ብላይንዲንግ ላይትስ፡ ሙዚቃ ኣቤል ተስፋዬ ኣብ ቢልቦርድ ቁጽሪ ሓደ ናይ ወትሩ ሙዚቃ ኮይና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
'ብላይንዲንግ ላይትስ' ዝተሰምየ ሙዚቃ ትውልደ ኢትዮጵያዊ ካናዳዊ ሙዚቀኛ ኣቤል ተስፋዬ [ዘ-ዊኬንድ] ኣብ ሰደቓ ሙዚቃ ቢልቦርድ ናይ ወትሩ ቑጽሪ ሓደ ሙዚቃ ንምዃን በቒዓ።
ብመሰረት ሓበሬታ ቢልቦርድ፡ እዚ ሙዚቃ ንዝሓለፉ 90 ሰሙናት ካብ ብሉጻት 100 ሙዚቃታት ኮይና ጸኒሓ'ያ።
በዚ መሰረት 'ብላይንዲንግ ላይትስ' ኣብ 1960ታት ዝወጽአት 'ዘ ትዊስት' ዝተሰምየት ሙዚቃ ቹቢ ቼከር ሒዛቶ ንዝጸንሐት ሰደቓ ቢልቦርድ ብምብላጽ ቀዳመይቲ ኾይና።
ብሉጻት ሙዚቃታት ቢልቦርድ ንዝሓለፉ 63 ዓመታት ሓደ ሙዚቃ ኣብ ሬድዮ ዝፍነወሉን ዝርግሐ መሸጥኡን መሰረት ብምግባር ብሉጻት ደርፍታት ክሓሪ ጸኒሑ።
ኣቤል ተስፋዬ ብሕዳር 2019 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ዝዘርግሓ 'ብላይንዲንግ ላይትስ' ክሳብ መስከረም 2021 ኣብ ስፖቲፋይ ልዕሊ 2.5 ቢሊየን ግዜ ተሰሚዓ።
እታ ሙዚቃ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብምዝርግሓ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ቲክቶክ ብዝለዓለ ደረጃ ክትድመጽን ኣብ 2021 ድማ ኣብ ዓብዪ ውድድር ስፖርት ኣመሪካ ዝኾነ 'ሱፐር ቦውል' ናይ ዕረፍቲ ሰዓት ብምቕራባ ነዚ ደረጃ ከም ዘብቅኣ ይግለጽ።
ቹቢ ቼከርስ ዝሰርሓ ሙዚቃ 'ዘ ትዊስት' ኣብ ቢል ቦርድ ቀዳመይቲ ኮይና ክትጸንሕ እንከላ ምስታ ዘ ዊከንድ ዝሰርሓ ሙዚቃ ተመሳሳሊ ቅዲ ሙዚቃ ዘለዋ ኮይና ሕጂ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ።
ኣቤል፡ ካብ ሙዚቃ ሓሊፉ ኣብ ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ገንዘብ ብምልጋስ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብዚ ዓመት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣምባሳደር ምግባረ ሰናይ ገይሩ ሸይሙዎ'ዩ።

ዓሰርተ ናይ ወትሩ ብሉጻት ደርፍታት ቢልቦርድ
1. Blinding Lights - ዘ ዊኬንድ
2. The Twist - ቹቢ ቼከር
3. Smooth - ሳንታና ምስ ሮብ ቶማስ
4. Mack the Knife - ቦቢ ዳሪን
5. Uptown Funk! - ማርክ ሮንሰን ምስ ብሩኖ ማርስ
6. How do I Live - ሊኣን ሪመስ
7. Party Rock Anthem - LMFAO ምስ ላውረን ኔመትን ጉንሮክ
8. I Gotta Feeling - ዘ- ብላክ ኣይድ ፒስ
9. Macarena (Bayside Boys Remix) - ሎስ ዴል ሪዮ
10. Shape of You - ኢዲ ሼረን






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







