ኤርትራ-ኢትዮጵያ፡ ምቁራጽ እታ ሰላም ዘበሰረት፣ ተስፋ ዘሐደሰት ታሪኻዊት በረራ

ምንጪ ስእሊ, YEMANE GEBREMESKEL
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነቲ ከም ታሪኻዊ ምዕራፍ ዝግለጽ ዝነበረ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018 ናብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ ዝጀመሮ ንግዳዊ በረራ ከም ዘቋረጸ ኣፍሊጡ'ሎ።
እቲ ድሕሪ 20 ዓመት ምስ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ዝጀመረ ንግዳዊ በረራ ኣብ ዝምድና ክልቲአን ጎረባብቲ ሃገራት ርኡይ ምዕራፍ ኣመዝጊቡ ነይሩ እዩ።
እቲ ብሰንኪ ምስሕሓብ ዶባት 1998 – 2000 ንኣስታት 20 ዓመት ዝቐጸለ 'ኩነተ-ኲናት'ን ተቛሪጹ ዝጸንሐ በረራን ናይ ቴሌፎን ርክብን ምስጀመረ፡ ምስታ ፈላሚት ነፋሪት ዝተጓዕዙ ገያሾ ሻምፓኝ ብምትኳስ ልባዊ ሓጐሶም ዝገለጹለ'ዩ ነይሩ።
ምስታ ሽዑ ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሳ ናብ ርእሰ ከተማ ኤርትራ ኣስመራ ዝበረረት ፈላመይቲ ነፋሪት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝን ዋና ፈጻሚ ዋና ኣካያዲ እቲ መገዲ ኣየር ነበር ኣቶ ተወልደ ገብረማርያምን ኣትዮም።
እታ ልዕሊ 400 ኢትዮጵያውያን ኣጋይሽ ዝሓዘት ነፋሪት ከኣ ድሕሪ ኣስታት ሓደ ወለዶ ኣብ ምድረ ኤርትራ ዓሊባ።
ነቲ ዕርቀ ሰላም ዝጽምብል ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ኣብ መዓርፎ ነፈርትን ጐደናታትን ኣስመራ ብሕቋፍ ዕምባባ ተቐቢሉዎም።
ኣብቲ ፈላሚ በረራ፡ ንዓመታት ምስ ዝተፈላለይዎም ስድራ ክራኸቡ ዝደልዩ ዝተነፋፈቑ ቤተሰብን ኣብታ ሃገር ንዘሎ ዕድላት ንግድን ወፍርን ክዕዘቡ ዝደልዩ ሰብ ሃብትን ዝርከቡዎም ሓያሎ ስነ ጥበባውያንን ሰብ ሃብትን እውን ካብን ናብን ውሒዞም።
ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኣብይ ኣሕመድን ኢሳይያስን ብ9 ሓምለ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ምስ ከተሙ ክልቲኦም ኣህዛብ እቲ ብሰንኪ ውግእን ኵናትን ስኢኖሞ ዝነበሩ ሰላምን ምዕባለን ዓቢ ተስፋ ኣሕዲሩ።
ማሕበረ ሰብ ዓለም እውን ነቲ ብቐሊሉ ኣይብጻሕን እዩ ዝተባህለ ዕርቀ ሰላም ክውን ምስ ኰነ ናይ ምስጋናን ዮሃናን መልእኽቲ ኣቃሊሑ።
ክልቲኦም መራሕቲ ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ዓመታት ጥራይ፡ ብውሕዱ 14 ግዜ ካብን ናብን ሃገራቶም ብምብጽጻሕ ምዉቕ እዋን ሕጽኖት ኣሕሊፎም።
እቲ ብደምን ጽልእን ተጐቢኡ ዝነበረ ሃዋህው ከኣ ብዕርቅን ሕውየትን ተደቢሱ፡ ውነ ህዝቢ ተመሊሱ፡ ሰላም ኣስተንፊሱ፡ ተስፋ ነጊሱ።
ስለዝዀነ ከኣ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝጥቀም ኤርትራዊ ገያሻይ ስለዝበዝሐ እቲ በረራታት ክውስኽ እቲ ርክባት ከኣ ክዓሙቕ ተራእዩ።
ንዓመታት ምስ ደቁን ወለዱን ዝተፈላለየ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ዓለም ዝነብር ኤርትራዊ ስድራ ቤቱ ክርእን ክምርዖን ክድርዖን ንኣዲስ ኣበባ ክውሕዝ ስለዝጀመረ ኣዲስ ኣበባ መዲና ኤርትራውያን ዲያስፖራ እውን ኰይና።
እቲ ብኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ዝጥቀስ መንግስቲ ኤርትራ ኢዱ ዝጸንበረሉ ናይ ሕዳር 2020 ውግእ እናተኻየደ እውን እቲ ናብ ኣስመራ ዝግበር ዝነበረ በረራ ኣየቋረጸን።
ኣብ ማእከል ተስፋ ምዕንቃፍ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ይኹን እምበር እዚ ታሪኻዊ በረራን ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ኣብ ቀረባ እዋናት እናሃሰሰ መጺኡ። እዚ ናይ ሕጂ ምዕባለ ከኣ ነቲ ተስፋ ሂቡ ዝነበረ ሰላም ኣብ ወጥሪ ኣእትይዎ ይርከብ።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ በዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን ኤርትራ፡ ብሰንኪ “ዘይፍትሓዊ ንግዳዊ ኣሰራርሓ”ን ዝተፈላለዩ ካልኦት ጉዳያትን በረራታት ደው ከብል ምዃኑ 30 መስከረም 2024 ምስ ገለጸ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በቲ ውሳነ ከምዝሓዘነ ብምግላጽ፡ ንተጓዓዝቲ ብዘይ ተወሳኺ ወጻኢታት ክሕግዞም ምዃኑ ስለዝሓበረ፡ ሓያሎ ወገናት እቲ ሽግራት ብዘተ ክፍታሕ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ነይሩዎም።
እንተዀነ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ “ኣጸጋሚ ኩነታት ስራሕ” ካብ 3 መስከረም 2024 ጀሚሩ ካብን ናብን ኣስመራ ዝግበር በረራታት ደው ከብል ምዃኑ ብምሕባር እቲ ጉዳይ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ከምዝበጽሐ ኣረዲኡ።
መጻኢ ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን

ምንጪ ስእሊ, AFP
እቲ ኣብ ሓደ እዋን ፋና ተስፋን ዕርቅን ዝነበረ ታሪኻዊ በረራ፡ ሕጂ ምልክት ሻቕሎትን ወጥርን ኰይኑ ኣሎ። ሓያሎ ወገናት እቲ ምቁራጽ በረራታት ናይ ንግዳዊ ጉዳይ ጥራሕ ዘይኰነስ ፖለቲካዊ ምትፍናን ዘበገሶ ከይከውን ስግኣት ኣለዎም።
ሓያሎ ዲፕሎማት እቲ አህዛብ ክልቲኤን ሃገራት ተስፋ ዘሕደርሉን ከስተማቕሩዎ ጀሚሮም ዝነበሩ ዝምድናን ኣገልግሎትን “ የጋጥም ኣሎ” ንዝበሃል ጸገማት ፈቲሕካ ኣብ ክንዲ ዝተዓራረ ፖለቲከኛታት ብዝፈጠርዎ ዘለው ንፍጊ ተጠቃምነት ህዝቢ ምውስሳብ ኣይግባእን እዩ ክብሉ ይነቕፉዎ።
ነቲ ኣብ መንጐ እዘን ክልተ ሃገራት ብምቁራጽ ንግዳዊ በረራታት ዝረአ ምርሕሓቕ ንምምሕያሽ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ይካየድ እኳ እንተሎ፡ መጻኢ ዝምድና እዘን ክልተ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ግን ኣብ ኣሻቓሊ ኩነታት ይርከብ።
ኣብዚ እዋን እዚ፡ ዋላ እውን እቲ መጻኢ መገዲ ናበይ ከምዘምርሕ እንተዘይተፈልጠ፡ ዝኽሪ እታ ዕርቀ ሰላም ዘበሰረት ፈላሚት በረራ፡ ፍቕርን ምትሕግጋዝን እንተልዩ እንታይ ክግበር ከምዝከኣል ዘረኣየት ሰንደቕ ኰይና ተሪፋ ኣላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







