ቀዳማይ ኲናት ዓለም፡ ንከይእሰር ጓል ኣንስተይቲ ዝመሰለ ጀርመናዊ ሌተናል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቀዳማይ ኲናት ዓለም እናቐረበ ምስ መጽአ፡ ሓደ ጀርመናዊ ሓላፊ ኣብ ቀይዲ ንዘይምእታው ክብል ኣብ ሞንጎ ብዙሓት ሰባት ዝተሰለፍሉ ውቅብቲ ጓል ኣንስተይቲ መሲሉ ተሰሊፉ።
ሌተናል ሄንሪክ ሄኒዝ ክልተ ግዜ ካብ መዳጎኒ እሱራት [ምሩኻት] ኲናት ክሃድም እንከሎ ኣብ ሓደ እዋን ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ለንደን ይነብር ነይሩ።
ይኹን'ምበር፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 1918 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ናብ ካርዲፍ ብምኻድ ስለ ምንታይ ኢዱ ንሰብ መዚ ክህብ ገይሩ?
ሂስትሪ ፖይንት ዶት ኦርግ፡ ሰባት ብቐጥታ ታሪኻዊ ሓበሬታ ናብ ስልኮም ክበጽሖም ዘኽእል 2000 ታሪኻት እሱራት ኲናት [ምሩኻት] ኣብ ዌልስ ኣዳልዩ ኣሎ።
እዚ ብQR code ኣቢልካ ናብ ታሪኽ ሌተናል ሄንዝ ዝወስድ መላግቦ ኣብ ጥቓ ቤት ፍርዲ ካርዲፍ ክራውን ኣብ ዝርከብ መደብር ፖሊስ ክታይስ ፓርክ ተጠቒዑ ይርከብ።
ኤዲተር ሂስትሪ ፖይንት ዶት ኦርግ ርሆድሪክ ክለርክ ኣብቲ ግዜ ምጥፋእ እዚ ሌተናል ኣመልኪቱ ብዙሕ ግምታት ይወሃብ ከም ዝነበረ የዘኻኽር።
"ሓደ እቲ ብዌስተርን ሜይል ዝወጽእ ዝነበረ ጸብጻባት እቲ ኲናት ኮይኑ ሽዑ ጀርመናውያን ኣብቲ ኲናት ክስዓሩ ቐሪቦም ስለ ዝነበሩ፡ ቖራጽነት ሌተናል ሄንዝ በዚ ተጎዲኡ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ዝብል'ዩ።
"ካልእ ድማ ኤውሮጳ ካብ 1918 ክሳብ 1919 ብለበዳ ኢንፍሉዌንዛ ተጠቒዓ ስለ ዝነበረት፡ ንሱ'ውን በቲ ሕማም ተለኺፉ'ዩ ዝብል'ዩ" ኢሉ።
ንኻልኣይ ግዜ፡ ኣብ ከተማ ዌክፊልድ ካብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ክሃድም እንከሎ፡ ኣብ ለንደን "ሓንቲ ጽብቕቲ ሰበይቲ" መሲሉ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ናብራ ይነብር ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ዝነበራ ጋዜጣታት፡ "ዋላ ሓደ ወዲ ተባዕታይ ምዃኑ ክፈልጥ" ብዘየኽእል መገዲ ንርእሱ ጓል ኣንስተይቲ ኣምሲሉ ይቐርብ ከም ዝነበረ ጽሒፈን።
ብ30 ጥቅምቲ 1918 ጋዜጣ ዌስተርን ሜይል ሒዙዎ ኣብ ዝወጽአ ጸብጻብ "ምስ ንኡሽቶ ጭውነትን ህንጸትን ዝጎደሎ ምስሊ፡ እቲ ሌተናል ጽሩይ ገጽ ዘለዋ ሰሓቢት ጓል ኣንስተይቲ'ዩ ዝመስል" ክብል ጽሒፉ።
እንተኾነ፡ እቲ ጋዜጣ ተመሊሱ ብባቡር ናብ ካርዲፍ ከም ዝኸደ ጽሒፉ ነይሩ።
ኣብቲ ግዜ፡ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ኤንጅል ብሽም ሓንቲ "ጽብቕቲ ኢንግሊዛዊት ኣረጊት" ተመዝጊቡ ከም ዝዓረፈ ተሓቢሩ።
ሕንቅሕንቅሊተይ
ሄኒዝ ምስ ተመለሰ፡ ጸሊም ነዊሕ ሱፍን ምዕሩግ ኮትን ደሪቡ "ኣመና ማዕሪጉ" ናብ ዓብዪ ንግዳዊ ተጉዓዚ መሲሉ ኢዱ ክህብ ናብ መደብር ፖሊስ እዩ ከይዱ።
እታ ጋዜጣ፡ ዋላ ሓደ መን ምዃኑ ዝጠርጠረ ኮነ ዝሓተቶ የለን ኢላ።
"ናይ ብዙሓት ምሩኻት ታሪኽ ጽሒፍና ኢና። ገሊኦም ታሪኻት ጸገም፣ ዕሽሽነት ወይ ጭካነ ኮይኖም፡ ገሊኦም ክኣ ኣብ ዌልስ ምቹእን ሕጉስን ህይወት ክነብሩ ዝጀመሩ ምሩኻት ነበር እዮም" ይብል ክለርክ።
እዚ ሰባት ብስልኮም ሓበሬታ ክረኽቡ ዘኽእል ሓድሽ ኣሰራርሓ ድማ ኣብ መወዳእታ እቲ ኲናት ብዛዕባ ዝነበሩ 'ሕንቅልሕንቅሊተይ' ዝኾኑ ታሪኻት ክፈልጡ ክሕግዞም ተስፋ ይገብር።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







