ኵነታት ክልል ኣምሓራን ግፋ ኤርትራውያንን
![ኤርትራውያን ስደተኛታት [ካብ ሰነድ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/38ce/live/da789450-3a89-11ee-bde6-7ffba94c56ae.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, ACT OF SAMARITAN
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ [ኢሰመኮ] ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያንን ተወለድቲ ኣምሓራን ዝግበር ዘሎ ግፋን ማእሰርትን ከምዘሻቐሎ ሎሚ 14 ነሓሰ 2023 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ ኮምሽን፡ ገለ ካብቶም ዝተገፈፉ ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ፖሎቲካዊ ዑቕባ ዝሓተቱ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ብምሕባር፡ ንሓያለ ስድራ እቶም ዝተኣሰሩ’ኳ ኣንተኣዘራረበ ኩነታት እቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ንምፍላጥ ግን ከዘራርቦም ፍቓድ ከምዘይተውሃቦ ጠቒሱ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኤርትራውያን'ውን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከቢድ ግፋ ከምዘሎን ብዙሓት ኤርትራውያን ተኣሰሮም ከምዘለውን ኣረጋጊጾም።
ብሰንኪ እቲ ዝካየድ ዘሎ ግፋ፡ ብዙሓት ካብ ገዝኦም ክወጽኡ ሰጊኦም ከምዘለው ገሊጾም።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ሰነ’ውን ሓያለ ኤርትራውያን ተገፊፎም ናብ ኤርትራ ከምዝተሰጐጉ ዝዝከር’ዩ።
እቲ ኮምሽን ኣብ ዝሓለፈ ሰነ 2023፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ክግበር ዝጸንሐ ማእሰርቲ ደው ክብል ጸዊዑ ምንባሩ ይፍለጥ።
ኣካላት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መወዳእታ ሰነ 2023፡ ኣብታ ሃገር ክነብሩ ዝጸንሑ ኣስታት 200 ዝዀኑ ኤርትራውያን ብሓይሊ ናብ ሃገሮም መሊሶምዎም እዮም።
ብኡ ንብኡ ከኣ ነዚ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተል ዝነበረ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ “ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም ኣስታት 200 ዝግመቱ ኤርትራውያን ብግዴታ ናብ ኤርትራ ምምላስ” ከምዘሻቐሎ መግለጺ ኣውጺኡ።
እቲ ኮምሽን ምስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ተተሓሒዙ እቶም ኣብ ሰሜን ጎንደር ወረዳ ዳባት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንኣዝዩ ዝኸፈአ ናይ ጸጥታ ሓደጋ ተቓሊዖም ምህላዎም ገሊጹ።
ዳርጋ ኩሎም እቶም ኣብ መዓስከር ኣለምዋጭ ዝርከቡ ኤትራውያን ስደተኛታት፡ ካብተን ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኵናት ዝተዓጽዋ ኣብ ትግራይ ዝተደኮና ኣርባዕተ መዓስከራት ስደተኛታት ተፋናቒሎም ዝመጽኡ’ዮም።
ሓደ ስደተኛ ኤርትራዊ ነባሪ መዓስከር ኣለምዋጭ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ካብ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ ዝኾነ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘይተውሃቦም ብምሕባር፡ ዝኸፈአ ቅልውላው ናይ መግቢ ኣጋጢምዎም ከምዘሎን ክዳውነቶም ክሳብ ምሻጥ ከምዝበጽሑን ሓቢሩ።
ኩነታት ክልል ኣምሓራ
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት መንግስቲ እትዮጵያን ዕጡቓት ፋኖን ኣብ ክልል ኣምሓራ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት ኣዝዩ ከምዝተሻቐለ’ውን ገሊጹ ኣሎ።
ክልቲኦም ሓይልታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ናብ ኣዝዩ ጽዑጹዕ ምልውዋጥ ቶዂሲ ከምዘምርሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ መንግስቲ እስራኤል ነቶም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝነበሩ ቤተ እስራኤላውያን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብቲ ክልል ኣውጺእዎም’ዩ።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ መግለጺኡ እቶም ኣብ ኵናት ተጸሚዶም ዘለዉ ወገናት፡ “ጥሕሰት ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት” ብቅጽበት ደው ከብሉ ብምጽዋዕ ነቲ ኩነታት ብዕምቖት ከምዝከታተሎ ገሊጹ ኣሎ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ዓሰርተታት ሰለማውያን ሰባት ብደብዳብ ናይ ድሮን ከምዝተቐተሉ ይግለጽ’ ኣሎ። ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት’ውን ደብዳብ "ከበድቲ ብረታት” ሞት ሰለማውያን ሰባትን ዕንወት ንብረትን የኸትል ከምዘሎ ኣብ መግለጺኡ ጠቒሱ።
ንቢቢሲ ዘዘራረቦም ምንጭታት ሆስፒታል ከምዝሓበርዎ፡ ብሰንበት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣየር ብውሕዱ 26 ሰባት ከምዝተቐትሉን ልዕሊ 70 ድማ ቆሲሎም።
እቲ ደብዳብ ኣብ ከተማ ፍኖተ ሰላም ኣብ ልዕሊ እቶም ሰራዊት ፌደራል ናብታ ከተማ ከይኣቱ ዝቓወሙ ዝነበሩ ሰባት ከምዝተፈጸመ ተገሊጹ ኣሎ።
ቢቢሲ ነዚ ከረጋግጾ ኣይክኣለን፡ ካብ መንግሰቲ ኢትዮጵያ’ውን ነዚ ዝምልከተ ክሳብ ሕጂ ዝተውሃበ መግለጺ የለን።
እንተዀነ፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ከተማታት ደብረብርሃን፤ ፍኖተ ሰላምን ቡሬን ብዝተፈጸመ ደብዳብ ብዙሓት ሰለማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉን ኣባይቲ ከምዝዓነወን ገሊጹ ኣሎ።
እቶም ፋኖ ተባሂሎም ዝጽውዑ ካብ መንግስቲ ዝቐረበሎም ናይ ‘ዕጥቂ ፍትሑ’ ዝብል ጻውዒት ስለዘይተቐበልዎ’ዩ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ሞንጎ ፋኖን ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኵናት ተወሊዑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







