ሞዛምቢክ፡ 'ኣልሻባብ' ተባሂሎም ዝጽውዑ ዕጡቓት ከተማ ተቖጻጺሮም

ሞዛምቢክ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ጂሃዳውያን ዕጡቓት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሞዛምቢክ ንእትርከብ ቀንዲ ከተማ ከም እተቖጻጸሩ ካብታ ሃገር ዝወጽኡ ጸብጻባት ሓቢሮም።

እቶም ዕጡቓት፡ ነቲ ኣብ ከተማ ሞሲምብያ ዲ ፓራያ ዝርከብ ወታሃደራዊ መዓስከር ድሕሪ ምቁጽጻር ባንዴራኦም ከም ዝሰቐሉ ፖሊስ ገሊጹ።

ሰራዊት መንግስቲ ዝርከቦም ሓይልታት ጸጥታ፡ ነታ ከተማ ንምምላስ ጸረ-መጥቃዕቲ ከፊቶም ከምዘለዉ'ውን ፖሊስ ጠቒሱ።

እስላማውያን ዕጡቓት ንሓደ ዓቢ ከተማ ክቆጻጸሩ እዚ ናይ መጀመርታ'ዩ።

መብዛሕትኡ እዋን፡ ንኣሽቱ ቁሸታትን ሕርሻታትን ዒላማ ክገብሩ'ዮም ዝራኣዩ።

እቲ ከባቢ፡ ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ናይ ኣስታት 60 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ዝገበራሉ ናይ ባህርያዊ ጋዝ ፕሮጀክት ዝርከበሉ'ዩ።

በቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ዝሰንበዱ ነበርቲ፡ ኩሉ መውጽኢ መንገድታት ተዓጽዩ ከም ዘሎን፡ ተኸርዲኖም ከምዝርከቡን ተዛሪቦም።

"ንነበርቲ ናብ መስጊድ ወሲዶም ይዓጽውዎም ኣለዉ" ክብል ሓደ ነባሪ ከም ዝተዛረበ ሞዝ24 ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ'ታ ሃገር ገሊጹ።

ኣብቲ ንሰለስተ ዓመት ዝቐጸለ ጎንጺ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ኣሽሓት ተፈናቒሎም።

ዋላ'ኳ ደገፍ ናይ ሩስያዊ ወታሃደራዊ ትካል እንተረኸበ፡ መግስቲ'ቲ ሞዛምቢክ ነቲ ኩነታት ክቆጻጸሩ ኣይክኣለን።

እቶም ዕጡቓት ንርእሶም 'ኣልሸባብ' ኢሎም ዝጽውዑ ኮይኖም፡ ምስቲ ኣብ ሶማልያ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ኣልሸባብ ጥቡቕ ርክብ ምህላዎም ንጹር ኣይኮነን።

ኣውራጃ ካቦ ደልጋዶ፡ ዝደኸየት ዞባ'ኳ እንተኾነት፡ ዘይተመዝመዘ ሃብቲ ማዕድናትን ጋዝን ከም ዘለዋ ይፍለጥ።

ኣብ 2010፡ ሞዛምቢክ ብርክት ዝበለ ዕቑር ሃብቲ ጋዝ ኣብቲ 'ሮቩማ ባዚን' ዝተባህለ ኣብ ውሽጢ ማያት ገማግም ባሕሪ ካቦ ደልጋዶ ረኺባ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ድማ፡ ኤክሶንሞቢል ዝተባህለ ዓቢ ኩባንያ ጸዓት፡ ነቲ ሃብቲ ንምምዝማዝ፡ ንቀዳማይ ገጽ ዝውዕል ልዕሊ 500 ሚልዮን ዶላር ከፍስስ መደብ ከምዘለዎ ብውግዒ ገሊጹ ነይሩ።