ማእሰርቲ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ደው ንኽብል ምእካብ ፊርማ ተጀሚሩ

ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, ACT OF SAMARITANS

ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝፍጸም ዘሎ ምስርጣይ ብሃውሪ ዝግበር ማእሰርቲ ከምኡ’ውን ምንዋሕ መስርሕ ሕቶ ዕቑባ ከምዘሻቐሎም ተጣበቕቲ መሰል ስደተኛታት ገሊጾም።

ኤርትራውያን ውድባትን ግዱሳት ውልቀሰባትን ትማሊ 18 ታሕሳስ 2023 ናብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝበጽሕ ዘሎ ምክልባት ደው ንኽብል ስጕምቲ ክወስድ ጸዊዖም።

እቶም ተሓላቐቲ ንጥርዓኖም ዝድግፍ ፊርማ ምእካብ ብምጅማር ቅዳሕ እቲ ደብዳበ ናብ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ማእከል ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን እውን ቅዳሕ ከምዝለኣኹ ኣመልኪቶም ኣለዉ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ተጣባቒ መሰል ስደተኛታት ጆርጅ ገብረስላሴ፡ ኣብታ ሃገር ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ግፋ፡ ማእሰርቲ፡ ጭውያ ክፍጸም ከምዝጸንሐን ዘይተኣደነ ገንዘብ ክኸፍሉ ይሕተቱ ከምዘለዉን ገሊጹ።

ጆርጅ፡ መስራቲ ሱርባና ቪዥን ሚድያን ኮሚኒቲ ሰርቪስስን ናይ ዝተባህለ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ግዝያዊ መዕቆብን ካልእ ኣገልግሎታትን ዝህብ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል እዩ።

እቲ ነቲ ጥርዓን ዘበገሰ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ተጣባቒ መሰል ስደተኛታት ከምዝብሎ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝውሰድ ዘሎ ስጕምቲታት “ብሕጋዊ መንገዲ” ዝፍጸም ኣይኰነን።

ንነዊሕ ዓመታት ካብ ኤርትራ ዝሃድሙ ስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ዑቕባ ክሓቱ ጸኒሖም’ዮም።

ብፍላይ ድማ ኣብ ሱዳን ብስንክ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ዋሕዚ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዝዩ ከምዝወሰኸ ጆርጅ ገብረስላሴ ይገልጽ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ይዅን’ምበር ኣብ 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ኤርትራውያን ዘቕረብዎ ሕቶ ዑቕባ ምላሽ ከምዘይረኸበን ናይ ምምዝጋብ መስርሕ እውን ከምዘይተረኣየን እቲ ተጣባቒ መሰል ስደተኛታት ይዛረብ።

“ደቂ ኣንስትዮ፡ ህጻናትን ኣረጋውያንን ዝርከብዎም ካብ ሱዳን ተመዛቢሎም ናብ መዓስከር መተማን ኩመርን ዝኣተዉ ኤርትራውያን፡ ብዘይ ኣፈላላይ ይግረፉ፡ ይጉድኡ፡ ይጭወዩን ጾታዊ ዓመጽ ይፍጸመሞን ኣሎ፤ ኣስማት ኣብ ክልቲኡ ቦታታት ናይ ዝተቐትሉ ውልቀሰባት በጺሑና ኣሎ፡” ይብል እቲ ናብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝተጸሓፈ ደብዳበ።

ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ድማ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስርጣይን ማእሰርቲን ይበጽሖም ከምዘሎ ይግለጽ።

እቲ ማእሰርቲ ወረቐት ኣብ ዘይብሎም ድዩ ዝፍጸም ዘሎ ዝብል ሕቶ ዝቐረበሉ ጆርጅ፡ እቲ ስጕምቲ “ብኣልማማ እዩ ዝግበር ዘሎ” ብምባል ወረቐት ዘለዎምን ዘይብሎምን ከምዝእሰሩን ንኽወጹ ድማ ገንዘብ ይሕተቱ ከምዘለዉን ሓበሬታ ምርካቦም ኣመልኪቱ።

“ካብ ዝዀነ ይዅን ቦታ ይገፍዎም ከምዘለዉ እዩ እቲ ሓበሬታ ዘመልክት” ብምባል እቶም ስደተኛታት ንኽወጹ ካብ 10.000 ክሳብ 40,000 ብር ዝበጽሕ ገንዘብ ይኸፍሉ ከምዘለዉ ገሊጹ።

“እቲ ገንዘብ ዘይብሉ ድርብ ሽግር ይወርዶ ከምዘሎ ኣውያት ይመጽኣና ኣሎ። ኣዴታት ኣብ ደገ ቤት ማእሰርቲ ምስ ደቀን ክነብዓን ከእውያን ይውዕላ ከምዘለዋ ቀጻሊ ሓበሬታ ይመጽኣና ኣሎ። ስለዚ እዚ ኵነታት እዚ እዩ ከቢድ ሻቕሎት ስለዝፈጠረ . . . ብዝተኸኣለና መጠን ድምጺ ክንኮኖም እዛ ሓዳሽ ናይ ጥርዓን ወረቐት ወይከኣ ፐቲሽን ተጀሚራ ኣላ” ክብል ዕላማ ናይቲ ጥርዓን ኣብሪሁ።

ወሲኹ ድማ፡ “ኣብ 2020 ኣትዮም ዕቑባ ክጽበዩ ዝጸንሑ ክእሰሩ እንከለዉ ክትርእይ ከለኻ ድማ ድርብ ሃስያ ይወርዶም ከምዘሎ” ዘመልክት’ዩ ኢሉ። ገለ ካብቶም ጥርዓኖም ዘስምዑ ስደተኛታት “ልዕሊ ሓደ ወርሒ ተኣሲርና” ከምዝብሉን ምናልባት ድማ ክፍትሑ እናተጸበዩ ካብኡ ንዝዛይድ ግዜ ዝተኣሰሩ ክህልዉ እዮም ዝብል እምነት ከምዘለዎን ሓቢሩ።

ስለዝዀነ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብህጹጽ ግዴታታቱ ከኽብር ዝጽውዕ ጥርዓን ከቕርቡ ከምዝተገደዱ ሓቢሩ።

ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, ACT OF SAMARITANS

እቲ ትማሊ ዝተጀመረ ምትእኽኻብ ፊርማ፡ ብሕጊ ምኽኑይ ምኽንያት ዘይተኣስሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝርከብዎም ኩሎም ተኣሲሮም ዘለዉ ኤርትራውያን ክፍትሑ ይጠልብ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምግፋዕን ምእሳርን ዝተዋፈሩ ሓለፍቲ ብሕጊ ክሕተቱ’ውን ይጽውዕ።

ብተወሳኺ መንግስቲ ንሓተትቲ ዑቕባ ሓለዋ ክግበር፡ ሕቶም ብግዜኡ ምላሽ ክህብ ኵነታቶም ዝገልጹ ሰነዳት ሰነዳት ከሕድስን ተሓቲቱ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ እንዳባጉና ዘካይዶ ዝነበረ መስርሕ ምሕታት ዑቕባ፡ ካብ 2020 ጀሚሩ ኣቋሪጹ ከምዝጸንሐ ይንገር። ብፍላይ ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ፡ እቲ ዝነበረ መዓስከር ስደተኛታት ስለዝፈረሰን፡ መብዛሕትኦም ናብ ዝተፈላለየ ከተማታት እታ ሃገር ብፍላይ ድማ ኣዲስኣበባ ውሒዞም እዮም።

ይዅን’ምበር “ተስፋ ዝቘረጹ ኤርትራውያን ዜጋታት ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብኢደወነኑ ዝኣስር፡ ዝጨውን ሰላማውያን ሰባት ከይተረፈ ዝቐትልን ኣረሜናዊ ስርዓት ካብ ምህዳም” ከምዘየቋረጹ እቲ ደብዳበ ይጠቅስ።

ኣብ ጽባሕ ምጅማር ኲናት ትግራይ፡ ነቶም ካብ መዓስከራት ስደተኛታት ሃዲሞም ፋሕ ዝበሉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብግፋ እናተኣረዩ ክምለሱ ከምዝተገብረ ይዝከር።

ጆርጅ ከምዝብሎ፡ ብሰንኪ ሕቶኦም ዘይምቕባሉን ኣብ ትግራይ ዝነበረ ደማዊ ኲናት ዝፈጠሮ ስክፍታታት ድሕነትን ጸጥታን፡ ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክጸንሑ ዝመረጹ ኤርትራውያን ስደተኛታት ግዳይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ጃምላዊ ማእሰርትን ይዀኑ ኣለዉ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣሽሓት ኤርትራውያን ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ተኣሲሮም፡ ይቕጥቀጡን ይጉድኡን፡ እንተላይ ይጠፍኡን ኣለዉ ክብል ይውስኽ።

ብመሰረት እቲ ጥርዓን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ግፋን ማእሰርቲን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ 2022 እዩ ጀሚሩ።

ኣብ ሰነ 2023 ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ)፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ክግበር ዝጸንሐ ማእሰርቲ ደው ክብል ምጽውዑ ይዝከር።

ብተመሳሳሊ እቲ ኮሚሽን ኣብ መፋርቕ ነሓሰ 2023 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያንን ተወለድቲ ኣምሓራን ዝግበር ዘሎ ግፋን ማእሰርትን ከምዘሻቐሎ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ኢትዮጵያ ንምውጻእ ዝተፈላለዩ መንገድታት ክጥቀሙ ከምዝጀመሩ ክንገር ጸኒሑ’ዩ። ገለ ካብዚኦም ናብ ኬንያን ካልኦት ሃገራትን ክሰግሩ ዝፍትኑ እዮም።

ኣብ መወዳእታ ሕዳር ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ፡ ብመኪና ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ዝጓዓዙ ዝነበሩ 53 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ቢቢሲ ጸብጺቡ ነይሩ። ካብኣቶም ህጻናት፡ ኣዋርሕ ዝዕድመኦምን ዝጦቡን ይርከብዎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ይርከቡ።

ገለ ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት መለለዪ ካርድ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዘለዎምን ብሰንኪ ቅልውላው ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉን እዮም።

ገደብ ግዜኦም ዘብቀዐ ገለ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሰነዶም ከሐድሱ ከምዘይከኣሉ ይገልጹ። ካብ ዝተደናጐየ መስርሕ ምሕታት ዑቕባ ብተወሳኺ ምስርጣይ ብሃውሪ ዝፍጸም ማእሰርቲ፡ ስቅያትን የጋጥሞም ኣሎ።

እዞም ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠሙ ፍጻመታት፡ ድሕነትን ዕቝባን ደልዮም ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ከይስምዖም ከምዝገበረ’ዩ ጆርጅ ገብረስላሴ ዝገልጽ።

“ብዓይኒ ፖለቲካ ዝዀነ ይዅን ምትፍናን ክፍጠር ከሎ ነቲ ስደተኛ ኵሉ ግዜ ግዳይ ዝገብር ኵነታትን ተርእዮን ይረኣይ እዩ” ብምባል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉዳይ ህጹጽ ስጕምቲ ብምውሳድ “ዝተበደለ ዳግማይ ከይብደል” ክገብር ጻውዒቱ የቕርብ።