ኢጣልያ 1500 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ክትወስድ እያ

ጣልያን ዝተቐበለቶም ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኢጣልያ ካብ 2017 ኣትሒዙ ካብ ሊብያ 1500 ስደተኛታት ኣግዒዛ

መንግስቲ ኢጣልያ ኣብ ዝቕጽሉ ሰለስተ ዓመታት 1500 ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቑባን ካብ ሊብያ ክወስድ እዩ።

እቲ ስጕምቲ ድሕሪ እቲ ምስ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝተበጽሐ ስምምዕ ዝተወሰነ ኰይኑ፡ መቐጸልታ ናይቲ ቅድሚ ሕጂ መንግስቲ ኢጣልያ 1300 ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቑባን ክወስድ ዘኽኣለ ምንቅስቓስ እዩ።

ካብቶም በቲ ዝቐደመ መደብ ዝተወሰዱ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቑባን፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ናብ ሊብያ ዝተኣተዉ ሰባት ይርከቡዎም።

ብረቡዕ ነቲ ናይ ምግዓዝ ስምምዕ ዘለዎ ናእዳ ዝገለጸ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩኤንኤችሲኣር) "ነቶም ልዑል ሓደጋ ውሕስነት ዘለዎም ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቑባን ወሳኒ መድሓኒ ነብሲ እዩ" ኢሉ።

እቲ ትካል፡ "ቀንዲ ውሕስና ዘድልዮም’’ ሰባት ንምሕራይ ምስ ተሓጋገዝቲ ትካላት ከምዝሰርሕ ወሲኹ ሓቢሩ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካልኦት ሃገራት እውን፡ "ሰብኣዊ መተሓላለፊ ኣብ ምኽፋትን ስደተኛ ኣብ ዝቕበላ ሃገራት ዘሎ ጸቕጢ ኣብ ምቅላልን" ኣሰር ኢጣልያ ክስዕባ ጸዊዑ።

ሊብያ፡ ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብምብጋስ፡ ማእከላይ ባሕሪ ኣቋሪጽካ ናብ ኣውሮጰ ኣብ ዝግበር ጕዕዞ ስደተኛታት ቀንዲ መተሓላለፊት መስመር እያ።

እታ ድሕሪ ሞት ነዊሕ እዋን መራሒኣ ሙዓመር ጋዳፊ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ዘላ ሃገር ግን፡ ንስደተኛታት ምድራዊት ሲኦል ከምዝዀነት እዩ ዝግለጽ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብዙሓት ስደተኛታት ብዕጡቓትን ኣስገርትን ጅሆ ተታሒዞም ኣሽሓት ዶላራት ክኸፍሉ ይግደዱ፤ እቶም ክኸፍሉ ዘይከኣሉ ድማ መግረፍትን ስቅያትን ይወርዶም።

ኣብቲ ማእከላይ ባሕሪ ንምቍራጽ ዝግበር ጕዕዞ ብብዓመቱ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ህይወቶም ይስእኑ።

ኣብዚ ዘለናዮ ታሕሳስ'ኳ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ሓንቲ መርከብ ድሕሪ ዘጋጠማ ሓደጋ፡ ልዕሊ 60 ስደተኛታት ምጥሓሎም ከምዝእመን ዓለምለኻዊ ውድብ ስደተኛታት ኣፍሊጡ እዩ።

እቲ ትካል ካብ ሞት ዝደሓኑ ሰባት ብምጥቃስ፡ እታ መርከብ ኣስታት 86 ሰባት ሒዛ ካብ ከተማ ዙዋራ ከምዝተበገሰት’ዩ ገሊጹ።

ብሰንኪ ልዑል ማዕበል እታ መርከብ ድሕሪ ምጥሓላ፡ ህጻናት ዝርከብዎም 61 ስደተኛታት ምጥፋኦም ወይ ምማቶም ከምዝግመት ሓቢሩ።

ኣብዚ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 2200 ሰባት ክሰግሩ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ከም ዝጠሓሉ፡ እዚ ድማ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ሓደገኛታት መስመራት ስደት ከም ዝገብሮ ይንገር።

ወሃቢ ቃል እቲ ውድብ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ቍጽሪ ናይቶም ሎሚ ዓመት ዝሞቱ ሰባት፡ "ከም ሕማቕ ኣጋጣሚ ኣብ ባሕሪ ህይወት ንምድሓን እኹል ስራሕ ከምዘይስራሕ ዘርኢ'ዩ" ኢሉ።

ኣብ ሰነ፡ መርከብ ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ደቡባዊ ግሪኽ ድሕሪ ምጥሓላ፡ ብውሕዱ 78 ሰባት ከምዝሞቱ ይዝከር።

ኣብ መሳገሪታት ማእከላይ ባሕሪ ብተደጋጋሚ ብብዙሓት ስደተኛታት ብዝተጨናነቓ ንኣሽቱ መራኽብ ክሰግሩ ይፍትኑ፤ እዚ ድማ ውሑስ ከምዘይኰነ ይፍለጥ።

እቶም ነቲ ጕዕዞ ዝገብሩ ብተለምዶ ቅድሚ ናብ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ምኻዶም ኣብ ኢጣልያ ክበጽሑ ተስፋ ዝገብሩ ኰይኖም፡ ካብ ግጭት ወይ ካልእ ጸገማት ከምልጡ ወይ ድማ ስራሕ ዝደልዩ እዮም።

ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 153 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ቱኒዝያን ሊብያን ናብ ኢጣልያ ከምዝኣተዉ ውድብ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።