ብዛዕባ ምስጓግ ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ እንታይ ይበሃል?

ስደተኛ ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, UNHCR/PETTERIK WIGGERS

ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ክነብሩ ዝጸንሑ "200 ዝዀኑ ኤርትራውያን ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ከም ዝምለሱ ተገይሩ፡" ዝብል ጉዳይ ከዛርብ ቐኒዩ።

ትካል ኣገልግሎት ጉዳይ ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ ግን “ኵሎም እቶም ተመለስቲ ምዝጉባት ስደተኛታት ወይ ሓተትቲ ዕቝባ ኣይኰኑን፡” ኢሉ።

እቲ ትካል ነዚ ዝበለ፡ ብ 25 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኰይኑ፡ እዚ ድሕሪ'ቲ ብኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ብቐዳም 24 ሰነ ዝወጸ መግለጺ ምዃኑ እዩ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ “ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም ኣስታት 200 ዝግመቱ ኤርትራውያን ብግዴታ ናብ ኤርትራ ምምላስ” ከምዘሻቐሎ ብምግላጽ፡ ነቲ ሓበሬታ ንምርግጋጽ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ምዝርራብን ምክትታልን ክቕጽል ምዃኑን ኣብ መግለጺኡ ኣፍሊጡ።

እዚ መግለጺ ኮምሽን፡ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስኣበባ ንዓሰርተታት ኤርትራውያን ዜጋታት ብግፋ ይኣስርዎምን ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ይመልስዎም ከምዘለዉ ዘመልክት ሓያሎ ጸብጻባት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

“ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላትን መትከላት ዘይምምላስን፡ ዝዀነ ሰብ ናብታ ስቅያት፡ ጭካነ፡ ኢሰብኣዊን፡ ዘዋርድ ኣተሓሕዛን መቕጻዕቲን ዝረኣየላ ወይ ከጋጥሞ ከም ዝኽእል ዝፈርሓ ሃገር ንኸይምለስ ውሕስነት ክወሃቦ ዘገድድ፡” ምዃኑ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣተሓሳሲቡ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) ብተመሳሳሊ ጉዳይ ብ 2 ሰነ ኣብ ዘውጾ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ክግበር ዝጸንሐ ማእሰርቲ ደው ክብል ጸዊዑ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ኮምሽን ነቲ ናብዚ ጻውዒት’ዚ ዝመርሐ ትዕዝብቲታቱ ብፍላይ ካብቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ብዝቐረበ ጥርዓን መሰረት ብዝገበሮ ክትትል ምዃኑ ብዝርዝር ኣስፊሩ እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ትካል ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ፡ ድሕነትን ውሕስነትን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ምርግጋጽ ብዕቱብ ከም ዝሰርሕ ብምግላጽ፡ እቶም ንሃገሮም ዝተመልሱ ኤርትራውያን፡ ዋላ ሓደ’ኳ ካብኣቶም ስደተኛ ወይ ሓታቲ ዕቝባ ከምዘይብሎም ኣብ መግለጺኡ ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ እቲ መግለጺ፡ ኣብ መስርሕ እቲ ምምላስ ብጌጋ ኣርባዕተ ሰባት ከም ዝነበሩ ብምጥቃስ፡ ብዝተገብረ ቅልጡፍ ምጽራይ ግን፡ ስደተኛታት ምዃኖም ተረጋጊጹ፡ ብቕጽበት ናብ ኣዲስኣበባ ክምለሱ ከም ዝገበረ የመልክት።

መግለጺ ትካል ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ፡ እቶም ናብ ሃገሮም ዝመለሶም ኤርትራውያን፡ ብዝሖም፡ ኣበይ ከባቢ ኢትዮጵያን ብኸመይ ኵነታትን ክነብሩ ከምዝጸንሑን ከም ዝተታሕዙን ካልእን ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።

እንተዀነ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር፡ ኣብቲ ኣቐዲሙ ብ 2 ሰነ ዘውጽኦ መግለጺኡ፡ ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መረጋገጺ ሰነድ የብልኩምን ብዝብል ምኽንያት ብፖሊስ ዝተታሕዙ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ንኡሳን ከተማታት ዝተኣስሩ ኣማኢት ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ብዘይ ዝዀነ ይዅን ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ብ ፖሊስ ከም ዝተኣስሩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ክሲ ከይተመስረተሎም ተኣሲሮም ዝጸንሑ፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ፖሊስ ድሕሪ ምእታዎም መብዛሕትኦም ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ከምዝተፈትሑ ብምጥቃስ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ነበርቲ ኢትዮጵያ ከጋጥም ዝጸንሐን ኵነታት ኣመልኪቱ ነይሩ።

ኢሰመኮ ነቶም ግዳያት ማእሰርቲ ዝዀኑ ስደተኛታን ሓተትቲ ዕቝባን፡ ንፋስ ስልክ፡ ላፍቶን ዋና ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ብምክትታል፡ እቶም ውልቀሰባት ድሕሪ ምእሳሮም ኣብ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ ንልዕሊ 10 መዓልታት ዝተኣስሩ እዮም ኢሉ ነይሩ።

እቲ ማእሰርቲ፡ "ስደተኛታት ምዃንኩም ዘረጋግጽ ሰነድ የብልኩምን፡ ካብ መዓስከር ክትወጹ ፍቓድ ዘይብልኩም ክነስኹም ኣብ ከተማ ትነብሩ፣ ብዘይፍቓድ ስራሕ ኣብ ስራሕ ተዋፊርኩም” ብዝብል ምዃኑ እውን እቲ ኮምሽን ከም ዝመርመረ ኣስፊሩ እዩ።

እዚ ከምዚ ዝበለ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብፍላይ ከኣ ኤርትራውያን ነበርቲ ኣዲስኣበባ ኣዘውቲሩ ክርአ ዝጸንሐ ምዃኑ፡ እቶም ኤርትራውያን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ከምዝነበሩ ጸብጻባት ይሕብሩ።