ቅልውላው ዓፋር፡ ኣብ ክልል ዓፋር ብዝቕጽል ዘሎ ውግእ ቁጽሪ ተመዛበልቲ ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ንዝሓለፉ ኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ትግራይን ኣብ ጎኒ መንግስቲ ፌደራል ዝተሰለፉ ሓይልታትን፡ ኣብ ክልል ዓፋር ብዝካየድ ዘሎ ከቢድ ውግእ ምኽንያት ኣሽሓት ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተመዛበሉ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ኣብቲ ልዕሊ ሸሞንተ ኣዋርሕ ዘቑጸረ ኲናት መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ጎረቤት ክልል ዓፋርን ገለ ከባቢታት ክልል ኣምሓራን ከም ዝበጽሐ ይግለጽ ኣሎ።
ቃሎም ንቢቢሲ ዝሃቡ ነበርቲ ዓፋር በቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጉድኣት በጺሑ ኢሎም።
ወሃቢ ቃል ህወሓት ግን ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ክልል ንሰላማውያን ሰባት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ከም ዘይፈጸሙ ገሊጹ።
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ልዕሊ እቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት ዕውት ወተሃዳራዊ ስጉምቲ ወሲደ ኣለኹ ኢሉ።
ይኹን’ምበር ብምኽንያት ኣብቲ ክልል ዘሎ ምቁራጽ ኣገልግሎት ስልክን ቴሌኮምዩኒኬሽንን እዞም ጸብጻባት ብሳልሳይ ወገን ምርግጋጽ ኣይተኻእለን።
ሓላፊ ቢሮ ምክልኻል ሓደጋን ውሕሰንት መግብን እቲ ክልል ኣቶ መሓመድ ሑሴን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ዛጊድ ኣስታት 70 ሽሕ ሰባት ከም ዝተመዛበሉ ገሊጹ።
እቲ ግጭት ዝካየደሉ ዘሎ ቦታ ዞባ ኣርባዕተ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምስ ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ዝዋሰን ከባቢ ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ ሓላፊ፡ ካብ ጎሊና፣ ኣውራ፣ ኡወን ቴሩን ዝተባህላ ወረዳታት እቲ ዞባ ኣስታት 70 ሽሕ ህዝቢ ከምዝተመዛበሉ ገሊጹ።
“እቲ ግጭት እናሰፍሐ እንተኸይዱ ቑጽሪ ተመዛበልቲ ከይውስኽን ማሕበራዊ ቅልውላው ከይፍጠርን ስግኣት ኣለና። እቶም ነበርቲ ናብ በረኻን ኣብ ቀረብኦም ናብ ዝርከብ ከተማን ተመዛቢሎም ምህላዎም ከነረጋግጽ ክኢልና ኢና። ኣብ ኣብያት ትምህርትን ጥዕና ጣብያን ዘዕቖቡ’ውን ኣለው” ኢሉ።
ኣብ ገለ ከባቢታት ኣገልግሎት ስልኪ ብዘይምህላዉ ክበጽሑዎም ዘይከኣሉ ክፋላት ሕብረሰተብ ክህልው ከም ዝኽእሉ ዝገልጽ ኣቶ መሓመድ፡ “ክሳብ ሕጂ ብዘለና ዓቕሚ ንሓደ ሽሕ ሰባት መግቢ፣ ኣልባሳትን ናይ ህጻናት መግብን ከነብጽሕ ጻዕሪ ገይርና ኢና” ብምባል ተዛሪቡ።
ብሰንበት ኣብ ልዕሊ ብክልል ዓፋር ኣቢሉ ናብ ትግራይ ዝጉዓዛ ዝነበራ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጽዓና ቃፍላይ መካይን መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ገሊጹ ነይሩ።
እዚ መጥቃዕቲ ብመን ከም ዝተፈጸመ ጌና ኣብ ምጽራይ ምህላው’ውን ወሲኹ ገሊጹ’ዩ።
እንተኾነ፡ እቲ መጥቃዕቲ ነቲ ብሚልዮናት ዝቑጸር ህጹጽ ሰብኣዊ ረድኤት ዘድልዮ ህዝቢ ተበጻሒ ኣብ ምግባር ምትዕንቓፋት ከም ዝፈጠረ ኣፍሊጡ።
ምጽራይ ሓበሬታ እዋን ህጹጽ ጊዜ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ "ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልታት መግብን መግቢ ዘይኮኑ ናውትን ሒዘን ናብ ትግራይ ዝጓዓዛ ዝነበራ 198 መኻይን ከይሓልፋ መገዲ ብምዕጻው መጥቃዕቲ ሽበራ ፈጺሞም" ክብል ንሓይልታት ትግራይ ከሲሱ’ዩ።
ሓይልታት ትግራይ "ረድኤት ንኸይበጽሕ መገዲ ዓጽዮም" ብዝብል ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐረበ ክሲ ዛጊድ ዝሃቡዎ ርኢይቶ’ኳ እንተዘይሃለወ፡ መንግስቲ ፌደራል ኮነ ኢሉ ኩሎም ኣማራጺ መገዲታት ብምዕጻው ናብቲ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘጋጠሞ ህዝቢ ረድኤት ከይበጽሕ ይገብር ኣሎ ዝብል ክሲ ካብ ትግራይ ይቐርብ እዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







