ክልተ ወተሃደራት ኡጋንዳ ኣብ ሶማልያ ንሞት ተፈሪዶም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሓሙሽተ ኣባላት ኣሚሶም [ሰላም ኣኽባሪ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሶማልያ] ኮይኖም ኣብ ምዕቃብ ሰላም ዝተዋፈሩ ወተሃደራት ኡጋንዳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርኺ ነሓሰ ሓሙሽተ ሰላማዊ ሰባት ብምቕታል ገበነኛታት ኮይኖም ተረኺቦም።
እቶም ክልተ ወተሃደራት ብሞት እንትፍረዱ፡ እቶም ዝተረፉ ሰለስተ ድማ ናይ 39 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪድዎም።
እቶም ሰለስተ ማእሰርቶም ኣብ ኡጋንዳ ክቕጽሉ ናብታ ሃገር ተመሓላሊፎም ክወሃቡ እዮም ድማ ተባሂሉ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ከምዝብሎ፡ እቶም ነበርቲ ጎልወይን ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ኣብ መንጎ እቶም ዓቀብቲ ሰላምን ዕጡቓት ኣልሻባብን ኣብ ዝተኻየደ ውግእ እዮም ብዘይሕጊ ተቐቲሎም።
ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝምወል ኣኽባሪ ሰለም ሕብረት ኣፍሪቃ [ኣሚሶም] ኣብ ሶማልያ ንልዕሊ 14 ዓመት ተዋፊሩ ጸኒሑ ኣሎ።
ብፍላይ ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ሰፊሕ ግዝኣት ከምዝተቖጻጸሩ ዝንገረሎም ዕጡቓት እስላማዊ ኣልሻባብ እናተዋግኡ እዮም ጸኒሖም።
ካብቶም 20 ሽሕ ወተሃደራት እቲ ዓቃቢ ሰላም፡ ዳርጋ እቶም ሰለስተ ኢድ ዝኾኑ ካብ ኡጋንዳ ከምዝኾኑ እዩ ዝንገር።
እቲ ፍርዲ ዝሓለፈ ቀዳም ብወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ኡጋንዳ ዝተውሃበ እዩ።
እዚ ድማ፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ሕብረት ኣፍሪቃ ሰላም ናይ ምኽባር ወፍሩ ኣብታ ሃገር ኣስፊሑ ክቕጽል ምስ ሓተተ ድሕሪ ሓደ ወርሒ እዩ ዝኸውን ዘሎ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ፡ እቲ ኣጠናኺሩ ክቕጽለሎ ዝሃቀኖ ናይ ሰለም ምኽባር ስራሕቲ ናብ ተግባር ንምእታው ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካብ መንግስቲ ሶማልያን ምላሽ ይጽበ ኣሎ ተባሂሉ።
ኮማንደር ሓይልታት ዓቃቢ ሰላም ኡጋንዳ ብርጌደር ጀነራል ናባሳ፡ “ኣብ ሶማልያ ዘለና ተልእኾ ንዕጡቓት ኣልሻባብን ካልኦት ዕጡቓትን ዒላማ ዝገበረ እዩ። ህይወት ሰላማውያን ሰባት ውሑስ ናይ ምግባር ሓላፍነት ድማ ኣለና” ኢሉ ኣብ መግለጺኡ።
ገለ ስድራታት እቶም ግዳያት ነቲ ኣብ ሞቃዲሾ ዝወዓለ መጋባእያ ከምዝተኸታተሉ ቪኦኤ ጸብጺቡ።
ሑሴን ዖስማን ዋሱግ ዝተብሃለ ሓደ ካብ ኣባላት ስድራ ዝተቐትሉ ሰባት፡ “በቲ ናይቲ ቤት ፍርዲ ብይን ሕጉሳት ኢና። ነቶም ስድራ ግዳያት ድማ ግቡእ ካሕሳ ክረኽቡ ትጽቢት ንገብር” ኢሉ።
ንሱ ንሓደ ናይ ውሽጢ ዓዲ መራኸቢ ብዙሃን ከመዝበሎ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ሓዘን ዝርከቡ ኣባላት ስድራን ሽድሽተ ወተሃደራት ኡጋንዳን ኣብ ሕጊ ቀሪቦም መስኪሮም እዮም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







