'ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኲናት ክትውልዕ ትሓስብ ኣላ' - ፕረዚደንት ነበር ሙላቱ ተሾመ

ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ምስ ሙላቱ ተሾመ

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian President Office

ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽ ኲናት ንምውላዕ ትዳሎ ከም ዘላ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ሙላቱ ተሾመ ብጽሑፍ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ከሲሱ።

"ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ግጭት ንምውጋድ ስጕምቲ ምውሳድ ግዚኡ ሕጂ'ዩ" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ብስሙ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ ኣስመራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገሩ ኢዳ ተእቱ ከምዘላ ገሊጹ።

"ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ግጭት ንምውላዕ ይሰርሕ ኣሎ" ይብል ዶ/ር ሙላቱ።

ኣብ መንጐ ህወሓትን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵንያ ዝተፈጠረ ግጭት ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኢዱ ከእቱ ዕድል ከምዝፈጠረሉ እቲ መራሒ ኢትዮጵያ ነበር ይኸስስ።

ብወገን ኤርትራ ዛጊት ንትነተና ናይቲ ኢትዮጵያዊ ፕረዚደንት ነበር ዝተዋህበ ወግዓዊ ግብረመልሲ የለን።

እቲ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ደማዊ ኲናት ትግራይ፡ ሓይልታት ኤርትራን ዕጡቓት ኣምሓራን ኣብ ጐድኒ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዃን ኣንጻር ህውሓት ከምዝተዋግኡ ይዝከር።

ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ እዋን ኣብ ዝህቦም ዝነበረ መግለጺታት፡ ሓይልታት ኤርትራ ሃገሩ ብዝገበረትሎም ዕድመ ናብ ትግራይ ከምዝኣተዉ'ዩ ዝገልጽ ነይሩ።

ንኲናት ትግራይ ዝመርሐ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ብወገኑ፡ "ብድሕሪት ምስተወጋእና ህዝቢ ኤርትራን ሰራዊቱን ንዝገበረልና ደገፍ ፈጺሙ ክከሓስ ኣይክእልን'ዩ። ኣብ መዛግብቲ ታሪኽ ከኣ ተሰኒዱ ክነብር'ዩ. . . እቲ ዝተፈጥረ ምሕዝነት'ውን ብዝዀነ ሓይሊ ክስበር ዘይክእል'ዩ" ክብል ኣብ ሚያዝያ 2023 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምብጻሕ ንዘካየዱ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓለፍቲ ጸጥታን ኤርትራ ኣመስጊኑ ነይሩ።

ኣስመራ ንኲናት ትግራይ ደው ዘበለ ስምምዕ ፕሪቶርያ ደስ ከምዘይበላ'ዩ ዝግለጽ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ፤ ፕረዚደንት ነበር ሙላቱ ተሾመ

ምንጪ ስእሊ, EBC

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ኣብ መንጐ ህወሓትን ማእከላይ መንግስትን ዝተፈረመ ስምምዕ ንኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን "ዓቢ ዓወት" ምዃኑ ዝገለጸ ሙላቱ፡ "እንተዀነ ነቲ ኣብ ግጭት ዝስስን ኢሳይያስ ውልቃዊ መኻልፍ'ዩ ነይሩ" ይብል።

ኣብ ለካቲት 2023 ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተፈረመ ቀዋሚ ሰምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ፕሪቶርያ ብኣመሪካ ዝተወጠነ "ናይ ምኹላፍ ታክቲክ እየ ዝብሎ" ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።

እቲ ዝዀነ መርትዖ ዘይሃበ ጽሑፍ ሙላቱ ተሾመ፡ ኤርትራ ኣብቲ ኣብ መንጐ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ምግምማዕ ኢዳ ተእቱ ከምዘላን ንዕጡቓት ኣምሓራ ከምእትድግፍ'ውን ኣስፊሩ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ መስከረም፡ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ መንጐ ሰበስልጣን ክልል ትግራይን መንግስቲ ኤርትራን ርክባት ከምዝተገብረ ብወግዒ ተዛሪቡ ምንባሩ ይዝከር።

ስምምዕ ፕሪቶርያን እቲ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላዋትን ነቲ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ዝነበረ ዝምድናታት ገላቢጥዎ ከምዘሎ ይግለጽ።

"ስምምዕ ፕሪቶሪያ ንምፍራስ፡ [ኢሳይያስ] ክልል ኣምሓራ ሚሊሻ ሃንዲሱ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ምስ ዘለዉ ብስምምዕ ፕሪቶርያ ዘይተሓጎሱ ወገናት ናይ ሓባር ዕላማ ብምርካብ ተወሃሂዱ" ይሰርሕ ኣሎ ክብል ይኸስስ።

ዕጡቓት ኣምሓራ ኣብ ጐኒ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስትን ኤርትራ ተሰሊፎም ኣንጻር ህወሓት ከምዝተዋግኡ ይዝከር።

ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ከንቆልቁል ምጽንሑ ይፍለጥ።

ድሕሪ ክረምቲ 2018 ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይን ዝነበረ ብጽዑቕ ምብጽጻሕ ዝግለጽ ዝነበረ ምዉቕ ዝምድና ናብ ወጥሪን ምትፍናንን ኣትዩ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ'ውን እቲ እንኮ ተሪፉ ዝነበረ ድልድል በረራታት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብውሳነ ኤርትራ ተበቲኹ'ዩ።

ኣብ ጥቅምቲ'ውን፡ ኤርትራ ዘአንገደቶ ንመቀናቕንቲ ኢትዮጵያ ዝዀና ግብጽን ሶማልያን ዘጠቓልል ስሉሳዊ ዋዕላ መራሕቲ፡ ኢትዮጵያ ብዓይኒ ጥርጣረ ዝረኣየቶ'ዩ። ኣዲስ ኣበባ ኣብዚ እዋን'ዚ ምስ ሞቓድሾ ዝነበራ ወጥሪ ብምህዳእ ዝምድናኣ ተመሓይሽ ከምዘላ'ዩ ዝግለጽ።

"ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ሕንፍሽፍሽ እንተ ኣምሪሑ፡ ሳዕቤኑ ንዅሉ ዝጸሉ'ዩ" ክኸውን ክብል ሙላቱ ተሾመ ኣጠንቂቑ'ሎ።

"ሓያላት ሃገራት ዓለም፡ ካብ ዋሽንግተን ክሳብ በዢንግን ብራስለስን ኣብዚ ዘጋጥም ይትንክፈን'ዩ። ምርግጋእ ኣፍሪቃ ሓባራዊ ረብሓ'ዩ"።

"ሳዕቤን ናይቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዳግማይ ዝውላዕ ግጭት ኣብ ዶባት ኣፍሪቃ ጥራይ ዝሕጸር ኣይኮነን። ማዕበል ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳን ኪኑኡን ክውሕዝ'ዩ፡ እዚ ድማ ነቲ ድሮ ተነቃፊ ስርዓታት ዘላሕልሕ'ዩ" ኢሉ።

እቲ ናብ ኤርትራ ዘነጻጸረ ነቐፌታዊ ጽሑፍ ነቲ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ መጸ ነታ ሃገር ኣብ ቀጻሊ ግጭታት ኣእትዩዋ ተባሂሉ ዝኽሰስ ኣቢይ ኣሕመድ ኣይተንከፎን።

ካብ 2013 ክሳብ 2018 ፕረዚደንት ፈደራላዊት ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያን ኰይኑ ዘገልገለ ሙላቱ ተሾመ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣምባሳደር ሃገሩ ዝነበረ ገዲም ዲፕሎማሰኛ ምዃኑ ይፍለጥ።

ሒደት ነጥቢታት ብዛዕባ ሙላቱ ተሾመ [ዶ/ር]

ሙላቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ውሽጢ ኢህወደግ ኣብ ዝነበረ ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ህዝቢ ኦሮሞ ኣባል ዝነበረ ሙላቱ፡ ክሳብ ማዕርግ ዶክትሬት ኣብ ቻይና ከምዝተማህረ ይፍለጥ።

ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ካብ ምኒስተር ክሳብ ፕረዚደንት ዝበጽሕ ጽፍሕን ሓላፍነትን ኣገልጊሉ እዩ። ካብዚኦም፡ ምክትል ምኒስትር ቁጠባዊ ልምዓትን ምትሕብባርን፡ ምኒስትር ሕርሻ፡ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ፈደረሽን፡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና፡ ጃፓን፡ ቱርኪን ኣዘርባጃንን ኰይኑ ኣገልጊሎም።

ብድሕሪ'ዚ፡ ፕረዚደንት እታ ሃገር ንዝነበሩ ግርማ ወልደጊዮርጊስ ተኪኡ ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ርእሰ-ብሄር ኰይኑ ኣገልጊሉ። እዚ ጽፍሒ'ዚ ወሳኒ ስልጣን ዘይብሉ ምዃኑ ይፍለጥ። ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ድማ ዕድመ ስልጣኑ ወዲኡ፡ ብ ወ/ሮ ሳህለወርቅ ዘውዴ ተተኪኡ።

እዚ ይዅን ግን፡ መልእኽተኛ ቀዳማይ ምኒስተር ብምዃን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከምዝገሸ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና መንግስቲ ይሕብሩ።

ካብዚኦም ኣብ ቻይና፡ ጃፓን፡ ዩጋንዳን፡ ሶማሊላንድን ኣብ ዝተኻየዱ ወግዓዊ ኣጋጣሚታት ብምስታፍ፡ መልእኽቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ከምዘብጽሐ ይፍለጥ።

ሙላቱ ተሾመ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣቢሉ፡ "ማእከል መርበብ ወፍሪታት ኢትዮጵያ" ዝበሃል ትካል ከም ዝመስረተ እውን ተሓቢሩ ነይሩ።

ኣብዚ እዋን፡ ወግዓዊ መንግስታዊ መርገጽ ኣለዎን የብሉን'ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ብተደጋጋሚ መልእኽቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ሒዙ ናብ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ብምብጻሑ "ፍሉይ ልኡኽ" ክበሃል ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ መንግስታዊ ኣጋጣሚታት ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ብተደጋጋሚ ዝርአ ብምዃኑ ግን ኣብ መንግስቲ ልዑል ተቐባልነት ከም ዘለዎም ይእመን።

ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ቀረባ እዋን ካልኣይ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ኣብ ዘካየደሉ እዋን'ውን ኣብ ጐድኒ ቀዳማይ ምኒስተርን ምክትል ቀዳማይ ምኒስተርን ተራእዩ።