ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝውላዕ ሓድሽ ኲናት ካርታ ሃገራት ዝቕይር'ዩ - ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ

ጀነራል ጻድቃን

ምንጪ ስእሊ, DW Tigray

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝውላዕ ሓድሽ ኲናት ኣብ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ከቢድ ሳዕቤናት ከም ዝህልዎ ሌ/ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤ ገሊጹ።

እቲ ኣባል ካቢነ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝኾነ ጀነራል ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ ትግራይ ዳግማይ ናብ "ዓውደ-ውግእ" ከይትምለስ ዘለዎ ስግኣት'ውን ኣስፊሩ'ሎ።

"ኣብ ዝኾነ ህሞት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኲናት ክውላዕ ይኽእል'ዩ፡" ይብል እቲ ኣብ 'ኣፍሪቃ ሪፖርተር' ዝወጸ ትንተና።

"ድሕሪ'ቲ ብ2 ሕዳር 2022 ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ፡ ኣብ መንጎ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ምሕዝነት ቀስ ብቐስ ብምንቁልቋሉ ናብ ኲናት ምእታው ዘይተርፍ'ዩ ዝመስል።"

እቲ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ኣብ ጐድኒ ፈደራላዊ መንግስቲ ብምዃን 'ግፍዒ ፈጺሙ' ዝበሎ መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ምግምማዕ 'ይምዝምዞ' ከም ዘሎን ዝተሓበበርዎ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን መራሕቲ ትግራይ ከም ዘለዉን ድማ ጻድቃን ይኸስስ።

እቲ ምክትል ግዝያዊ ፕረዚደንትን ሓላፊ ህንጸት ደሞክራስን ዘይምእኩል ምሕደራን ክልል ትግራይ ዝዀነ ጀነራል ምስ ፌደራላዊ መንግስቲ ጥቡቕ ዝምድና ኣለዎ ተባሂሉ'ዩ ብገለ ኣዘዝቲ ሰራዊትን መራሕቲ ህወሓትን ዝንቀፍ።

ኣብቲ ንህወሓት ናብ ክልተ ወገን ዝኸፈለ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ'ውን ምስቲ ሓለቓኡ ዝዀነ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ጌታቸው ረዳ ከም ዝወገነ'ዩ ዝንገረሉ።

ጀነራል ጻድቃን፡ ኣብቲ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ደማዊ ኲናት ትግራይ፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ ብምዃን ዝመርሐ'ዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብቲ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዝተኻየደ ዶባዊ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ'ውን ኢታ ማጆር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብምዃን መሪሑ'ዩ።

እቲ ህይወት ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቐዘፈ ደማዊ ኲናት፡ ዋላ'ኳ በቲ ኣብ ዓመተ 2000 ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ ደው እንተ በለ፡ ክልቲአን ሃገራት ንዝቐጸለ ኣስታት ክልተ-ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ኵነተ-ኲናት እየን ነይረን - ክሳብ ክረምቲ 2018።

ድሕሪ እቲ ሰላም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ሃገሩ ለውጢ ንምምጻእ ብዝወሰዶ ስጕምትታት፡ ብፍላይ ድማ ምስ ኤርትራ ሰላም ንምፍጣር ብዝወሰዶ ተበግሶታት መበል 100 ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ኰይኑ።

ኣብዚ እዋን ግን ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት ሓርፊፉ ይርከብ።

እዚ ብዙሕ ኲናት ዝራኣየ ጀነራል፡ ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዝህሉ ሓድሽ ኲናት'ውን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕን ንኻርታ ሃገራት ዝቕይርን ከም ዝኸውን'ዩ ዘጠንቅቕ።

"ዝዀነ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ዝህሉ ኲናት ነዊሕ ክወስድ ተኽእሎ ኣለዎ፣ ዋላ'ኳ ክልቲኦም ወገናት ሓጺርን ወሳንን ምዃኑ ክነግሩኻን ከእምኑኻን እንተ ፈተኑ። ክንዲ ዝወሰደ ግዜ ይውሰድን ብኸመይ ይካየድን ብዘየገድስ ግን ኣብቲ ዞባ ሓያለ ኣዕናዊ ውጽኢታት ክህልዎ ይኽእል'ዩ፡" ይብል።

ወሲኹ፡ "እቲ ኲናት ደው ምስ በለ፡ እዚ ሕጂ ንፈልጦ ጆኦግራፊ ሃገራት ብኸምኡ ኣይክቕጽልን'ዩ፡" ኢሉ።

እንተዀነ፡ ኣብቲ "ትግራይ ዓውደ-ውግእ ኢትዮጵያን ኤርትራን ክትከውን ኣይትኽንልን'ያ፡" ብዝብል ኣርእስቲ ዘውጽኦ ዓንቀጽ፡ ብዛዕባ ናብ ኲናት ዝመርሑ ምንቅስቓሳት ይዅኑ ተግባራት ዘቕረቦ ጭብጥታት የሎን።

ጀነራል ጻድቃን ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ ዝዀነት ወደብ ዓሰብ ናይ ኢትዮጵያ ክትከውን ኣለዋ ዝብል መርገጺ ከም ዝነበሮን መርገጺኡ ከም ዘይቀየረን ቀቅድሚ ኲናት ትግራይ ምውልዑ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብቲ ኣብ ግንቦት 2020 ምስ ኢትዮፎረም ዝተባህለ ቻነል ዘካየዶ ቃለመሕትት "ዓለምለኻዊ ናይ ኢንቫይሮንመንት [ኣከባቢ] ውዕላት መሰረት ብምግባር" ከም ብሓድሽ ዝራኣየሉ መንገዲ የሰላስል ምንባሩ'ውን ጠቒሱ።

"እዚ ኣብ ሓንጎለይ እናተመላለሰ እንከሎ ኤርትራ ወሪራ... ስለዚ፡ ነዚ ባዕሎም ዝጀመርዎ ኲናት መበገሲ ገይርና ብምልኡ ነቲ [ምስ ኢጣልያ ዝተገብረ ዓለምለኻዊ] ስምምዕ ከም ብሓድሽ ክረአ ዝገብር ዕድል ፈጢሩልና ስለ ዘሎ፡ ነቲ ዕድል ንጠቐመሉ' ዝብል ኣረኣእያ ነይሩኒ፡" ይብል እቲ ጀነራል።

"ስለዚ ኢትዮጵያ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ሓይሊ ክትኰነሉ ዘኽእል ኵነታት፡ እንተ ተኻኢሉ ብሰላማዊ መገዲ፡ ብስምምዕ ክመጽእ ኣለዎ። እዚ እንተ ዘይኰይኑ ግን፡ ናይ ግዜ ጉዳይ እንተ ዘይኰይኑ [ኵናት ምውልዑ] ኣይተርፎን'ዩ፡" ክብል'ውን ኣሚቱ ነይሩ'ዩ።

እቲ መግለጺን መርገጺን እቲ ጀነራል፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን ኣቘጢዑ ምንባሩ ይዝከር።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል'ውን ሽዑ "ዝሃውተተ ዘራባ" ክብል ግብረመልሲ ሂብሉ ነይሩ።

ጀነራል ጻድቃን ኣብዚ ናይ ሕጂ ጽሑፉ "ረብሓታት ትግራይ ነቲ ኲናት ብምውጋድ'ዩ ዝረጋገጽ፡ ዘይክኣል እንተኾይኑ ድማ ዕድመ ናይቲ ኲናት ምሕጻርን ህላወና ምርግጋጽን'ዩ" ይብል።

"ኲናት ንምውጋድ ዝግበር ጻዕርታት እንተፈሺሉ፡ ብኹሉ ኣገባብ (ወተሃደራዊን ዲፕሎማስያዊን) እቲ ኲናት ብዝቐልጠፈ ደው ክብል ንረብሓ ትግራይን ዞባን [ቀርኒ ኣፍሪቃን] ዘገልግል" ምዃኑ እቲ ብዓልስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘለዎ እምነት ኣነጺሩ።

ንሳላም ዘሎ ዕድላት ይጸብብ ከምዘሎ ዝገለጸ እቲ ጀነራል፡ "ግጭታት ንምውጋድ፡ ኩሉ መንገድታት ብህጹጽ ክድህሰስ ኣለዎ" ኢሉ።

"ምርጫይ ትግራይ ሰላም ክትመርጽ'ዩ። ዝተሳቐየቶ ይኣኽላ። ግና፡ ኣብዚ መራሕቲ ኣብ ክንዲ ልዝብ ጎነጽ ዝመርጽሉን፡ ደበና ኲናት ኣብ ዘንጸላለወሉን እዋን፡ ትግራይ ዓውደ-ውግእ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ክትከውን ዘለዋ ዕድል ኣዝዩ ግሁድ'ዩ" ብምባል ዘለዎ ስግኣት ኣፍሊጡ'ሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ዝርከቦም ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታትን ምሁራትን ሃገሮም ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ መሰልን ድሌትን ኣለዋ ብምባል ከቕርብዎ ዝጸንሑ ምጕት'ውን ንኤርትራ ዘቘጥዐ እዩ።

ብፍላይ እቲ ንቐይሕ ባሕሪ ዝምልከት ብዙሓት ኤርትራውያን ብዓይኒ ጥርጣረን ስግኣትን ዝርእይዎ'ዩ።

ድሕሪ'ቲ ኣብ መንጎ ኣቢይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂን ኣብ ሓምለ 2018 ዝተፈረመ "ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን"፡ ኢትዮጵያ ንወደብ ዓሰብ ክትጥቀመሉ ትጽቢት ተገይሩ'ኳ እንተ ነበረ፡ ዝተራእየ ለውጢ ዘይምንባሩ ንብዙሓት ሕንቅልሕንቅሊተይ ኰይኑ'ዩ ጸኒሑ።

ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ኢሳይያስ ኣፍወርቂን ኣቢይ ኣሕመድን

ምንጪ ስእሊ, FISTUM AREGA/TWITTER

መግለጺ ስእሊ, ሰላም ኣበሲሮም ኣይ ወዓሉ ኣይ ሓደሩ ናብ ኲናትን ኩኵተ-ኲናትን ዝኣተዉ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን

ኣብዚ ቀረባ እዋናት ብወገን ክልቲአን ሃገራት ዝስማዕ ዘሎ ዳርባ ቃላትን መቓልሕ ኲናትን፡ ነቲ ብውግእን ወረ-ውግእን ዝሰልከየ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ ምህላዉ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት፡ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ሙላቱ ተሾመ፡ ኤርትራ ነቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ምምቕቓል ብምምዝማዝ ምስ ገሊኦም ኰይና ሓድሽ ኲናት ክትውልዕ ትሓስብ ኣላ ክብል ከሲሱ ምንባሩ ይዝከር።

ኣስመራ ብወገና፡ "እቲ ደረቐኛ ክሲ፡ ንናይ ኲናት ድሌት [ኢትዮጵያ] ንምኽዋልን ንምምኽናይን ዝዓለመ'ዩ፡" ክትብል መልሲ ሂባትሉ። ሚኒስትሪ ዜና ብድሕሪኡ ኣብ ዘውጽኦም ዘሎ ሓተታታት'ውን፡ ነቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዝስማዕ ዘሎ ክስታትን መግለጺታትን ኣብ ምብዳህ ተጸሚዱ ይርከብ።

ሚኒስተር መስኖን ቆላታትን ፈደራላዊ መንግስቲ ዝኾነ ዶ/ር ኣብራሃም በላይ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት'ውን፡ ገለ መራሕቲ ትግራይ "ጥዕና ዘይብሉ ርክብ" ይገብሩ ኣለዉ ክብል ነቒፉ ነይሩ።

ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓት ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ምስ ኤርትራ "ሕቡእ ርክብ" ከም ዘየካየደ ገሊጹ።

"ህወሓትን ሰራዊት ትግራይን ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምስላፍ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ይራኸቡ ኣለዉ ዝብል መቋረጺ ዘይብሉ ጠቐነታት ብምግዋሕ ኣንጻር ዝተጀመረ መስርሕ ሰላም ቅሉዕ ምንቅስቓስ ክገብሩ ይርኣዩ ኣለዉ፡" ድማ ይብል።

ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ መስከረም 2024 ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ክልል ትግራይን መንግስቲ ኤርትራን ርክባት ይግበር ምንባሩን ክቕጽል ምዃኑን ብወግዒ ተዛሪቡ ነይሩ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ እቲ እንኮ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተሪፉ ዝነበረ ድልድል በረራታት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብውሳነ ኤርትራ ምብታኹ፡ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ምትፍናን ዘግሃደ'ዩ ነይሩ።

ኮሚሽነር ጉዳያት ጸጥታን ሰላምን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ዘይምርግጋእ ንምዝርራብ ኣስመራ በጺሑ ምንባሩ ይዝርከር።

እቲ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣገዳሲ ተራ ዘለዎ ኣምባሳደር ባንኮለ ኣዲዮየ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ብዛዕባ "ናይ ቀረባ ምዕባለታትን ተርእዮታትን ቀርኒ ኣፍሪቃ" ተዘራሪቡ ነይሩ።