ኣብ ሱዳን ዝተረፉ ተጋሩ ኣባላት ዓቃቢ ሰላም እንታይ ይብሉ?

ዩኤን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ፡ ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ፡ ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቅልውላው ንዝተፈላለዩ ጸገማት ከምዝተቓልዑ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ብሰንኪ እቲ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ውግእ፡ ንጸጥታዊ፡ ቍጠባዊ፡ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ጸገማት ከምዝተቓልዑ እዮም እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተጋሩ ዝገልጹ።

ንሳቶም፡ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ሕቶ ይግበአኒ ኣብ ዘቕርባላ ግዝኣት ኣቢየ ተዋፊሮም ዝነበሩ እዮም።

ኣብዛ ብተፈጥሮ ሃብቲ ዝተዓደለት ግዝኣት ኣቢየ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘዋፈሮም ዓቃቢ ሰላም፡ እቲ ዝበዝሐ ሰራዊት ኢትዮጵያ እዩ ነይሩ።

ካብቲ ዓቃቢ ሰላም፡ ብሓፈሻ 4,190 ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝተዋጽኡ ኰይኖም፡ ካብ መንጐኦም 3158 ወተሃደራትን ሸውዓተ ፖሊስ መኮንናትን ካብ ኢትዮጵያ ምዃኖም ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተረኸበ መረዳእታ የመልክት።

ሱዳን፡ ምስ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዶባዊ ግጭት ከምኡ'ውን ምሰ ግድብ ህዳሰ ብዝተኣሳሰር ድሕሪ ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ፡ እቲ ኣብ ግዝኣት ኣቢየ ዝነበረ ኣኽባሪ ሰላም ሓይሊ ኢትዮጵያ ወጺኡ ብኻልእ ክትካእ ምሕታታ ዝዝከር እዩ።

ይዅን’ምበር ኣኽባሪ ሰላም ኢትዮጵያ ካብታ ሃገር ክወጽእ እንከሎ፡ እቶም ተጋሩ ኣባላት ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዘይክእሉ ገሊጾም ነይሮም።

ኣብቲ እዋን ልዕሊ 500 ተወለድቲ ትግራይ ዝዀኑ ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ኣብታ ሃገር ፖለቲካዊ ዑቕባ ይሓቱ ከምዘለው ተገሊጹ’ዩ።

ካብቶም ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ዝተረፉ ሓደ፡ ደጀን ገብረ ከምዝብሎ፡ ገና ኣብ ኣብ ስራሕ እናሃለዉ “ተለኣኣኽቲ ጁንታ” ተባሂሎም ንዝተፈላለየ ጸገማት ከምዝተቓልዑ ይዝክር።

“ተጋሩ ብሓደ ኮፍ ኢልና ከይነውግዕ፡ ብትግርኛ ስልኪ ከይነውግዕ፡ ትግርኛ ሙዚቃ ከይነዳምጽ ኮታስ ዝዀነ ብብሄርናን መንነትናን ተጽዕኖ ይበጽሓና ነይሩ” ክብል ገሊጹ።

ንሱ ከምዝብሎ ኣብ ተልእዀታት ሕቡራት ሃገራት ተገይሩ ዘይፈልጥ፡ “ካብ ሓደ ብሄር ካብ ክልተ ንላዕሊ ክኸድ የብሉን” ተባሂሉ ከምዝነበረን፡ እዚ ክገብሩ ዝተረኸቡ ድማ ከም ገበነኛ ይቝጸሩ ከምዝነበሩን ይገልጽ። ተጋሩ ካብ መዝነቶም ወሪዶም ተራ ንጥፈታት ክፍጽሙ ተገዲዶም’ዮም።

“ኵሉ ትግራዋይ ተኣሲሩ ናብ ኢትዮጵያ ይኺድ” ዝብል ሓሳብ ኣብ ኣኼባ ተላዒሉ ከምዝነበረ’ውን ይዝክር።

ብሰንኪ’ዚ ተልእዀኦም ኣቋሪጾም ከምዘይወጹ ዝዛረብ ደጀን፡ “ኣብዚ ከምዚ ዝገበሩና ኣብ ዓዲ እንታይ ከምዘጋጥመና ምግማት ኣይኸብድን” ብምባል ኣብ ሱዳን ክተርፉ ከምዝወሰኑ የረድእ።

ፖለቲካዊ ዑቕባ ድሕሪ ምሕታቶም ኣብ ለካቲት 2022 ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከምዝተቐበሎምን ዝሕብር ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ኣባል ነበር እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ይዅን’ምበር ኣብ ሚያዝያ 2023 ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ውግእ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ኣብ ዘሰክፍ ኵነታት ከምዝርከቡ እቶም ተጋሩ ይገልጹ።

እቲ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ትግራዋይ ኣስታት 250 ዝዀኑ ተጋሩ ብሰንኪ እቲ ግጭት ንዝተፈላለዩ “ጸጥታዊ፡ ቍጠባዊ፡ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ጸገማት” ተቓሊዖም ከምዝርከቡ’ዩ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ደጀን፡ ሕጽረት ማይ፡ መግቢ፡ መድሃኒትን ካልኦትን የጋጥሞም ከምዘሎ ሓቢሩ፤ “ኵሎም ቤተሰብና ናብ መንገዲ ወጺኦም” ብምባል ድማ ኣደዳ መከራን ልመናን ኰይኖም ከምዘለዉ ይሕብር።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ግጭት ስክፍታታት ጸጥታን ድሕነትን እውን ከምዝፈጠረሎም እቶም ተጋሩ ይጠቐሱ።

“ኣብ ድሕረ ባይታና ወተሃደር ኣሎ፤ ኣብ ማእከል ተጐዳእቲ ክንከውን ንኽእል ኢና” ክብል ደጀን ስክፍታኡ የስምር።

እቲ ንሳቶም ዝርከቡሉ ቦታ ናብ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝቐረበ ብምዃኑ ስክፍታኦም ንዩኤንኤችሲኣር እኳ እንተገለጹ፡ “ዓሪፍኩም ኮፍ በሉ፤ እንተደሊኹም ኪዱ” ዝብል መልሲ ከምዝተወሃቦም ደጀን ይገልጽ።

ኣብዚ እዋን “ብኽድዓት ሃገር” ስለዝተኸሰሱ ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ከምዘይኽእሉን ወሲኹ ይሕብር።

እቲ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ትግራዋይ ብወገኑ፡ “ውሕስነት ናብ ዘለዎ ቦታ ክወስዱና ብተደጋጋሚ ሓቲትና ምላሽ ክሳዕ ሕዚ ኣይተወሃበናን” ኢሉ።

ደጀን፡ “ሕቶና ናይ ህልውና ሕቶ እዩ። ናብ ኣውሮጳ፡ ኣመሪካ፡ ካናዳ ኣይበልናን። ናብ ዝዀነት ዓዲ ውሑስቲ ዝዀነት፡ ሰላማ ዝተረጋገጸት ዓዲ ውሰዱና” ኢሎም ናብ ዩኤንኤችሲኣር፡ ካልኦት መሻርኽቲ ኣካላትን ብተደጋጋሚ ዘቕረብዎ ሕቶ “ሰማዒ ስኢንና” ብምባል የማርሩ ከምዘለዉ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ስለዝዀነ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኰነ ካልእ ዝምለከቶ ኣካል እዝኒ ክህቦም ይምሕጸኑ ከምዘለዉ ኣስሚሮም።