ኢትዮጵያ፡ ስለምንታይ ኤምባሲታት ትዓጹ ኣላ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሓደ መስከረም 2021 (2013) ኢትዮጵያ ብወግዒ ኣብ ኣልጄሪያ ዝነበረ ኤምባሲኣ ከም ዝዓጸወቶ ኣፍሊጣ'ላ።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ካብ ዘለዋ ኣስታት 60 ኤምባሲታትን ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈትን እቶም ፍርቂ ክዕጸው ምዃኖም ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።
እዚ ነቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ብ5 ሓምለ 2021 (2012) ዝሃቦ ርኢይቶ ምዕጻው ወይ ምጉዳል ብዝሒ ኤምባሲታትን ቆንስላ ኣብያተ ጽሕፈትን ስዒቡ ዝመጽአ ውሳነ ከም ዝኾነ ይፍለጥ።
ኣብቲ እዋን፡ "ሕጂ በብቦትኡ ዶላር ካብ እንብትን ንሽዱሽተ ወርሒ ይኹን ንሓደ ዓመት ሕጂ ካብ ዘለውና ብዝሒ ኤምባሲታት ብውሑዱ እቶም 30 ክዕጸው ኣለዎም። እዚኦም ተዓጽዮም እቲ ኣምባሳደር ኣብዚ ኮይኑ ስራሑ ይሰርሕ" ብምባል ምዕጻው ኤምባሲታት ኣአንፊቱ ነይሩ።
ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝተጸምበረን ኣብ ኣልጄሪያ ኣብ ዝነበረ ኤምባሲ ንሰለስተ ዓመታት ዘገልገለን ዲፕሎማት ሰመረ ኪዳነ፡ እቲ ውሳነ ሃንደበታውን ዘሰንብድን ከም ዝኾኖ ይዛረብ።
ንሱ፡ እቲ ውሳነ ቅድሚ ምምጽኡ "ብዝነበሮ ኣፈላላይ" ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ስራሑ ጠጠው'ኳ እንተኣበለ፡ "እዚ ክሰምዕ ከለኹ ግን ሰንቢደ'የ፤ ኣይትጽበዮን ኢኻ። ብዙሕ ዝሰራሕኹሉ ኤምባሲ ስለ ዝኾነ ሃንደበታውን ከቢድን'ዩ። ሳዕቤኑ ክትሪኦ ከለኻ ከቢድ'ዩ" ኢሉ።
ይኹን'ምበር፡ እዚ ውሳነ እታ ሃገር ገለ ኣጸጋሚ ኩነታት ኣጋጢሙዋ ምህላው ዘመልክት'ዩ ክብሉ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ዲፕሎማሰኛታት ይገልጹ።
ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ኩለን ሚስዮናት ኣብ ዝጽሓፎ ደብዳበ፡ ኩሎም ሰራሕተኛታቱ ክምለሱ ስለ ዝተወሰነ፡ ኣብ ዝተመደብሉ ቦታ ክግልገልሉ ዝጸንሑ ንብረት ኣረኪቦም ክሳብ 15 ነሓሰ 2013 ዓ.ም [ግእዝ] ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ዋና ቤት ጽሕፈት (ኣዲስ ኣበባ) ሪፖርት ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ ምንባሩ ይፍለጥ።
ይኹን'ምበር፡ ዝተፈላለዩ ሰራሕተኛታት ገለ ኤምባሲታትን ቆንስላ ቤት ጽሕፈትን ብሰንኪ እዚ ጻውዒትን ስጉምቲ ምዕጻውን ናብ ዓዶም ዘይምለሱን ስርሖም ጠጠው ከብሉ ይግደዱ ከም ዘለውን ይዛረቡ።
ካብ 2014 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ጀሚሩ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ዲፕሎማት ኢትዮጵያ ብምዃን ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ብራስለስ ንጉዳያት ሕብረት ኤውሮጳ ክከታተል ዝጸንሐ ክኢላ ዲፕሎማስን ዓለምለኻዊ ርክባትን መርከብ ነጋሽ ሓደ ካብኣቶም'ዩ።
እቲ ኤምባሲ ካብቶም ዝዕጸው ሓደ'ኳ እንተዘይኮነ፡ ኩሎም ግን ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ናብ ዓዲ ተመሊሶም ሪፖርት ክገብሩ ደብዳበ በጺሑዎም'ዩ።
በዚ መሰረት መብዛሕትኡ ዲፕሎማት ናብ ሃገር ተመሊሱ ሪፖርት ብምግባር ስልጠና ተዋሂቡዎ ከከም ኣድላይነቱ ዳግም ክምደብን ዘይክምደብን ይኽእልን'ዩ ዝብል ወግዓዊ መብርሂ ከም ዝተዋህቦም ዝገልጽ እቲ ዲፕሎማት፡ ክሳብ ሕጂ ግን ግልጽን ዘእምንን ምኽንያት የለን'ዩ ዝብል።
ካብዚ ብዝብገስ፡ ናብ ሃገር ከም ዘይምለስን ስርሑ ጠጠው ከብል ከም ዝወሰነን ይዛረብ።
"ሪፖርት ኣይገበርኩን፤ ኣብዚ ዘለኒ ሓላፍነትን ኣቑሑትን ግን ኣረኪበ'የ [ኣብ ብራስለስ]። ኣይምለስን" ብምባል ነዚ ድርኺት ዝኾኑዎ ምኽንያታት ብዙሓት ከም ዝኾኑ ይጠቅስ።
እቲ ካብ ክልል ትግራይ ምዃኑ ዝተዛረበ ዲፕሎማት: እቲ ኣብቲ ክልል ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ከም ዝጸልዎ ብምግላጽ "እቲ ኣብ ሃገር ዘሎ ኩነታት ስለ ዝፍለጥ፡ ድሕሪ ሕጂ ነዛ ሃገር ንምግልጋል ድልየት የብለይን" ብምባል የብርህ።
እቲ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ዓለምለኻዊ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ክገልጽኦ ዝጸንሓ ክሳብ 'ምስዋር' ዝበጽሕ ማእሰርትን ምንግልታዕን ተወለድቲ ትግራይ ድማ ካልእ ዘስግኦ ምኽንያት ከም ዝኾነ ዘልዕል ዲፕሎማት መርከብ፡ "ንድሕነተይን ድሕነት ስድራቤተይን ስለ ዝሰግእ ንዘይምምላስ ወሲነ" ኢሉ።
ሰብመዚ መንግስቲ ግን፡ ዝኾነ ብመንነቱ ዝተኣስረ ከም ዘየለን ምስቲ መንግስቲ ኣሸባሪ ኢሉ ዝጽውዖ ህወሓት ርክብ ዘለዎም ተሓተትቲ ክኾኑ ይግበር ከም ዘሎን ይገልጹ።
ክሳብ ወርሒ ሓምለ ንትሸዓተ ዓመታት ካብቲ ሚኒስትሪ ጀሚሩ ክሳብ ኣብ ጅቡቲ ጸኒሑ ድማ ኣብ ኣቡዳቢ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ዝሰርሐ ዳዊት ንጉሰ ዝተባህለ ካልእ ዲፕሎማት ብወገኑ፡ እቲ ውሳነ ይኹን መንግስቲ ዘቕርቦ ዘሎ ምኽንያታት ዘዕግብ ኣይኮነን ብዝብል መብዛሕትኡ ዲፕሎማት ሞራሉ ተሃስዩ'ዩ ይብል።
ካብዚ ብዝብገስ ብዙሓት አኣብ ዘለውዎ ሃገር ናይ ምትራፍ ዝንባለታት ከም ዘለው እዩ ዝገልጽ።
"ኣነ ዝፈልጦም መሳርሕተይ ዝነበሩ ሰባት በቲ ውሳነ ሰንቢዶም'ዮም፤ ገሊኦም ድማ ናይ ምምላስ ድልየት የብሎምን። ዝጸረየ ነገር ስለ ዘየለ ናብ ሃገር ተመሊስካ'ውን ኣብቲ ስራሕ ዘይምቕጻል ከጋጥም ይኽእል'ዩ ብዝብል ሻቕሎት ስራሕካ ምስኣን የስግኦም እዩ" ኢሉ።
ይኹን'ምበር፡ ደገፍቲ መንግስቲ እዞም ናብ ሃገርና ኣይንምለስ ዝብሉ ዘለው ገለ ልኡኻት እቶም ሚስዮናት ቅድሚ ሕጂ ብፖለቲካዊ ውሳነ ዝተመደቡን ፖለቲካዊ ውግንና ዘለዎምን'ዮም ኢሎም ይነቕፉዎም።
እቶም ዲፕሎማሰኛታት ዝነበሩ ግን፡ ብፐብሊክ ዲፕሎማስን ዓለምለኻዊ ርክባትን ካብ ዩኒቨርሲቲ ተመሪቖም ብቐጥታ ናብቲ ሚኒስትሪ ብምእታው ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ክወስዱ ዝጸንሑ ምዃኖም ይዛረቡ።
በዚ መሰረት ኣብ ዙርያ ዲፕሎማሲ ወደብ፣ ህዝቢ ንህዝቢ፣ ኢንቨስትመንት ወጻእን ካልኦት ስራሕቲ ዲፕሎማስን ዝሰልጠኑን ብሞይኦም ዘገልግሉ ዝነበሩን ምዃኖም ሓቢሮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣብቲ ንኣባላት ባይቶ ዝሃቦ መብርሂ፡ ንኤምባሲታት ብዙሕ ገንዘብ ከም ዝፈስስ ብምግላጽ እቲ ሚኒስትሪ ከም ብሓድሽ ንምጥንኻር ብዙሓት መናእሰይ ሰልጢኖም ናብ ሚኒስትሪ ጉዳይ ተጸምቢሮም ምህላዎም ተዛሪቡ ነይሩ።
ካብዚ ወጻኢ "ካብ ኤምባሲታት ብዘይንኣኣስ ልዕሊ ኣምባሳደር ዝሰርሑ ኢትዮጵያውያን ኣለው። ኣብ ሎስ ኣንጅለስ ከይተኸፍሎ ዝሰርሕ ዜጋ ኣሎ፤ ንዕኡ ዲያስፖራ ኣተሓባብር ኢልካ እቲ ካልእ ምእካብ ከድሊ እዩ። ኣብ ወጻኢ ዘለኹም ኢትዮጵያውያን ነዚ ተዳለው፤ ኢትዮጵያ ካብዚ ንላዕሊ ክትስከም ኣይትኽአልን" ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፉ ነይሩ።
ንምዃኑ ምኽንያት ምዕጻው እንተን ኤምባሲታት ካብ ምንታይ ይነቅል?
እቲ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ዝተዓጽወ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣልጄሪያ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ቁጠባ ኢትዮጵያ ብዘብጽሖ ሃስያ፡ ሕጽረት ገንዘብን ምዝባዕ ቁጠባን ስለዘጋጠመ ከም ዝተዓጸወ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣፍሊጡ።
ብዘይካ'ዚ ኣድላዪ ምምሕያሻት ብምግባር ኢትዮጵያ ኣብ ዲፕሎማሲ ዓለም ብዝያዳ እትውከለሉ መገዲ ንምእላሽ ዝዓለመ ውሳነ ምዃኑ ኣብቲ ብማሕበራዊ ሚዲያ ዝዘርግሖ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብታ ሃገር ምስ ዘሎ ጽገናታት ብዝተኣሳሰር ኣብ ዙርያ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ዝሓሸ ስርዓት ስቪል ሰርቪስ ንምዝርጋሕ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ኩሎም ትካላት ይፍተሽ ከም ዘሎ ብምጥቃስ፡ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ'ውን መሰረታዊ ለውጢ ንምምጻእ ክሰርሕ ከም ዝጸንሐ ሓቢሩ ምንባሩ ይግለጽ።

ምንጪ ስእሊ, ETHIOPIAN EMBASSY, ALGIERS
ብቐንዱ ግን ብደረጃ ዓለም ዘጋጠመ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ካልኦት ቑጠባዊ ጸቕጥታትን ኣብ ግምት ብምእታው ብዝብል እቲ ሚኒስትሪ ምምሕያሽ ክገብር ወሲነ ከም ዝበሎም ምንጪታትና ይሕብሩ።
ገንዘብ ስለ ዘየለ ብዙሕ ኤምባሲታትን ቆንስላ ቤት ጽሕፈትን ኣየድልን ተባሂሉ ዝዕጸዋ፣ ብሓደ ኣምባሳደር ክሰርሓ ዝተባህላ፣ ካብ ዋና ቤት ጽሕፈት [ኣዲስ ኣበባ] ኣምባሳደራት ኮይኖም ክሰርሑ ዝተባህሉ ብኻልእ ወገን ድማ ሰበን ቐይረን ወይ ነክየን ክሰርሓ ዝተወሰነለን ኤምባሲታት ምህላወን ገሊጾም።
ክሳብ ሕጂ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝርዝር እተን ዝዕጸዋ ኤምባሲታትን ቆንስላ ጽሕፈት ቤትን ዝሃቦ ርኢይቶ የለን።
ብመሰረት ምንጪታት ቢቢሲ ግን፡ ኣብ ሙስካት፣ ዘ-ሄግ፣ ደብሊን፣ ሎስኣንጅለስ፣ ሚኒሶታ፣ ፍራንክፈርት፣ ኢስታንቡል፣ ጓንጁ፣ ሻንጋይ፣ ቾንቺን፣ ሙምባይ፣ ኣቢጃን፣ ኩዌት፣ ጃካርታ፣ ካምቤራ፣ ብራዚሊያ፣ ኦታዋ፣ ሃቫና፣ ሃራሬ፣ ራባት፣ ኣልጀርስ፣ ካይሮ፣ ዳካር፣ ኣክራ፣ ኪጋሊ፣ ኪንሻሳ፣ ሴኡል፣ ዶሃ፣ ባሕሬን፣ ስቶክሆልም ዝርከቡ ሚስዮናት ክሳብ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ዓ.ም ኣብ ዘሎ ግዜ ክዕጸው ምዃኖም ቢቢሲ ዝረኣዮ ሰነድ ይሕብር።
ብፍላይ ኣብ ሚኒሶታ (ኣመሪካ) ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ዝተኸፍተ'ዩ ነይሩ።
ኣብዞም ሚስዮናት ዝነበሩ መገልገሊ ኣቐሑት ናብ ሃገር ክምለሱን ኣብ ዘለውሉ ሃገር ድማ ኣብ ውሑስ ቦታ ክዕቆቡን ይግባእ ክብል እንከሎ፡ ኣብ ገሊአን ሚስዮናት ዝነበሩ ኣቑሑት ግን ንነዊሕ ዓመታት ዘገልገሉ ስለ ዝኾኑ መምርሒ ምውጋድ ንብረት መንግስቲ ፌደራልን ሕጊ እተን ሃገራትን ተኸቲልካ ብኣግባቡ ክውገዱ እቲ ሰነድ የተሓሳስብ።
ካብዚ ሓሊፉ ከም ኣብ ኪጋሊን ታንዛኒያ ዶዶማን ዝነበሩ ኤምባሲታት ብ'ላፕቶፕ ኣምባሳደር'ን ካብ ዋና ቤት ጽሕፈት [ኣዲስ ኣበባ] ኮይነን ንክሰርሓ ከም ዝተወሰነ ብምሕባር ንኹሎም ሰራሕተኛታት ስልጠና ተዳልዩ ኣሎ ይብል።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ብዙሓት ሃገራት ብሰንኪ ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ 'ኤምባሲታተን ነክየን' እየን ብምባል "ንሕና'ውን በብቦትኡ ብዙሕ ኤምባሲ ክንጥፍጥፍ ኣድላዪ ኣይኮነን፤ ገንዘብ ክንቁጥብ ኣድላዪ'ዩ" ምባሉ ይዝከር።
በዚ ኣገባብ ኢትዮጵያ ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ እያ ከትድሕን ዝብል'ኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ብምኽንያት እቲ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ግን መንግስቲ ብዙሕ ወጻኢታት ከም ዝገበረ ሓቢሩ እዩ።
ሰራዊት ፌደራል ቅድሚ ኣብ ከባቢ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ካብ ዝበዝሕ ከባቢታት ትግራይ ምውጽኡ፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝዓነው መሰረተ ልምዓት ተሌኮምን ካልኦትን ንምጽጋንን ካልኦት ሓገዛት ንምቕራብን መንግስቲ ልዕሊ 100 ቢሊየን ብር ወጻኢ ከም ዝገበረ እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣረዲኡ።
ካብ ምጅማር እቲ ኲናት ኣትሒዙ ድማ እታ ሃገር ኣስታት 2.3 ቢሊየን ዶላር ከም ዝኸሰረት ተኣሚኑ'ዩ።
ይኹን'ምበር፡ ኢትዮጵያ ክንድ'ዚ ዝኣክል ኤምባሲታት ክሳብ ምዕጻው ዘብጽሓ ዓብዪ ምኽንያት ሕጂ ገጢሙዋ ዘሎ 'ዲፕሎማሲያዊ ውድቀት' እዩ ክብሉ እቶም ሙሁራት ዲፕሎማስን ዓለምለኻዊ ርክባትን ይምጉቱ።
ብቐንዱ እቲ ኲናት ብዙሕ ክሳራታት ኣብጺሑ'ዩ ዝብል ሰመረ፡ "ኩሉ ኲናት ክሳርኡ ብዙሕን ኣዕናውን ስለ ዝኾነ እቲ ቁጠባዊ ጸገም ካብዚ ዝመንጨየ ይመስለኒ" ይብል።
ብኻልእ ወገን፡ መንግስቲ ብምኽንያት እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት ዓለምለኻዊ ጸቕጢ እናበጽሖ ከቢድ ዲፕሎማሲያዊ ክሳራ ከም ዘጋጠሞን እምነት ክስእን ገይሩ'ዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎን ይገልጽ።
ብፍላይ ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ዲፕሎማዊያዊ ክሳራ ገጢሙዎ'ዩ ዝብል ዲፕሎማት ዳዊት ንጉሰ፡ "ብናተይ ግምት ነቶም ኤምባሲታት ናይ ምዕጻው ሓደ ምኽንያት ካብ ዋሕዲ ሸርፊ ብተወሳኺ መንግስቲ ግቡእ ናይ ዲፕሎማሲ ስራሕ ኣይሰርሓን ኢሉ ብምሕሳብ ኣብ ኣመሪካን ኤውⶂጳን ሓዊሱ ዘለዋ ኤምባሲታት ክዕጸዋ እቶም ዲፕሎማት ሙለእ ንሙሉእ ክምለሱ ገይሩ" ክብል ተዛሪቡ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ እቲ ኣብ ኤምባሲታት ዝግበር ዘሎ ለውጢ ምስቲ ኣብ ኩሎም ሴክተራት መንግስቲ ዝግበር ዘሎ ዕረያታት ዝተኣሳሰር እዩ ክብል ገሊጹ ነይሩ።
"እዚ ኣብ ኤምባሲታትና ዝግበር ዘሎ ለውጢታት፡ ወጻኢታት ብምቑጣብን ዲጂታላዊ ብምግባርን ውጽኢታውነት ንምርግጋጽ ዝዓለመ'ዩ" ኢሉ።
እቲ ምዕጻው፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኖም ክሰርሑ ምግባርን ገለ ኤምባሲታት ብምዕጻፍ ኣገልግሎት ደሪብካ ክወሃብ ምግባርን ድማ ሓድሽ ከም ዘይኮነ ሓቢሩ።
"እቲ ቀንዲ ዕላማ ውጽኢታዊ ትካል ዲፕሎማሲ ምህናጽ'ዩ። ምስቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት [ቅልውላው] ዘራኽብ ዋላ ሓደ ምኽንያት የብሉን" ብምባል ነቲ ዝወሃብ ርኢይቶታት ልክዕ ኣይኮነን ኢሉ'ዩ።
እቲ ሚኒስትሪ ናብ ኤምባሲታቱን ቆንስላ ቤት ጽሕፈትን ኣብ ዝልኣኾ ደብዳበታት፡ ንሰራሕተኛታቱ ሓደሽቲ ስልጠናታት ንምሃብ ከምኡ'ውን ብዝተመሓየሸ ኣወዳድባን ሓይሊ ሰብን ንምጥንኻር ከም ዝኾነ ይሕብር።
ኣብቶም ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፌደራል ሓያል ጸቕጢ ክገብራ ካብ ሞንጎ ዝጸንሓ ሃገራት ምዕራብ ሓንቲ ኮይና፤ ፈላመይቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እገዳ መገሻ ዝደንገገት ሃገር እያ።
እታ ልዕሊ 100 ሚሊየን ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ዝዓበየ ረድኤት ኣመሪካ እትቕበል'ኳ እንተኾነት፡ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ግን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን “ካብ ኢትዮጵያ ኢድኩም ኣልዕሉ” ብዝብል ጭርሖ ማሕበረሰብ ዓለም ካብ ዘቤታዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኢዶም ክእርንቡ ጸዊዖም'ዮም።
ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ እዋን ብሰንኪ ጎንጺታት ብዘንቆልቆል ዘሎ ጉዳይ ድሕነት ከምኡ'ውን ብሕጽረት ሸርፊ ወጻኢ ብዘጋጠም ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላውን ልዑል ዝቕባበን ትፍተን ምህላዋ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ምንጪ ስእሊ, Ethiopia Press Agency
ሳዕቤን ምዕጻው እቶም ሚስዮናት
ኢትዮጵያ ካብ ዘመን ሃይለስላሴ ጀሚሩ ብዓበይቲ ዲፕሎማሲያዊ ዓወታታ እትፍለጥ፡ መስራቲትን ኣባልን ዓለምለኻዊ ትካላት እያ።
ብዙሓት ዓለምለኻዊ ውዕላት ካብ ዝፈረማን ዳርጋ ኣብ ብኹሉ ዓለምለኻዊ ስምምዓት እትግዛእ ኮይና ልዑል ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ብምውጻእ ስሙያት ዲፕሎማሰኛታት ብምፍራይ ትጽራሕ።
ክኢላ ዲፕሎማስን ዓለምለኻዊ ርክባትን ዳዊት፡ "ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን እዚ ኹሉ ዓወታት ብዝለዓለ ናህሪ ናብ ታሕቲ ወሪዲኡ፤ እቲ ዘጋጠመና ዲፕሎማሲያዊ ውድቀት ንልዕሊ 50 ዓመታት እናተሃነጸ ዝመጽአ ዲፕሎማሲ ብሓንሳብ ክዓኑ ገይሩ" ብምባል ቅርታኡ ይገልጽ።
ከም ሚኒስትሪ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ዲፕሎማሲያዊ ኣድማስ ምስፋሕ፣ ተወሳኺ ኤምባሲታት ምኽፋት እምበር ክንድ'ዚ ዝኣክል ምንካይ ዝብል ነይሩ ኣይፈልጥን ይብል ዲፕሎማተኛ መርከብ ነጋሽ'ዩ።
እንተኾነ፡ "እታ ሃገር ነዚ ክሽከም ዝኽእል ፋይናንሳዊ ዓቕሚ የብላን፤ ይኹን'ምበር ንኣኼባታትን ካልኦት ጉዳያትን ብዙሕ ገንዘብ ዘውጽእ መንግስቲ'ዩ። ስለዚ እዚ ብዙሕ ዘእምን ኣይኮነን" ክብል ነቲ ውሳነ ይነቕፎ።
እተን ኤምባሲታትን ቆንስላ ቤት ጽሕፈትን፡ ረብሓ ሃገር ንምኽባር ኣብ ዝሕግዙ ስራሕቲ ክነጥፋ ምጽንሐን ዝገልጹ እቶም ሰብ ሞያ፡ እዚ ዲፕሎማሲያዊ፣ ቁጠባውን ህዝባዊ ረብሓ ምኽባርን ክኸውን ከም ዝኽእል ይዛረቡ።
እተን ኤምባሲታት ድማ ኢንቨስትመንት ወጻኢ ኣብ ምስሓብ፣ ውሽጢ ዓዲ ምህርታት ምሻጥን ቱሪዝም ኣብ ምስሓብን ትኹረት ዝገበረ ምንቅስቓሳት ከም ዝጸንሐን ሓቢሮም።
ግን ድማ ኢትዮጵያ ብዙሕ ረብሓ ዘይትረኽበሎም ኤምባሲታት ብኣንጻሩ ድማ ትሑት ኣፈጻጽማን ኣወሃህባ ኣገልግሎት ዘለዎምን ኣብያተ ጽሕፈት የለውን ድዮም? ክንብል ዝተወከስናዮ ክኢላ ዲፕሎማሲ ሰመረ፡ ክጽናዕ እንከሎ ክፍተት ዘለዎ ሓደ ወይ ክልተ ክህሉ ይኽእል፤ ብሓንሳብ 30 ዝኣክል ሚስዮን ምዕጻይ ግን ካልእ ትርጉም እዩ ዘለዎ ይብል።
"ብዙሕ ቁጠባውን ፖለቲካውን ረብሓ ክርከበን ኣይኽእልን ዝብሃላ ኣለዋ፤ ብዙሕ ዜጋ'ውን ዘይብለን። ግን ድማ እዞም ኣብያተ ጽሕፈት ብዙሕ ዓጺኻ ብርሑቕ ውጽኢታዊ ስራሕ ክስራሕ ኣይኽእልን። ካብ ምዕጻው ኣጠናኺርካ ኣገልግሎት ምሃብ'ዩ መፍትሒ ክኸውን ዝኽእል" ኢሉ።
ሕጂ ግን፡ ብሓደ ግዜ እታ ሃገር ዝነበራ ብዝሒ ኤምባሲታት ብፍርቂ ክትዓጽፎ ወይ ክትንክዮ እንከላ ዓብዪ ክሳራ ምህላዩ ዘመላኽት'ዩ ዝብል ሰመረ፡ "ሕጂ ናብ ፖለቲካ ዘዘንበለ ድልየት ይርኣይ ስለ ዘሎ፡ ብደረጃ ኢኮኖሚ ክሳርኡ ብዙሕ'ዩ፤ ምክንያቱ ከም ድሌትካ ኢንቨስትመንት ወጻኢ ክትስሕብ፣ ወይ ንግዲ ክትሸይጥ ወይ ናብ ውሽጢ'ውን ክትስሕብ ኣይትኽእልን" ኢሉ።
ስግግር ቴክኖሎጂ ምምጻእ፣ ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ዜጋታት ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ብኣሳልጦ ምቕራብ ኮነ ምስተን ሃገራት ጥቡቕ ዝኾነ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኣብ ምቕጻል'ውን ጽልዋ ከም ዝፈጥር ይጥቀስ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣምባሳደር ዲና ግን እቲ ምዕጻው፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኖም ክሰርሑ ምግባርን ገለ ኤምባሲታት ብምዕጻፍ ኣገልግሎት ደሪብካ ክወሃብ ምግባርን ድማ ሓድሽ ከም ዘይኮነ ሓቢሩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







