መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በረራ ኤርትራ ዘቋረጸሉ ምኽንያት እንታይ ይብል?

ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, ETHIOPIAN/FB

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነቲ ንልዕሊ 20 ዓመት ኣቋሪጹ ዝነበረ በረራኡ ንኤርትራ፡ ቅድሚ 6 ዓመት ኣቢሉ፡ ብ20 ሓምለ 2018 ዳግም-ዝጀመረ ኰይኑ፡ ካብ 3 መስከረም 2024 ኣትሒዙ ድማ ዳግም ከቋርጽ ሃንደበት ወሲኑ፤ ነዚ ኣመልኪቱ፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣቶ መስፍን ጣሰው ንጋዜጠኛታት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡሉ'ሎ።

ብመሰረት መግለጺ ኣቶ መስፍን፡ እቲ መገዲ ኣየር፡ ንገያሾ ኤርትራ ክህቦ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ቅልጡፍ ብምዃኑ፡ ዓማዊል ድማ ዕግበት ስለዝነበሮም እናሰፍሐ ከይዱ፤ ካብን ናብን ኣስመራ ዝግበር በረራታት ድማ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ኰይኑ ጸኒሑ።

ካብ ቀረባ ግዜ ኣትሒዙ ግን፡ ነቲ በረራ ንምቍራጽ ዝደረኹ ምኽንያታት እናተኸስቱ ክመጹ ከምዝጸንሑ ኣቶ መስፍን ይገልጽ።

በዓልመዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ፡ ኣብቲ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 30 መስከረም ኣትሒዙ በረራኡ ንኣስመራ ደው ከብል ዝወሰነሉ መግለጺ፡ “እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ልዕሊ ካብን ናብን ኤርትራ ዝንቀሳቐሱ ገያሾ፡ ከውርዶ ዝጸንሐን ዘሎን ዘይንቡር ንግዳዊ ንጥፈታት፡ ብፍላይ ድማ ስልዒት ዘይፍትሓውን ዘይርትዓውን ናህሪ ዋጋታት፡ ምስራቕ፡ ምዕናው፤ ምጥፋእ፡ ክቱር ምድንጓያት ባልጃታት ገያሾን ካልእን” ክፍጸም ከም ዝጸንሐ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ጉዳይ ምልስ ኢልካ እንክርአ፡ ብ26 መጋቢት 2024 ካብ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ፡ ንምጥፋእን ምድንጓይ ሳንጣ ገያሾ ዝምልከት ቅሬታ ዝሓዘ ደብዳበ ከም ዝበጽሖም ዝጠቐሰ ኣቶ መስፍን፡ ኣብቲ ደብዳበ ብዙሓት ኤርትራውያን ሳናጡኦም ምስኦም ኣይመጽእን ዘሎ፣ ምስኦም ክመጽእ ይግባእ ነይሩ፡ ነቶም ከምዚ ዝበለ ጉዳያት ዘለዎም ገያሾ ድማ ካሕሳ ክትከፍሉ ይግባእ ዝብል ከም ዝነበረ እውን ዘርዚሩ።

ኣቲ ኣካያዲ ስራሕ፡ “ንሕና ነቲ ጉዳይ ሸለል ከይበልና ቅልጡፍ ምላሽ ብምሃብ፡ ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ሳናጡኦም ጠፊኡ ዝበሃል ሰባት፡ መለለዪ ቍጽሪ ሳንጣን ዝሓትዎ ሕቶን ኣሰኒኹም ለኣኹልና ካሕሳ ክንከፍል ኢና፡ ኢልና ሓቲትና፡ እንተዀነ ክሳዕ ሕጂ ዝመጸ የለን፡” ኢሉ።

ብዘይካ’ዚ፡ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ንምርኣይን ንምፍታሕ ኣኼባ ምስ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ ከምዝጸውዑ ይጠቅስ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ መስፍን ጣሰው

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዋና ኣካያዲ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ መስፍን ጣሰው ንጋዜጠኛታት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ

ኣቶ መስፍን ኣብ መግለጺኡ፡ “ርግጽ እዩ ሓደ-ሓደ ግዜ፡ ሳንጣ ገያሾ ንድሕሪት ይተርፍ እዩ፤ እዚ ግን ኣብ ገያሾ ኤርትራ ጥራይ ብፍሉይ ዘጋጥም ዘይኰነስ፡ ሓሓሊፉ ናብ ዝዀነ ሃገር ክንበርር እንከለና ዘጋጥም እዩ፤ ብተመሳሳሊ ካልኦት መገዲታት ኣየር እውን ዘጋጥመን እዩ፡” ኢሉ ብምብራሕ፡ እቲ ኣብ ኵነታት ገያሾ ኤርትራ ዘጋጥም ዝነበረ ምኽንያቱ የብርህ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ በረራ ስለዝገብር፡ ሓደ-ሓደ ግዜ እታ ናይ ንግሆ ነፋሪት ንእስ ዝበለት ኣብ እትዀነሉ ክትስከሞ ዘይከኣላት ሳንጣ ኣትሪፍካ፡ ምስታ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ከምዝስዕብ ይግበር እዩ ብምባል ነቲ ቅሬታ ዝፈጥር ዝነበረ ኵነታት የረድእ።

ብዘይካ’ዚ ኣብቲ ናይ መጋቢት ደብዳበ፡ እቲ ኣብ ሰሙን 14 ግዜ ዝግበር ዝነበረ በረራ፡ ናብ 10 ክወርድን፡ ብንኣሽቱ ነፈርቲ ጥራይ በረራ ክግበር ማዕቀብ ከምዝተነብሮም፡ ኣቶ መስፍን ኣተሓሒዙ ዘርዚሩ።

ነዚ ኵነታት ንምምሕያሽ ኣኼባ ክንገብር ሓቲታና ብምባል ድማ ብወገን ኤርትራ ፍቓደኛታት ኣይኰኑን ኢሉ።

እንተዀነ፡ እቲ መገዲ ኣየር ሕጊ ናይታ ሃገር ምኽባር ግዴታ ስለዘለዎ፡ ዋላ ብኽሳራ ዓበይቲ 160 ሰባት ዝጽዕና ነፈርቲ መዲብና ሳናጡ ድሕሪት ከይተረፈ ከምዝጓዓዝ ጌርና። ኣብዚ እተን ነፈርቲ ካብ 100 ዘይበዝሑ ገያሾ ሒዘን ዝኸዳሉ ኵነታት’ውን እንተዀነ ዋላ ብክሳራ ክንበርር ወሲንና ይብል።

ብኸምዚ ኵነታት ክሳብ ሓምለ ብምቕጻል፡ ዝዀነ ቅሬታ ኣይመጸን። በዚ ድማ ድሌታት ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ ኣማሊእና ኢና ንብል ዝበለ ኣቶ መስፍን፡ “በዚ ኣገልግሎትና ዝተሓጐሱ እዩ ዝመስለኒ፡ ኣብ 8 ሓምለ ኣብ ዝለኣኽዎ ደብዳበ፡ እቲ ካብን ናብን ኣስመራ ዝግበር ዝነበረ 10 በራራ ኣብ ሰሙን ናብ 15 ክብ ከነብል፡ እቲ ዝነበረ ‘ናሮው ቦዲ’ ዝዀና ንእስ ዝበላ ነፈርቲ ዘይኰነስ ብዝደለኹምዎ መገዲ ‘ዋይድ ቦዲ’ ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም ኢሎምና፡” ብምባል ነቲ ሽዑ ዝመጾም ውሳነ ብሓጐስ ከምዘተቐበልዎ ገሊጹ።

እዚ እናዀነ ግን 21 ሓምለ፡ ድሕሪ 13 መዓልታት ኣቢሉ፡ ዘሰንብድ ደብዳበ ከምዝመጾም እዩ ዝገልጽ። እቲ ደብዳበ ዝዀነ መግለጺ ይዅን መብርሂ ዘይብሉ፡ “መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 30 መስከረም 2024 ጀሚሩ ናብ ኣስመራ ዝገብሮ በረራ ተኣጊዱ ኣሎ” ዝብል ትሕዝቶ ጥራይ ዘለዎ ደብዳበ ከምዝበጽሖም ይዛረብ።

ብድሕሪዚ መብርሂ ንምርካብ ብተሌፎን ይዅን ብደብዳበ ዝገበርዎ ተደጋጋሚ ጻዕሪ ከምዘይተዓወተ እቲ ኣካያዲ ስራሕ ይጠቅስ። እቲ ጉዳይ ካብኦም ሓሊፉ፡ ብመገዲ መዘና ትካል ሲቪል ኣቭየሽን ኢትዮጵያ ክተሓዝ ብዝተገብረ ጻዕሪ፡ ንሳቶም’ውን ምስ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ ንምዝርራብ ዝገበርዎ ተመሳሳሊ ጻዕሪ ኣይተዓወተን፡ ኢሉ።

ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian Airlines

ገንዘብ ብዝምልከት

ኣቶ መስፍን ኣብቲ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ትካል ኣብ ኤርትራ ዘሎ ካብ ሽያጥ ትኬት ዝተኣከበ ገንዘቡ ከውጽእን ክጥቀመሉን ከምዘይከኣለ ገሊጹ።

ክሳብ'ቲ ብኤርትራ ዝተቐመጠ ግደብ ግዜ እገዳ በረራ፡ "ብዝርርብ ኣብ መስርሕ ነገራት ክመሓየሽ ይኽእል እዩ ኢልና እናተጸበና፡ ብ25 ሓምለ፡ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ወኪል ቤት ጽሕፈትና ብዘይፈለጥናዮ መገዲ፡" ገንዘብ ምጥቃም ከም ዝተኣገደ በቲ ባንክ ከምዝተነግሮ ሓቢሩ። ዋና ኣካያዲ ስራሕ፡ "ገንዘብ ተቐቢሎምዎ፡ ኣውጺእካ ንኢትዮጵያ ምልኣኽ ግን ተኸልኪልኩም ኢኹም" ኢሎምዎ ይብል።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ባንክታት ኤርትራ ናይ ናቕፋን ሸርፊ ወጻኢን (ዶላር፡ ዩሮን ካልእን) ከምዝነበሮ ጠቒሱ።

እቲ መግለጺ፡ እቲ እገዳ ዝገበረ በዓልመዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ ከምዝዀነ'ኳ እንተጠቐሰ፡ ብወገን ኤርትራ ብዛዕባ'ዚ ዝተዋህበ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን።

ነቲ ባንክ ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ገንዘብና ክተሓዝ ኣይግባእን ኢልና ተኸራኺርና ብምባል ኣቶ መስፍን፡ ገንዘብ ኣውጺእና ሰራሕተኛታት'ውን ክንከፍል ስለዘይከኣልና፡ እቲ ጉዳይ ጠንቂ ብሰኑይ ዝተወስደ ሃንደበታዊ ውሳነ ምቍራጽ በረራታት ምዃኑ'ውን ኣመልኪቱ።

ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም ብልዝብ ንምፍታሕ "ጻዕርታት" ክቕጽል ምዃኑ'ውን ተስፋኡ ገሊጹ'ሎ።

ብሰኑይ 2 መስከረም፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ "ኣብ ኤርትራ ከጋጥሞ ዝጸንሐ ኣሸጋሪ ዕንቅፋታት ስራሕ ካብ ክጸሮ ዝኽእል ንላዕሊ ምዃኑ” ብምጥቃስ፡ ነቶም ካብን ናብን ኣስመራ ዝገሹ ዓማዊሉ ካብ ሰሉስ 3 መስከረም በረራኡ ደው ከምዘብል ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ዋጋ ናይቲ ካብን ናብን ኣስመራ ዝግበር በረራታት ብልዕሊ ሰለስተ ዕጽፊ ከምዝወሰኸ ኤርትራውያን ተጓዓዝቲ ከማርሩ ጸኒሖም'ዮም።

እቲ መንገዲ ኣየር ብወገኑ፡ ምስ ለበዳ ኮቪድ-19 ብዝተሓሓዝ ዋጋ በረራታት ክውስኽ ከምዝኸኣለ'ዩ ዝምጕት።

በረራታት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም 2018፡ ንኽልቲአን ሃገራት ዘተኣሳስር እንኮ ቍጠባዊ መስመር ኰይኑ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ መስፍን ጣሰው፡ እቲ መገዲ ኣየር፡ ብክሊ ኣየር ኤርትራ በረራ ክቕጽል ድዩ? ተባሂሉ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ንኣመሪካ፡ ኣውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ዝግበሩ ዝተወሰኑ በረራታት ክሊ ኣየር ኤርትራ ከም ዝጥቀሙ ብምጥቃስ፡ "ክሊ ኣየር ኤርትራ ንኸይንሓልፍ ዘገድድ ኵነታት የለን" ኢሉ።

ነዚ ብኣቶ መስፍን ጣሰው ዝተዋህበ መግለጺ ኣመልኪቱ፡ ካብ ሰብመዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ ዝተዋህበ ምላሽ ዛጊት የለን።