ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ደቡብ ኣፍሪቃ ስለምንታይ ኣብ እዋን መረጻ ስቓዮም ይውስኽ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ን23 ዓመት ንዝተቐመጠ ሲሳይ፡ እታ ዓዲ ማንዴላ ምሉእ ብምሉእ ተቐይራ እያ። ካብ ጭቆና ወጺኣ ጨቋኒት ኰይና፤ ጸሊም ክትፍንፍን ጀሚራ።
"ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ኣይነበሩን" ይብል ደጋጊሙ።
ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ከምዚ ዝስዕብ የዘንቱ።
ይሓዝኑልና ነይሮም
“ምስ መጻና ኣብ ጽርግያ ኴንና ኢና ክንሽቅጥ ጀሚርና፤ ኣደታት ይሓዝናልና ነይረን። ማልስ ከይተረፈ ይገድፋልና። ቲፕ ይህቡ። ካበይ መጺእኹም ይብሉና። ካብ ኢትዮጵያ ክንብሎም ከለና ይደናገሩ። ንኢትዮጵያ ኣይፈልጥዋን።
“ገሊኦን ኢትዮጵያ ኣብ ገለ ከባቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ትርከብ ይመስሎም ነይሩ። ርሑቕ ምዃና ክንነግሮም ከለና ይግረሙ። ምኽንያቱ ንባዕሎም ኣብ ግዜ ኣፓርታይድ ኣብ ሃገሮም ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንምንቅስቓስ ፍቓድ የድልዮም ነይሩ. . .።
“እቶም ዝተመሃሩ ግን ብዛዕባና ኣጸቢቘም ይፈልጡ እዮም። ልክዕ ከምቲ ማንዴላ ፓስፖርት ኢትዮጵያ ዝተዋህቦ... ‘ሓራ ከተውጽኡና ነይሩኩም’ ይብሉ። በቃ የኽብሩና እዮም። ኣዕሩኽ ክገብሩና ይደልዩ ነይሮም።
“ሕጂ እዚ ኵሉ የለን። ንስደተኛታት ፍጹም ጸሊኦም እዮም። ምንጪ ሽግሮም ንሕና ኢና ንመስሎም። ብሓቂ ለዋሃት እዮም። ፖለቲከኛታት ግን ነቲ ለዋህነቶም ተጠቒሞምሉ። ‘ስራሕኩም ዝምንዝዕኹም ንሳቶም’ዮም’ ይብሉዎም፤ ይኣምኑ. . . ለዋሃት እዮም።”
ዘመነ ቍልፊ - ጽቡቕ ዘመን
ደቡብ ኣፍሪቃ ክትለዓል ከላ ሓበሻን ቍልፊን ብሓባር ይለዓሉ? ስለምንታይ?
"ቀደም ሓበሻ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ቍልፊ ብምሻጥ’ዩ ስራሕ ጀሚሩ። ቅድሚኡ መላጸ ጭሕሚ ንሸይጥ ነይርና።
"ሓደ መላጸ ጭሕሚ ካብ ካርቶን ኣውጺእና ንመርኣያ ነቐምጥ ነይርና። ‘እንታይ እዩ እዚ?’ ይብሉና። ፈትንዎ ንብሎም። ምስፈተንዎ ይግረሙ’ሞ ይገዝኡና።
“ሽዑ ከምዚ ሎሚ ድኳናት ኣይነበራን። ሓሓሊፉ ድኳን ፓኪስታናውያን ነይሩ። ንሕና ካብኦም ወሲድና ኣብ ቍሸታት ንሽየጥ።
“ቍልፊ ዝበሃል እንታይ መሲሉካ? ሒዝካዮ ንምጉያይ ምቹእ ስለ ዝዀነ ይመስለኒ። ግን ቍልፊ ጥራይ ኣይኰነን፤ ኵሉ ዝመጽእ ሓደስቲ ነገራት ሒዝና ኢና ዕዳጋ ንኸይድ ነይርና።
“ኣብ ርእሲኡ ድማ ዋጋታትና ኣዝዩ ሕሱር እዩ። ኣብ ድኳን ካብ ዝሽየጠሉ ኣዝዩ ይፈላለ። እንታይ መሲሉካ? ንሶም ምዕዳግ ይፈትዉ እዮም። ንኣብነት ገዛ ጽላል እናሃለዎም ኣብ ጽርግያ ዝረኣይዎ ሓድሽ ጽላል ይገዝኡ። ምኽዳንን ምግዛእን ዝፈቱ ህዝቢ እዩ።
ሰላማውያን ለያቡ
ሲሳይ ንዝፈትዎ ሰብ ክምርቕ እንከሎ፡ "ጀማሪ ሌባ ኣየጋጥምካ" ይብል። ኣብታ ሃገር ዘሎ መልክዕን ቅርጽን ገበን ድማ ብኸምዚ እዩ ዘዘንቱ።
“ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ገበን ሳሕቲ ዝረአ ኣይኰነን። እናተዘመትካ ኢኻ እትነብር። ብዙሕ ገበን ርእየን ሰሚዐን እየ። ኣነ ባዕለይ ክልተ ግዜ ኣጋጢሙኒ’ዩ። ብሓቂ ገበን ካብ ምብዝሑ ዝተለዓለ ‘ንሱ’ኮ ዝዀነ ገበን ኣየጋጠሞን' ዝበሃል ሰብ እየ።
መብዛሕትኡ ግዜ ብብረት ትዝመት። ዕድለኛ እንተዄንካ ዘለካ ብኣጋኡ ሂብካ ህይወትካ ተድሕን።
ሓንቲ ተመኵሮ ክነግረካ።
ኣብ ደርባን ዘገልገለት መኪና ክገዝእ ምስ ሓደ ህንዳዊ ተዘራሪበ ናብኡ ይኸይድ። ካብ ባንክ ገንዘብ ኣውጺአ ኣብ መኪና ኮፍ ኢለ። ኣብ መዕረፊ መካይን እየ ዘለኹ።
ብመስትያት ሓደ ወዲ ናባይ ክመጽእ እርኢ፤ ስፖክዮ ክሰርቕ መሲሉኒ፡ ‘ኪድ ካብዚ!’ ምስበልክዎ ሽጉጥ ኣውጺኡ። ኣርባዕተ ኰይኖም ኣጓይዮምኒ።
‘ኣበይ ኣሎ እቲ ገንዘብ? ቀልጥፍ!' ኢሎምኒ። ኣነ’ውን ከፊተ ሂበዮም። ብቐትሪ ዘሚቶምኒ።
ኣብ ጥቓይ ንዝነበረ ፖሊስ ነጊረዮ። "ኣበይ? መዓስ? ናበይ? ከመይ?'' ኢሉ ከዘናግዓኒ ፈቲኑ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክትነብር ከለኻ ትለምዶ ኢኻ። ናብ ድኳንካ እንተመጺኦም ኣብኡ ደው ኢልካ ንብረትካ ክዝመት ትሪኢ። ዋላ ሓንቲ ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ።
ጀማሪ ሰራቒ እንተጋጢሙካ ሕማቕ እዩ። ፈራሓት ስለ ዝዀኑ ጥይት ይትኩሱ’ዮም። በዚ ምኽንያት ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ስኢንና ኢና። ካብዚ ወጻኢ እቶም ሸፋቱ ዝበዝሑ ሰላማውያን እዮም። ክሳብ ዘይተቓለስካዮም ዘሚቶም ጥራይ እዮም ዝኸዱ።
ፖሊስ'ውን ይዘምት
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምዝማት ብፖሊስ’ውን ከምዝፍጸም ሲሳይ ይዛረብ።
“ፖሊስ’ውን ይዘምቱ እዮም። ናብ ቦታ ስራሕካ ይመጹ፤ ዝረኸብዎ ይወስዱ። ዘላ ንብረትካ ጽዒኖም ይወስዱ። ናተይ እዩ እንተይልካ ትእሰር። ስለዚ ኣብኡ ደው ኢልካ ጥራይ ንብረትካ ብፖሊስ ክዝመት ትዕዘብ።
ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ጽልኢ ተበጊሶም ይዘምቱኻ። ንምንታይ መጺአ ክሳብ ትብል የማርሩኻ። ክትዛረብ እኳ ዕድል ኣይህቡኻን።
ንበዓልቲ ቤተይ "ዓድኺ ኣይኰነን" ይብሉዋ ነይሮም። ሕጋዊ ሰነድ ኣለዋ። ሕጂ ሕጋዊ ምዃን እውን ኣየድሕነካን።
ንስኻዉን ካብ ትእሰር ዝተሓተትካዮ ትኸፍል።"
ካብ ንግዲ ጐደና ክሳብ ወናኒ ህንጻ
ደቡብ ኣፍሪቃ ምሰ’ዚ ኵሉ መከራ፡ ህይወት ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ከምዝቐየረት ሲሳይ ኣይክሕድን።
“ኵሉ ታሪኽ ደቡብ ኣፍሪቃ ሕማቕ ኣይኰነን። ህይወት ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ናብ ዝሓሸ ተቐይሩ እዩ። ካብ ንግዲ ጐደና ገዚፍ ሃብቲ ዝወነኑ ብዙሓት እዮም።
ኣብ ሰፈር ጂፒ ጥራይ ልዕሊ 10 ህንጻታት ኣለው፤ ሓበሻ ዝውንንዎም ማለት’ዩ። ንኣሽቱ ሞል ዘለዎም ሓበሻ ኣለዉ። ኣብ ሃገሮም ንብረት ዘጥረዩ ብዙሓት እዮም።
ናብ ኣውሮጳን ኣሜሪካን ከይዶም ግን ተመሊሶም ብምምጻእ ሰሪሖም ዝተቐየሩ ሒደት ኣይኰኑን።
ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ህይወት ምልእቲ ኣይኰነትን።
ኣብ ከቢድ ገበን ዝሳተፉ’ውን ኣለዉ፤ ቍጽሮም ግን ኣዝዩ ውሑድ እዩ።
ከም ናይ ገዛእ ርእሶም ሰብ ጨውዮም ገንዘብ ዝሓቱ ኣለዉ። በዚ ምኽንያት ህይወቶም ዝሰኣኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣለው። ግን ኣዝዮም ውሑዳት እዮም።”

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሓበሻ መዓስ’ዩ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክስደድ ጀሚሩ?
ኣቶ ዮርዳኖስ ኣልማዝ ሰይፉ ኣብዚ ጉዳይ ክልተ ኣብ ምርምር ዝተመስረቱ መጽናዕታዊ መጻሕፍቲ ጽሒፉ እዩ።
ስደት ሓበሽ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብ'ታሪኻዊ ኣጋጣሚ' እዩ ተጀሚሩ ይብል።
"ኣብ መጀመርታ 1990ታት ኣብ ክልቲኡ ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪቃን ናይ ስርዓት ለውጢ ነይሩ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ስርዓት ኣፓርታይድ ፈሪሱ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓት ደርጊ ተገልቢጡ።
ኣብኡ ገዛኢ ሰልፊ ኤኤንሲ ንጸለምቲ ማዕጾኡ ከፊቱ። ኣብቲ እውን ውድቀት ደርጊ ንስደት ማዕጾ ከፊቱ።
ኣብ ግዜ ስርዓት ኣፓርታይድ፡ ጸሊም ሰብ ካብ ካልእ ሃገር ክኣቱ ኣይኰነን፡ ደቂ ዓዲ ንባዕሎም ካብ ኣውራጃ ናብ ከተማ ንምእታው መንቀሳቐሲ ወረቐት የድልዮም ነይሩ።
ኣብቲ እዋን እቲ ቃልሲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብዝነበሩ ኣባላት ይምራሕ ነይሩ። ምስ ኣፍሪቃውያን መሓዙት እዮም ነይሮም። ምስ ኢትዮጵያ እውን ከምኡ።
ኦሊቨር ታምቦ፡ ዋልተር ሲሱሉን ማንዴላን ናብ ስልጣን ምስ መጹ፡ ንስደተኛታት ዝምችእ ፖሊሲ ሓንጺጾም።
መንቀሳቐሲ ወረቐት እውን ደው ኢሉ። ጸለምትን ጸዓዱን ከም ልቢ ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም።
ኣብቲ እዋን ደርጊ ወዲቑ ኢህወደግ ምስ መጸ፡ መሰነይታ ደብዳበ ተሪፉ፣ ካብ ሃገር መውጽኢ ቪዛ ተሪፉ። ኣብ ግዜ ደርጊ ካብ ሃገር ምውጻእ ክድዓት እዩ ነይሩ። ኣብ ግዜ ኢህወደግ ግን ካብ ሃገር ምውጻእ ቀሊል ኰይኑ።
እዚ ምግጥጣም ስደት ኣበጊሱ።
ድሕሪ ውድቀት ደርጊ፡ ወተሃደራት ነበር ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ክስደዱ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክግዕዙ ጀሚሮም።
ካብ ሃገራዊ ግዴታ ሃዲሞም ኣቐዲሞም ኣብ ኬንያን ሱዳንን ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን እውን ነይሮም። ኣብዘን ጐረባብቲ ሃገራት ኰይኖም ካብ ኣሜሪካ፡ ኣውሮጳን ኣውስትራልያን ዑቕባ ይሓቱ ነይሮም።
ካብ ኬንያ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝግበር ጕዕዞ፡ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ስደተኛታት ንምቕባል ኣወንታዊ ሃዋህው ኣብ ዘማዕብለሉ ዝነበረ እዋን እዩ ጀሚሩ። ምናልባት እቶም ቀዳሞት ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝመጹ ኢትዮጵያውያን እቶም ናብ ሳልሳይ ሃገር ክኸዱ ዝጽበዩ ዝነበሩ ክዀኑ ይኽእሉ።
ካብቶም ቀዳሞት ስደተኛታት ዝበሃሉ ኣብ ማእከል ከተማ ጆሃንስበርግ እዮም ሰፊሮም። ሕጂ እታ ማእከል ጂፒ ተባሂላ ቍሸት ኢትዮጵያውያን ኰይና ኣላ።
ኣብ ግዜ ኣፓርታይድ ጸለምቲ ንምንቅስቓስ ይጽገሙ ነይሮም። ሓራ ምስ ወጹ ካብ ገጠር ናብ ከተማ ብናጽነት ክግዕዙ ጀመሩ፤ ሓበሻ ድማ ተሰዲዶም ንግዲ ምስጀመሩ እቲ ዕዳጋ ዓሚሩ።
ኣብ ማእከል እታ ከተማ ሃብቲ ዝውንኑ ጸዓዱ ነጋዶ ድሕሪ ናጽነት ስግኣት ሓዲርዎም ነይሩ። በቲ ለውጢ ፈሪሖም ስርሖም ገዲፎም ህንጻታቶም ገዲፎም ኣብ ካልእ ቦታታት ክሰፍሩ ጀመሩ።
ኣብቲ ዝገደፍዎ ቦታ ድማ እቲ ስደተኛ ኢዱ ኣእትዩ፣ ድኳን ከፊቱ። ምንጋድን ምኽሳብን ተኻኢሉ። እቲ ንግዲ ዝዓመረ ብድሕሪኡ እዩ።
ሓበሻ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሕጋዊያን ድዮም?
ዝበዝሑ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣትዉ ኢትዮጵያውያን፡ ዶብ ምስ ሰገሩ ናብ ማእከል ኢሚግሬሽን ከይዶም ከመልክቱ ይግደዱ።
እቲ ጸገም፡ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ንስደተኛታት ‘ተቐቢልና ወይ ከልኪልና’ ዝብል መልሲ ዘይምሃቡ እዩ። ፍቓድ ሓታቲ ዑቕባ ጥራይ እዩ ዝህብ።
እዚ ሰነድ እንተበዝሐ ን6 ኣዋርሕ ወይ ትሕቲኡ ዝጸንሕ ኰይኑ በብእዋኑ ክሕደስ ኣለዎ።
እቲ ሚኒስትሪ ዘይተዛዘሙ ብዙሕ ፋይላት ስለዘለዎ ንመመልከቲ ስደተኛታት ንምውዳእ ድሩት ዓቕምን ተገዳስነትን እዩ ዘለዎ። ስለዚ እቲ ስደተኛ ነዚ ወረቐት ብተደጋጋሚ ካብ ምሕዳስ ሓሊፉ ካልእ ኣማራጺ የብሉን።
ድሕሪ ዓመታት እዚ ወረቐት ናብ ናይ ስደተኛታት መለለዪ ካርድ ይቕየር እዩ። እዚ ማለት ኣብታ ሃገር ከም ስደተኛ ተቐባልነት ምርካብ ማለት እዩ።
ቀዋሚ መንበሪ ምርካብ ግን ብዙሕ ዓመታት ዝወስድ መስርሕ እዩ።
ኣቶ ዮርዳኖስ፡ "እዞም ወረቓቕቲ ኣብ ምውሳን ኵነታት ስራሕን መነባብሮን ኢትዮጵያውያን ወሳኒ ተራ ኣለዎም" ይብል።
መመልከቲ ዑቕባን ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎን ሰብ ሓደ ዓይነት ዕድል ናይ ምስራሕን ብልጽግናን የብሉን።
እቶም መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ሕሳብ ባንክ ክኸፍቱ፡ ክራይ ገዛ ክፍርሙ፡ ናብ ቻይናን ዱባይን ብምኻድ ኣቑሑት ሒዞም ክመጹ፡ ብሽርክነት ክሰርሑን ናብ ዓዶም ናይ ምምላስ ዕድልን ይረኽቡ እዮም።
እቶም ናይ ዕቑባ ወረቐት ዘለዎም ግን እዚ ዕድል ኣይረኽቡን።
"ስለዚ እዩ ድማ ወረቐት ንህይወትካን ንዓወት ንግድኻን ይውስኖ ዝበሃል።"
እቶም ወረቐት መመልከቲ ዕቑባ ዘለዎም ክልተ መሰላት ኣለዎም፤ ምምሃርን ምስራሕን።
ዝበዝሑ ኢትዮጵያውያን ናብ ቤት ትምህርቲ ኣይከዱን፤ ትኽ ኢሎም ናብ ንግዲ እዮም ዝኣትዉ።
ሓበሻ ኣብ ወግዓዊ ቍጠባ ተቘጺሮም ኣይሰርሑን።
ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዘድሊ ሰነዳት ስለዘይብሎም፡ ምዕባለኦም ድሩት ክኸውን ልዑል ተኽእሎ ኣሎ። ካብ ንኣሽቱ ስራሕ ወጺኦም ናብ ወግዓዊ ቍጠባ ንምስግጋር ይጽገሙ’ዮም።
እቶም ብኣጋኡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኣተዉን ዘድሊ ሰነዳት ዝነበሮምን ግን ህይወቶም ቀይሮም ኣለዉ። ገሊኦም ሱፐርማርኬት ከፊቶም፡ ገሊኦም ህንጻ ሰሪሖም እዮም።
"ብኻልእ ወገን ድማ ን20 ዓመታት ዝጸንሑን ሕጂ'ውን ወረቐት ዑቑባ እናሐደሱ ዝነብሩን ኣለዉ። ኣብ ኣሜሪካ፡ ካናዳ ወይ ካልእ ኣውሮጳዊት ሃገር እንተዝኸውን ነይሩ፡ ምሉእ ዜግነት ዝረኽብሉ ዕድመ'ዩ ነይሩ።"
ደቂ ዓዲ ንሓበሻ ከመይ ይርእይዎም? ሓበሻኸ ብዛዕባ ደቂ ዓዲ እንታይ ይሓስቡ?
ብፍላይ ምስ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ምውህሃድ ዘይምህላዉ ባህልን ኣነባብራን ዘይምስምማዕ ከም ዘስዓበ ኣቶ ዮርዳኖስ ይዛረብ።
ብወገን ኢትዮጵያውያን ምስ ዘይምግዛእ ዝተኣሳሰር ክኸውን ዝኽእል ናይ ነብሰ-ምትእምማን ኵነታት ኣሎ።
ብስነ-ልቦና ዝያዳ ዓብላሊ ዝገብሮም ድማ ሰሪሖም ምቕያሮም’ዩ። እዚ ንባዕሉ ጸገም ኣይኮነን። እቲ ጸገም ንኻልኦት ኣትሒትካ ክትጥምት ከለኻ እዩ።
“ብሓቂ ሰሪሕካ ክትቅየር ከለኻ ዝሓሸ ከምዝዀንካ ይስምዓካ። ምስዚ ብዝተኣሳሰር፡ ንደቂ ዓዲ ኣትሒትካ ምጥማት የለን ኣይብልን እየ።"
ደቡባዊ ኣፍሪቃውያን ንኢትዮጵያውያን ብማዕረ ኣትሒቶም ይርእዮምዎም እዮም። እቲ ኣረኣእያ ዝምንጩ ስደተኛታት ብምዃኖም እዩ። "ቆሬ ቆሬ" ኢሎም ይጽውዕዎም፣ ሓደስቲ መጻእቲ ማለት እዩ።
ካብዚ ወጻኢ ጽሬት ኣይትሕልዉን፡ ዝተሓዋወሰ ነገራት ትሸጡ ኢኹም፡ መኪና ብስርዓት ደው ኣይተብሉን ዝብሉ ቅሬታታት የቐርቡ እዮም።
ካብዚ ወጻኢ ተመራማሪ ኣቶ ዮርዳኖስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሓበሻ ዳርጋ ብጻዕሪ ዝፍለጡ ምዃኖም ይገልጽ።
ጸገም ቋንቋ
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብቐሊሉ ምስ ሕብረተሰብ ንምውህሃድ ክጽገሙ ካብ ዝገብሮም ሓደ ቋንቋ እዩ። ካብ ምዕራብ ኣፍሪቃን ደቡባዊ ኣፍሪቃን ዝመጹ ስደተኛታት ኣብዚ መዳይ ብልጫ ኣለዎም።
ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ግን ኣብ ሽግር ይርከቡ። ተበዲለ ኢልካ ከይትጠርዕ ሰማዒ የለን። ሰማዒ እኳ እንተሃለወ ቋንቋ የለን።
ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያውያን ናብቲ ሕብረተሰብ ናይ ምጽንባር ድሌቶም ውሑድ እዩ።
ብመሰረት ኣቶ ዮርዳኖስ እዚ ብኽልተ ምኽንያታት ክኸውን ይኽእል።
እቲ ሓደ ሓበሻ ኣብ ስርሖም ጥራይ ዘተኮሩ እዮም። 'ንባህላውን ማሕበራውን ፍጻመታት እታ ሃገር ብዙሕ ኣቓልቦ ኣይህቡን።'
እቲ ካልኣይ ጉዳይ ድማ ብባህሊ፡ መረጻ መግቢ፡ ኣነባብራ፡ ዝዘናግዑሉ ቦታ ዘይምምሳሎም እዩ።
ኣብ ልዕሊ’ዚ ቋንቋ ምስ ዝውሰኽ ናይ ዝተፈላለየ ዓለም ሰባት ይገብሮም።
ግህሰት መሰላት ኣብ ዘጋጥሞም እዋን ምስ ፍርዳዊ ኣካላት ተረዳዲኦም መሰል ንምትግባር እኹል ክእለት ቋንቋ የብሎምን።
ጽልኢ ስደተኛታት ኣብ ሓበሻ ይሕይል ድዩ?
ሲሳይ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ምሉእ ብምሉእ ተቐይሮም እዮም ይብል፤ ከምኡ ኣይነበሩን ይብል ደጋጊሙ።
ጽልኢ ወጻእተኛታት ዝብል ኣገላልጻ ደስ ኣይብሎን።
‘ሕጂ ጽልኢ ወጻእተኛታት ኣይኮነን፣ ኣፍሮፎቢክ እዩ'' ይብል።
ንሱ እዚ ዝብል ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ፓኪስታናውያን ዝርከብዎም ብዙሓት ጸለምቲ ዘይኮኑ 'ስደተኛታት' ኣለዉ፣ 'ውጹ ዝብሎም ሰብ ግን የለን።'
ከምቲ ዝተዓዘቦ ጽልኢቶም ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ጥራይ ዝዓለመ እዩ።
"እቲ ዘሕዝን ግን ካብ ጸለምቲ ጭቆና ንኽወጹ ዝሓገዝዎም ጸለምቲ ኣሕዋቶም እዮም።"
ስለምንታይ ሕጂ ዘፍርሕ ኰይኑ? ንዝብል ሕቶ ምልዓል 'ውልቃውነትን ርእሰ ፍትወትን' ከም ሓደ ምኽንያት ይጠቅስ። ቀንዲ ናዕቢ ዝገብሩ ድማ ፖለቲከኛታት ምዃኖም ይጠቅስ።
ስለምንታይ ሕጂ ዝያዳ ዘፍርሕ ኰይኑ?
ብርግጽ እዚ ጸገም መረጻ ደቡብ ኣፍሪቃ ክመጽእ ከሎ ሓድሽ ኣይኰነን፤ ሕጂ ግን ዝያዳ ዘፍርሕ ኰይኑ ኣሎ።
'ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ' ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ዝዘርግሖ መርማሪ ጸብጻብ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንነብሱ ዶዶላ ዝብል ጕጅለ፡ "ስደተኛታት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምስ ህይወቶም ከቃጸሉ ከለዓዕል" ዘርኢ ቪድዮ ኣርእዩ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ገጠር ዝመስል ከባቢ ክልተ ኢትዮጵያውያን ብጭካነ ክሳቐዩ የርኢ። ‘ካብ ዓድና ውጹልና’ ይብልዎም ደጋጊሞም።
እቶም ክልተ ኢትዮጵያውያን፡ እቲ ጉዳይ ናብ መጥቃዕቲ ከይቅየር ስለዝሰግኡ፡ ህዝቢ ንምህዳእ ዝከኣሎም ዝገብሩ ዘለዉ ይመስሉ።
ጠለብ ቍጠባዊ ተጠቃምነት ጸለምቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ይሕይል ኣሎ። ብዙሓት መንእሰያት ካብ ጸዓዱ ሓርነት እኳ እንተረኸቡ፡ ካብ ድኽነት ሓራ ክዀኑ ኣይከኣሉን።
ስለዚ ንፖለቲከኛታት የጨንቑ፤ እቶም ፖለቲከኛታት ድማ ኣጻብዕቶም ናብ ስደተኛታት የቕንዑ።
'ስራሕኩም ዝምንዝዑኹም ዘለዉ ስደተኛታት እዮም' ይብሉዎም።
ገለ ላዕለዎት ሰበስልጣን ደቡብ ኣፍሪቃ ከይተረፉ ክዛረቡ ጀሚሮም ኣለዉ ይብል ሲሳይ። 'ብወጻእተኛታት ሓሚምና ደኺምና ኣለና' ክብሉ ተሰሚዖም እዮም።
ቍጥዐኦም ምስ ዝግንፍል መንእሰያት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣሕዋቶም ኢዶም ከየልዕሉ ስግኣት ኣሎ። ብፍላይ ኢትዮጵያውያን ብጕጅለ ንዝፍጸም መጥቃዕቲ ተቓላዕቲ እዮም።
ብዙሓት ካብ ከተማ ወጻኢ ኣብ ዝርከባ ከተማታት እዮም ዝነግዱ። ኣብዘን ከባቢታት ዝነብሩ ሰባት ጸለምትን ሓናፍጽን እዮም። ኢትዮጵያውያን ብቐሊሉ እዮም ዝልለዩ። ኣይግበሮ’ምበር፡ እዚ 'ክነጥፍኣኩም ኢና' ዝብል ምፍርራሕ፡ ብቐሊሉ ንጕጀለኣዊ መጥቃዕቲ ክቕየር ተኽእሎ ኣሎ።
እቲ መጥቃዕቲ ሕጂ ዝያዳ ሓይሉ ኣሎ። ሲሳይ፡ ገሊኦም ፈሪሖም ስድራኦም ብእዋኑ ናብ ኢትዮጵያ ይሰዱ ከምዘለዉ ይዛረብ። ንብረቶም ተዘሚቶም ጥራሕ ኢዶም ዝተረፉ ድማ ተቘጺሮም ክሰርሑ ጀሚሮም ኣለው።
'ብሓቂ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓበሻ እናተፈለየ ይእሰር ኣሎ' ይብል ሲሳይ።
መከራ ኢትዮጵያውያን ብኸመይ የብቅዕ? እንታይከ ይገበር?
ኣቶ ዮርዳኖስ እቲ መፍትሒ ብዛዕባ ስደተኛታት ዝምልከት ትረኻ ብመሰረቱ ምቕያር ምዃኑ ይዛረብ። እንታይ ማለት እዩ?
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ስደተኛታት ዝረኣዩሉ ኣገባብ ቄናን ኰይኑ ኣሎ። እዚ ብብልሹዋት ፖለቲከኛታት ዝተጠምዘዘ ዛንታ እዩ።
እቲ ዓብላሊ ትረኻ ስደተኛታት ስራሕና ሰሪቘምና ዝብል እዩ። ኣቶ ዮርዳኖስ እዚ ሓሶት ምዃኑ ይገልጽ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሽቕለት ኣልቦነት ክሳብ 40 ሚእታዊት በጺሑ ኣሎ። ጠቕላላ ቍጽሪ ስደተኛታት ግን ብድምር 4 ሚእታዊት እዩ።
ከመይ ገይሮም 4 ሚእታዊት ስደተኛታት ናይ 40 ሚእታዊት ሸቕለት ኣልቦ ቦታ ክወስዱ ይኽእሉ? ኢሉ ይሓትት።
ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ዝተፈለየ እዩ። ስደተኛታት ናይ ገዛእ ርእሶም ንግዲ ይጅምሩ። ዝምንዝዕዎ ነገር የለን። ካብ ደቂ ዓዲ ስራሕ ክምንዝዑ ኣይኮነን ንኻልኦት ስራሕ ይፈጥሩ ከምዘለዉ ኣቶ ዮርዳኖስ ይምጕት።
“ንኣብነት እንጀራ ዝስንክቱ ዚምባብወያውያን ኣለዉ። ማላዊያውያን ኣብ ድኳናት ኢትዮጵያውያን ከም ተሓጋገዝቲ ኮይኖም ይሰርሑ። ብዙሓት ካብቶም ደቂ ዓዲ እውን ከምኡ።''
እቲ ካልኣይ ዝለዓል ቅሬታ ገበን እዩ። ስደተኛታት ገበን ብምዝርጋሕ ይኽሰሱ። ኣቶ ዮርዳኖስ፡ ዝበዝሕ ገበናት ግን ብደቂ ዓዲ ከምዝፍጸም ይገልጽ።
ብርግጽ እቲ ትረኻ ንፖለቲከኛታት ጠቓሚ እዩ። ክቕየር ኣይደልዩን እዮም። ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት እወታዊ ተራ ከምዘለዎምን ስራሕ ከምዘይምንዝዑን ምግላጽ ኣገዳሲ’ዩ።
ኣቶ ዮርዳኖስ ደቂ ዓዲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘልዕልዎም ንኣሽቱ ቅሬታታት ከምዘለዉ’ውን ኣይሓብአን።
እቲ ሓደ ምስ ምውጋድ ጐሓፍ ዝተኣሳሰር እዩ። ካልእ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኣጥኒሶም ይጠፍኡ’ዮም ዝብል’ዩ። ዝተሰርቁ ሞባይላትን ላፕቶፓትን ብምሻጥ’ውን ይኽሰሱ።
እዚኦም ንኣሽቱ ጉዳያት ይመስሉ፡ እንተተኣሪሞም ግን ደቂ ዓዲ ኣብ ልዕሊ ሓበሻ ዘለዎም ኣረኣእያ ብዝተወሰነ መንገዲ ንምቕያር ዘኽእሉ እዮም ዝብል ርእይቶ ኣለዎ።
ሲሳይ ብኣንጻሩ መራኸቢ ብዙሃን ጸገም ምስ ዝህሉ ጥራይ እየን ዝጽብጽባ፤ ነቲ ሓደጋ ኣቐዲሞም ርእዮም ሽፋን ከምዘይህብዎ ይወቅስ።
ሰባት ዝረኣዩሉ ኣገባብ ምስ ግዜ ይቕየር ከምዘሎን 'ርእሰ-ፍትወት' ሓደ ካብቲ ምኽንያታት ምዃኑን የረድእ።
“ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ኣይነበሩን። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ኣብ መስርዕ ደው ኢልና ክርእየና ከሎ ‘ንምንታይ ኣብ መስርዕ ደው ትብሉ? ንዑ መለለዪ መንነት ውሰዱ’ ይብለና ነይሩ።”
“ቅድሚ ሕጂ ጸለምቲ ኣሕዋቶም ሃብቲ ክነጥሪ ይደልዩ ነይሮም። ቀደም ኣብ ልዕሊ ጸዓዱ ፍርሕን ጽልእን ነይርዎም። ንዓና የቕረቡና ነይሮም። ሕጂ ግን ብፖለቲከኛታት ዝንገሮም ዘፍርሕ እዩ። ጸሊኦሙና። ምዕራባዊ ቅዲ ህይወት ክሕዙ ጀሚሮም። ዝመጽእ መረጻ የፍርሓና..." ይብል ሲሳይ።
ቢቢሲ ምስ እዚ ብዝተኣሳሰር እንታይ ይስራሕ ከምዘሎ ካብ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ርእይቶ ንምርካብ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይሰመረን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







