ኵናት ትግራይ፡ ቁፅሪ ካብ ክልል ዓፋር ዝተመዛበሉ ሰባት ልዕሊ 112 ሽሕ በፂሑ

ምንጪ ስእሊ, WFP Ethiopia
ፕሮግራም ምግቢ ዓለም፡ ብሰንኪ ካብ ትግራይ ናብ ክልል ዓፋር ዝተላብዐ ኵናት ናይ ዝተመዛበሉ ሰባት ቁፅሪ ልዕሊ 112 ሽሕ ከምዝበፅሐ ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል፡ ምስ ክልል ዓፋርን መንግስቲ ፌደራልን ብምዃን ህፁፅ ረድኤት ምግቢ የብፅሕ ከምዘሎ ገሊፁ።
ዛጊድ፡ ኣብ ሓሙሽተ ወረዳታት ንዝርከቡ ኣስታት 30 ሽሕ ስድራ፡ ስርናይ፣ ጥረምረን ናይ ኣትኽልቲ ዘይትን ምብፃሕ ከምዝኸኣለ ብመገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን 10 ኣዋርሕ ዘቑፀረን ኵናት፡ ኣብዚ እዋን ናብ ጎረቤት ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝተላብዐ እንትኾን፡ ብሰንኪ እቲ ኵናት ልዕሊ ፍርቂ ሚልየን ሰባት ከምዝተመዛበሉ ይግለፅ።
ኣብቲ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ፍሉይ ሓይልን ምልሻን ኣምሓራ፡ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝገጠምሉ ኵናት ትግራይ ፡ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰላማውያን ሰባትን ቁፅሮም ዘይፍለጥ ተዋጋእትን ተቐቲሎም'ዮም።
ኣብቲ ዝሓለፈ 21 ሰነ 2013 ዓ.ም ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ንርእሰ ከተማ ትግራይ ከተማ መቐለ ቅድሚ ምቁጽጻሮም፡ መንግስቲ ፌደራል በይንኣዊ ተኹሲ ደው ምባል ኣዊጁ ኔሩ።
መንግስቲ ፌደራል፡ "ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሓረስቶት ናይ ሕርሻ እዋኖም ከይሞናገን ሰራሕተኛታት ረድኤት ህይወት ከድሕኑ ዕድል ንምሃብን" ብዝብል በይነኣዊ ተኹሲ ደው ምባል ከምዝኣወጀ እንትገልፅ፡ ሓይልታት ትግራይ ግና መንግስቲ ፌደራል "ብሓይሎም ተደፊኡ ከምዝወፅአ" እዮም ዝገልፁ።
ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ነቲ ብመንግስቲ ፌደራል ዝተኣወጀ ብሓሳብ ደረጃ ከምዝቕበልዎ ብምግላፅ፡ ቅድመ-ኹነት ኣቐሚጦም ይርከቡ።
ካብ ሞንጎ እቶም ቅድመ-ኹነታት ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ካብ ትግራይ ክወፁ ኣለዎም ዝብል ይርከቦ።
ኣብቶም ዝሓለፉ ኣዋርሕ ነቲ ኵናት ስዒቡ፡ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ብዘይሻራዊ ኣካል ክምርመር፣ መብራህትን መጓዓዝያ ነፋሪትን ሓዊሱ ካልኦት ዝተቛረፁ ኣገልግሎት መሰረተ ልምዓት ክጅምሩ'ውን ሓቲቶም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዩ ኣሕመድ፡ ኩሎም ዜጋታት ናብቲ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ክጽምበሩ ምጽውዑ ይዝከር፡፡
ንሱ ብቤት ጽሕፈቱ ኣቢሉ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ‘‘ኩለኹም ኣብቲ ሃገር ናይ ምክልኻል ወፍሪ ንምስታፍ ዕድመኹምን ዓቕምኹምን ዝፈቅድ ኢትዮያውያን፡ ናብ ሰራዊት ምክልኻል፣ ፍሉይ ሓይልን ሚልሻን ብምእታው ሓለውቲ ሃገር ምዃንኩም እተርእዩሉ እዋን እዩ’’ ኢሉ፡፡
ኣብዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ፃውዒት ክተት ኣብ ዝቐርበሉ እዋን ድማ፡ እቲ ኵናት ናብ ሓድሽን ዝያዳ ደም ናብ ዘፋስስን ምዕራፍ ከይሰጋገር ይስጋእ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







