ጥልያን፡ ስደተኛታት ዝጽዓና ክልተ ጀላቡ ብምጥሓለን ሓያለ ስደተኛታት ሞይቶም፡ ልዕሊ 60 ደሃዮም ኣይተፈልጠን

26 ህጻናት ካብቶም ድሃዮም ዘይተረኽበ ስደተኛታት'ዮም

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, 26 ህጻናት ካብቶም ድሃዮም ዘይተረኽበ ስደተኛታት'ዮም

ኣብ ገማገም ደቡባዊ ጥልያን ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ክልተ ጀላቡ፡ ብውሕዱ 11 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 60 ድማ ደሃዮም ከም ዝጠፍአ ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት ገሊጾም።

ጀርመናዊ ትካል ግብረ ሰናይ (RESQSHIP)፡ ትማሊ ሰኑይ ትጥሕል ካብ ዝነበረት ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐት ጃልባ 51 ሰባት ከድሕን እንከሎ፡ ኣብ ጥቓ ደሴት ላምፐዱሳ 10 ኣስክሬናት ከም ዝረኸበ ሓቢሩ።

ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ኣብ ዘጋጠመ ካልእ ሓደጋ፡ ልዕሊ 60 ሰባት ደሃዮም ከም ዝጠፍአን፡ ካብዚኦም እቶም 26 ህጻናት ከይዀኑ ከም ዝስጋእን ጉጅለ ዶብ ኣልቦ ሓካይም (MSF) ሓቢሩ።

ኤጀንሲታት ሕቡራት ሃገራት፡ እተን ጀላቡ ካብ ሊብያን ቱርኪን ዝተበገሳ ምዃነን ገሊጾም።

ኣብ ከባቢ ላምፔዱሳ ካብ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት፡ ትማሊ ንጉሆ ናብ ሓለዋ ባሕሪ ጥልያን ክውሰዱ እንከለዉ፡ እቶም ዝሞቱ ድማ ናብታ ደሴት ይውሰዱ ከም ዝነበሩ እቲ ጀርመናዊ ትካል ገባሪ ሰናይ ሓቢሩ።

እታ ካብ ሊብያ ዝተበገሰት ጃልባ፡ ካብ ሶርያ፣ ግብጺ፣ ፓኪስታንን ባንግላድሽንን ዝመጽኡ ስደተኛታት ጽዒና ከም ዝነበረት፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩኤንኤችሲኣር)፣ ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታትን (IOM) ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ)ን ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ ጠቒሶም።

እቲ ካልእ ዝጠሓለት ጃልባ፡ ኣብ ደቡባዊ ጥልያን ካብ ገማግም ባሕሪ ካላብሪያ ኣስታት 202 ኪሎ ሜትር ርሒቑ ከም ዝተረኽበት ሓቢሮም።

ካብቶም ብህይወት ዝተረፉ 12 ሰባት እቲ ሓደ ካብ መርከብ ድሕሪ ምውራዱ ከም ዝሞተ ሓለዋ ባሕሪ ጥልያን ኣፍሊጡ።

ኣባል ጉጅለ ዶብ ኣልቦ ሓካይም ሻኪላ መሓማዲ፡ ብመሰረት እቶም ውጻእ መዓት ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ "26 ህጻናት ዝርከቡዎም ካልኦት 66 ሰባት ድሃዮም ከም ዝጠፍአ ሰሚዕና ኢና" ክትብል እንከላ፡ እቶም ህጻናት ሒደት ኣዋርሕ ጥራይ ዘቑጸሩ ከም ዝርከቡዎም ገሊጻ።

“ሓንቲ ምልእቲ ስድራ ኣፍጋኒስታን ከም ዝሞተት ይግመት። ቅድሚ ሸሞንተ መዓልቲ ካብ ቱርኪ ተበጊሶም ንሰለስተ ወይ ኣርባዕተ መዓልቲታት ኣብ ባሕሪ ጸኒሖም። ናይ ህይወት ኣድሕን ጃኬት ከም ዘይነበሮምን ገለ መራኽብ ክሕግዝኦም ደው ከም ዘይበላን ሓቢሮምና” ኢላ።

ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ዓለም እቲ ሓደገኛ መስመር ጕዕዞ ስደት ከም ዝዀነ ይፍለጥ።

ኣብዚ ካብ 2014 ጀሚሩ፡ ልዕሊ 23 ሽሕን 500 ስደተኛታት ሞይቶም ወይ ጠፊኦም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።