ሩዋንዳ፡ ዓዲ ድሕነት ድያ ወይስ ዓዲ ፍርሒ?

ላዕለዎት ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራት፡ ባይቶ ዓባይ ብሪጣንያ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ዝልእኽ ኣካታዒ እማመ ምጽዳቑ ከም ዘሻቐሎም ይገልጹ ኣለዉ።
መንግስቲ ሩዋንዳ ግን፡ እታ ሃገር ነቶም ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝለኣኹ ሓተትቲ ዑቕባ ክትቅበል "ብሃንቀውታ ትጽበ" ከም ዘላ እዩ ዝገልጽ።
እቲ ንኣዋርሕ ከካትዕ ዝጸንሐ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ንኸይኣትዉ ዝዓለመ እማመ ድሕሪ ምትህልላኽን ሰብመዚ ብሪጣንያ፡ ኣብዚ ሰሙን ተቐባልነት ባይቶ ከም ዝረኸበ ይፍለጥ።
ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲን ከምኡ’ውን ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክን ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ መደቡ ዳግማይ ክምርምሮ ጸዊዖም።
እቲ ውጥን ኣብ ሰብኣዊ መሰላትን ሓለዋ ስደተኛታትን "ጎዳኢ ጽልዋ" ከም ዘሕድር እውን ኣጠንቂቖም።
ፊሊፖ ግራንዲ፡ እቲ ምስ ሩዋንዳ ዝተገብረ ውጥን፡ ሓላፍነት ሓለዋ ስደተኛታት ንምቕያር ዝዓለመ ምዃኑን፡ ምጽዳቑ "ምጥሓስ ውዕል ስደተኛታት" ዘመልክት ምዃኑን ገሊጹ።
ቮልከር ቱርክ ብወገኑ "ንልዕልነት ሕጊ ዓባይ ብሪጣንያ ብኸቢድ ዝዕንቅፍን ብዓለም ደረጃ ሓደገኛ ቅድመ-ኵነት ዘቐምጥን" ክብል ገሊጽዎ።
ትካላት ግብረ ሰናይ'ውን ነቲ ውጥን ነቒፈን ኣለዋ፤ ዓበይቲ ጉጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እቲ መደብ "ምጥሓስ ዓለምለኻዊ ሕጊ" ከምዝዀነ ኣመልኪቶም።
ሩዋንዳ ግን እቲ እማመ ብምጽዳቑ "ሕጉስቲ" ምዃና ኣፍሊጣ’ላ። "ነቶም ናብ ኪጋሊ ዝለኣኹ ክትቅበል ብሃንቀውታ ትጽበ" ከምዘላ’ያ ገሊጻ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሱናክ፡ ናብ ርዋንዳ ዝካየድ በረራታት ኣብ ውሽጢ 10 ክሳብ 12 ሰሙናት ክጅመር ምዃኑ ገሊጹ እዩ።
ይዅን’ምበር፡ እቶም በረራታት ብቤት ፍርዲ ክደናጐዩ ወይ ድማ ሓተትቲ ዕቝባ ዝጓዓዙለን ነፈርቲ ኣብ ምውሓስ ምድንጓይ ክህሉ ይኽእል እዩ።
ጸሓፊ ውሽጣዊ ጉዳያት ጀምስ ክለቨርሊ፡ እቲ እማመ ምሕላፉ፡ “ኣብቲ ነተን ጀላቡ ደው ንምባል እንገብሮ መደብ ፍሉይ ህሞት እዩ” ኢሉ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ “ንቐዳማይ በረራ መገዲ ንምጽራግ ዘድሊ ኵሉ ክገብር ቃል ኣትየ ነይረ። ከምኡ ኢና ጌርና። ሕጂ ቀትርን ለይትን በረራታት ንምጅማር ኢና ንሰርሕ ዘለና” ክብል ተዛሪቡ።
ተመዓዳዳዊት ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ኢቨት ኩፐር ግን ነቲ ውጥን “ኣዝዩ ክቡር ምትላል” ብምባል ነቂ ውሳነ ተቓዊማቶ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ እቲ ውጥን ርዋንዳ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ብምሉእ ድምጺ ካብ ዝወሰነሉ ሕዳር 2023 ጀሚሩ መንግስቲ ዘቕረቦ ውጥናት ምስግጋር ስደተኛታት ተዓንቂፉ ጸኒሑ።
ብሰኑይ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፡ እቲ ሕጊ ምስ ጸደቐ በረራታት ክጅመር ከም ዝዀነን ነቶም ስደተኛታት “ክሳብ ርዋንዳ” ዝዕጅቡ 500 ሰራሕተኛታት ድሉዋት ምዃኖምን ምግላጹ ይዝከር።
ሩዋንዳ፡ ዓዲ ድሕነት ድያ ወይስ ዓዲ ፍርሒ?
ሩዋንዳ፡ እቲ እማመ ብምጽዳቑ "ሕጉስቲ" ምዃና ኣፍሊጣ’ያ። "ነቶም ናብ ኪጋሊ ዝለኣኹ ክትቅበል ብሃንቀውታ ትጽበ" ከምዘላ’ውን ገሊጻ’ላ።
ሩዋንዳ ስደተኛታት ንክትቅበል፡ ካብ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ቍጠባኣ ዘደንፍዕ ክፍሊት ክትረክብ እያ።
ኣብ መወዳእታ 2023፡ መንግስቲ ብሪጣንያ 240 ሚልዮን ፓውንድ ንሩዋንዳ ከም ዝኸፈለ ተገሊጹ ነይሩ።
ኣብ ዝመጽእ ሓሙሽተ ዓመት ድማ መጠን ዝኽፈል ዋጋ ክሳብ 370 ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ይግመት።
ሕዚ ድማ፡ ባይቶ ዓባይ ብሪጣንያ ነቲ ሕጊ ምስ ኣጽደቐ፡ ካብ ሰነ 2022 ጀሚራ ምድላዋት ክትገብር ዝጸንሐት ሩዋንዳ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ነቶም ዘዳለዎም መንበሪታትን ሆቴላትን ብስደተኛታት ክትመልእ ትጽበ ኣላ።
ሓደ ካብዞም ባዶ ኰይኖም ዝጽበዩ ዘለዉ መንበሪታት ‘ዘ ሆፕ ሆስቴል’ እዩ።
መደቀሲ ክፍልታቱ ከም ናይ ጸሎት ምንጻፍን ናይ ሽቓቕ ኣቑሑትን ዝኣመሰሉ ዝሓዘን ብጥንቃቐ ዝተዳለወን እዩ።
ሜዳ ኩዕሶ እግርን ሜዳ ኩዕሶ ሰኪዔትን፣ ከሸንትን ሰራሕተኘታት ጽሬትን ኣለዎ።
ኣካያዲ ስራሕ እቲ ሆስቴል እስማዒል ባኪና፡ እቲ ሆስቴል ኣብ ሓጺር ግዜ ስርሑ ክጅምር ድሉው ምዃኑ ይገልጽ።
"ዋላ ሕዚ፡ ጽባሕ ዘይኰነ ሎሚ እንተመጽኡ፡ ከነተኣናግዶም ንኽእል ኢና። ድልውነትና 100 ሚእታዊት’ዩ" ይብል።
ብመስኮት ናይቲ ሆስቴል እትረአ ከተማ ኪጋሊ ካብ ገበን ውሑስ ዝዀኑ ጎደናታት ዘለዋ ጽብቕቲ ከተማ እያ።
ጭርሖ እታ ሃገር እውን "ሩዋንዳ ትሰርሕ" እዩ ዝብል።

ገለ ካብቶም ዝለኣኹ ስደተኛታት ኣብዚ ስራሕ ክደልዩ ይኽእሉ እዮም።
እንተዀነ ሩዋንዳ ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ትደልይ ድያ ኣይትደልን ኣብ ዝብል ዝተሓዋወሰ ኣረኣእያታት እዩ ዘሎ።
"ንሃገር ብቑጠባ ጽቡቕ ክኸውን'ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ" ይብል ኣብ ኪጋሊ ወናኒ ቤት መግቢ ዝዀነ ኢማኑኤል ካኒምባ።
ካልእ መንነቱ ክግለጽ ዘይደለየ ሰብ ድማ "ነዞም ሰባት ዝኸውን ስራሕ ካበይ ክተምጽኡ ኢኹም?" ክብል ይሓትት።
"ንሕና ባዕልና ተመሪቕና ኢና ግን ገና ስራሕ ኣይረኸብናን። ስራሕ ልደሊ ኢና ዘለና።"
ንፖሊሲ መንግስቲ ሩዋንዳ ተቓዊሞም ብምዝራቡ ውሕስነት ስለ ዘይተሰምዖ እዩ መንነቱ ክግለጽ ዘይደለየ።
ሰበመዚ እታ ሃገር ንገለ ተቓውሞታት ይዓብጡ እዮም ዝብል ሰፊሕ ክስታት ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Phil Davies/BBC
ኣብ ሓደ እዋን ንጸጥታ መንግስቲ ኣብ ሓደጋ ብምእታው ብዝበል ክሲ ተኣሲራ ዝነበረት ተቓዋሚት ቪክቶርያ ኢንጋቢረ፡ እቶም ሓተትቲ ጸቡቕ ውዕል ከም ዘይረኽቡ ትዛረብ።
"ብሰንኪ ድኽነት፡ ብሰንኪ ኲናት፡ ብሰንኪ ኣብ ሃገሮም ዘለው ምልካዊ ስርዓት ካብ ሃገሮም ዝሃደሙ ሰባት እዮም" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።
"ሕዚ ድማ ከምቲ ኣብ ሃገሮም ዝነበረ ሓሳቦም ብነጻነት ክገልጹ ናብ ዘይኽእልሉን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተመነይዎ ጽቡቕ ህይወት ዘይረኽብሉ ሃገር እዮም ዝመጹ ዘለዉ።"
መንግስቲ ሩዋንዳ ግን ነዚ ይነጽጐ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሪጣንያ ኣብ ርዋንዳ ዘሎ ድኹም ኣተሓሕዛ ሰባዊ መሰላትን ስደተኛታትን ብዝምልከት ዘለዎ ስክፍታ ገሊጹ ነይሩ።
ባይቶ ሩዋንዳ ድማ ነቲ ስክፍታታት መልሲ ንምሃብ፡ ሕጊ ኣውጺኡ ኣሎ።
እዚ ሕጊ ንሓተትቲ ዑቕባ ዝግበር ሓለዋታት ንምሕያልን እቶም ስደተኛታት ናብተን ዝሃደሙለን ሃገራት ከምዘይምለሱ ውሕስነት ምሃብን የጠቓልል።
ሓላፊት ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ናይቲ ስምምዕ ዝዀነት ዶሪስ ኡዊሲየዛ ፒካርድ፡ እቶም ስደተኛታት እንተደልዮም ንመንግስቲ ክነቕፉን ተቓውሞታት ከካይዱን ይኽእሉ ድዮም ትብል።
"ሃገራዊ ሕግታትና ብዛዕባ መሰል ተቓውሞ ኣዝዩ ንጹር እዩ፡ ኣብ ትሕቲ ፍሉይ ኵነታት ዝሕሎ እዩ።"
"ኣብ ሕጊ ተመስሪቶም ብሰላም ተቓውሞ ከስምዑ እንተደልዮም፡ ይኽእሉ እዮም" ትብል።
ግን፡ "ስደተኛታት ብሓፈሻ፡ ከምኡ'ውን ፖለቲካዊ ንጥፈታት ስደተኛታት ብዝምልከት፡ ብውዕል ስደተኛታት ዝተገደቡ ምዃኖም ምዝካር ይግባእ" ክትብል ትውስኽ።

ውጥን ሩዋንዳ እንታይ እዩ?
እዚ እማመ፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብጃልባ ንመትረብ ኢንግሊዝ ሰጊሮም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተዉ ስደተኛታት ናብ ክሰጋገሩ ዘገድድ እዩ።
ሰበስልጣን ዓባይ ብሪጣንያ፡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ምልኣኽ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብፈረንሳ ኣቢሎም ብጃልባ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ከምዝንኪ ይገልጹ።
ሰብመዚ ብሪጣንያ፡ እቲ ተሪር ሕጊ ነቶም ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ብጃላቡ መትረብ-እንግሊዝ ሰጊሮም ዝኣትዉ ስደተኛታት ንምግታእ ዝዓለመ ምዃኑ'ዮም ዝምጕቱ።
እቶም ስደተኛታት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዘቕርብዎ ሕቶ ዝርአ ናብ ሩዋንዳ ምስ ተወሰዱ እዩ ክኸውን። ቶም ሓተትቲ ዑቕባ፡ ጉዳዮም ኣብ ርዋንዳ ምስተራእየ፡ ሕቶኦም ተቐባልነት እንተረኺቡ ኣብታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ጥራይ'ዮም ክነብሩ ዝፍቀደሎም።
ሕቶ ዑቕባኦም እንተተነጺጉ ግን፡ ካልእ ምኽንያት ብምቕራብ ኣብ ሩዋንዳ ወይ ኣብ ካልእ ሳልሳይ ሃገር ዑቕባ ክሓቱ ይኽእሉ።
52 ሽሕ ሰባት
ናብ ሩዋንዳ ክለኣኹ ዝኽእሉ ሰባት ሓተቲ ዑቕባ ጥራይ እዮም፤ እዚኦም ካብ ካልእ ውሑስ ሃገር ብዘይ ፍቓድ ኣትዮም ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ሓለዋ ዝሓተቱ ሰባት እዮም።
እዚ ብመሰረቱ ንመትረብ ኢንግሊዝ ብጃልባ ዝሰገሩ ማለት እዩ።
እዚ መንግስቲ፡ ሓቀኛ ስደተኛታት ድዮም ኣይኰኑን ኢሉ ቅድሚ ምውሳኑ ኰይኑ እቲ ውጥን ድማ እቲ ሕጋዊ ጠለብ ሓለዋ ኣብ ሩዋንዳ ንኽረአየ እዩ።
ከምዚኦም ዝበሉ 52 ሽሕ ሰባት ኣለዉ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ብመንግስቲ ኣብ ዝምወሉ መንበሪ ኣባይቲ እዮም ዝነብሩ ዘለዉ።
ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ክእለዩ፡ ወይ ድማ ኣብታ ሃገር ሓለዋን ሓድሽ ህይወትን ክረኽቡን ስለ ዘይተወሰነ ድማ ስራሕ ክሰርሑ ኣይፍቀደሎምን።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዓባይ ብሪጣንያ ካልእ ተመሳሳሊ መደብ ኣለዋ ድዩ?
ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ቦትስዋና፡ ኣይቬሪኮስት፡ ኮስታሪካን ኣርመንያን እውን ተመሳሳሊ ስምምዓት ከተግብር ተኽእሎ ከም ዘሎ ጸብጻብ 'ዘ ታይምስ' ይገልጽ።
እቲ ልሒኹ ዝወጽአ ሰነዳት መሰረት ገይሩ ዝተዳለወ ጸብጻብ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ምስተን ኣርባዕተ ሃገራት እትገብሮ ዘላ ስምምዕ ንቕድሚት ክስጉም ኣይከኣለን ይብል።
ቦትስዋና፡ ምስ ናይ ባዕላ ጉዳይ ስደተኛታት ትቃለስ ከምዘላ ብምግላጽ ነቲ ካብ መንግስቲ ብሪጣንያ ዝቐረበላ ሕቶ ከም ዝነጸገት ብ24 ሚያዝያ 2024 ኣፍሊጣ እያ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቦትስዋና ሌሞጋንግ ልዋፔ ንሓንቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ቴሌቪዥን ቻነል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እዩ ቦትስዋና ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተለኣኹ ስደተኛታት ክትቕበል ፍቓደኛ ከም ዘይኰነት ሓቢሩ።
ንሱ፡ እቲ ሕቶ ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ ከም ዝቐረበ'ኳ እንተገለጸ፡ እቲ ሕቶ መዓስን ብኸመይ ኵነታት ከምዝቐረበን ግን ኣይገለጸን።
ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ እትርከብ ሃገር ኮስታሪካ እውን፡ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመጹ ስደተኛታት ንምቕባል ዝነበራ ሓሳብ ምሉእ ብምሉእ ሰሪዛ እያ።
ፕረዚደንት ኮስታሪካ ሮድሪጎ ቻቨዝ፡ "ኮስታሪካ ወጻእተኛታት ስደተኛታት ከምዘይትቕበል ንዓባይ ብሪጣንያ ኣፍሊጥና’ያ ኢና" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
ፓራጓይ፡ ፔሩ፡ ብራዚልን ኢኳዶርን እውን ካብተን ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ስደተኛታት ንምልኣኽ ዝሓሰበን ሃገራት ምዃነን ይንገር።
ኣብ 2022 ጋና ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ንዝመጽኡ ስደተኛታት ክትቅበል መደብ ከም ዘለዋ ዝገልጹ ጸብጻባት ወጺኦም ነይሮም።
እንተዀነ መንግስቲ እታ ሃገር ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ምስ ዓባይ ብሪጣንያ ተዘራሪቡ ከም ዘይፈለጥ ገሊጹ እዩ።
ብዘይካ ጋና፡ ኬፕ ቨርደ፡ ሰኔጋል፡ ታንዛንያን ሴራሊዮንን'ውን ከም መሓለውታ ተዘርዚረን ዝርከባ ሃገራት ምዃነን ይግለጽ።
ኢንስቲትዩት ፖሊሲ ስደተኛታት ከም ዝብሎ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ሞልዶቫን ጆርጅያን ስደተኛታት ክቕበላ ዝኽእላ ሃገራት ምዃነን ኣለልዩ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ከምዚ ዓይነት ሕጊ ቅድሚ ሕጂ ተተግቢሩ ድዩ?
ካብ 2013 ክሳብ 2018 እስራኤል ኣስታት 4000 ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ልኢኻ እያ።
እስራኤል "ነቶም ስደተኛታት ብድሌቶም ናብ ሩዋንዳ ከም ዘግዓዘት" እኳ እንተገለጸት፡ እቶም ንቢቢሲ ቃሎም ዝሃቡ ስደተኛታት ግን "ናብ ሩዋንዳ ካብ ምምጻእ ሓሊፉ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረናን" እዮም ኢሎም።
ባሃበሎም መንገሻ ካብ እስራኤል ናብ ሩዋንዳ ዝተሰጋገረ ኤርትራዊ እዩ።
ንሱ ከምዝብሎ፡ ሰበስልጣን እስራኤል ዘቕረቡሉ ሰለስተ ኣማራጺታት፡ ናብ ኤርትራ ምምላስ፡ ኣብ እስራኤል ናብ ዝርከብ መዳጎኒ ስደተኛታት (ቤት ማእሰርቲ) ምእታው፡ ወይ ድማ 3500 ዶላር ተኸፊልዎ ናብ ሩዋንዳ ምኻድ ዝብሉ ከም ዝነበሩ ይዛረብ።
ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኣብ መንጎ ዓባይ ብሪጣንያን እስራኤልን ዘሎ ፍልልይ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ሩዋንዳ ዝገበረቶ ድርድር ንህዝቢ ክግለጽ ዝጸንሐ እዩ።
ብኣንጻሩ እስራኤል ምስ ሩዋንዳ ዝዀነ ስምምዕ ከይገበረት እያ ስደተኛታት ብሕቡእ ናብታ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣጓዒዛቶም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







