ጅቡቲ፡ ብሰንኪ ሓደጋ ጀልባ 38 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian Embassy in Djibouti/Facebook
ኣብ ሰሜናዊ ጅቡቲ ሓንቲ ጃልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዘጋጠማ ሓደጋ ስዒቡ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊጹ።
እታ ጀልባ ብሰኑይ 60 ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ጽዒና ናብ የመን ከምዝተበገሰትን ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ ጐዶርያ ብምግልባጣ 38 ካብቶም ተሳፈርታ ከምዝሞቱን ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ሓቢሩ።
እቲ ኤምባሲ ኣብ ፌስቡክ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ከምዘመልክቶ፡ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ተልእኾ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብቲ ቦታ ተጓዙ ጠንቂ እቲ ሓደጋ ይምርምር ኣሎ።
ዝሓሸ ስራሕ ንምርካብን ህይወቶም ህይወት ስድራኦምን ንምቕያርን ስደት ዝመረጹ መንእሰያት፡ ናብ ወጻኢ ሃገራት ብፍላይ ድማ ናብ ሃገራት ዓረብ ንምብጻሕ ካብ ዝጥቀሙሉ መስመር ሓደ ብጅቡቲ ኣቢሉ ብባሕሪ ናብ የመን ምእታው እዩ።
በብዓመቱ ልዕሊ 200 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ተበጊሶም ሓደገኛ ጕዕዞ መሬትን ባሕርን ሓሊፎም ናብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ከምዝበጽሑ እቲ ኤምባሲ ይጠቅስ።
ምስቲ ልዑል ሓደጋ ጕዕዞ ስደት ግን ዘይሕጋዊ ቍጽሪ ስደተኛታት ሕጂ’ውን ይውስኽ ከምዘሎ ይንገር።

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian Embassy in Djibouti/Facebook
ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ጥራይ ብሰንኪ ሓደጋታት ምጥሓል ጀላቡ 189 ኢትዮጵያውን ከምዝሞቱ’ዩ እቲ ኤምባሲ ዝገልጽ።
ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ጥራይ ኣብ ጅቡቲ ሞት 54 ስደተኛታት ተመዝጊቦም እዮም።
ኣብ 2022 ጥራይ ቍጽሪ ናብ ጅቡቲ ዝኣተዉ ስደተኛታት ካብቲ ቅድሚ ዝነበረ ዓመት ብዕጽፊ ከም ዝወሰኸ መረዳእታታት ይሕብሩ።
ኣብቲ ዓመት ጥራይ 89 ስደተኛታት ብሰንኪ ሕማም፡ ከቢድ ኵነታት ኣየር፡ ኣብ ባሕሪ ብምጥሓልን ብምግጫውን ከም ዝሞቱ ወይ ደሃዮም ከም ዝጠፍአ ተጸብጺቡ’ዩ።
ካብዚ ዝዛይድ ሞትን ምጥፋእን ድማ ከይተመዝገበ ከም ዝተርፍ ይእመን።
እዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ዜጋታትና ብናይ ሓሶት ስብከት ዘይሕጋውያን ደላሎ ተታሊሎም ናብዚ ሓደገኛ መስመር ስደት ከይኣትዉ እቲ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ተማሕጺኑ ኣሎ።
ኣብ ልዕሊ እቶም ብናይ ሓሶት ስብከት ካብ ገጠራት ኢትዮጵያ ስደተኛታት ዝምልምሉ ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ዕቱብ ስጕምቲ ክውሰድ እውን ጸዊዑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







