣመሰሉ ኣባላት፡ ሕግታቱ ኣዝዩ ብንጹር ይርዳእዎ እዮም።
ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ዝዀነ ምስ መራኸቢ ብዙሓን ዝተዛረብ ሰብ ከም ዝቕተል፡ ብላዕለዋይ ትእዛዝ ከም ዝተነግሮም ይገልጽ።
ሓያሎ ዕጡቓት ቫግነር ነበር እውን ተመሳሳሊ ነገር እዮም ዝዛረቡ።

ምንጪ ስእሊ, WAGNER HANDOUT
ብዕለት 24 ሰነ ምሸት፡ ግሌብ ብሓደ ካብ ሓለፍቱ፡ ብዘይ ዝዀነ መብርሂ፡ ንሱን ኣሃዱኡን ናብ መደበር ሉሃንስክ ክምለሱ ከም ዘለዎም ተነጊርዎም።
ናብ ድፋዕ ክምለሱ እንከለዉ፡ ነቲ ዜና ብቴሌግራም ይከታተልዎ ነይሮም።
ኣብ ልዕሊ ፕሪጎዚን ገበናዊ ክሲ ከም ዝተጀመረ፡ ድሕሪኡ ከም ዝቋረጽን ናብ ቤላሩስ ክግዕዝ ከም ዘለዎን ኣንቢቦም።
ብመሰረት ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ፑቲን ዲሚትሪፔስኮቭ፡ ዕጡቓት ቫግነር ብሰንኪ "ናይ ውግእ ብቕዓቶም" ኣብቲ ናዕቢ ብዝነበሮም ተራ ከም ዘይሕተቱ ተነጊርዎም።
ሕጂ ንግሌብን ኣሃዱኡን መጻኢኦም ንጹር ኣይኰነን። ኣብ ሉሃንስክ ኣብ ዝርከብ ድፋዖም ክጸንሑን ተወሳኺ ትእዛዝ ክጽበዩን እዩ ተነጊርዎም ዘሎ።
ግሌብ ንምንታይ ካብ ቫግነር ዘይትወጽእ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ "ውዕለይ ገና ኣይተወድአን" ዝብል ቀሊል መልሲ ሂቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







