ኣብ ሱዳን፡ 120 ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም 'ናብ ኢትዮጵያ ኣይንምለስን ኢሎም'

ኣኽበርቲ ሰላም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣካል ናይቲ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ 120 ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዘይልዩ ገሊጾም።

እቶም ኣባላት ዓቃብ ሰላም ዓለምለኻዊ ሓለዋ ክግበረሎምን ኣብ ሱዳን ዕቑባ ክወሃቦምን ከም ዝሓተቱ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

እዚኦም ኣካል ኣብ ዳርፉር ተዋፊሮም ዝነበሩ፡ ተልእኾኦም ዝዛዘሙ፡ ኣካል ናይቲ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ኮይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ እዮም።

ብተመሳሳሊ ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝነበሮም ልኡኽ ዝወድኡ ተጋሩ፡ ከይኽሰሱ ስለዝሰግኡ ናብ ኢትዮጵያ ኣይንምለስን' ምባሎም ይዝከር።

ሰራዊት ምክልኻል እዞም ናብ ሃገር ኣይንምለስን ዝበሉ ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም "ተለኣኣኽቲ ጁንታን ንሰራዊትና ዘይወክልን ዘሕፍርን ተግባርን" ክብል ገሊጽዎም።

ዳግም ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ኣይንምለስን ኢሎም ዘለው 120 ኣኽበርቲ ሰላም'ውን ተወለድቲ ትግራይ ምዃኖም ይግለጽ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግን ብዛዕባ እዚ ዝበሎ የለን።

ኣብ ከባቢ ዳርፉር ዝነበሮም ልኡኽ ዝዛዘሙ 120 ዓቀብቲ ሰላም ኣብ ሱዳን ዕቑባ ሓቲቶም'ዮም ዝበለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ናይዚ ምኽንያት ኣብ ትግራይ ብዘሎ ግጭት ዝተፈጥሩ ውጥረታት ዝተሓሓዝ ከይኮነ ኣይተርፍን ኢሉ።

ኣብቲ ሽዱሽተ ወርሒ ዘቑጸረ ጎንጺ ትግራይ: ሓያሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተፈጺሙ ዝብል ክሲ ይቐርብ።

ማዕኸን ዜና ኤፒ፡ ካብ ሞንጎ እቶም ናብ ሃገርና ኣይንምለስን ዝበሉ ልዕሊ 30 ናብ መዕቆቢ ስደተኛታት ከም ዝኣተው ንሓደ በዓል መዚ ሱዳን ብምጥቃስ ጸብጺቡ።

ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ግዝኣት ሰሜን ዳርፉር ኣል ፋቴህ ኢብራሂም መሓመድ ካብቶም ናብ መዓስከር ስደተኛታት ዝኣተው ኣኽበርቲ ሰላም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ፍቓደኛታት ዘይኮኑ ይርከቡዎም ኢሉ።

'ናብ ሃገርና ክንምለስ እንከለና ክንክሰስ ኢና' ብዝብል ስግኣት ካብ ሞንጎ ዝተረፉ እተን 14 ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን'ውን ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፋርሃን ሃክ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንኤፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ናብ ሃገሮም ይምለሱ ከም ዘለው ብምግላጽ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ውድብ ኣብ ልኡኽ ምኽባር ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ግን "ዓለምለኻዊ ሓለዋ ይሓቱ ኣለው" ኢሉ።

ሓላፊ ስደተኛታት ሱዳን መሓመድ ብወገኑ፡ ብሰንበት ብውሑድ 33 ኣኽበርቲ ሰላም ካብ ግዝኣት ሰሜን ዳርፉር ብምውጻእ ኣብ ጥቓ ዶብ ኢትዮጵያ ናብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ምብራቓዊ ከሰላ ከም ዝኣተው ሓቢሩ።

ብተወሳኺ፡ ሎሚ ካልኦት 31 ዓቀብቲ ሰላም ካብ ሰሜን ዳርፉር ክወጽኡ'ዮም።