ዓብዲዓዚዝ መሓመድ ጉለድ፡ ፍሉጥ ሶማልያዊ ጋዜጠኛ ብመጥቃዕቲ ቦምባ ተቐቲሉ

ዓብዲዓዚዝ ሞሓመድ ጉለድ

ምንጪ ስእሊ, @Abdiaziz_afrika/Twitter

መግለጺ ስእሊ, እቲ ቀዳማይ ሚኒሰተር ሶማልያ፡ "ዓብዲዓዚዝ ኣዝዩ ትጉህ ጋዜጠኛ እዩ ነይሩ" ክብል ንኢድዎ።

ሓደ ንኣልሻባብ ኣትሪሩ ብምንቃፍ ዝፍለጥ ስሙይ ሶማልያዊ ጋዜጠኛ ብነፍሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ቦምባ ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ከም ዝተቐትለ ተፈሊጡ።

ዓብዲዓዚዝ መሓመድ ጉለድ ፡ ዓብዲዓዚዝ ኣፍሪቃ እናተባህለ'ውን ዝጽዋዕ ኾይኑ፡ ትማሊ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሓደ ቤት መግቢ ክወጽእ ክብል እዩ እቲ መጥቃዕቲ በጺሕዎ።

ካልኦት ኣብ ጥቓኡ ዝነበሩ ክልተ ሰባት ድማ በቲ መጥቃዕቲ ጉድኣት ከም ዝበጽሖምን ሽዑ ንሽዑ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስዱን ተፈሊጡ።

ኣልሻባብ ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ ሓላፍነት ዝወሰደ ኾይኑ፡ ዕላምኡ ድማ ነቲ ኣብ ራድዮ ሞቃዲሾ ዝሰርሕ ዝነበረ ጋዜጠኛ ከም ዝኾነ ዕላዊ ገይሩ።

ራድዮ ሞቃዲሾ ንምንጭታት ፖሊስ ጸሪሑ ከም ዝጸብጸቦ፡ እቲ መጥቃዕቲ ቦምባ እቲ ጋዜጠኛ ምስ ዳይሬክተርን ሃገራዊ ቴሌቪዥን ሶማያልን ሹፌርን እንከሎ እዩ እዩ ተፈንጂርዎ።

እቲ ጸብጻብ ድምጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማሊያ መሓመድ ሑሴን ሮብል'ውን ዘካተተ ኾይኑ፡ ንሱ ንስድራ እቲ ጋዜጠኛ ሓዘኑ ከም ዝገለጸን ጽንዓት ይሃብኩም ከም ዝበለን ገሊጹ።

"ዓብዲዓዚዝ ኣዝዩ ትጉህ ጋዜጠኛ እዩ ነይሩ። ንሱ ንሃገሩ፣ ንሃይማኖቱን ንህዝቡን ብወነን ሓቦን ዘገልግል ዝነበረ ንፉዕ ጋዜጠኛ እዩ" ክብል ንኢድዎ።

ጉለድ ብፍላይ ምስ ኣልሻባብ ርክብ ዘለዎም ጥርጡራት ቃል መሓትት ብምግባር ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ሰማዒ ይስሕብ ከም ዝነበረን ህቡብ ኮይኑ ከም ዝነበረን ይዝረብ።

መናእሰይ ዝብል ትርጉም ዘለዎ ኣልሻብብ ብዝብል ዝፍለጥ እስላማዊ ጉጅለ፡ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገረት ዝቖመ ድኹም መንግስቲ ንልዕሊ ዝሓለፉ ኣሰርተ ዓመታት ተቓሊስዎ ኣሎ።

እቲ ጂሃዲስት እስላማዊ ጉጅለ፡ ብወተሃደራት ሕብረት ኣፍሪቓ ኣብ 2011 ክሳብ ዝወጽእ ንሞቓድሾ ሓዊሱ ንኣብዝሓ ከባብታት ሶማልያ ተቖጻጺሩ ነይሩ።

ሕዚ'ውን ብፍላይ ኣብ ገጠራት እታ ሃገር ሰፋሕቲ ግዝኣታት ብምቁጽጻር ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቃዲሾን ኣብ ካልኦት ከባብታት እታ ሃገርን ተኸታተልቲ መጥቃዕቲ ክፍጽም ይስትውዓል።

ኣብዝሓ ህዝቢ ሶማልያ ተኸተልቲ ሱፊ እንትኾኑ፡ ኣልሸባብ እቲ ኣዝዩ ኣኽራሪ ኣተሓሳስባ ዝብሃል ሃገረ ስስዑዲ ዝድገፍ ወሃብያ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣተሓሳስባ እዩ ዘሰጉም።

ካብዚ ብዝብገነስ እቲ ጉጅለ ኣብ ዝቆጻጸሮም ከባብታት ኣዝዩ ሕሱም ዝኾነ ስጉምቲታት ክወስድን ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ጭካነ ዝተመልኦ መቕጻዕቲታት ክትግበር ይስትውዓል።

ሓደ መረዳእታ ከም መላኽቶ፡ ካብ 2010 ጀሚሩ ዛጊድ ልዕሊ 4 ሽሕ ሶማልያውያን ብኢድ እቲ ጉጅለ ህይወቶም ስኢኖም እዮም።