ዓባይ ብሪጣንያ፡ ንዩክሬን ካብ ሩሲያ ንምክልኻል ‘ወተሃደራት ናይ ምልኣኽ ተኽእሎኣ ትሑት እዩ’ ተባሂሉ

ሩሲያ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ኣብ ዶባት ምብራቓዊ ዩክሬን ብምጽግዓ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ንፕሬዝደንት ቭላድሚር ፑቲን የጠንቅቑ ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሩስያ ንዩክሬይን እንድሕር ወሪራ፡ ብሪታንያ ነታ ሃገር ንምክልኻል ወተሃደራት ናይ ምልኣኽ ተኽእሎኣ ትሑት ከምዝኾነ ሓላፊ ምክልኻል እታ ሃገር ተዛሪቡ።

ቤን ዋላስ “ወተሃደራት ‘ክንልእኽ ኢና’ ኢልና ክነታላል ኮነ ክንቕልድ ኣይንደልን” ክብል ስፔክተር ንዝተብሃለ መፅሄት ሓቢሩ።

ሩሲያ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ኣብ ዶባት ምብራቓዊ ዩክሬን ብምጽግዓ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ንፕሬዝደንት ቭላድሚር ፑቲን የጠንቅቑ ኣለዉ።

ሩስያ ብወገና፡ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን መጥቃዕቲ ክትፍንዉ ተዳልያ ኣላ ዝብል ኣትሪራ ብምቅዋም ምስ አመሪካ ብህጹጽ ዘተ ክጅመር ጸዊዓ ኣላ።

ብኣመሪካ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ዘካይዶ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ጥቡቕ ገደብ ክግበረሉ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዕለተ ዓርቢ ሓቲታ ነይራ።

ሓላፊ ምክልኻል ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሐትት፡ ዩክሬይን "ኣባል ኔቶ ኣይኮነትን፤ ስለዚ ዝኾነት ሃገር ምስ ሩስያ ንምፉኽኻር ናብኡ ወተሃደራታ ናይ ምልኣኽ ተኽእሎ የብላን” ኢሉ።

“ነዚ ኢና ድማ ፕሬዚዳንት ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዩክሬን መጥቃዕቲ ከይፍጽም ክንዲ ዝኸኣልናዮ ብዲፕሎማሲ ኣቢልና ንፍትን ዘለና፤ እንተኾነ እዚ ንምምካት ቁጠባዊ ማዕቀብ ናይ ምንባር ዕድል ዝለዓለ እዩ" ኢሉ።

ዋላስ ቅድም ክብል "ኣብ ጎኒ ህዝቢ ዩክሬን ጠጠው ንምባል ቆሪጽና ተልዒልና" ኢሉ ነይሩ።

ኣብዚ መእተዊ እዚ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስተር ዩናይትድ ኪንግደም ቦሪስ ጆንሰን፡ “ፑቲን ኣብቲ ዞባ ህውከት እንተፈጢሩ ዝኸፍአ ዓጸፋዊ ምላሽ ክስዕቦ እዩ” ክብል ኣጠንቂቑ’ዩ።

ኣውሮፓ ካብ ሶቭየት ሕብረት ነበር ከጋጥምዋ ንዝኽእሉ ስግኣታት ንምክልኻል ዓሊሙ ዝተጣየሸ ወተሃደራዊ ቃል ኪዳን ኔቶ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ባልቲክ ሪፐብሊክን ፖላንድን ሓይልታት ከምዘለዎ ይግለጽ።

ምኽትል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ርያበኮቭ፡ ሃገሩ ሩስያ ንኣመሪካን ኔቶን ክልተ ናይ ስምምዕ ውጥናት ከም ዘቕረበትሎም ሓቢሩ።

ንዕኡ ካብ ምግባር ወጻእ ካልእ ኣማራጺ ከም ዘይነበረ ዝገለጸ እቲ በዓል ስልጣን “ኣብ መንጎ ሩስያን ምዕራባውያንን ኣብ ዘይምትእምማን ሰረት ዝተሰረተ ርክብ’ዩ” ኢሉ።

መንግስቲ ሩስያ ድሕሪ ውድቀት ሶቭየት ዩኒየን ናብ ወተሃደራዊ ቃል ኪዳን ኔቶ ዝተጸምበራ ሃገራት ንሃገሩ ስግኣት ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት ወተሃደራት ኮነ ኣጽዋር ኵናት ከጸግዓ ከም ዘይብለን ከም ሓደ ጠለብ የቕርብ።

እዚ ማለት መጥቃዕቲ ከካይድሉ ካብ ዝኽእሉ ከበድቲ ተተኮስትን ናይ ውግእ መራኽብን ኣብ ዙርያ ክሊ ኣየርን ማያዊ ኣካልን ሩስያ ክንቀሳቐሳ ኣይፍቀደለንን ማለት እዩ።

ብኻልእ ኣዘራርባ ጠለብ ሩስያ፡ ኔቶ ኣብ ባልቲክ ሪፐብሊክን ፖላንድን ዋላ ሓንቲ ግደ ኣይክጻወትን ማለት’ዩ።

ዩክሩይን፡ ምስ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳን ምስ ሩስያን እትዳወብ ሃገር ኮይና፡ ምስ ሩስያ ዓᎁቕ ማሕበራውን ባህላውን ምትእስሳራት ኣለዋ።

ሩስያ፡ ዩክሬይን ናብ ኔቶ ናይ ምጽንባር ምንቅስቓሳት ኣርእያ ዝብል ክስታት ተቐርብ እያ።