'ምስ ቤተሰበይ ዝራኸበላ መዓልቲ እናፍቕ ነይረ' ኢትዮጵያዊት ኣደ መናቱ

ምንጪ ስእሊ, IOM/MAJED MOHAMMED
ዓለም ለኸ ትካል ስደተኛታት (ኣይ.ኦ.ኤም) ወለንተኛታት ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ካብ የመን ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምፃእ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።
እቲ ‘መደብ ወለንታዊ ሰብኣዊ ምምላስ’ ዝሰመዮ በረራ፡ ድሕሪ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ንፈለማ እዋን'ዩ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ።
ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም 118 ሰባት ዝፀዓነት ነፋሪት ብሰኑይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝተበገሰት ኮይና፡ እዚ ድማ ኣብ የመን ኣብ ፀበባ ንዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያን ተስፋ ዝሃበ እዩ።
እቲ ትካል ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ የመን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ከም መግቢ፣ መጽለልን ኣገልግሎት ጥዕናን ዝኣመሰሉ መሰረታውያን ኣገልግሎታት ተሓሪሞም ከምዝጸንሑ ሓቢሩ።
እቶም ኢትዮጵያውያን ንምዝመዛ ጉልበት ካብ ምቅልዖም ብተወሳኺ፡ ብሰንኪ ግጭት የመንን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቐ ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ የመን ግዝያዊ ወኪል እቲ ትካል ማት ሁበር "ማሕበረሰብ ዓለም ድሕንነት ተቓላዕቲ ስደተኛታት ንምሕላው ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ" ኢሉ።
እቲ በዓል ስልጣን ወሲኹ፡ "ዋላ'ኳ ብወገን ኢትዮጵያ ኮነ የመን ነቶም ወለንታውያን ንምጉዕዓዝ እኹል ቀረብ እንተዘይሃለወ፡ እቲ ብሰኑይ ዝተገበረ በረራ ግን ናይ መጀመርታ እምበር ናይ መወዳእታ ኣይክኸውንን'ዩ" ክብል ኣፍሊጡ።
ጸብጻብ ኣይ.ኦ.ኤም ከምዘመልክቶ ኣብ መንጎ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥሪን ክሳብ ሕዳር ኣብ ዝነበረ እዋን ጥራይ ኣስታት 95 ሽሕ ስደተኛታት ናብ የመን ኣትዮም።
እዚ ቁጽሪ ምስቲ ኣብ 2022 ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ትሑት እዩ።
እቲ ትካል ካብ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝመጹ ኣስታት 200 ሽሕ ስደተኛታት ቅልጡፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮም ኣፍሊጡ’ሎ።
ዓለም ለገስቲ ትካላት፡ ብሰንኪ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ዘይምርግጋዕ፡ ኣብ የመን ንዝርከቡ ስደተኛታት ዘድልዮም ሰብኣዊ ሓገዛት ብቕልጡፍ ንምቕራብ ከምዝጽገማ ይግለጽ።
ሓያትን መናቱ ደቃን
ጓል 29 ዓመት ሓያትን መናቱ ደቃን ካብቶም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ ተመለስቲ እዮም።
ሓያት ቅድሚ ክልተ ዓመት እያ፡ ነቲ ሕሱም በረኻ ሰጊራ ዝሓሸ ናብራ ክትደሊ ናብ የመን ከይዳ።
"ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ምስ ደቀይ ናብ ሰንዓ ኣምሪሐ። ካብቲ እዋን ጀሚሩ ምስ ቤተሰበይ ዝራኸበላ መዓልቲ እናፍቕ ነይረ" ትብል።
ብወለንታ ዝግበር ናይ ምምላስ በረራታት ንብዙሓት ኣብ የመን ዝርከቡ ስደተኛታት ካብቲ ዘለዉሉ ኩነታት ንምውፃእ ዘኽእሎም መንገዲ እዩ።
እቶም ስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያ ምስ ተመልሱ ኣገዳሲ ሓገዛት ከምዝግበረሎም ዝተገፀ ዀይኑ፡ ናብቲ ዝስነዩሉ ቦታ ዘብፅሖም መጓዓዝያ ከምኡ’ውን ኣገልግሎት ሕክምና፣ ምኽሪ ጥዕና ኣእምሮን ስድራን ይርከብዎም።
እዚ መደብ ቅድሚ ምቁራጹ ልዕሊ 6 ሽሕ ኣብ የመን ዝፀንሑ ስደተኛታት ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተዉ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







