ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣልጄርያ ተዓጽዩ

ምንጪ ስእሊ, ETHIOPIAN EMBASSY, ALGIERS
ኢትዮጵያ ኣብ ኣልጅርያ ዝነበረ ኤምባሲኣ ከም ዝዓጸወት እቲ ኤምባሲ ትማሊ ብወግዒ ኣፍሊጡ።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ቁጠባ ኢትዮጵያ ብዘብጽሖ ሃሰያ፡ ሕጽረት ገንዘብን ምንጋዕ ቁጠባን ስለ ዘጋጠመ ከም ዝተዓጸወ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ኤምባሲ ብማሕበራዊ መራኸቢ ኣፍሊጡ።
ብዘይካ’ዚ ኣድላዪ ምምሕያሻት ብምግባር ኢትዮጵያ ኣብ ዲፕሎማሲ ዓለም ብዝያዳ እትውከለሉ መገዲ ንምእላሽ ዝዓለመ ውሳነ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ።
ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሃገሩ ካብ ዘለውዋ ልዕሊ 60 ኤምባሲታት ኣስታት ፍርቂ ናይ ምንካይ ትልሚ ከም ዘለዋ ኣእንፊቱ ነይሩ።
ነዚ ስዒቡ እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ ኤምባሲታትን ቆንስላ ኣብያተ ጽሕፈትን ናይ ምዕጻው፣ ኣምባሳደራት ከምኡ'ውን ሰራሕተኛታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስን ስራሕቲ ከም ዝተጀመሩ ይፍለጥ።
ኣብ ኣልጀርያ ዝነበረ ኤምባሲ ብጊዚያውነት ዝዕጾ ኮይኑ ካብ 30 መስከረም 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ብዘይነብር [ካብ ኢትዮጵያ ኮይኑ ብዝሰርሕ] ኣምባሳደር እቲ ስራሕ ከም ዝስራሕ ተሓቢሩ።
እቲ ኤምባሲ ዝተዓጸወሉ ውሳነ ኣብ መጻኢ ንዝህሉ ምምሕያሽ ቁጠባ ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ዝኾነ እዋን ዳግም ክመሓየሽ ከም ዝኽእል እቲ ኤምባሲ ኣዘኻኺሩ’ሎ።
ውሳነ ምዕጻው ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣልጀርያ፡ ኣብ ሞንጎ ክልትኤን ሃገራት ብዝተበጽሐ ስምምዕ ከም ዝተፈጸመ ብምግላጽ ድማ ንዘለወን ታሪኻውን ድልዱልን ክልትኣዊ ርክብ ከም ዘይሃስዮ ኣብቲ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







