‘ስቓይ ተጋሩ’ ስደተኛታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጂዛን

ስደተኛታት ኣብ ጉዕዞ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከተማ ጂዛን ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ኣይዋ ተዳጒኖም ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ሰኣን ግቡእ ሕክምና ንሕማማት ዓባይ ሰዓልን ካልኦት ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማትን ይቃልዑ ከም ዘለው ገሊጾም።

እዞም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ኢትዮጵያ ከም ዝወጽኡ ዝዛረቡ ስደተኛታት፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዶብ እታ ሃገር ሰጊሮም ክኣትው ዝተታሕዙ ምዃኖም ይዛረቡ።

ኣብ ዝሓለፉ ትሸዓተ ኣዋርሕ ልዕሊ 500 ዝዀኑ ትሕቲ ዕድመ ዝርከቡዎም ሰባት ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ከም ዝርከቡ ሓቢሮም።

ምስ ሓሙሽተ ኣዕርኽቱ ከም ዝተትሓዘ ዝገልጽ ሓየሎም ኪሮስ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኲናት ካብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝተሰደደ ምዃኑ ገሊጹ።

“ናብራ ስለ ዝጸገመኒ እምበር ገዛኻ ፈቲኻ ኣይሕደግን። ኣጣል ምጉሳይ’ውን እንተዀነ ሰሪሐ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ናብ ዓደይ ክምለስ ኢለ እየ ወጺአ። ግን ኣብ ጸልማት እየ ዝንከራተት ዘለኹ። ጥዕናይ ንርእሱ ኣብ ሕቶ ምልክት’ዩ” ይብል።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣይዋ፡ ልዕሊ ትሸዓተ ኣዋርሕ ከም ዘቝጸረ ዝገልጽ ሓየሎም፡ “ጸሓይ ኣይንርኢ፡ መሬት ኣይንርኢ ኣብ ጸልማት ኢና ዘለና፤ ጸሓይ መዓስ በሪቓ መዓስ ትዓርብ ኣይንፈልጥን” ብምባል ዘለውሉ ኵነታት ኣሰካፊ ምዃኑ ይሕብር።

ካልእ ካብ ክልል ኣምሓራ ዝተሰደደ ጉግሳ ዝናቤ ብሰንኪ ሕጽረት እዅል ቀረብ ማይን ሳሙናን፡ መግብን ካልኦት መሰረታዊ ቀረባትን ንሕማማት ኵሊት፡ ዓባይ ሰዓልን ካልእን ዝተቓልዑ ብዙሓት ስደተኛታት ምህላዎም ገሊጹ።

“ኣብ ስቓይ ኢና ዘለና፤ መግቢ ከም ዝደለናዮ ኣይንረክብን። ቅያር ክዳን ስኢንና ፌስታል ተኸዲንና ኢና ንነብር” ኢሉ።

ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን፡ ብቀይሕ ባሕሪ ኣቢሎም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከም ዝኸዱ ይፍለጥ።

እቶም ስደተኛታት፡ ዋላ’ውን እቲ ጕዕዞ ብዙሕ ሕልኽላኻት ዘለዎን ንህይወቶም ዘስግእ ኵነታት ዘለዎን ምዃኑ ዝፈልጡዎ እንተዀኑ፡ ካብ ሃገሮም ወጻኢ ዝሓሸ ህይወት ብምምዕዳውን ኣብታ ሃገር ዘሎ ተስፋ ምስኣን ደፊኡዎምን ብቐጻሊ ብዘይሕጋዊ መገዲ ይውሕዙ’ዮም ዘለው።

ኣብ ገለ ከባቢታት እታ ሃገር ዝኽሰት ዘሎ ደርቅን ጥምየትን ከምኡ’ውን ኣብ መንጐ ዕጡቓት ሓይልታትን መንግስትን ዝቕጽሉ ዘለው ግጭታት ካብቶም ንመንእሰያት ንስደት ዘቃልዑዎም ዘለው ምኽንያታት ምዃኖም ይጥቀስ።

ኣብርሃ ገብረእግዚኣብሄር ዝተባህለ መንእሰይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሚያዝያ ካብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ከባቢ ውቕሮ ናብ ስደት ከም ዝወጽአ ገሊጹ።

ንሱ ከም ዝብሎ እንተዀይኑ፡ ኣብቲ ኣብ ጂዛን ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ብዘይሕጋዊ መገዲ “ዶብ ብምጥሓስ” ብዝብል ዝተትሓዙ ልዕሊ 500 ስደተኛታት ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ይርከቡ።

“ዘለናዮ ቦታ ቈራር እዩ፤ ክዳንና ፌስታልን ካርቶንን እዩ። ሰብ ልዕሊ መጠን’ዩ ዝሓምም። ሕክምና ኢሉ ዝወጽአ’ውን ኣይምለሰናን- ናበይ ከም ዝኸይድ፣ እንታይ ከም ዘጓንፎ ኣይንፈልጦን” ኢሉ።

ኣብ ጕዕዞ ሓቢሮምዎ ዝነበሩ ካልኦት ኣርባዕተ ተጋሩ እውን ተኣሲሮም ምህላዎም ገሊጹ።

“ሰሪሐ፡ ተቐይረ ክምለስ’ዩ ነይሩ ዕላማይ፤ ግን ከምቲ ዝሓሰብኩዎ ኣይጸንሓንን ተኣሲረ ይርከብ። ዘለናዮ ኵነታት ኣዝዩ ዘስካሕክሕ’ዩ፤ ናብ ዓደይ ክምለስ’የ ዝደሊ” ይብል።

ስደተኛታት ኣብ ጉዕዞ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብመሰረት ኣብ 2022 ዝወጽአ ጸብጻብ ዓለምለኸ ትካል ስደት፡ ኣስታት 750 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ይነብሩ። ካብዚኦም እቶም 450 ሽሕ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝነብሩ’ዮም።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ መጋቢት 2022 ልዕሊ 100 ሽሕ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝነብሩ መብዛሕትኦም ኣብ መዳጐኒ ማእከላት ዝርከቡ ንምምላስ ተሰማሚዐን ነይረን። ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ብ4 ሚያዝያ 2023፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣስታት 131 ሽሕ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ከም ዝተመልሱ ገሊጹ ነይሩ።

ይዅን’ምበር፡ እዚ ምምላስ ስደተኛታት ነቲ ሕጋዊ ስደት ደው ከም ዘየበሎን፡ ኣብ ሚያዝያ 2022 ክሳብ 2023 ካብ ዝተመልሱ ስደተኛታት መብዛሕትኦም ዳግም ናብ ስዑዲ ዓረብ ከም ዝተመለሱ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብዚ እዋን ኣስታት 25 ሽሕ ሰባት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ከም ዝርከቡ ይግለጽ። እቶም ስደተኛታት፡ ኣብ ዶባት የመንን ስዑዲ ዓረብን ግዳያት ጭውያ፡ ቅትለትን ካልኦት ግህሰታትን ይዀኑ ከም ዘለው ጸብጻባት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።

ኣብ መወዳእታ ነሓሰ 2023 ዝወጽአ ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስዎች፡ ሓለዋ ዶባት ስዑዲ ዓረብ ጃምላዊ ቅትለት ስደተኛታት ይፍጽሙ ኣለው ክብል ከሲሱ ነይሩ።

እቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ብዙሓት ካብቶም ስደተኛታት ካብታ ብኲናት ዝተሃስየት የመን ሰጊሮም ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝበጽሑ ኢትዮጵያውያን ይርከብዎም።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ገለ ስደተኛታት፡ ብጥይት ኣካላዊ ጉድኣት ከምዘጋጠሞምን ኣብ መገዲ ሬሳታት ከም ዝረኣዩን ሓቢሮም።

እቲ ‘ተዅሲ ኣዝኒቦምልና’ ብዝብል ኣርእስቲ ዝወጽአ ጸብጻብ፡ ኣብቲ ጽንኩር ሰሜናዊ ዶብ የመንን ስዑዲ ዓረብን፡ ብፖሊስን ወተሃደራትን ስዑዲ ዓረብ ብጥይት ከም ዝተሃርሙን ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ብነታጒ ዒላማ ከም ዝተገብሩ ዝገልጹ ስደተኛታት ምስክርነት ዝሓዘ እዩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብታ ብነዳዲ ሃብታም ዝዀነት ሃገር፡ ስራሕ ንምድላይ ዶብ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ኢትዮጵያውያን፡ ኣብቲ ናይ ለይቲ ጉዕዞ ዝረእዩዎ ቅትለታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ስዑዲ ዓረብ ግን ኣብቲ ምስ የመን ኣብ ዘዳውብ ከባቢ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ብሓለውቲ ዶባት ዝፍጸም ዘሎ ቅትለት ንዝገልጽ ጸብጻብ ነጺጋ። ኢትዮጵያ ምስ ስዑዲ ዓረብን ብምትሕብባር ነቲ ክስታት ክትምርምሮ ምዃና ገሊጻ ምንባራ’ውን ይዝከር።

ብየመን ዝሓልፉ ስደተኛታት ዝጥቀሙሉ መስመር ዘርኢ ስእላዊ መግለጺ
መግለጺ ስእሊ, ብየመን ዝሓልፉ ስደተኛታት ዝጥቀሙሉ መስመር ዘርኢ ስእላዊ መግለጺ