ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት ብሓድሽ ሰልፊ ይመጽእ ከምዘሎ ተፈሊጡ

ኣርማ ትሊዴፓ - ኣቶ ጌታቸው ረዳ

ምንጪ ስእሊ, MB/PM Office

ፍርቂ ዘመን ካብ ዘቝጸረ ህወሓት ዝተመቕለ ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ክንፊ፡ ሓድሽ ፖለቲካዊ ውዳበ ሒዙ ይቐላቐል ከምዘሎ ሓደ ካብቶም መራሕቲ እቲ ውዳበ ብፍሉይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት ሓቢሩ።

እቲ ሓድሽ ኣብ መስርሕ ምዝገባ ዝርከብ ፖለቲካዊ ውዳበ፡ 'ሊበራል ዲሞክራሲ' ከም ስነሓሳብ ዝኽተል ኰይኑ 'ትግራይ ሊበራል ዲሞክራቲክ ፓርቲ' ዝብል ኣማራጺ ሽም ሒዙ ይመጽእ ከምዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ'ሎ።

እቲ ሽሙ ክንጠቕሶ ፍቓደኛ ዘይኮነ ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት፡ "እቲ ሽም ገና በቶም ነቲ ውዳበ ዘንቀድና ፖለቲከኛታት ከም መማረጺ ዝተወሃበ እምበር ካብ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ኣፍልጦ ምስረኸብና ግን ኣብ ጉባኤ ኣቕሪብና ክመሓየሽ'ውን ዝኽእል'ዩ" ኢሉ።

ኣብ ክልተ ተመቒሉ ነንባዕሉ ክካሰስ ዝጸንሐ ህወሓት፡ በቲ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ዘቐመጦ ናይ ግዜ ገደብ ተሳንዩ ጉባኤ ከካይድ ብዘይምኽኣሉ፡ ካብ መዝገብ ውድባት ፖለቲካ እታ ሃገር ናይ ምስራዝ ተኽእሎኡ ልዑል'ዩ።

እቲ ናይ ምስራዝ ሓደጋ ገጢምዎ ዘሎ ብእኒ ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል[ዶ/ር] ዝምራሕ ህወሓት፡ ከም ሓደ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተዛትዩ ውዕል ፕሪቶርያ ዝፈረመ ውድብ፡ በቲ ብቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ተመሓይሹ ዝወጽአ ኣዋጅ ከም ብሓድሽ ክምዝገብ ቅኑዕ ኣይኰነን ክብል ንመንግስቲ ፈደራል ክነቕፍ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ'ዩ።

ኣርማ ትሊዴፓ

ምንጪ ስእሊ, MB

ምስራዝ ህወሓት ዘሻቐሎም ብጌታቸው ረዳ ዝምርሑ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ምስቲ ዝካሰስዎ ዘለዉ ክፋል ህወሓት ሓቢሮም ጉባኤ ከካይዱ ከምዝደልዩ ገሊጾም'ኳ እንተነበሩ፡ ዝረኸብዎ እወታዊ መልሲ ከምዘየለይገልጹ።

ስለዝኾነ ድማ ይብል እቲ ምንጭና፡ "ሕጋውነት ህወሓት ስለዘብቅዕ ዕላማ ህወሓት ክነዕውተሉ ዘኽእለና ሓድሽ ውዳበ ክንምስርት ተገዲድና ኣለና" ብምባል፡ ሕገ ደንብን ፕሮግራማትን እቲ ክምስርትዎ ዝሓስብዎ ዘለዉ ትግራይ ሊበራል ዲሞክራቲክ ፓርቲ ኣጻፊፎም ናይ ድጋፍ ፊርማ ኣብ ምትእኽኻብ ከምዘለዉ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እንተዀነ እቲ ረቛሒታት ዛጊድ ስለዘይተማልአ ንሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ዘቕረብዎ ዕላዊ ሕቶ የለን። እቲ ቦርድ ብዛዕባ እቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ናይ ምስረታ ምንቅስቓስ ግን ኣፍልጦ ከምዘለዎ ወሲኹ የብርህ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ኣብ መስርሕ ምስረታ ዝርከብ ውድብ ክልላዊ ኰይኑ ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐስ እዩ፣ ካብ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣብ መጀመርታ ግንቦት ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ንምክያድ ዘኽእሎ 'ቅድመ ኣፍልጦ' ክረክብ ትጽቢት ኣሎ።

ንትግራይ ሊበራል ዲሞክራቲክ ፓርቲ ዝምስርቱ ዘለዉ ፖለቲከኛታት ካብ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነበር ክሳዕ ኣባል ፖሊት ቢሮ ህወሓት ኰይኑ ዝመርሕ ዝነበረ ኣብዚ እዋን ድማ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ [ትእምት] ኣቶ በየነ መክሩ ከምዝርከብዎ እቲ ሓበሬታ ኣነጺሩ'ሎ።

እቲ ሕጋዊ ኣፍልጦ ንምርካብ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ሰልፊ፡ ብሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናይ ሓደ ዓመት ዕድመ ዘለዎ ስለዝዀነ፡ ሕጋዊ ክልላዊ መንግስቲ ንምቛም ኣብ ዝካየድ መረጻ ዕላማታቱን መደባቱን ንህዝቢ ትግራይ ኣላልዩ ንኽምረጽ ከምዝሰርሕ ሓደ ካብ ቀንዲ ኣንቀሳቐስቲ እቲ ውድብ ዝዀነ ምንጭና ሓቢሩ'ሎ።

ትግራይ ኣብ ክሊ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ኰይና ነጻነታ ዝሓለወት ክልላዊት መንግስቲ ክትከውን ከምዝሰርሕን ካብ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ኣፍልጦ ምስረኸበ ግን ካብ ሃብታም ነጋዳይ ክሳዕ ሸቓላይን ምሁር ክፍልን ክጽምበርዎ ከምዝኽእሉ ይገልጽ።

ካብቶም ቀንዲ መስረትቲ እዚ ውዳበ ዝኾኑ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወትን ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ደኤታን ስልጣን ከምዝተወሃቦም ዝዝከር'ዩ።

ቢቢሲ እዚ ዝምስረት ዘሎ ሓድሽ ውድብ ምስ ብልጽግና ዘራኽቦ ነገር እንተለዎ ነቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ዝሓተተ ኰይኑ፡ "ትግራይ ሊበራል ዲሞክራቲክ ፓርቲ' ምስ ብልጽግና ከም ኵሎም ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐሱ ውድባት ፖለቲካ ተሓባቢሩ ክሰርሕ ዝኽእል እምበር ዋላ ሓንቲ ዘራኽብ የብሉን" ኢሉ።

ኣብ 1967 [ግእዝ] ኣብ ደደቢት ዝተመስረተ ህወሓት ድሕሪ ኲናት ትግራይ ኣብ መሪሕነቱ ብዘጋጠሞ ቅልውላው ኣብ ክልተ ተመቒሉ ነንባዕሉ ክካሰስ ጸኒሑ'ሎ።

ብደብረጽዮን ገብረሚካኤል [ዶ/ር] ዝምራሕ ህወሓት ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ጉባኤ ኣካይዱ'ኳ እንተነበረ፡ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ግን ስለዘይተቐበሎ ክደግሞ ተሓቲቱ እዩ። ህወሓት ግን ከም ብሓድሽ ኣይምዝገብን ብዝብል ነጺግዎ'ዩ። እቲ ቦርድ ንኣፍልጦ ህወሓት ዝኸልእ እንተዀይኑ ግን "ሳዕቤኑ ከቢድ'ዩ" ዝብል ምላሽ ምሃቡ ይዝከር።