ወደባዊት ከተማ ሞዛምቢክ ብእስላማውያን ዕጡቓት ተታሒዛ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ምስ እስላማዊ ጉጅለ ዳዕሽ ምትሕሓዝ ከምዘለዎም ዝግለጹ እስላማውያን ዕጡቃት ሞዛምፒክ፡ ንኣገዳሲት ወደብ ሞዛምቢክ ዝኾነት ከተማ ሞሲምብኣ ዳ ፕራያ ድሕሪ ንመዓልታት ዝቀጸለ ኵናት ከምዝተቆጻጸርዎ ጸብጻባት ሓቢሮም።
እዛ ኣብ ጫፍ ሰሜናዊ ክፋል ሞዛምኩክ እትርከብ ወደባዊት ከተማ፡ እቶም ኣብኣ ዓሪዶም ዝነበሮ ወተሃደራት መንግስቲ በቶም እስላማውያን ዕጡቓት ተደፊኦም ብጀላቡ ሃዲሞም ከምዝወጽኡ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን ኣለዋ።
እታ ወደባዊት ከተማ ካብቲ ልዕሊ 60 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ማእከል ባህርያዊ ጋዝ ዝኾነ ቦታ ቀረባ ምኳና’ዩ ዝግለጽ።
ኣብ ቀረባ ግዜ እቶም እስላማውያን ዕጡቓት ዝበዝሐ ክፋል ሰሜናዊ ክፋል ሞዛምቢክ ብምቁጽጻሮም ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ንኽፈናቀሉ ምኽንያት ኮይኖም ይርከቡ።
እዞም ምስ ኣይሲስ ርክብ ከም ዘለዎም ዝግለጹ እስላማውያን ዕጡቓት ንወደባዊት ከተማ ሞሲምብኣ ዳ ፕራያ ምቁጽጻሮም ንዞባ ሰሜን እታ ሃገር ንምቁጽጻር ክሕግዞም ከምዝኽል’ዩ ዘጥቀስ።
እቲ ወደብ ነቲ ብትካል ቶታል ዝርከብዎም ዓበይቲ ትካልት ዝዕደን ዘሎ ባህርያዊ ጋዝን ጭቃ ነዳድን ቀረባት ኣብ ምረጋፍ ክነጥፍ ዝጸንሐ እዩ።
እቲ መዐደኒ ባህርያዊ ጋንዝን ነዳድን ካብቲ ወደብ ኣስታት 60 ኪሎ ሜተር ርሒቑ’ዩ ዝርከብ።
እቲ በዞም እስላማውያን ዑጡቓት ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕትታት ኣብ 2017 ኣብ ዞባ ካቦ ደልጋዶ ዝጀመረ ኮይኑ ኣብዚ ዓመት ግን መጥቓዕትታቱ ኣሐይልዎ ይርከብ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ኣይሲስ ኣብ ጥቃ ወደባዊት ከተማ ሞሲምብኣ ዳ ፕራያ ብዙሓት ወተሃደራት መንግስቲ ብምቕታል ክልተ ወተሃደራውያን መዓስከራት ከምዝተቆጻጸረን ብዘሓት ወተሃደራዊ ንብረት ከምዝማረኸን ሓቢሩ ነይሩ።
ታንዛንያ ብወገና ኣብቲ ምስ ሞዛምቢክ ዘዳውባ ቦታታት ዝንቀሳቐሱ ጅሃዳውያን ጉጅለታት፤ ኣንጻሮም ዝዓለመ ወተሃደራዊ ስርሒታት ከምእተካይድ ሓቢራ ኣላ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







