ኢትዮጵያውያን ዝርከቡዎም 49 ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ የመን ሞይቶም፡ 150 ደሃዮም ጠፊኡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ገማገም ባሕሪ የመን ጃልባ ብምጥሓላ ብውሕዱ ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተሰደዱ ኣስታት 49 ሰባት ከም ዝሞቱ ሰብመዚ እቲ ከባቢን ዓለምለኸ ትካል ስደትን (IOM) ገሊጾም።
ካብ ሞንጎ ዝሞቱ 6 ህጻናትን 31 ደቂኣንስትዮን ይርከብዎም።
እታ ኣስታት 260 ሰባት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ፡ ትማሊ ብሰንኪ ብርቱዕ ንፋስ ከም ዝጠሓለት ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ሓቢሮም።
ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ዝጠፍኡ ኣስታት 140 ሰባት ንምርካብ ጻዕሪ ይግበር ኣሎ።
ዓለምለኸ ትካል ስደት፡ ነቶም ካብቲ ሓደጋ ዝድሓኑ 71 ውጻእ መዓት ሓገዝ ይገብረሎም ከም ዘሎ ገሊጸ።
ኣብ ምብራቕ ዓደን ኣብ ዝርከብ ሩዱም ዝርከቡ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ፡ እቶም ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ስደተኛታት መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ከም ዝዀኑ ሓቢሮም።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝስደዱ ኢትዮጵያውያን፡ ንየመን ከም መሰጋገሪ ከም ዝጥቀሙላ ይንገር።
ዳይሬክተር ምምሕዳር ሩዱም ሃዲ ኣል-ኩርማ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ጃልባ ናብ ገማገም ባሕሪ ቅድሚ ምብጽሓ ከም ዝጠሓለት ሓቢሩ።
“ገፈፍቲ ዓሳን ነበርትን ካብቶም ስደተኛታት 78 ከድሕኑ ክኢሎም፤ ኣብ ሓንቲ ጃልባ ምስኦም ዝነበሩ ኣስታት 100 ካልኦት ከም ዝጠፍኡ ድማ ሓቢሮም” ኢሉ።
ወሲኹ፡ “እቲ ናይ ምድላይ ስራሕቲ ሕጂ’ውን ይቕጽል ኣሎ” ብምባል ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ንሕቡራት ሃገራት ከም ዘፍለጡ ገሊጹ።
ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተሰደዱ 97 ሽሕ ስደተኛታት ናብ የመን ኣትዮም።
ኣብ የመን ዋላ’ውን ኲናትን ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ቀይሕ ባሕሪ ዝፍጽሙዎ መጥቃዕቲ እንተቐጸለን፡ ናብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ክኣትው ዝብገሱ ስደተኛታት ብየመን ከቋርፁ ካብ ምፍታን ንደሓር ኣይበሉን።
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2024፡ ኣብ ሰሜናዊ ጅቡቲ ሓንቲ ጃልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዘጋጠማ ሓደጋ ስዒቡ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ይዝከር።
እታ ጀልባ 60 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ጽዒና ናብ የመን ከም ዝተበገሰትን ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ ጐዶርያ ብምግልባጣ 38 ካብቶም ተሳፈርታ ከም ዝሞቱን ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ሓቢሩ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







