ልዕሊ 60 ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ከይዀኑ ተሰጊኡ

ስደተኛታት ዝሰግሩለን ንኣሽቱ መራኽብ መብዛሕትኡ ግዜ ልዕሊ ዓቐን ዝጽዕናን ዘይውሑሳትን እየን (ስእሊ ካብ ፋይል)

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

መግለጺ ስእሊ, ስደተኛታት ዝሰግሩለን ንኣሽቱ መራኽብ መብዛሕትኡ ግዜ ልዕሊ ዓቐን ዝጽዕናን ዘይውሑሳትን እየን (ስእሊ ካብ ፋይል)

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ሓንቲ መርከብ ዘጋጠማ ሓደጋ ስዒቡ፡ ልዕሊ 60 ስደተኛታት ምጥሓሎም ከምዝእመን ዓለምለኻዊ ውድብ ስደተኛታት ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ካብ ሞት ዝደሓኑ ሰባት ብምጥቃስ፡ እታ መርከብ ኣስታት 86 ሰባት ሒዛ ካብ ከተማ ዙዋራ ከምዝተበገሰት’ዩ ገሊጹ።

ብሰንኪ ልዑል ማዕበል እታ መርከብ ድሕሪ ምጥሓላ፡ ህጻናት ዝርከብዎም 61 ስደተኛታት ምጥፈኦም ወይ ምሟቶም ከምዝግመት ሓቢሩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ መብዛሕትኦም ግዳያት ካብ ናይጀርያ፣ ጋምብያን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ምዃኖም ምግላጹ’ውን ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ 25 ሰባት ናብ መዳጎኒ ማእከል ሊብያ ከምዝተሰጋገሩን ሕክምናዊ ደገፍ ይወሃቦም ከምዘሎን ሓቢሩ።

ሊብያ ሓንቲ ካብተን ቀንዲ መበገሲ ነጥብታት ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኤውሮጳ ክኣትዉ ዝፍትኑ ስደተኛታት እያ።

ኣብዚ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 2200 ሰባት ክሰግሩ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ከም ዝጠሓሉ፡ እዚ ድማ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ሓደገኛታት መስመራት ስደት ከም ዝገብሮ ይንገር።

ወሃቢ ቃል እቲ ውድብ ኣብ ኤክስ (ትዊተር ነበር) ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ቁጽሪ ናይቶም ሎሚ ዓመት ዝሞቱ ሰባት "ከም ሕማቕ ኣጋጣሚ ኣብ ባሕሪ ህይወት ንምድሓን እኹል ስራሕ ከምዘይስራሕ ዘርኢ'ዩ" ኢሉ።

ኣብ ወርሒ ሰነ፡ መርከብ ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ደቡባዊ ግሪኽ ድሕሪ ምጥሓላ፡ ብውሕዱ 78 ሰባት ከምዝሞቱ ይዝከር።

ኣብ መሳገሪታት ማእከላይ ባሕሪ ብተደጋጋሚ ብብዙሓት ስደተኛታት ብዝተጨናነቓ ንኣሽቱ መራኽብ ክሰግሩ ይፍትኑ፤ እዚ ድማ ውሑስ ከምዘይኰነ ይፍለጥ።

እቶም ነቲ ጉዕዞ ዝገብሩ ብተለምዶ ቅድሚ ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ምኻዶም ኣብ ኢጣልያ ክበጽሑ ተስፋ ዝገብሩ ኰይኖም፡ ካብ ግጭት ወይ ካልእ ጸገማት ከምልጡ ወይ ድማ ስራሕ ዝደልዩ እዮም።

ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 153 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ቱኒዝያን ሊብያን ናብ ኢጣልያ ከምዝኣተዉ ውድብ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።