ውጥን ሩዋንዳ፡ ክስጎጉ ዝተበሃሉ ሓተትቲ ዑቕባ ይሃድሙ ኣለዉ ድዮም?

ኣብ ሰነ 2022 ስደተኛታት ሒዛ ናብ ሩዋንዳ ክትበርር መደብ ተታሒዙላ ዝነበረት ነፋሪት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሰነ 2022 ስደተኛታት ሒዛ ናብ ሩዋንዳ ክትበርር መደብ ተታሒዙላ ዝነበረት ነፋሪት

መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብ መጀመርታ ናብ ሩዋንዳ ንኽስጎጉ መደብ ዝተተሓዘሎም ሓተትቲ ዑቕባ ብእዋኑ ክርከቡ ከምዘይከኣሉ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ተኣሚኑ።

ብመሰረት እቲ ውጥን ኣብ መጀመርታ 5,700 ሓተቲ ዑቕባ እዮም ናብ ሩዋንዳ ክግዕዙ መደብ ተታሒዙ ነይሩ።

ይኹን’ምበር ካብኣቶም እቶም 3,557 ደሃዮም ክርከብ ከምዘይከኣለ ሰነዳት ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት የመልክቱ።

ብመሰረት እቶም ሰነዳት፡ እቶም ደሃዮም ንቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ኣፍሊጦም ናብ መዳጎኒ ክኣትዉ ዝኽእሉ 2,143 ሓተቲ ዑቕባ ጥራይ እዮም።

ሓደ ምንጪ መንግስቲ ግን ደሃይ እቶም ሓተቲ ዑቕባ ጠፊኡ ንዝብል ጸብጻብ ነጺግዎ’ሎ።

ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት መትረብ እንግሊዝ ብምስጋር ናብታ ሃገር ክኣትዉ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ኣካያዲት ናይቲ ምስ ዝደተኛታት ዝነጥፍ ብሪስቶል ሆስፒታሊቲ ኔትዎርክ ዝተባህለ ንስደተኛታት ዝሕግዝ ማሕበር ከምዝበለቶ፡ በቲ ኩነታት ዝሰግኡ ብዙሓት ሓገዝ ዘድልዮም ሓተትቲ ዑቕባ ይስወሩ ከምዘለዉ ትዛረብ።

ሄለን ኪዳን ንቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሀበቶ ሓበሬታ፡ "ኩሉ ሰብ ተሻቒሉ'ዩ፡ እቶም ስደተኛታት ብፍርሒ ዝኣክል ለይቲ ኣይድቅሱን'ዮም ዘለዉ" ክትብል እቲ ፖሊሲ ፈጢርዎ ዘሎ ሻቕሎት ትገልጽ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"መጺኦም ኣብ ድቃስና ክወስዱና ይኽእሉ'ዮም" ዝበልዎም ስደተኛታት ከምዘለዉ ዝጠቐሰት እታ ኤርትራዊት-ብሪጣንያዊት ተሓላቒት መሰላት ስደተኛታት፡ ብሰንኩ ብፍላይ እቶም ኣብ ናይ ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት መጽንሒ ዘለዉ ኣብ ደገ ኣብ ጽርግያ ክድቅሱ ከምዝተገደዱ ተረድእ።

እዚ ድማ ንገሊኦም ናይ ዕቑባ ጉዳዮም ከሰናኽሎ ከምዝኽእልን ክንጸጉ ከምዝኽእሉን ሄለን ዘለዋ ስክፍታ ከምዝገለጸትሎም ትሕብር።

"ናባና መጺኦም ሓገዝ ምሕታት'ውን ክፈርሑ'ዮም፡ ብዘይ እዚ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎ ማእለያ ዘይብሉ ሰብ ኣሎ። ብፈቐዶ ሳሃራን ባሕርን፡ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ብዓል ኣፍጋኒስታን ሶርያን ዝበላ ብዙሓት ሃገራት፡ ሰብ ባሕሪን ምድርን ተሳጊሩ ሓንጎሉ ዝተሃሰየ ኣሎ"

"ስለዚ ሎሚ ኣብ ስራሕና ቀሊል መዓልቲ ኣይነበረን" ክትብል ሄለን ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ኣብሪሃ።

ሓተትቲ ዑቕባ ደሃዮም ከፍልጡ ብዕቱብ ከምዘይግደዱን ኣብ መንግስታዊ ትካላት ከምዘይተዓቘቡን ዝገለጸ እቲ ምንጪ፡ ኣድላዪ እንተዀይኑ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ናብ ሩዋንዳ ንኽግዕዙ ንዅሎም ክረኽቦም ከምዝኽእል ኣረጋጊጹ።

መብዛሕትኦም ሓተትቲ ዑቕባ እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘዳለዎም ኣባይቲ ኣይነብሩን፤ ብተወሳኺ ንቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ደሃዮም ንምሕባር ዝተፈላለየ መንገድታት ክጥቀሙ ይኽእሉ እዮም።

ገሊኦም ብኣካል ቀሪቦም ክሕብሩ እንከለዉ ገሊኦም ድማ ብዲጂታላዊ መንገዲ ከፍልጡን ውሑድ ጽኑዕ ግዴታታት ክህልዎምን ይኽእል።

እንተዀነ ግን ሓላፊ ሓለዋ ዶብ ነበር ካልእ ምንጪ መንግስቲ፡ ገሊኦም ቅድሚ ምእሳሮም ከምዝሃደሙ ንሱ ‘ቱደይ’ ንዝተበሃለ መደብ ቢቢሲ ሬድዮ 4 ኣብ ዝሃቦ ቃል ተኣሚኑ።

ካብ 2001 ክሳብ 2016 ኣብ ቦርደር ፎርስ ዋና ሓላፊ ኢሚግሬሽን ዝነበረ ኬቪን ሶንደርስ፡ ሓተትቲ ዑቕባ እቲ ውጥን ሩዋንዳ ኣብ ግብሪ ከምዘይውዕል ተነጊርዎም ስለዝነበረ ክሳብ ሕዚ "ሸለል ኢሎምዎ" ከምዝጸንሑ ሓቢሩ።

ሕዚ ግን ናይ ምስጓግ ስግኣት ዘጋጠሞም ሓተትቲ ዑቕባ "ናይ ምጥፋእ ተግባር" ይፍጽሙ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ፡ ናብ ሩዋንዳ ዝግበሩ ናይ ምስጓግ በረራታት ክሳብ ወርሒ ሓምለ ክጅመሩ ምዃኑ ቃል ኣትዩ’ዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ፡ ናብ ሩዋንዳ ዝግበሩ ናይ ምስጓግ በረራታት ክሳብ ወርሒ ሓምለ ክጅመሩ ምዃኑ ቃል ኣትዩ’ዩ

ብመሰረት እቲ ሕጊ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ክጸንሑ ፍቓድ ዘይብሎም ስደተኛታትበረራኦም ብዝግባእ ምስ ቀረበ ጥራይ'ዮም ክእሰሩ ዘለዎም።

ስለዝዀነ ድማ ዳርጋ ኵሎም እቶም ንኢንግሊዝ ቻነል ዝሰገሩ ሰባት እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘዳለዎም መንበሪ ኣባይቲ እዮም ዘለዉ ማለት እዩ።

ሓተትቲ ዑቕባ ምስ ሰበስልጣን ርክብ ንኽገብሩ ቴለፎን ይወሃቦም እዩ፤ ናብ ሓደ ካብቶም 13 ኣብያተ ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ወይ ኣብ ቀረባኦም ናብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ንኽሕብሩ መምርሒ ዝንገሮም’ኳ እንተዀነ እቲ መምርሒ ግን ዕቱብ ኣይኰነን።

ብመሰረት እቲ መምርሒ፡ እቶም ናይ መወዳእታ ውሳነ ክረኽቡ "ክውንነታዊ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሎም" ሓተትቲ ዑቕባ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ወርሒ ብኣካል ተረኺቦም ደሃዮም ከፍልጡ የድልዮም። እቶም ናብ ሩዋንዳ ክለኣኹ ዝኽእሉ ግን "ብሓፈሻ" ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ሰሙን ከፍልጡ ኣለዎም። ኰይኑ ግን እቲ ሕጊ ጽኑዕ ኣይመስልን።

ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ኣብ እግሪ 600 ሓተትቲ ዑቕባ ናይ ጂፒኤስ መሳርሒ ብምእሳር ንምክትታል ዝዓለመ ፈተነ ውጥን ደው ክብል ገይሩ እዩ።

ተቖጻጻሪ ሓለዋ መረዳእታ ዓባይ ብሪጣንያ፡ እቲ ን18 ኣዋርሕ ዝጸንሐ ፈተነ ዘይሕጋዊ ምዃኑ’ዩ ገሊጹ።

ሕዚ ድማ ደሃይ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሓተቲ ዑቕባ ምጥፍኡ ኣዘራራቢ ኰይኑ ኣሎ።

ስደተኛታት ንመትረብ እንግሊዝ ምስጋሮም ሕዚ'ውን እናቐጸለ ይርከብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ስደተኛታት ንመትረብ እንግሊዝ ምስጋሮም ሕዚ'ውን እናቐጸለ ይርከብ

ሰነድ እቲ ውጥን፡ ሩዋንዳ "ብመትከል" ድሮ ክትቅበሎም ዝተሰማምዐትሎም 5,700 ሓተቲ ዑቕባ ይዝርዝር። እዚኦም ኣብ መንጎ ጥሪ 2022ን ሰነ 2023ን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣተዉ እዮም።

ቤት ፍርዲ ይግባይ፡ እቲ ፖሊሲ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ብ29 ሰነ 2023 ቅድሚ ምውሳኑ፡ ዑቕባ ክረኽቡ ዘቕረብዎ ሕቶ ተቐባልነት ከምዘይብሉን ናብ ሩዋንዳ ከምዝስጎጉን ዝገልጽ ሓበሬታ በጺሕዎም ነይሩ።

ካብ ዝሓለፈ ሓጋይ ጀሚሩ ብንእሽቶ ጃልባ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ዝኣተዉ ስደተኛታት ግን ኣብተን ቀዳሞት በረራታት ናብ ሩዋንዳ ኣይግዕዙን ማለት እዩ።

ካብ ኣባላት ባይቶ ዝግበር ጎስጓስ ነቲ ውጥን ከደናጉዮ ከምዝኽእል'ኳ እንተተገለጸ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሪሺ ሱናክ ግን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክሳዕ ወርሒ ሓምለ ከምዝጅምር ቃል ኣትዩ እዩ።

መንግስቲ፡ እቲ ውጥን ደረት ዘይብሉ ምዃኑ ብምጽራር፡ ብዛዕባ ምሉእ ቁጽሪ ናይቶም ክስጎጉ ዝኽእሉ ሓተትቲ ዑቕባ ኣሃዝ ኣቐሚጡ ኣይፈልጥን።

ይኹን’ምብር ትማሊ ሰኑይ ከይተረፈ ስደተኛታት ብመትረብ እንግሊዝ ሰጊሮም ሃብታ ሃገር ኣትዮም ኣለዉ። ኣብዚ ዓመት ክሳዕ ሕዚ ልዕሊ 7 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ከምዝኣተዉ ኣሃዛት ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት (ሆም ኦፊስ) ይሕብሩ።