‘ብስም ኣላህ ለሚነ፡ ከድሕኑና ኣይደለዩን’ - ካብቲ ልዕሊ 30 ሰባት ዝሞቱሉ ሓደጋ ጀልባ ዝደሓነ ሰብ

ስደት

ምንጪ ስእሊ, @DJIBOUTIIOM

ብዙሓት መንእሰያት ኢትዮጵያ ህይወቶም ከመሓይሹ፡ ዝሓሸ ዕድል ስራሕ ክረኽቡ ተተስፍዮም እዮም ናብ የመን፡ ስዑዲ ዓረብን ብሓፈሻ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ዝስደዱ።

ገሊኦም ብሰንኪ እቲ ከቢድን ሓደገኛን መስመር ጕዕዞ ኣብ መንገዲ ይተርፉ፤ ገሊኦም ኣብ መንገዲ ዘጋጥምዎም ዘስካሕክሑ ብድሆታት ተጻዊሮም ናብ ዝሓሰብዎ ቦታ ይበጽሑ።

ይዅን’ምበር ኣብኡ ዘጋጥሞም ነገር ምስቲ ዝሓሰብዎ ዘይቃዶ ዝዀኖም ውሑዳት ኣይኰኑን።

ካብዚኦም እቶም 77 ኢትዮጵያውያን ኣብ የመንን ስዑዲ ዓረብን ዝነበሮም ተስፋ ብምጥፍኡ ናብ ስድራኦምን ናብ ሃገሮምን ክምለሱ ወሲኖም።

ናብ ኢትዮጵያ ንኽምለሱ መጀመርያ ብጃልባ ቀይሕ ባሕሪ ሰጊሮም ጅቡቲ ክኣትዉ ኣለዎም። ቅድሚ ሕጂ ነዚ ጕዕዞ ፈጺሞምዎ እዮም፤ ሕጂ’ውን በዚ መንገዲ ገይሮም እዮም ካብ የመን ዝምለሱ።

ብዛዕባ ውሳነኦም ንደላላይ ምስ ኣፍለጡ፡ ሰኑይ 14 ሚያዝያ 2016 [ግእዝ] ምሸት ናብ ጅቡቲ እትሰግር ጃልባ ከምዝተዳለወት ተነጊርዎም።

ስለዚ እቶም ደላሎ ዝሓተትዎም ገንዘብ ከፊሎም ሰኑይ ምሸት ኣብ ዓራ ዝተበሃለት ወደባዊት ከተማ የመን በጺሖም።

ኣብታ ዕለት ናብ ጅቡቲ ክሰግሩ ኣብታ ጃልባ ተሳፊሮም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እታ 77 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ግን ኣብ መንገዲ ሓደጋ ኣጋጢምዋ፤ ኣብታ ጃልባ ካብ ዝነበሩ እቶም 33 ከምዝሞቱ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንቢቢሲ ሓቢሩ’ዩ።

ሓደ ወዲ 7 ወርሒ ህጻንን ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮን ካብቶም ዝሞቱ እዮም።

ገፈፍቲ ዓሳ፡ ገለ ካብቶም ስደተኛታት ክጥሕሉ ድሕሪ ምርኣዮም ንሓለውቲ ገማግም ባሕሪ ኣፍሊጦም። ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት ድማ ልዕሊ 20 ሰባት ከድሕኑ ክኢሎም።

እንተዀነ ልዕሊ 20 ዝዀኑ ሰባት ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ስለ ዘይተረኸበ ቍጽሪ ዝሞቱ ክውስኽ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ።

መሓመድ* [ስሙ ዝተቐየረ] ሓደ ካብቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ እዩ። ቢቢሲ ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ኣመልኪቱ ኣዘራሪብዎ ነይሩ።

______________________

መሓመድን እቶም ካልኦት ኢትዮጵያውያንን ኣብ ኣራ ናብታ ጃልባ ክስቀሉ እንከለዉ፡ ቍጽሮም 77 ኣይነበረን።

“ኣብ መጀመርታ ኣስታት 50 ኢና ነይርና፤ ደሓር 27 ሰባት ኣምጺኦም ምስ ወሲኹ ቅሬታና ኣስሚዕና" ይብል መሓመድ።

ቅሬታ ብዝሒ ተሳፈርቲ ዝምልከት እዩ ነይሩ፤ ስግኣት ሓዲርዎም። ስክፍታኦም ነቶም ደላሎ ገሊጾም’ኳ እንተነበሩ፡ እታ ጃልባ ግን 77 ሰባት ጽዒና ናብ ጅቡቲ ክትሰግር ተበጊሳ።

ይዅን’ምበር ክሳብ ጎዶርያ ብሰላም ተጓዛ ኣብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ከምዝበጽሐት መሓመድ ይዝክር።

እታ 77 ኢትዮጵያውያን ዝጸዓነት ጃልባ ግን ኣብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ብፍላይ ኣብ ከባቢ ጐዶርያ ምስ በጽሐት ተገልቢጣ።

መሓመድ ቀዳማይ ውላድ ስድራኡ እዩ። ወዲ 22 ዓመት እንከሎ ንንኣሽቱ ኣሕዋቱ ከምኡ’ውን ንኣደኡን ኣቦኡን ደጀን ክኸውን ድሌት ኣሕዲሩ።

እዚ ትምኒቱ ዝተገንዘቡ ደላሎ ምስ ኣተባብዕዎ ድማ ሕርሻ ኣቦኡን ዝዓበየሉ መረበትን ገዲፉ፡ ናብ የመን ወይ ስዑዲ ዓረብ ተሰዲዱ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ንደላሎ ኣስታት 17 ሽሕ ብር ከፊሉ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ጅቡቲ፡ ቀጺሉ ድማ ናብ የመን ከምዝሰገረ ይዝክር።

መሓመድ፡ መደቡ ናብ ስዑዲ ዓረብ ክሰግር እዩ ነይሩ፤ ግን ኣይቀንዖን።

ኣብ የመን "ዕግርግር [ግጭት] ነይሩ፤ ሓለውቲ ዶብ ስዑዲ ዓረብ ነቶም ክሰግሩ ዝፍትኑ ብጥይት ይሃርምዎም ነይሮም። ብሓፈሻ ዝሞቱ በዚሖም፡ ክሰግር ኣይከኣልኩን" ይብል።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ሰሪሑ ህይወቱን ህይወት ስድራኡን ክድግፍ ዝሓለመ መሓመድ፡ ሕልሙ ከምዘየግሃደ ይዛረብ።

መሓመድ፡ ኣብ የመን ንኽልተ ዓመትን ሓደ ወርሕን ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ብዙሕ ነገር ርእዩ እዩ።

ኣብ ዓዲ እንዳማቱ ከይሰርሐ ኢዱ ንምጽዋት ዘርጊሑ ምንባር ክቕበሎ ኣይከኣለን። ናብታ ብርሑቕ ዝሓልማ ዝነበረ ስዑዲ ዓረብ ምእታዉ’ውን ዝሕሰብ ኣይኰነን።

ብድሕሪኡ እቶም ደላሎ ናብ ጅቡቲ ክምለሱ ንዝደልዩ ሰባት ኣኽፊሎም ከምዘሳግርዎም ሰሚዑ።

እቶም ደላሎ ካብ ስዑዲ ዓረብ ንዝመጹ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት 1500 ርያል፡ ኣብ የመን ንዝጸንሑ ድማ 600 ርያል ከምዘኽፍሉ መሓመድ ይገልጽ።

“ኣብ የመን ዘሎ ብዝሒ ስደተኛታት ማእለያ የብሉን። መብዛሕትኦም ንድሕሪት ክምለሱ ይደልዩ’ዮም" ይብል።

ግን ንደላላይ ዝኸፍልዎ ገንዘብ የብሎምን። ስድራቤቶም እውን እንተዀኑ ካብ መዓልታዊ ወጻኢ ዝተርፍ ገንዘብ ስለ ዘይብሎም፡ ‘ጽባሕ እንታይ ይመጽእ ይኸውን?’ እናበሉ ኣብ ትሕቲ ሰማይ የመን ከርተት ይብሉ ኣለዉ።

ኣብ ወርሒ ጾም ሮሞዳን፡ ኣብ የመን ዝርከብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንገሊኦም ናብ መዕቆቢ ኣእትዮሞም ከምዝነበሩ መሓመድ ይጠቅስ።

ዝተረፈ ድማ ኣብ ጐደናታት የመን ብጥምየትን ድኽነትን መዓልታት እናቘጸረ ከምዘሕልፍ ወሲኹ ይገልጽ።

ኣብ የመን ኢትዮጵያውያን ዝበዝሑ ኣብ ከተማ ዓደን እዮም ዝነበሩ፤ መሓመድ ከምዝብሎ ኣብ ዓደን ናብራ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ።

ሞት ንመሓመድን ከምኡ ዝመስሉ ስደተኛታትን ሓድሽ ኣይኰነን፡ ኣብ የመን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብቐረባ፡ ኣብ መንጐ ግጭታት፡ ኣብ ኢድ ሓለውቲ ዶብ ስዑዲ ዓረብ ሞት ርእዩ እዩ።

ብዘይ ስራሕ ንልዕሊ ክልተ ዓመት እዚ ክዕዘብ ዝጸንሐ መሓመድ፡ ናብ ስድራኡ ደዊሉ ንደላላይ ዝኽፈል ገንዘብ ከምዘልኣኸ ንቢቢሲ ገሊጹ።

"ብገለ መንገዲ ናብ ሃገረይ ተመሊሰ ኣብኡ ክነብር ኣለኒ ኢለ እየ ካብ የመን ክወጽእ ወሲነ" ይብል።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዙሓት ሰባት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ የመን ዝሰግሩሉ መስመራት
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዙሓት ሰባት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ የመን ዝሰግሩሉ መስመራት

ብሰኑይ 14 ሚያዝያ 2016[ግ] እቶም ኣብ ስደት ዝነብሩ 77 ስደተኛታት ምሸት ሰዓት ሓደን ፈረቓን ኣብ ጃልባ ተሰቒሎም ቀይሕ ባሕሪ ክሰግሩ ጀሚሮም።

ካብቶም ተሳፈርቲ ደቂ ኣንስትዮ ነይረን፡ ሓንቲ ካብኣተን ድማ ወዲ ሸውዓተ ወርሒ ዕሸላ ሓቚፋ እያ ነቲ ሓደገኛ ጕዕዞ ባሕሪ ጀሚራቶ።

መሓመድ፡ እታ ዝተሳፈሩላ ጃልባ ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ብከውሒ ከምዝተሃርመት ይዝክር።

ነታ ጃልባ ናብ ገምገም ባሕሪ ኣጸጊዖም ነቶም ተሳፈርቲ ኣብ ምቹእ ቦታ ከውርድዎም ስለ ዘይከኣሉ፡ ብገመዶም ዝተኣሰረ መልህቕ ዘርጊሖም ደው ክብሉ ተገዲዶም።

ዙርያኦም ብማይ ተኸቢቦም፡ መውጽኢ ስኢኖም። ብጭንቀት ተዋሒጦም።

ኣብ መንጐ’ዚ መን ምዃኖምን ካበይ ከምዝመጹን ዘየለለይዎም ዕጡቓት ሃንደበት ተጸጊዖምዎም።

እቶም ዕጡቓት ነቲ ገመድ ቆሪጾም ነታ ጃልባ ናብ ማእከል ባሕሪ ከምዝደፍእዋ መሓመድ ይዝክር።

እቶም ስደተኛታት እታ ጃልባ ናብቲ ባሕሪ እንተተመሊሳ ከምዝግልበጡ ምስ ተረድኡ፡ ኵሎም በብሃይማኖቶ ክልምኑን ክጽልዩን ከምዝጀመሩ እውን ይገልጽ።

ጃልባ

ምንጪ ስእሊ, IOM /ALEXANDER BEE

ኵሉ ሰብ ርድኡና ኢሉ ክጭድር ጀሚሩ።

"ንሕና ‘ብኣላህ!’ ንብል፤ እቶም ክርስትያን ነቶም ዕጡቓት ንኣምላኽ ፍርሁ እናበሉ ይልምንዎም ነይሮም።"

እቶም ዕጡቓት ግን እታ ጃልባ ናብቲ ገማግም ባሕሪ ክትጽጋዕ ኣይደለዩን። ኣብ መንጐ’ዚ ዕግርግር ተላዒሉ፡ እታ ጃልባ’ውን ተገልቢጣ።

እቶም ናብቲ ባሕሪ ዝጠሓሉ ስደተኛታት፡ እቶም ዕጡቓት ንኸድሕንዎም’ኳ እንተጨደሩ፡ ግን "ከድሕነና ዝደለየ ሰብ ኣይነበረን" ይብል።

"ክንደይ ኣሕዋትና ሞይቶም ይመስለኩም?" ክብል ብጓሂ ይሓትት። "ልዕሊ ኣርብዓ ይዀኑ ሞይቶም።"

እታ ጃልባ ምስ ተገልበጠት፡ እታ ጓል 7 ወርሒ ህጻን ሒዛ ዝነበረት ኣደ፡ "ህጻነይ ኣድሕኑለይ" ኢላ ትልምን ከምዝነበረት ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብቶም ዝደሓኑ ከምዝሰምዑ ንቢቢሲ ገሊጾም እዮም።

ፈለማ ዕሸላ እንተተቐበልዋ’ኳ፡ ድሒሮም ግን ስለ ዝመለሱላ ኣደን ውላድን ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ሞይቶም ክብሉ ወሲዀም ሓቢሮም።

መሓመድ “ምሕንባስ ኣይክእልን እየ” ይብል።

“በንዚን ዝሓዘ ጀሪካን ምስ ረኸብኩ ኣብ ሽምጠይ ኣሲረ ኣብ ልዕሊኣ ኰይነ ነቲ ማይ ምድፋእ ቀጺለ። ኣብ ጐድነይ ዝነበሩ ኣስታት ሓሙሽተ ሰባት እውን ንዓይ ሒዞም ናብ ገምገም ባሕሪ ተጓዒዝና።”

ብድሕሪ እዚ ኣብ ከተማ ኦቦክ ዝነበሩ ክኢላታት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት መጺኦም ከምዘድሓንዎም መሓመድ ወሲኹ ይገልጽ።

መሓመድ ኣብዚ እዋን ኣብ ኦቦክ ጅቡቲ ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ይርከብ።

"ሕጂ ፈጣሪ ህይወተይ ኣትሪፉለይ ኣሎ። ደጊም ናብ ስደት ክሰግር እየ ዝብል ሓሳብ የብለይን። ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሰ ንሃገረይን ንነብሰይን ከገልግል እየ ዝደሊ" ይብል።

ካብቲ ንበዓል መሓመድ ዘጋጠሞም ሓደጋ ምግልባጥ ጃልባ እውን ክልተ ሰሙን ኣቐዲሙ ስደተኛታት ጽዒና ካብ ጅቡቲ ናብ የመን ትሰግር ዝነበረት ጃልባ ተገልቢጣ 38 ኢትዮጵያውያን ከምዝሞቱ ዝዝከር እዩ።