ሞዛምቢክ፡ ንሓድሽ ላማ 'ኣልሸባብ' ዝብል ስም ዘጠመቐ ትካል ተቓውሞታት ይገጥሞ

ምንጪ ስእሊ, facebook
ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሞዛምቢክ ዞባ ካባ ደልጋዶ ሓደ ትካል ንዘፍርዮ ላማ 'ኣልሸባብ' ዝብል ስም ስለ ዝሃቦ ንነበርቲ ከርዕድ እንከሎ፡ ንሰበ ስልጣን እታ ሃገር ኸኣ ኣቃልቦኦም ስሒቡ ይርከብ።
እቲ ኣልሸባብ ዝተሰመየ ላማ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ህቡቡነቱ እናወሰኸ'ዩ ዝመጽእ ዘሎ።
ሰብ መዚ እታ ሃገር እቲ ትካል ምስቶም ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐሱ ኣልሸባብ ዝብሃሉ እስላማውያን ዕጡቓት ጉጅለታት ምትሕሓዝ ከይህልዎ'ዮም ዝጠራጠሩ ዘለዉ።
ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊስ እታ ሃገር በርናርዲኖ ራፋኤል፡ እቲ ኣልሻባብ ዝተሰመየ ላማ ዘፍሪ ትካል ምስ ዕጡቓት ኣልሻባብ ርክብ ከይህልዎን ኣካል ፕሮፓጋንድኦም ኮይኑ ይሰርሕ ከይህሉን ምጽራይን ምእካበን ሓበሬታን ከም ዝተጀመረ ገሊጹ።
ብመሰረት ካብ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ እቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ዞባ ካቦ ደልጋዶ ዝኾነት ከተማ ፐምባ ዝፈሪ ኣልሻባብ ዝተባህለ ላማ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ኣብ ዕዳጋ ክዝርጋሕ ከም ዝጀመረ እዩ ዝፍለጥ።
እቲ ላማ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞዛምቢክ ዝኾነት ማፑቶ ከይተረፈ'ውን ኣብ ዕዳግ ከም ዝርከብ ክግለጽ እንከሎ ኣብ ዞባ ማኒካ'ውን ንዕዳጋታት ላማ ብሒትዎ ከም ዘሎ'የን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ዝገልጻ።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







