ኤርትራ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ በረራኡ ካብን ናብን ኣስመራ ከቋርጽ ወሲና

ደስታአን ዝገልጻ ኣዋልድ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

በዓል መዚ ሲቪል ኣቭየሽን ኤርትራ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብን ናብን ኣስመራ ከካይዶ ዝጸንሐ በረራታት ከቋርጾ ከም ዝወሰነ ብዘውጽኦ ምልክታ ኣፍሊጡ።

እቲ በዓል መዚ ኣብ ሓዳስ ኤርትራ ‘ናብ ኵሎም ገያሾ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ’ ኢሉ ኣብ ዘውጽኦ ምልክታ ናብ ከምዚ ውሳነ ክበጽሕ ዘገደዶ ምኽንያታት ብምጥቃስ እቲ መገዲ ኣየር ካብ 30 መስከረም 2024 ጀሚሩ ካብን ናብን ኤርትራ ዘካይዱ በረራታት ከቋርጽ ከምዝወሰነ ገሊጹ።

ሲቪል ኣቪየሽን ኤርትራ፡ በቲ መገዲ ኣየር ኣቢሎም ካብን ናብን ኤርትራ ንዝኸዱ ገያሾ ኣብ ዘውጽኦ መልእኽቲ፡ እቲ በረራ ዝቋረጸሎም ምኽንያታት ዘርዚሩ ኣሎ።

“እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ልዕሊ ካብን ናብን ኤርትራ ዝንቀሳቐሱ ገያሾ፡ ከውርዶ ዝጸንሐን ዘሎን ዘይንቡር ንግዳዊ ንጥፈታት፡ ብፍላይ ድማ ስልዒት ዘይፍትሓውን ዘይርትዓውን ናህሪ ዋጋታት፡ ምስራቕ፡ ምዕናው፤ ምጥፋእ፡ ክቱር ምድንጓያት ባልጃታት ገያሾን ካልእን” ክፍጸም ምጽንሑ ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጕድለታቱ ኪእርምን ንግዳያት ካሕሳ ኪኸፍልን፡ ብወገን በዓል መዚ ሲቭል ኣቭየሽን ዝቐረበሉ ሕቶ ዕሽሽ ከም ዝበለ ጠቒሱ።

በዚ መሰረት፡ እቲ መንገዲ ኣየር ካብ 30 መስከረም 2024 ጀሚሩ ካብን ናብን ኤርትራ ከካይዶ ዝጸንሐ በረረታት ከቋርጽ ተወሲኑ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ኵሎም ገያሾ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጕዕዞኦም ከይሰናኸል ብእዋኑ ኣማሪጺታት ከናድዩ ኣዘካኺሩ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ እቲ ውሳነ ብ21 ሓምለ ከም ዝበጽሖ ብምምልካት፡ ዝርዝር መብርሂ ግን ከምዘይተቐበለን፡ እንተዀነ እቲ ጉዳይ ተዘራሪብካ ክፍታሕ ከምዝከኣል ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ'ሎ።

ብዙሓት ተጓዓዝቲ ግን፡ ዋጋ እቲ መገዲ ኣየር ካብ ንቡር ንላዕሊ ዝተጋነነ ከም ዝዀነ ብምሕባር መረረኦም ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።

እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ 2018 ዳግም በረራ ክጅምር እንከሎ ንኣብነት ካብን ናብን ኣስመራ ናይሮቢ 400 ዶላር ዘኽፍል ዝነበረ ኣብዚ እዋን ልዕሊ 1300 ዶላር ከም ዝደየበ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ ካልኦት መስመራት እውን ብተመሳሳሊ ዋጋ ኣመና ክቡር ከምዝዀነ ክንገር ጸኒሑ እዩ።

ብዘይካ'ዚ፡ ቅድሚ ሕጂ እቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ዝግበር ጕዕዞ ሓደ ሰዓትን 40 ደቒቕን ዝወስድ ኰይኑ፡ ዋጋ ትኬት ኣስታት ሓደ ሽሕ ዶላር በጺሑ ዝብል መረረታት ክስማዕ ጸኒሑ ነይሩ።

ብፍላይ ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝነበረ ዋጋ ብምጥቃስ፡ ተጓዓዝቲ "እቲ ሕጂ ዘሎ ዋጋታት ኣመና ተጋኒኑ’ዩ" ክብሉ ጽኒሖም እዮም።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ድሕሪ እቲ ለበዳ ኣብ ዋጋ ትኬት ወሰኽ ከም ዝተራእየ ሓቢሩ።

ይዅን’ምበር፡ ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝነበረ ዋጋ ትኬትን ሕጂ ዘሎን ብዙሕ ፍልልይ የብሉን ዝበለ ኰይኑ፡ ኣብቲ ግዜ ንሓደ በረራ 279 ዶላር ከም ዝነበረ ኣዘኻኺሩ ነይሩ።

እቲ መገዲ ኣየር፡ ንልዕሊ 75 ዓመታት ንኣፍሪቃውያን ናብ ሓደ ንምምጻእ ጻዕሪ ክገብር ከም ዝጸንሐ ብምግላጽ “ንኣፍሪቃውያን ወገናትና ንምብዝባዝ ዕላማ የብልናን” ኢሉ እዩ።

ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ, YEMANE G.MESKEL

መግለጺ ስእሊ, መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ 20 ዓመት ብ 18 ሓምለ 2018 ስሩዕ በረራኡ ናብ ኣስመራ ዳግም ጀሚሩ

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብ 1998 ብሰንኪ ዝተወልዐ ዶባዊ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብን ናብን ኤርትራ ዘካይዶ ዝነበረ በረራታት ከም ዘቋረጸ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኣብ 2018 ምስ ምምጻእ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን፡ ድሕሪ 20 ዓመት ብ 18 ሓምለ [2018] ስሩዕ በረራኡ ዳግም ጀሚሩ።

ካብቲ እዋን ኣትሒዙ ከኣ እቲ መገዲ ኣየር ብስሩዕ ካብን ናብን ኣስመራ በረራታት ከካይድ ጸኒሑ እዩ፤ እንትርፎ እቲ ሓሓሊፉ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ከቋርጾ ዝጸንሐ በረረታት፡ መዓልታዊ በረራታት ካብን ናብን ኣስመራ የካይድ።

ናብ ኤርትራ ብዘይካ መንገዲ ኣየር ኢትየጵያ፡ መንገዲታት ኣየር ግብጺ፡ ቱርኪ፡ ዱባይን በረራታት የካይዳ’የን።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢጣልያን ብዝተበጽሐ ስምምዕ መንገዲ ኣየር ኢጣልያ ናብ ኣስመራ በረራ ክትጅምር ምዃና ተገሊጹ ነይሩ’ዩ።