እቲ ወዲ ሓረስታይ፡ ካብ ተራ ሳርቶ ተበጊሱ ቢልዮነር ዝዀነ ወናኒ ትካላት ኣምባሳደር

ወጋሕታ ተስኤ ስፖርት እየ ዝሰርሕ

ምንጪ ስእሊ, Side mohamedbirhan

መግለጺ ስእሊ, ስዒድ መሓመድብርሃን

ኣዒንትኻ ተኺልካ ክትርእዮ ኣብ ኣርባዕታት ዕድመ ዘሎ ይመስል። ኣብ ገጹ ፍሽኽታን ሕጉስ መንፈስን ኣንቢብካ ውሽጣዊ ሰላሙ ዝተጎናጸፈ ሰበ ስለምዃኑ ክትርዳእ ካልኢታት ጥራይ እዩ ዘድልየካ።

“ወጋሕታ ተንስኤ ‘ዎክ’ ይገብር፡ ፑሽ ኣፕ እሰርሕ፡ ሓሓሊፉ ስለዝሕምብስን ንኣሽቱ ሓጻውን’ውን ስለዘልዕል ኣካላዊ ቁመናይ ኣብ 60ታት ናይ ዝርከብ ሽማግለ ሰብኣይ ኣይመስልን” ይብል።

ናይቲ ኣብ መደብራት ተሌቭዥን ኢትዮጵያ “ያምርብሃል አታውልቀው” ብዝብል ምልክታ ዝፍለጥ ፋብሪካ ክዳውንቲ ኣምባሳደር ወናኒ’ዩ።

ሬንጀር ክዳን ወተሃደራት ኢትዮጵያ ካብ ምስፋይ ተበጊሱ ኣብዚ ሕጂ እዋን ቢልዮነራት ካብ ዝዀኑ ኢትዮጵያውያን ሓደ ንምዃን ዝበቕዐ ዛንታ ኣቶ ስዒድ መሓመድብርሃን እምበኣር ብኸምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ'ሎ፤ ክተንብቡ ንዕድም።

ብዓርከ መሓዛ ኣይታለልን

ምንጪ ስእሊ, Sied mohamedbirhan

ብጠንቋልን ደብተራን ስለዘይኣምን...

ኣቶ ስዒድ መሓመድብርሃን ካብ ሽረ እንዳስላሰ ኣስታት 30 ኪሎ ሜትር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ቁሸት ዓዲ ኣርከመ’ዩ ተወሊዱ ዓብዩ።

ከም ወዲ ሃገረሰብ ኣብ ባይታ ማእሲ ኣንጺፉ ደቂሱን ጠለ በጊዕ ጓስዩን ከምዝዓበየ ዝዝክር ስዒድ፡ ወላዲኡ ኣቶ መሓመድብርሃን “ደቀይ ሓረስቶት ኣይትዀኑን ኢኹም” ኢሎም ምስ ምዕባይ ሓዉ ናብ ቤት ትምህርቲ ከምዝለኣኹዎም የዘንቱ።

“ኣቦና ተማሂርና ብዲግሪ ክንምረቕ ዘይኮነስ ምጽሓፍን ምንባብን ክኢልና ነጋዶ ክንከውን’ዩ ዝደልየና ነይሩ” ዝብል ስዒድ፡ "ኣብ ከባቢ ባድመ ስምስም ሓሪሱ ዝረኸበን 600 ቅርሺ ገይሩ ምስ ዓቢይ ሓወይ ኣብ ዓዲ ዳዕሮ ድኳን ስፌት ክዳውንቲ ከፊቱልና፡” ኢሉ ድሕረ ባይታኡ የዘንቱ።

ኣብቲ ግዜ ወዲ 13 ዓመት ከምዝነበረን ንግስነት ጃንሆይ ኣብቂዑ ስርዓት ደርግ ዝቀላቐለሉ እዋን ብምንባሩ፡ ስዒድ መሓመድብርሃን ተወሊዱ ዝዓበየሉ ከባቢ ሰየምቲ ኣድያቦ ድማ ብሰለስተ ሓይልታት ፖለቲካ ሓይልታት ይመሓደር ከምዝነበረ’ዩ ዝዝክር።

“ህወሓት፡ ኢድዩን ደርግን እናተባረዩ’ዮም ዝገዝኡና ዝነበሩ። ድምጺ ጠያይቲ እናሰማዕና ኢና ዓቢና” ብምባል ነቲ ሽዑ ዝነበረ ኵነታት ምልስ ኢሉ ይዝክሮ'ሞ፡ ገሊኡ ምስ ህወሓት ገሊኡ ምስ ደርግን ኢድዩን ይስለፍ ከምዝነበረ የዘንቱ።

ነዚ ዘስተውዓሉ ኣቦኡ ግን “ደቀይ ሃሊኹም ሰሪሒኩም ሃብታማት ኴንኩም ክርኢ እየ ዝደሊ” ኢሎም ንስዒድን ዓቢይ ሓዉን ካብ ምድረ ኣድያቦ ናብቲ ብደርግ ዝመሓደር መቐለ ክግዕዙ ገይሮም።

ኣቶ ስዒድ ዓመታዊ ብሉጽ ተሸላሚ ሰናይ ተግባር

ምንጪ ስእሊ, sied mohamedbirhan

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ መቐለ’ውን ነገራት ከምቲ ዝሓሰቦ ኣይጸንሖን።

“ብኽንደይ መከራ መቐለ ኣቲና ስራሕ ክንጅምር’ኳ እንተደለና ሓደ ዝተፋለጥናዮም ሽማግለ ሰብኣይ ‘ዞም ደቀይ ስራሕ ዝሑል’ዩ ዘሎ’ ስለዝበሉና ግዜ እንተይኣጥፋእኹ ናብ ኵሓ ቀይረ፡” ይብል።

ኣብ ኵሓ ግን ህይወት ስዒድ ዝቕይር ስራሕ ተረኺቡ። ድኳን ተኻርዩ ብዘይምቍራጽ ክዳን ወተሃደራት ኢትዮጵያ ከጽብብ ይውዕል። ናይ ስራሕ ሰብ ምዃኑ ዝተገንዘቡ እቶም ዘካረይዎ ሰባት’ውን ኣብቲ ንስራሕ ኢሎም ዘካረይዎ ድኳን ክነብር ፈቒዶምሉ።

“ብዘይ ዕረፍቲ 7ተ መዓልቲ ክዳን ይሰፊ። ሰንበት ስርሕ ውዒለ ኣጋምሸት ከባቢ ሰዓት 10 ድማ ክዳዉንተይ ይሓጽብ” ከምዝነበረ ይዘንቱ።11 ወርሒ ምሉእ ሰሪሑ 3ሽሕ ቅርሺ ስለዘጠራቐመ ንሰን ሒዙ ናብ መቐለ ተመሊሱ።

ኣብ መቐለ እታ ሓንቲ ሽሕ ናይ ስፌት ማሽን ገዚኡላ። እተን ክልተ ሽሕ ድማ መፍትሕ ድኳን ዓዲጉላ።

ኣብቲ ህሞት "ዘይርስዖ" ዝበሎ ተረኽቦ እንከዋግዕ፡ "…ኣብታ ንመፍትሕ ዝገዛእኩዋ ድኳን ቅድመይ ክልተ ብወልፊ ዝተጸመዱ ሰፋይ ክዳንን ሰዓት ዝጽግንን ሰባት በብእብረ ተኻርዮማ ነይሮም።ደሓር ሓደ ኣነ ከምዝተኻረኽዋ ዝሰምዑ ሽማግለ ሰብኣይ መጺኦም፡ ‘ኣንታ ወደይ እዛ ቦታ ፈውሲ ተቐቢሩላ እዩ። ዘዝኣተዋ ከሲሩ ዓበድበድ ኢሉ እዩ ዝወጽእ’ ይብሉኒ እሞ ኣነ ድማ ‘ኣቦይ ካብ ፈጣሪ ወጻኢ ንኻልእ ቦታ ኣይትሃብዎ’ ኢሉ ስለዘዕበየና ብስራሕ ጠንቋሊን ደፍተራን ኣይኣምንን” ብዝብል ስራሑ ኣበርቲዑ ቀጺሉ።

“ኣቦና ጻዕራም ሓረስታይ ስለዝነበረ ዝገርመካ ነገር ሸቃሎ ምስኡ ንኽውዕሉ ካብቲ ዘሎ ናይ ሸቃሎ ዕዳጋ ‘ምስኻ ክንውዕል እንተዄንና ሕርካም ወስኸና’ እዮም ዝብልዎ ዝነበሩ። ደው ኢልካ ሑቘኻ እንተጐቢጡ እግርኻ ወልገድገድ እንተይሉ ባህ ስዘለይብሎ ‘ቀጥ በል’ እዩ ዝብለና ዝነበረ። ስለዚ ናተይ ናይ ስራሕ መርኣያይ ኣቦይ ወላድየይ’ዩ” ክብል ኣቦኡ ኣቶ መሓመድብርሃን ክሳዕ ክንደይ ጻዕራም ከምዝነበሩ የዘንቱ።

ምንጪ ዓወተይ ተስፋ ዘይምቑራጽ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Sied mohamedbirhan

መግለጺ ስእሊ, ምንጪ ዓወተይ ተስፋ ዘይምቑራጽ'ዩ

ካብ መቐለ ናብ ኣስመራ፤ ካብኡ ኸ...?

ኣቶ ስዒድ መቐለ ምስኣተወ እንጀራ ወጺዩሉ ጭላንጭል ሃብቲ ከስተማቕር ጀሚሩ። እታ ንብዙሓት ብወልፊ ጸሚዳ ጨርቆም ዘደርበየት ዝተበሃለላን ‘ፈውሲ ተቐቢሩላ’ዩ’ እሞ ካብ ሰይጣን ደሓን ተባሂሉ ዝተመኸረላን ድኳን እውን ብኣንጻሩ ሽሻይ ብሽሻይ ስለዝገበረቶ ዕቁብ ኣትዩ ክልተ 'ሮሞርክዮ' [ዓባይ መኪና ጽንዕነት ምስ ተሳሓቢታ] መካይን ዓዲጉ።

ይዅን እምበር እቲ መካይን ምስ ተስሓብተን ኣብ ኣፍደገ ቤቱ ደው ኣቢሉ ምስረኣየ ‘ድኽነት ካብ ደጊም ደሓን ኩኒ’ ኢሉ ዝተሰናበታ ስዒድ፡ ክሳራታት ገጢምዎ፤ ተመሊሱ ንገዛእ ርእሱ ምስ መኪና ስፌት ክዳዉንቲ ተራኸበ።

“ከሲረ መቐለ’ውን ብ1981 [ግእዝ] ኣብ ትሕቲ ህወሓት ስለዝኣተወት ክዳኑ ዘስፊ ወተሃደር ተሳኢኑ ‘ኣብ ርእሲ ድኽነተን ምራኽ ይሞተን’ ከምዝበሃል ኰይኑኒ ስራሕ ሞይታትኒ።”

ስዒድ ኣብቲ ሽዑ ግዜ ዝነበሮ ኣማረጺ ዝነበራኦ ማሽናት ስፌት ጠርኒፉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምኻድ እዩ ነይሩ።

ንብረቱ ጠርኒፉ ብመኪና ካብ መቐለ - ኣስመራ፡ ካብ ኣስመራ ድማ ብነፋሪት ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኸይድ ወሲኑ ጉዕዞ ናብ ኣስመራ ኰይኑ።

ኣብ መንጐ ዛላምበሳን ሰንዓፈን ኣብ ዝርከብ ኬላ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ምስበጽሐ ግን ወላዲኡ ‘ነጊድኩም ክትህብትሙለይ እምበር ህይወት ናብ ዝበልዕ ገድሊ ኣይሰደኩምን’ ዝበልዎም ሓሳብ ዝስዕር ኵነታት ተፈጢሩ ከምዝነበረ ይዝክር።

“ኣብ ፎርቶ ኬላ ዝሕልዉ ወተሃደራት ሒዞም ምስፈተሹኒ ‘እንከይተፈትሽካ መን ኣሕሊፉካ?’ ብዝብል ምስ ንብረተይ ኣሲሮምኒ። ደሓር ኣነ ኣብ መቐለ እዚ ኵሉ ንብረተይ ከሲረስ እዘን ኣብ ኢደይ ዝተረፋ ሳርቶ ድማ ክወስድወን ብዝብል ‘ፈጣሪ እንታይ ኮን’የ ኣቢሰ’ ኢለ ንፈለማ ግዜ ተስፋ ናይ ምቑራጽ ባህርያት ብልጭ ኢሉኒ” ይብል።

ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ደርፍታት ህወሓት ይምስጥዎ ከምዝነበሩ ዝገልጽ ኣቶ ስዒድ፡ “እዘን ንብረት እንተወሪሶመን ደጊም ምስ ህወሓት ኰይነ ክጋደል’የ ኢለ ዝወሰንኩሉ ግዜ’ዩ ነይሩ” ኢሉ።

እንተኾነ እቶም ሓለውቲ ኬላ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ዋላ ሓንቲ ርክብ የብሉን ኢሎም ምስ ንብረቱ ስለዝፈትሕዎ ብኣስመራ ገይሩ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

ካብ ሳርቶ ክሳዕ መገዲ ቢልዮነር

ምንጪ ስእሊ, Side mohamedbirhan

ፊተውራሪ ናይ ምዃን ድልየት የብለይን

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ መርካቶ ኣቶ ታየ ናይ ዝበሃሉ ሰብኣይ “ኣምባሳደር ልብስ ስፌት” ነይራ። ካብዞም ሰብኣይ ዝተገዝአት ንእሽቶ ድኳን ንፋብሪካ ዓለባ ኣምባሳደር፣ ኣምባሳደር ሪል ስቴት፣ ኣምባሳደር ሆቴልን ኣምባሳደር ሞልን ወሊዳ።

“ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተደፊኤ ስርሐይ እናሰራሕኩ እንከለኹ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር መንግስቱ ሃይለማርያም ዕልዋ መንግስቲ ስለዝተፈተነ ኣብቲ ዝሰርሓሉ ከባቢ መርካቶ ሓያል ተዅሲ ተፈጢሩ ንህወተይ ዘሰጋእኩሉ ኣጋጣሚ ነይሩ። ‘ካብ ኲናት ሃዲመ መጽኤስ ተኹሲ እግሪ እግረይ ስዒባ ኣርኪባትኒ’ ኢለ ካልእ ተስፋ ዘቝርጽ ኵነታት ገጢሙኒ ነይሩ” ብምባል ናይ ህይወት ተጓንፎታቱ ኣካፊሉ።

“ኣነ ፊተውራሪ ናይ ምዃን ድልየት ስለዘይብለይ ደኒነ ሰሪሐ ኣብ 90ታት መጀመርያ እታ ድኳን ዝነበረት ናብ ፋብሪካ ዓለባ ዓብያ፣ ብዙሕ ሰራሕተኛታት ቆጺረ” ዝብል ኣቶ ስዒድ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ብዓርከይ ዓርከይ መስመሩ ከምዘይሰሓተ ገሊጹ።

ኣምባሳደር ዝብል ብራንድ ሱፍ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ፍሉጥ ኰይኑ ኣብ ተሌቭዥን ኢትዮጵያ “ያምርብሃል አታውልቀው” ብዝብል መወዓውዒ ብዙሓት ይዝክርዎ።

ኣቶ ስዒድ 4ይ ክፍሊ ዋላ’ኳ እንተዀነ ናይ ማርኬቲን ብልጫ ንኽርዳእ ግን ዩኒቨርስቲ ክመሃር ግድን ኣይነበረን።“ትካለይ ኣምባሳደር ንኸፋልጥ ንጋዜጠኛ ኣለምነህ ዋሴ 500 ብር ይኸፍሎ ነይረ። ኣብ ቴሌቭዥን ድማ ብሴኮንድ 102 ብር ከፊለ እየ ዘፋልጥ ነይረ” ይብል።

ኣቶ ስዒድ ስራሓቱ ንምዝማን ይጠቕመኒ እዩ ዝበሎ መገሻታት ናብ ወጻኢ ሃገራት ይገብር ከምዝነበረ ብምዝካር፡ “ፋብሪካ ዓለባ ኣምባሳደር ኣብ ገርጂ ክተክል ምስወሰንኩ ብድፍረት ሓደ በዓል ሞያ ሒዘ ፈለማ ናብ ደቡብ ኮርያን ቻይናን’የ ከይደ። ኣብኡ ብዙሕ ዘይፈልጦ ዝነበርኩ ተመኵሮታት ቀሲመ ተመሊሰ” ኢሉ።

እቲ ብሳርቶ ዝተጀመረት ንግዲ ኣቶ ስዒድ መሓመድብርሃን ሎሚ በዓል ዋና ዓብይ ፋብሪካ ዓለባ ኣምባሳደር፣ ኣብ ኣራት ኪሎ ጥቓ ቤተ መንግስቲ ዝርከብ ኣምባሳደር ሞል፡ ኣብ ቦሌ ጥቓ ሚለንየም ኣዳራሽ ዝርከብ ገዚፍ ሆቴል ኣምባሳደር ንምዃን በቂዑ።

ንሰንሳትና ምብላዕ ክሳብ ዘይሓደግና

እታ ኣቶ ስዒድ መሓመድብርሃን ተወሊዱ ዝዓበየላ ከባቢ ዓዲ ዳዕሮ ብሰንኪ እቲ ቅድሚ 3 ዓመታት ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝለሓመ ኲናት ኣመና ዝተሃሰየት ዓዲ እያ።

ብስም ወላዲኡ ኣብ ዓዲ ዳዕሮ ዘስርሓ ቤት ትምህርቲ መሓመድብርሃንን ብስም ወላዲቱ ኣብ ትውልዲ ዓዱ ዝኸፈቶ ማእከል መዘናግዕን ቤተመጽሓፍትን’ውን ግዳይ እቲ ኲናት ኰይኖም ስለዝዓነዉ ከምዘሕዘኖ’ዩ ዝገልጽ።

“ኣብ መንጐና ዘሎ ዘይምቅዳው ኣብ ጠረጴዛ ኮፍ ኢልና ክንፈትሕ እናኸኣልና ኣፈላላያትና ብከላሽን ክንፈትሖ እንኸዶ ርሕቐት ኣዐርዩ ቁልቁል ኣፍና እዩ ዝደፍኣና ዘሎ” ዝብል ሓሳብ ዘለዎ ኣቶ ስዒድ፡ ቻይናውያን ኣብ ውሽጢ 30 ዓመታት ካብ ዝሃነጽዎ ቍጠባ ክንመሃር ይግበኣና ኢሉ።

“ኣብ ቻይና ከተማ ሻንሃይ ቅድሚ 30 ዓመታት እንትረፊ ሳይክል እዚ ዝበሃል ናይ መካይን ምንቅስቓስ ዘይነበራ ዓዲ እያ ነይራ። ሎሚ ግን -ዓሚ መልጐምን ሻርኔራን ዝሸይጥ ዝነበረ ቻይናዊ ወዲ ሻንሃይ ድሕሪ ሓደ ዓመት ተመሊስካ እንተትኸይድ 500ኤስ መርሰደስ መኪና ዓዲጉ ኢኻ እትረኽቦ” ይብል።

ኣብ ኢትዮጵያ ግን “ንሰንሳትና ንባላዕ ኣለና” ብምባል፡ ምስ እቲ ዝሓለፈ ኲናት ተዛሚዱ ንባዕሉ ዘይተጸበዮ ክስተት ከምዘጓነፎ’ዩ ዝገልጽ።

ኣቶ ስዒድ መሓመድብርሃን

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian business review

“ንኣምባሳደር ሞል ዝኸውን ጌምዞን ክዕድግ ኢለ ናብ ዱባይ ትኬት ቆሪጸ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ መስርሕ ኢሚግሬሽን ሓሊፈ ኣብ ነፋሪት ምስደየብኩ ሰለስተ ሰራሕተኛታት ደሕንነት ኢና ዝበሉ ሰባት መጺኦም ‘ውረድ’ ኢሎም ካብ ነፋሪት ኣውሪዶሙኒ” ድሕሪ ምባል፡ ካብ ልቡ ሓዚኑ ነቶም ዘውረድዎ ሰባት ንሱ ካብቶም ዘውረድዎ ሰባት ንላዕሊ ንኢትዮጵያ ከምዘበርከተ ብምግላጽ ብሰንኪ መንነቱ ዝበጽሖ ክስተት ፈጺሙ ከምዘይርስዖ ይሕብር።

ወናኒ ትካላት ኣምባሳደር ኣቶ ስዒድ መሓመድብርሃን ኣብ ኵለን ትካላቱ ኣስታት 700 ሰራሕተኛታት ብቀዋሚነት ዝቘጸረ ኰይኑ፡ “ከምቲ ጀርመንን ጃፓንን ኲናት ይኣኽለና ኢሎም ኣምሪሮም ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ቍጠባ ዝሃነጹ ንሕና’ውን ከምኣቶም ኲናት ይኣኽለና ኢልና” ኣብ ህንጸት ቍጠባ ጠመተ ክንገብር እዩ ዝምዕድ።

እቶም፡ “ደቀይ ሓረስቶት ኣይኰኑን” ኢሎም ካብ ዞባ ኲናት ኣህዲሞም ናብ ንግዲ ዘዋፈሩ ወላዲ ኣቶ መሓመድብርሃን፡ “ደቅኹም ከይጋደሉ ኣህዲምኩም” ተባሂሎም 4 ወርሒ ተኣሲሮም ነይሮም’ዮም።

እዞም ወላዲ ብህይወት እንከለዉ ፍረጻማ ውላዶም ርእዮም ዶ ይኾኑ? ኢልና ንኣቶ ስዒድ መሓመድብርሃን ሓቲትናዮ ኔርና።

“ኣቦይን ኣደይን ኣብ 90ታት’ዮም ዓሪፎም። ስለዚ ኣቦና ክንኮነሉ ዝደልዮ ዝነበረ ደረጃ ከምዝበጻሓና ርእዩ’ዩ ሓሊፉ” ኢሉና።

ኣቶ ስዒድ መሓመድብርሃን ሎሚ ኣቦ 7 ውሉዳት ኰይኑ፡ 14 ደቂ ደቁ ንምርኣይ ዝተዓደለ ኣብ 60 ታት ዕድመ ዝርከብ ቢልዮነር በዓል ሃብቲ’ዩ።